20
Sat, Apr
0 New Articles

ምሕራይ ዲያቆናት ንዝበለጸ ኣገልግሎት ግብ.6።1-7

Message 1
Typography

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ሕታማት "ስራሕ መንፈስ ቅዱስ" ብዝብል ኣርእስቲ ሃዋርያት ምስ መንፈስ ቅዱስ ኮይኖም ዝሰርሕዎን ዝገበርዎን ነገራት ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ርኢና፣ ካብዚ መጽሓፍ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ንረክብ ኢና፣ ስለዚ ድማ ንምክትታሉ ምእንቲ ክጥዕመና  ኣብተን ዝተረፋ ምዕራፋት ንዘሎ ቀንዲን ኣገደስትን ትምህርትታት በብኣርእስቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርእዮ ኢና፣

 


ግብሪ ሃዋርያት ሻድሻይ ምዕራፍ ብሓደ ካብቲ ሰባት ምስ ተኣከቡ ክፍጠር ዝኽእል ብድሆታት ይጅምር፣ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣመንቲ ዝበዝሑ ኣይሁድ ኮይኖም ብመበቆሎም እብራውያንን ኣይሁድ ጽርኢን ስለ ዝነበሩ ኣብተን መበለታት ብዝተገብረ ናይ ምምቓል ምግቢ ዕለት ኣፈላላይ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ ኣብቶም እብራውያን ኣጉረምረሙ፣ ምጉርምራም መርኣያ መንፈሳዊ ቁልዕነት እዩ። ኣብ ቤተክርስትያን ከኣ ኩሉ ሳዕ ቆልዑ ክህልዉ ስለ ዝኾኑ ብብዙሕ ምኽንያታት ምጉርምራም ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ልቦና ኣብ ስለ ምንታይ ምጉርምራም ይህሉ ዘይኮነስ ኣብ ብኸመይ ትፈትሖ እዩ ዘሎ፣ እዞም ኣይሁድ ጽርኢ መበለታቶም ኣብ ምምቓል ምግቢ ዕለት ስለ ዝተጎስያ ኣጉረምሪሞም፣ ኣብ ዝገጥመና ነገራት ብቅሉዕ ክንዘራረብ እምበር ከነጉረምርም ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን፣ ምጉርምራም ብፍላይ ከኣ ብምኽንያት መግቢ ክኸውን ከሎ   ስጋውያን ወይ ብክርስቶስ ቆልዑ ምዃንና የርኢ 1ቆረ.3።1-3፣ ሃዋርያት እዚ ሽግር ምስ ተላዕለ ቁልዕነት እዩ ብምባል ሸለል ኢሎሞ ኣይሓለፉን። እንታይ ደኣ መፍትሒ ንኸናድዩሉ ንኹሎም ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝኣከብዎም ነንብብ፣ ኣብዚ ምዕራፍ ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ክንርኢ ንኽእል።-

 

1.       ሰባት ምስ ተኣኻኸቡ ክፍጠር ዝኽእል ጸገማት

2.       ሃዋርያት ንምእራሙ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝወሰድዎ ስጉምቲ

3.       ነቲ ሽግር ክፈትሑ ዝኽእሉ ሰባት ምሕራይ

 

ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ንኹሉ ጉዳያት እኳ እንተዘይኮነ ገለ ጸገማት ንምፍታሕ ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ክእከቡ ዘድልየሉ እዋናት ከምዝነበረ ንርኢ፣ ሃዋርያት። ንሳቶም ቃል ኣምላኽ ሓዲጎም ኣብ መኣዲ ከገልግሉ ከም ዘይግባእ ተዛሪቦም፣ እዚ ከኣ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪውን ዝነብርዎ ዝነበሩ እዩ፣ ንሳቶም ናይ ገንዘብን ካልእ ምምሕዳራዊ ስራሕን ዝሰርሑ። ኣገልግሎታት ዝብሕቱን ኣብ ልዕሊ እቲ መጓሰ ዝጉይተቱን ሰባት ኣይነበሩን፣ ንሃዋርያነት ተጸዊዕካ ክንስኻ ኣብ ምምሕዳርን ምምቓል ምግብን ጊዜኻ ብምጥፋእ ካብ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ከተብኩር ግቡእ ኣይኮነን፣ ስለዚ ነዚ ካብ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ዝትሕት ግን ከኣ ኣገዳሲ ዕዮ ዝኾኑ ሰባት ክመርጹ ወሲኖም፣ ብሃውሪ ወይ ብዕጫ ዘይኮነ ድማ ሰለስተ መምዘኒታት ብምቕማጥ ኣብ መኣዲ ዘገልግሉ ሸውዓተ ሰባት መሪጾም፣ እቲ ዝቐረበ መምዘኒታት

 

1.       ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም (ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎም)። ገንዘብን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ዘጠቓልል ኣገልግሎት ስለዝነበረ እሙናት ሰባት የድልዩ ኔሮም፣ ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም ስለ ዘይኮኑ ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም ሸውዓተ ሰባት ተደልዮም፣

2.       መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦም። ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦም ኣይኮኑን፣

3.       ጥበብ ዝመልኦም። ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ብጥበብ ምሉኣት ኣይኮኑን፣

 

ካብዚ ንምምቓል ምግቢ ዕለት ዝምዘዙ ሰባት ከማልእዎ ዘለዎም መምዘኒታት ከም ዘሎ ንርኢ፣ ኣብ ዕዮ ጎይታ ኣብ ዝወሃብ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ከከም ኣገዳስነቱ ኣምላኽ ብቐጥታ ባዕሉ ዝህቦን ብመንገዲ ሰባት ዝፍጽሞን መዝነታት ኣሎ፣ ጎይታ ሃዋርያት መዚዙ። ሃዋርያት ሽማግለታት ይሸሙ ኔሮም። ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ኮይኖም ከኣ ኣብ ምምቓል ምግቢ ዕለት ዘገልግሉ ሰባት (ዲያቆናት) መዚዞም፣ ሃዋርያት ኣገዳስነት ናይዚ ጉዳይ ተረዲኦም ብጊዜኡ ስለ ዝፈትሕዎ ንብዙሕ ካልእ ሽግራት ደገ ካብ ምኽፋት ድሒኖም፣ ዝበዝሐ ሽግርና ነገራት ኣብ መጀመርታኡ ብሰሪ ዘይምዕራይና ዝመጽእ እዩ። ስለዚ ካብ ሃዋርያት ክንመሃርን ከምቲ ናቶም ነቲ ምድራዊ ዝኾነ ናይ ምግቢ ምምቓል ሽግርናውን ምስ መንፈስ ቅዱስ ኮይንና ክንፈትሖ እምበር ጎሲናዮ ክንሓልፍ የብልናን፣ ካብ ምምቓል መግቢ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ስለ ዝዓቢ ሃዋርያ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ገዲፉ ኣብ ምምቓል መግቢ ከገልግል ግቡእ ኣይኮነን፣ ስለዚ ንእኡ ሰባት ብምምዛዝ ንሱ ኣብ ጸሎትን ኣብ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን ክተግህ ይግብኦ፣ ኩሉ እቲ ህዝቢ በዚ ሓሳብ ምስ ተሰማምዐ ሸውዓተ ሰባት ሓርዮም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ደው ኣበልዎም። እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም፣ ኣብ ክርስትና ዘይመንፈሳዊ ዝበሃል ኣገልግሎትን ዕዮን ስለዘየለ እቲ ንኣገልጋሊ ዝቐርብ መምዘኒታት ድማ መንፈሳዊ እዩ፣

 

ነዚ ናይ ዲቁና ኣገልግሎት ዝኾኑ ሰባት ምምዛዝ ንሃዋርያት ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ከየብኮሩ ክሕዙ ስለ ዝሓገዞም ኣገልግሎቶም ብእኡ መጠን ውጽኢታዊ ኮይኑ፣ ኣገልግሎቶም ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝነበሮ ከኣ ቃል ኣምላኽ ተዘርግሐ። ቁጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ከኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ፣ ኣብዚ ካህናት ብፍሉይ ተጠቒሶሙሉ ዘለዉ ምኽንያት ንሳቶም መምህራን ሕጊ። ተጻረርቲ ወንጌልን ቅንኣት ሃይማኖት ዝነበሮም ሰባት ስለዝኾኑን ምስቲ ዝነበሮም ፍልጠት ከኣ ብገፈፍቲ ዓሳን ተገውትን ዝነበሩ ገሊላውያን ንዝተሰብከ ወንጌል ናይ ምቕባል ተኽእሎኦም ኣዝዩ ጸቢብ ስለ ዝነበረን እዩ፣

 

ካብዚ ምዕራፍ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ከማና ሰባት ከም ዝነበሩን እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝገጥመና ብድሆታት ይገጥሞም ከም ዝነበረን ንርኢ፣ ኩሎም ኣብ መንፈሳዊ ብጽሕና ዝበጽሑ ከም ዘይነበሩን ገለ ዘየስተውዕሉሉ ጌጋታት ይፍጸም ከም ዝነበረን ንርዳእ፣ ካብኦም ንመሃሮ ጽቡቕ ነገር ከኣ ሃዋርያት ብጸዋዕታኦምን ኣገልግሎቶምን ከይተሓበኑ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዝነበሮም ኣኽብሮት ተደሪኾም ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ከም ዝተበገሱን ድያቆናት ዝምረጹሉ መምዘኒታት ብምቕራብ ንኹሎም ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝኣከብዎምን። ሽዑ ከኣ ነቲ ፍሉይ ናይ ምምቓል ምግቢ ኣገልግሎት ዝኾኑ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝመረጹን ንርኢ፣ ስለዚ ኣገልግሎት ወንጌል ብዝግባእ ምእንቲ ክካየድ ነቲ በብጊዚኡ ዝገጥመና ነገራት ከይደንጎና ምስ መንፈስ ቅዱስ ብምምኻር ክንፈትሖ ይግብኣና፣