24
Wed, Apr
0 New Articles

መጽሄት ቀርሜሎስ

Message 1
Typography

 መንፈሳዊ ትንሳኤን ተሓድሶን

ኣድሓኖም ሕዱግ

(1) ትርጉም ቃላት

(ሀ) ተሓድሶ፦ሓደ ነገር ወይ ውን ኩነታት መሰረታዊ መንነቱ ለዊጡ ወይ ኣበላሽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ከተዐርዮን ናብቲ መሰረታዊ፣ ወይ መበቆላዊ መንነቱ ክትመልሶን ከሎኻ፣ "ተሓደሶ፣" ይበሃል።


  (ለ) ትንሳኤ፦ሓደ ነገር መይ ኩነት መሰረታዊ መንነቱ ለዊጡ ወይ ኣባላሽዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ከምዘየሎን ከምዝሞተን ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ጥዑይ ህላዌ ኪመጽእ ከሎ፣ "ትንሳኤ፣" ይበሃል። ነዚ ቃላት'ዚ ብዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ከነብርሆ ይከኣል'ዩ፦

ኣብ መጽሓፍ ነህምያ 2 ምዕራፍ ከም እንርእዮ፣ መካበብያ የሩሳሌም ፈሪሱ እዩ ነይሩ። ነህምያ ኸኣ ህዝቢ ኣለዓዒሉ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መካበብያ ከም ዘዓረዮ፣ ወይ ከምዘሓደሶ ንርኢ። እዚ፣ "ተሓድሶ" እዩ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 15 (ዛንታ ናይቲ ጥፉእ ወዲ) እቲ ወዲ ‘ሞይቱ' ከም ዝነበረ ነንብብ። ነቲ ዝነበረ ቀዳማይ መንነት ፈጺሙ ኣጥፊእዎ ነበረ። ተጣዒሱ ናብ ቤት ኣቦኡ ምስ ተመልሰ ግና ሓውዩ ወይ ተንሲኡ እዩ። ካልእ ምስዚ ዝተሓሓዝ፦ ምንቕቓሕ፣ ምምላስ/ተመልሶ፣ ንስሓ... ዚብል ቃላት ከምዘሎውን ምግንዛብ የድሊ።

(2) ድሕረ ባይታ

(ሀ) እግዚኣብሄር ኣሐዳሲ እዩ

ኣምላኽ፣ ሰማይን ምድርን ኣባታቶም ዘሎ ኹሉን ምስ ፈጠረ፣ እቲ ፍጥረት ብሰንኪ እቲ ናይ ሰብ ሓጢኣት ነቲ መሰረታዊን መበቆላውን መንነቱ ኣጥፊኡ እዩ። እቲ ብልሽት ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ግና እግዚኣብሄር ፈጺሙ ኣይፈቐደን። ንፍጥረቱ ብፍላይ ከኣ ንሰብ ኬሐድሶ ደለየ። ከም ሓደ ብእግዚኣብሄር እተገብረ ናይ ተሓድሶ ዕዮ ኸኣ እቲ ኣብ ዘመን ኖህ እተገብረ ክጥቀስ ይከኣል። ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፋት 6789 እንተ ኣንበብናዮ፣ እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምን ወለዶኣን ብሰሪ ሓጢኣቶም ብማይ ኣይሂ ምስ ጠፍኤት፣ እግዚኣብሄር ቀጥታ ዕዮ ተሓድሶ ክዓዪ ከሎ ኢና ንርኢ፣ ንኹሉ ኣሓዲስዎ። እዚ መባእታዊ ዕዮ ተሓድሶ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጌሩ ሓድሽ ኪዳን ምስ ገበረ፣ እቲ ዝዓበየ ናይ ተሓድሶ ዕዮ ከምዝዓየየ ንግንዘብ፣ በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር እቲ ዝለዓለ ኣሓዳሲ ምዃኑ ነስተውዕል።

(ለ) ተሓድሶ ኣብ እስራኤል

ዘርኢ ኣብረሃም፣ እስራኤላውያን ተባሂሎም ክጽውዑ ምስ ጀመሩ ብዙሕ ከይደንጎዩ፣ ካብ ጥሜቶም ኪዕንገሉ ብምባል ናብ ምድሪ ግብጺ ወረዱ። ኣብኡ ንገለ ዓመታት ከቢሮም ድሕሪ ምንባር ኸኣ ኣብ ትሕቲ ፈርኦንን ህዝቡን ባሮት ኮኑ፣ እዚ ባርነት እዚ ኸኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ። ኣብ ግብጺ ብጠቕላላ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ምስ ተሰዱ ኸኣ፣ ኣምላኽ ብሙሴ ጌሩ ትንሳኤ ኪህቦም ከሎ ንርኢ። ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘጽኣት ቀዳሞት ምዕራፋት እንተ ኣንቢብና፣ ኣምላኽ ብ ሙሴ ጌሩ ንእስራኤል ካብ ግብጻውያን ሓራ ከምዘውጽኦም ንግንዘብ። እቲ ካብ ግብጺ ዝወጸ እስራኤል ከምብሓድሽ ተፈጢሩ እዩ፣ ኪበሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ፍልልይ ህይወት፣ እምብዛ ዓቢ እዩ።

ብድሕር'ዚ ሓደ እዋን እስራኤላውያን ንኻልእ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኸውን ዓመታት ብመሳፍንቲ ከም እተገዝኡ፣ ወይ ከም እተመሓደሩ ንርኢ። ኣብዚ ዘመን መሳፍንቲ፣ ህዝቢ እስራኤል ሓንሳእ ንኣምላኽ ይስዕብዎ ሓንሳእ ከኣ ይኽሕዱዎ ነበሩ። ኣብዚ ኸኣ ብንስሓ እናኪቐርቡ ኣምላኽ ድማ ዜድሕንዎም መሳፍንቲ እናሃበ ተሓድሶ ይህቦም ነበረ።

ድሕሪ ዘመነ መሳፍንቲ'ውን ከም ሰለሞንን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ነገስታት፣ ነቲ ህዝቢ ኪሕደስ ይገብሩ ነበሩ። ዳዊት ንቤተመቕደስ ህያው ኣምላኽ ዜድሊ ነገራት ብምቕራብ፣ ሰልሞን ከኣ ቤተመቕደስ ህያው ኣምላኽ ብምስራሕ፣ ንህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከም ዘምልኹ ጌሮሞም እዮም።

ብድሕሪ እዚ ድማ ኣብ ዘመነ ምርኮ ብእዝራን ነህምያን፣ ኣዝዩ ብፍሉይ ብዝዝከር ናይ ተሓድሶ ዕዮ ተተግቢሩ እዩ። እቲ ሽዑ እተገብረ ምህናጽ ቤተመቕደስን መካበብያን ከኣ ኣብ ታሪኽ ተሓድሶ እስራኤል ብሉጽ ኩርናዕ ይሕዝ።

(ሐ) ተሓድሶ ኣብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ

እተን ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተጠቒሰን ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያናት ኣኣብ ዘመኑ ንዚህልዋ ኣብያተ ክርስትያናት ዝውክላ ከምዝኾና ብዙሓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማምዑሉ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነተን ሸውዓተ ማሕበራት ክዛረበን ከሎ፤ ኪሕደሳ ወይ ድማ ነቲ እተሓደሰ ህይወት ኪዕቅባ ከምዘለወን እዩ ነጊርወን። ስለዚ ምሕዳስ ኣድላዩ እዩ። ኣብ ኩሉ ዘመን ቤተክርስትያን (ቅድሚ ምንጣቕ)  ከምዚህሉ ከኣ ንርዳእ።

በዚመሰረት'ዚ ቤተክርስትያን ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ብዓይነቶምን ብመጠኖምን ዝፈላለዩ ናይ ተሓድሶ መድረኻት ኣሕሊፋ ኣላ። ኣብዚ እቲ እተራእየ ናይ ተሓድሶን ትንሳኤን መድረኻት ኪዝረበሉ ቦታ'ኳ ዝጸብብ እንተኾነ፣ እቲ ኣብ መበል 16 ክ.ዘ. ብካቶሊኻዊ ካህን ማርቲን ሉተር እተበገሰ ናይ ተሓድሶ ምንቅስቓስ ግና ኣዝዩ ዓቢ ስለዝኾነ ክንጠቕሶ የድሊ እዩ። ኣብቲ ቤተ ክርስትያኑ ኣብ ዓቢ ውድቀት ዝነበረትሉ እዋን፣ ሉተር ሓቂ ሒዙ ተላዕለ። በዓል ሓቂ ሰዓብቲ ስለዘይስእን ከኣ፣ እቲ ኣብ ጀርመን እተወልዔ ናይ ተሓድሶ ሓዊ ኣብ ፈቐዶኡ ተናኸሰ፣ ክርስትና ከኣ ኪሕደስ ዕድል ረኸበ። ብድሕር'ዚ እውን ብዙሓት ናይ ተሓድሶ መድረኻት ሓሊፎም እዮም። እቲ ኣብ መፈለምታ 20 ክ.ዘ. እተኸሰተ በዓል ሓምሳውነትን ውህበታውነትን ከኣ ኪጥቀስ ይከኣል። እተን ሎሚ ኣብ ዓለም ብናህሪ ዚዓብያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናትን ኣገልግሎታትን ናይ በዓል ሓምስውያንን ውህበታውያንን (Pentecostals and Charismatics) ፍረ ናይዚ ተሓድሶ'ዚ እየን። ብዙሓት ናይ ፕሮቴስታንት ኣብያተ ክርስትያናት ውህበታውያን እናኾና ተሓዲሰን እየን። ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ልዕሊ 90 ሚልዮን እተሓደሱ ውህበታውያን (Charismatics) ኪርከቡ ተኻኢሉ እዩ።

እዚ ናይ ትንሳኤን ናይ ተሓድሶን ሓይሊ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ሃገርና'ውን ተራእዩ እዩ። ብዓቢኡ ቤተክርስትያን ሃገርና ክብል ከለኹ፣ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን እየ ዘመልክት ዘሎኹ። ካብዚ እቲ ኣብ ዳሕረዋይ ፍርቂ ናይ መበል 19 ክ.ዘ. ኣብ ጸዓዘጋ እተበገሰን፣ ብሚሶናውያን እተደገፈን፣ ተሓድሶ ኪጥቀስ ትከኣል። ቀጺሉ ኸኣ እቲ ኣብ መወዳእታ መበል 20 ክ.ዘ. ኣብ ኣስመራን፣ ብፍላይ ኣብ ቀንዲ ከተማታት ኤርትራን እተራእየ ዓቢ ተሓድሶ ይጥቀስ። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ካቶሊኻዊት ቤተክርስትያን፣ "ተሓድሶ" ብዚብል ስም እተላዕለ ናይ ተሓድሶ ዕዮ ዓቢ ፍረ ክፈሪ ክኢሉ እዩ። ስለዚ ኩሉ ዕዮ ኸኣ ኣምላኽ ይመስገን።

ፍቑር ኣንባቢ-ፍቕርቲ ኣንባቢት፣ ተሓድሶትንሳኤን መኣዝ እዩ ዚድለ? ነቲ ትርጉም እዘን ቃላት እንተዘከርኩም፣ መኣዝ ከም ዚድለ ኣይጠፍኣኩምን እዩ።

.

(3) ብሕታዊ ተሓድሶን ትንሳኤን

ልዕሊ ማንም ነገር ንእግዚኣብሄር እታ ብሕታዊት ህይወትካ እያ እተድልዮ። እግዚኣብሄር ህዝቢ እንትደልዩ ኣቐዲሙ ግለሰብ ኪረክብ ይመርጽ። ኣዳም እንተረኺቡ ኩሉ ሰብ ኪረክብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ። ንህዝቢ እስራኤል ኪረክብ ንሙሴ ኪረክብ ኔርዎ፣ ብድሕሪኡ`ውን ነቶም በብጊዜኡ ዝተንስኡ መሳፍንትን ነብያትን ነገስታትን። ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን`ውን ከምኡ እዩ። ብዙሓት ንኺረክብ ኣቐዲቡ ሓደ ኣዩ ዚረክብ። ስለዚ ፍቁር ኣንባቢ፣ በዛ ጽሕፍቲ ጌረ ብዛዕባ ብሕታዊ ተሓድሶን ትንሳኤን ናይ ህይወትካ ክዛረበካ፣ ፍቕርቲ ኣንባቢት`ውን ከምኡ።

ኣብ ብሕታዊ ትንሳኤን ተሓድሶን ብቐዳምነት ክዛረበሉ ዝዳለ ንጥቢ ኣሎ።

"ኣብ ብሕታዊ ተሓድሶ ዝኣተወ ሰብ ከባቢኡ ኬሓድስ ኣየጸግሞን እዩ። "

"ትንሳኤን ተሓድሶን ዘየድልዮ ክርስትያን ኣሎ" ክብል ኣይክእልን`የ ንኹሉ ዚምልከት`ዩ። ንኣገልጋሊ ጢሞቴዎስ እሞ ንርኣዮ። ንሱ ምስጉን መንእሰይ ኣገልጋሊ እዩ ዝነበረ። ኣብ ኣዒንቲ በዓል ሃዋርያ ጳውሎስ`ውን እተመስከረሉ እዩ ኔሩ። ግናኸ በቲ ናይቲ ዘመንቲ ዓቢ ኣገልጋሊ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፣ "...ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ።" ኢልዎ። (2ጢሞ. 17)። ስለዚ ምሕዳስ ንኹላትና ይምልከተና እዩ። ብሕታዊ ምሕዳስ ኣብ ውሽጥኻ እዩ ዚጅምር። ኣቐዲምካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሃዲእካ ኩነታትካ ትሓስብ። ዝጎደልካዮ ትመዝን። ክትገብሮ ዚግብኣካውን ትሓስብ።

"እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፣ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፣ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።" ሮሜ. 122

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ "ምሕዳስ ሓሳብ" ይዛረብ ኣሎ። ቅድሚ ዝኾነ ነገር ከኣ ምሕዳስ ሓሳብ እዩ ኪመጽእ ዘለዎ። ምሕዳስ ሓሳብ ኣብ ክርስትና፣ "ነቲ እግዚኣብሄር ክትሓስቦ ዚደልየካ ሓሲብካ ምኽኣል እዩ" ብዙሕ ጌዜ ሓሳባት ሰብ ይበላሾ እዩ። ሓሳብ እንተድኣ ተሓዲሱ ግና፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝብሎ፣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክትምርምር ትኽእል ከምኡ ድማ፣ ነዛ ዓለም ካብ ምምሳል ትልወጥ፣ እዚ ኸኣ እዩ እቲ ብእግዚኣብሄር ዚድለ ዓቢ ነገር። ሰብ ብሓሳቡ ኪልወጥ ክልተ ነገራት የድልዮ።

(1) ኩነታቱ ኪፈልጥ ኣለዎ። ኣብዚ ከም ኣብነት ክልተ ኩነታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስ እየ። እቲ ቀዳማይ ናይ ነህምያ ኩነታት እዩ። ንሱ ነቶም ካብ ይሁዳ ዝመጹ ገለ ሰባትን ንሓናኒ ሓውን፣ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡ ኣይሁድን ብዛዕባ የሩሳሌምን ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፣ "እቶም ዝደሓኑን እቶም ካም ምርኮ ዝተረፉን፣ ኣብኡ ኣብታ ሃገር ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ፣ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ፈሪሱ፣ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ፣" በልዎ። ነህምያ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፣ ሓያሎ መዓልቲ ሓዚኑ እናበኸየ ተቐመጠ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ ይጸውምን ይጽልን ነበረ። (ነህ. 12-4 ረኤ)

ነህምያ ኣቐዲሙ ኩነታቱን ኩነታት የሩሳሌምን ብዛዕባ ኣይሁድን ፈሊጡን ሓሲቡን። ብሕታዊ ተሓድሶ ኸኣ ካብ ከምዚ ደረጃ ይጅምር። ብድሕሪ'ዚ ምርዳእ'ዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ይጽልን ይጸውምን። ኣብ ብሕትዊ ተሓድሶ ኣተወ። ኣብ ብሕታዊ ተሓድሶ ዝኣተወ ሰብ ከባቢኡ ኬሓድስ ኣየጸግሞን እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ነህምያ መካበብያ የሩሳሌም ኬሓድስ ከሎ ንሪኦ።

ብ ሓድሽ ኪዳን ድማ እቲ ኣብ ሉቃ. 15 ተጠቂሱ ዘሎ ወዲ ከም ኣብነት ክንሪኦ ንኽእል። ንሱ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናብራኡን ናብራ ቤት ኣቦኡን ኣገናዚቡ፣ ሽዑ "ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ" በለ። በዚ ኸኣ ነቲ ትንሳኤ፣ ኩነታቱ ብምሕሳብን ብምፍላጥን ጀመሮ።

(2) ቃል ኣምላኽ ኪረክብ ኣልዎ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ተሓድሶ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንጉስ ዮስያስ ቃል ኣምላኽ ምስ ሰምዐ እዩ ተሓዲሱ። በቲ ዝሰምዖ ቃል ከኣ ልቡ ልስለሰ። (2ነገ. 22 ረኤ) በዚ ኸኣ ንርእሱ ተሓዲሱ ንህዝቡ ድማ ኣሓዲሱ።

ብሕታዊ ተሓድሶን ትንሳኤን እምበኣር ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ዚኸውን። ኣብዚ ዳሕረዋይ "ቃል ኣምላኽ ኪረክብ ኣለዎ። ኢለ ኣለኹ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ምግዳስ ኣዝዩ ዜገርም እዩ። ንቃል ኣምላኽ ኬስተንትን ፍርቂ ለይቲ ይነቅሕ ከምዝነበረ እዩ ዚነግር። ሓደ ኣብ ህይወቱ ብሕታዊ ትንሳኤን ተሓድሶን ኪገሃድ ዚደሊ ኣማኒ ኸኣ፣ ምስ ቃል-ኣምላኽ ኪጣበቕ የድልዮ። ን ቃል ኣምላኽ መጠን ግዜ  ዝሃብካዮ ብመጠኑ ድማ ብመሳልል ተሓድሶ ትድይብ።

ኣብ ግብጺ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣል ኣዝሃር ንኽትኣቱ ንብምልኡ ቁርኣን ብርእስኻ ዝሸምደድካ ክትኸውን ኣለካ። ቁርኣን ምግዛፉ ክንዲ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ እዩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ብኸምዚ ዓመታዊ ናብ 12 ሽሕ ዚገማገሙ ተመሃሮ ይቕበል። እዚ እምብዛ እዩ ዜገርመኒ። ብእኡ መጠን ከኣ ቅናኣተይ ይለዓል እሞ፣ ነቲ ናይቲ ህያው ኣምላኽ ቃል ሒዙ ዘሎ መሓፍ ቅዱስ ከጽንዖን ክምርምሮን ይድረኽ። ፍቁር ኣንባቢ፥ ብሕታዊ ትንሰኤን ተሓድሶን የድልየካ እዩ። በል ቃል ኣምላኽ ርኸብ። ሽዑ ተንሲእካ ከተተንስእ ኢኻ። ተሓዲስካ ኸኣ ከተሃድስ ኢኻ።

ምስናይ እዚ ኣብ ምልኣት ናይቲ ምሕዳስ ንኽትኣቱ ናይ ጸሎት ህይወት ድማ ኣዝዩ ኣድላዩ እዩ። እቶም ታሪኾም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጠቕሶም ሰባት፣ ኣብ ብሕታዊ ተሓድሶኦም ናይ ጸሎት ህይወት ድማ ከም ዝነበሮም ንረክብ። ማለት ኣብታ ነጥቢ መቐይሮ ኪመጹ ከለሱ እውን ብጸሎት እዮም መጺኦም። ብፍላይ ናይ ነህምያ ኩነታት ኣነጺሩ እዩ ዜረድኣና።

" ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፣ ቓሕ እሞ ካብ ምውታት ተንስእ፣ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፣" ኤፌ. 5፣14

"ን ቃል ኣምላኽ መጠን ግዜ  ዝሃብካዮ ብመጠኑ ድማ ብመሳልል ተሓድሶ ትድይብ።"

(4) ኣገልግሎት ትንሳኤን ተሓድሶን - ንዘመንና

ኣቐዲምና ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ናይ ትንሳኤን ተሓድሶን ርኢና ኔርና። ብመሰረቱ እዚ ኣገልግሎት እዚ ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዚወሃብ። ከምኡ ኸኣ እቲ በዚ ኣገልግሎት'ዚ ዜገልግል ኣቐዲሙ ብብሕቱ እተሓደሰን ዝተንስኤን ኪኸውን የድልዮ። ብድሕር'ዚ ኸኣ'ዩ ኣገልጋሊ ትንሳኤን ተሓድሶን ኪኸውን ዚኽእል።

ኣብ ዘመና ኣገልግሎት ትንሳኤን ተሓድሶን ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት እዩ። ኣብዚ ሰብ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ዘግለሰሉ ዘመን፣ ንልቢ ሰባት ናብ ኣምላኽ ምምላስ ኣዝዩ ኣድላዩ እዩ። ኣብ ሃገርና ኣብ ዘሎ ኩነታት ክርስትና እንተርኢና ኣዝዩ ዜገርም ትዕዝብቲ ኢና ንረክብ። ስማውነት ሱር ኪሰድድ ዚህቅነሉ ዘሎ ግዜ እዩ። በዚ ኸኣ ተሓድሶ ኣዝዩ ኣድላዩ ኮይኑ ይርከብ።

ፍቑር ሓወይ እቲ ብዛዕባ ብሕታዊ ተሓድሶ ዝብሎ ዝጸናሕኩ ቃላት ኣብ ልብኻ ወሪዱ ተቐባልነት ረኺቡ እንተድኣ ኮይኑ፥ ንኽትሕደስ መዕዓልቲ እትጽበየሉ ምኽንያት የልቦን። ሃየ ብምሕዳስ ሓሳብካ ተለወጥ።

ተለወጥ ክትልውጥ! ተሓደስ ክትሕድስ! ተንስእ ከተተንስእ!

ብርግጽ ተለዊጥካ እንተሊኻ ንዓኻ ዚምልከት ዕዮ ኣሎ። ዕዮ ለውጢ። እዚ ምድሪ ንዓኻ ዝጽበ ዕዮ መሊኡ ዚተርፍ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኣዳልዩ ንዓኻን ንኻልኦት ከማኻን ይጽበ ኣሎ። ፈውሲ ናይዛ ምድሪ ክርስትያን እዩ። ክርስትያን ሓወይ ንስኻ ዓሶ'ዛ ምድሪ ናይ ምርሓቕ ሓይሊ እተዋህበካ ክሎሮኪን ኢኻ። ደጊም ምንቅስቓስ የድልየካ። ብጸሎት ብምስክር ቃል ኣምላኽ ብሰናይ ተግባር... ነዛ ምድሪ ብሓፈሻ ንቤተክርስትያን ክርስቶስ ድማ ብፍላይ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ኣሎካ። ነቲ ጎይታ ኣዳልይዎ ዘሎ ቦታ ስራሕ እንተኣቶኻዮ ዓስቢ ኪህልወካ እዩ። ንስኻ ከይዓየኻ ካልኦት ዘይዓየዩ ኣይትበል። ንስኻ ከይጸለኻ ካልኦት ዘይጸለዩ ኣይትበል። ንስኻ ክይተጋህካ ኸኣ ካልኦት ዘይተግሁ ኣይትበል። እስኪ ተንቀሳቐስ። ታሪኽ ናይ ኣሓደስቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ካብ ካልእ መጽሓፍቲ ኣጽንዕ እሞ፣ ቀኒእካ ኣሓዳሲ ንምዃን ተንስእ። ዘሎኒ ቅንኣትዶ ክነግረካ? ናይ'ዚ ዘመን'ዚ ማርቲን ሉተር ንምዃን'የ ዝቐንእ። ሓብተይ ንስኺ'ውን ብኸምዚ ዝበለ ቅንኣት ተንስኢ።

ቅንኣት ጥራሕ ዘይኮነ ድማ ፍቕሪ ህዝብና ድማ የድልየና ኣዩ። ነህምያ ፍቕሪ ህዝቡ ስለ ዝነበሮ ንህዝቡ ገለ ጽቡቕ ነገር ኪገብልርሎም ተበገሰ። እምበኣርከስ እዛ ምድሪ ኣገልግሎት ትንሳኤን ተሓድሶን እያ እትጽበ ዘላ እሞ፣ ብብሕታዊ ትንሳኣኤን ተሓድሶን ኣቢልና ኣብዛ ምድሪ ድማ ትንሳኤን ተሓድሶን ኪዓዝዝ ንዕየ።

ኣምላኽ ሰማይ ከኣ ኬቕንዓልና እዩ። ኣሜን።