20
Sat, Apr
0 New Articles

ባህግኹም " ንኣምላኽ ምሕጓስ" ይኹን

Message 1
Typography
መንፈስ ቅዱስ ንምስክርነት ህይወት ሄኖክ ብክልተ  "ንኣምላኽ ኣስሚሩ" (እብ 11:5)  ዝብላ ቃላት ኣቐሚጥዎ ኣሎ፣ ብዛዕባ ዝደለቦ ሃብቲ ወይ ከኣ ዝረኸቦ ምድራዊ ክብሪ ኣይዘርዘረን፣ ብእኡ ናይ ዝተሰብከ ስብከት። ዝተፈጸሙ ሰናይ ግብርታት ይኹኑ ተመስኪሩለን ናብ ድሕነት ናይ ዝመጻ ነፍሳት ጸብጻብ ዝተመዝገበ ነገር የልቦን፣ ብኸመይ ዉሩይ ከምዝኾነዉን ንፈልጦ ነገር የልቦን፣ ህይወቱ ግን ብሓንቲ ምሉእ ሓሳባት ተጠቕሊላ "ንኣምላኽ ኣስሚሩ" ኢላ ትዛዝም፣ በቃ እታ ተድሊ እዚኣ እያ እኽልቲ ድማ እያ፣ ብርግጽ ድማ ኣብ ዘልኣለማዉነት ዋጋ ዘለዎ እንኮ ነገር እዩ፣

መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንኹሉ ፍጥረት "ንሓጎሱ ከምዝፈጠሮ" (ራእ 4፣11) ይነግረና ። ስለዚ  እቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ እንጥቐመሉ መለክዒ እቲ ንህይወትና ኣድማዒ ንኽትከዉን ዝገብራ ቅኑዕ መለክዒ እዩ፣ ንምድሓን ዝተኸፍለልና ዋጋ ብዝኾነ ኻልእ መንገዲ ከነርእዮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣምላኽ ብኣና እንተዘይከቢሩ። ኣብ ምድሪ ምንባርና ትርጉም የብሉን፣

                                           

ልቢ ሰብ ኣዝዩ መታለሊ እዩ!  ብቐሊሉ ንሃብቲ ዓለም ከም እንማረኽ ይገብረና፣ ‘ሃብትን ሓጎስን ካብቲ  ንጎይታ ብምስዓብ ዝርከብ ዘጠራጥር ዕጋበት። ይኸብር እዩ’ ይብለና፣ ብርግጽ ከምዚ ዓይነት ክርስትና ብቐሊሉ ክትጎዮ ዝከኣል እዩ፣ ርእይቶ ብዙሓት ከኣ ንክርስትናና ኣፍኹስና  ንሓዞ። ንኣምላኽ ዓቐኑ ዝሓለወ ናብራ ንንበር እምበር ኣኽረርቲ ኣይንኹን ዝብሉ ርድኢታት ሳዕሪሮም ይርኣዩ፣

ኣምላኽ ካብ ከምዚ ዓይነት እምነተ-ኣልቦ ኣተሓሳስባ የናግፈና! ኣሜን! ንሱ ንኹሉ ንጎኒ ገዲፍና ኣኽሊል ንምርካብ ክንስጉም እዩ ዝደልየና፣ ካብ ናይ ዓለም መዐቐኒታት ተኣሊና ብዕቤት እግዚኣብሄር ክንዓግብ ይደልየና፣ ኣምላኽ ዘኽበሮ ሰብ ናይ ሰብ ክብሪ እንታይ ይዓብሰሉ? ናይ ሰማይ ሃብቲ ተቐሪቡ ከሎ ናይ ምድሪ ሃብቲ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?

ንህይወትኩም ምድራዊ ዉሕስነት ዲኹም ትደልዩላ? ካብ ጌጋ ጽልዋታት እምነት ንክትብጀዉዋ ፋሕተርተር ትብሉ ኣለኹምዶ? እመኑኒ። ብርግጽ ከተጥፍእዋ ኢኹም፣ ኣብ መወዳእታ እተርእይዎ ነገር ኣይክህልወኩምን እዩ።

ኣተሓሳስባኹም ቀይሩ! ንየሱስ ክትብሉ ህይወትኩም ክትድርብይዋ ተዳለዉ። ስለወንጌል ክትብሉ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዕየዩ እሞ ብዛዕባ እዚ ዉሳነ ፈጺምኩም ኣይክትጠዓሱን ኢኹም፣ ክሳራ ከምዘይብሉ ክትርእይዎ ኢኹም፣ በንጻሩ ዘልኣለማዊ ፍረ ካብቲ ዝዘራእኩሞ ዘርኢ ክፈሪ ከሎ ክትርእይዎ ኢኹም፣ ካብቲ ኣብ እግሪ ጎይታ ከም መስዋእቲ ዝደርበኹሞ ነገራት ንላዕሊ እቲ ሰማያዊ ኣኽሊል ኣዝዩ ክበልጽ እዩ፣ " ዓለም ትሓልፍ እያ ፍትወታ ኸኣ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር"1ዮሃ2፣17)፣ ክርስቶስ ብኽብሪ ምስ ተመልሰን እዚ ናይ ሕጂ ስርዓታት ምስ ሓለፈን። እቶም ብምሉእ ልቦም ንጎይታ ዝሰዓብዎ ናብቲ ኣብ ቕድሚኦም ተዳልዩ ዘሎ ሰማያዊ ሓጎስ ክኣትዉ ንኹሉ ዝኸፈልዎ ዋጋ ድማ ክርስዕዎ እዮም፣ ናብቲ ሰማያዊ ክብሪ ተነጢቕና እንዉሰደሉን  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንቖመሉን መዓልቲ ይመጽእ ኣሎ፣ ሽዑ ኣብ ቅድሚ  ሰራዊት ሰማይ ደው ክንብልን። እቶም ኣብ ምድሪ እንከለዉ ንዝተዋህቦም መኽሊት እሙናት ዝነበሩን ጎይታ ዝተብጀዎምን ሰብኡትን ኣንስትን ካብቲ ንጉስ ነገስታት ኣኽሊል ዓወት ክቕበሉን እዮም፣ ኣብቲ መዓልቲ ሄኖክ  ስሙ ምስ ተጸዉዐ ናብ ቅድሚት ወጺኡ ታሪኽ ህይወቱ ክንበብን " ንእግዚእብሄር ከም ዘስመረ" ክምስከረሉ ከሎን ይርኣየኒ፣ ምናልባት ኣብ ምድሪ ንልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ክነብር ከሎ ተጸሪፉን ተዋሪዱን ክኸዉን ዝከኣል እዩ፣ ሽዑ ግና  እዝኒ ብዘጽምም ናይ መልኣኽቲ ጭድርታ ተኸቢቡ ኣኽሊል ዓወት ኣብ ሰማይ ክቕበል ከሎ ንርኢ፣ ሃዋርያ ጳዉሎስ እዉን ሪጋኡ ምስ በጽሐ ናብ ቕድሚት ወጺኡ ተመሳሳሊ ክብሪ ክቕበል ከሎ ይርኣየኒ፣  ኣብ ምድሪ እንከሎ ከም ኣኽራርን ከም ዓሻን ተቖጺሩ’ዩ፣ ኣብ ሰማይ ግን ኣኽሊል ተዳልዩሉ ኣሎ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ብዘሎ ዓመታት ስቓይ ክርሳዕ እዩ፣

 
ቀጺሉ ድማ ናተይን ናታትኩምን ሪጋ ክበጽሕ እዩ፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ጸብጻብ ናትናኽ ብኸመይ ይንበብ ይኸዉን? ባዶ ምዃንኩም ምስ ኣስተብሃልኩም እትሓዝኑሉ መዓልቲዶ ይኸዉን? ብዛዕባቲ ዝሓለፈኩም ክቡር ምርጫታትን ብቐሊሉ ዝደርበኹሞ ዕድላትን መሪር ጣዕሳዶ ትጠዓሱ ትኾኑ?  ወይስ ኣብ ጥቓ ሄኖክን ጳዉሎስን ደው ትብሉ ትኾኑ? 

እምበኣርከስ ንቓል ኣምላኽ ነስተብህለሉ። ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ሰሪዕናዮም ዘሎና ነገራት ተጠንቒቕና ንመርምሮም ምኽንያቱ ዋጋ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣብዞም ነገራት ተዓቑሩ ኣሎ፣ ስለዚ እስከ ካብዚ መዓልቲ ጀሚርና ኣብ ኩሉ መዳይ ናይ ህይወትና እቲ ዝለዓለ ቐዳምነት ንጎይታ ክንህብ ንወስን፣ ኣብ ምድሪ ንእንነብሮ ህይወትን እንቀዳደሞ ጉያን ኹሉ ዘሎና ንጎይታ ክንህብ ዝሓትት ጻዉዒት ይግበረልና ኣሎ፣ ሽሕዃ ዓለም እትቕርቦ ነገራት እንተለዋ። እቲ ቕድድም ግን ዕላማ ኣለዎ፣ እቲ ህይወት ድማ ኣኽሊል፣ ስለዚ እቲ ለባም ንዓለም ክነጽጋ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቕድሚ እቲ ንጉስ ምስኣተና። ምስዝኾነ ሙዚቃ ክመዓራረ ብዘይክእል ናይ እንዃዕ ብደሓን መጻእካ ቃላቱ "ኣታ ሕያዋይ። እሙን ባርያ። ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ።" ክብለና እዩ። ሃሌሉያ !

"እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ ዓስበይ ምሳይ እዩ።" (ራእይ 22፣12)