27
Wed, Nov
0 New Articles

ልዕሊ 230 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጋዕዙ ኣብ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ቢቢሲ ሓቢሩ።

News
Typography

 ሓንቲ ልዕሊ 200 ዝኣኽሉ ካብኣቶም ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ሒዛ ናብ ጥልያን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ  ብዘጋጠማ ማዕበልን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ከም ዝጠሓለት ተረጋጊጹ ኣሎ። ካብዞም ዝጠሓሉ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኤርትራውያን ኣሓዋትና ክርክብዎም ይከኣል እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ወረ ካብ እንሰምዕ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። መንእሰያት ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕሰም መነባብሮን ጸቕጥን ካብ ሃገር ተሰዲዶም ከይኣክል እንሆ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣደራዕ ድማ ይበጽሖም ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እዚ ገጢሙና ዘሎ ኣዚዩ ኣዚዩ ጸልማት ዝዀነ ሃዋህው ሃገርና ኣምላኽ ክልውጠልና ተሰሚዒና ክንጽሊ ነተሓሳስብ። ስቓይ ህዝብና መዓልታዊ እናኸፍኣ እምበር እናተማሓያሸ ኣይከይድን እዩ ዘሎ። ህዝቢ እምብዛ መሪርዎ ኣሎ። ናይዚ ኹሉ መፍትሒ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብዛዕባ እዚ ወሪዱ ዘሎ ኩነት ክጽሊ ዳግማይ ነተሓሳስብ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ልብያ ዘለዉ ኣብ ኣዚዩ ኩቱር ሕሰም ዘለዉ ብእምኽእሎ ዘበለ ኩሉ ንሓግዞም።