20
Sat, Apr
0 New Articles

ብዘይውርደት ክብሪ የለን

Message 1
Typography
ኩሉ ጊዜ ዝደለኻዮ ኹሉ ብሓንሳብ ተትርከብ ኔሩ ሰናይ ኔሩ ግና መብዛሕቱ ጊዜ ከሙኡ ኣይኮነን፣ ሰብ ገለ ነገር ክረክብ ናይ ግድን እዩ ሓደ ነገር ክገብር ዘለዎ፣ ኣብ ሓደ ቦታ ክበጽሕ ከኣ ብገለ መንገዲ ናይ ግድን ክሓልፍ ኣለዎ፣ ንኹሉ መጀመሪ ኣለዎ፣ ሰብ ኩሉ ግዜ ዝቃለስን ላዕልን ታሕትን ዝብልን ኣብ ሓደ ቡሉጽ ዝኾነ ሃዋህው ንምብጻሕ እዩ፣

ቻይናውያን ክምስሉ ከለዉ ሽሕ ማይልስ ብሓንቲ ስጉሚ እዩ ዝጅመር ይብሉ፣ ሓቆም ከመይሲ ኣብዛ ምድሪ ነጢርካን ብቕልጡፍን ዝብጻሕ ነገር ስለ ዘየለ፣ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዝሓንጸጾ ሕንጻጽ ኣለዎ እዩ፣ ነፍስ ወከፍ ድማ በዚ ሕንጻጽ ክመላለስ ኣለዎ ነዚ ዝኸውን ጸጋ ኸኣ ተዋሂብዎ ኣሎ እዩ፣

ነዚ ኹሉ ዘምጻኽዎ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክዛረብ ስለ ዝደለኹ እየ፣ ንሱ ኸኣ ብዘይውርደት ክብሪ የለን ንምባል እዩ፣ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ተፈቲኑ ግናኽ ተዓዊቱ ኣብ ክብሪ ዝበጸሐ ዮሴፍ ክንሪኢ ኢና፣

ዮሴፍ ካብ መጀመርታ ኣምላኽ ዝጠመቶ ባርያ ኣምላኽ እዩ ኔሩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንሓደ ኩቡር ጉዳይ ሓጽይዎ ነበረ፣ ሓደ ምሸት ኸኣ እቲ ኣብ ህይወት ዮሴፍ ክኸውን ዘለዎ ነገር ኩሉ ገለጸሉ፣ ብሕልሚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ጎይታ ከም ዝኸውን ዝገልጽ እዩ ዝነበረ፣ ካብቲ ዘገርም ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣማኒ ራኢ ምስ ዝቕመጥ ሹዑ ሹዑ እዩ ተቓምዎ ዝጅምር፣ ዮሴፍ እውን እዚ ራእይ እዚ ምስ ነገሮም ናእዳ ኣይኮነን ተቐቢሉ ብኣንጻሩ ካብቶም ኣሕዋቱ ኩቱር ጽልኢ እዩ ኣብ ልዕሊኡ ፈሲሱ፣ መከራ ዮሴፍ እውን ኣብዚ እዩ ዝጅምር፣ ኣብኡ ከይተረፍ ነቲ ዘረባ ዮሴፍ ንምቕባል ከብድዎ እዩ፣ ዮሴፍ ግና እዚ ራእይ እዚ ሒዙ እዩ ዝመላለስ ዝነበረ፣ ዮሴፍ ኣምላኽ ዝበሎ ከም ዝግበሮ ይኣምን እዩ፣

ርግጽ ከኣ እዩ ነዚ ኣሚኑ ብሓጎስን ፍስሃን ይመላለስ ከም ዝነበረ፣ ከመይሲ ሓንቲ መዓልቲ እቲ ዝተባህሎ ነገር ከም ዝፍጸም ስለ ዝኣምን፣ ዮሴፍ እዚ ይፍለጥ እምበር እዚ ነገር እዚ ብኸመይ መንገዲ ከም ዝፍጸም ኣይፈልጥን እዩ፣ እቲ ኣብ ኣእምርኡ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ነገር እውን ምስቲ ኣምላኽ ዝበሎ ነገር ፈጺሙ ኣይሳነን ይኸውን፣

ራኢይ የሴፍ ብኣሕዋቱ ክረኣ ኸሎ ከኣ ካብ መስሓቕ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ዮሴፍ ዝረኣዮ ራኢይ ኩሉ ብተሓሳስባ ስጋ ብፉጹም ኣይከኣልን እዩ፣ ምናልባት ንሱ እውን እንሓንሳብ እዚ ሕልሚ እዩ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሩ ክመጾ ይኽእል እዩ፣

ብዙሕ ጊዜ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዘቐመጦ ራኢይ ኣሎ፣ ይኹን እምበር ብስጋን ብኣእምሮ ሰባት ክትሓስቦ ከለኻ ዘይከውንን ዘይከኣልን ዝመስለሉ እዋን ቀሊል ኣይኮነን፣ ዮሴፍ ዝሓለሞ ክውን ክገብር ዝኽእል ምንም ባይታ የለን ኣምላኽ ግና ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ይፈልጥ እዩ፣ ንሕና ኢና ብዛዕባ ኣብ ውሽጥና ኣምላኽ ዘቐመጦ ራኢ ሕቶ ዘሎና እምበር እቲ ወሃብስ ብኸመይን መዓስን ከምዝገብሮ ይፈልጥ እዩ እሞ ምንም ኣይጨንቆን እዩ፣ ዮሴፍ ሕልሙ ጋህዲ ክኸውን ግና ክሓልፎ ዝነበሮ ጎደና ኔሩ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ኣብ ህይወት ዮሴፍ ዝንበሮ ራኢ ክፍጽም እንተ ኾይኑ ገለ ነገር ከተስእ ኣለዎ፣ ኣምላኽ ናብ ክብሪ ክወስደና ዝጥቀመሉ ሜላታት ከምቲ ንሕና እንሓስቦን እንሓልሞን ከምዘይኮነ ክርደኣና ኣለዎ፣ መጀመርያ ናይ ዮሴፍ ራኢ ክፍጽሙ ዝተላዕሉ ሰባት ከኣ ኣሕዋቱ እዮም፣ ኣሕዋቱ ኣብ ልዕሊ ዮሴፍ ኩቱር ጽልኢ ኣለዎም፣ ብሰንኪ እቲ ዝነገሮም ሕልሚ ክሳብ ሞት እዮም ጸሊኦሞ፣ ዮሴፍ እዙዙ ስለ ዝነበረ ድምጺ ኣብኡ ሰሚዑ ቀለብ ከብጸሓሎም ምስ ከደ እዮ ሓደ ውዲት ዝኣለሙሉ ነት ዛንታ ንምሕጻር ነቲ ሓላሚ ክቕትልዎ ተማኸሩ፣

ብዙሕ ግዜ ኣምላኽ ምስቲ በዓል ራኢ ደው ምስ በለ እዩ፣ ሰይጣን ንምኽሪ ኣምላኽ ከጸልምት ወትሩ ምስ ተጋደለን ምስ ጸዓረን እዩ ኣምላኽ ግና ወትሩ እዩ ጣልቃ ዝኣቱ፣ የሕዋቱ ንዮሴፍ ንሓዎም ክቐትልዎ እዮም ወሲኖም። ሓደ ካብ ኣሕዋቱ ሮቤል ግና ተቃዊሙ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኸኣ ተሳዒሩ፣ ሓቂ እዩ ራኢናን ሕልምናን ሒዝና ክንከይድ ከሎና ክንፈልጦ ዝግብኣና ሓደ ሓቂ ኣሎ እዩ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ጣልቃ ከምዘእቱ እዩ፣ ኣምላኽ ንሕዋት ዮሴፍ ንዕላሙ ንምፍጻም እምበር ነቲ ራኢ ንምጥፍእ ኣይተጠቀመሎምን፣ ኣብዚ ኩነት እዚ ዮሴፍ ኣብ ምድንጋር ኣትዩ ክኸውን ይኽእል እዩ፣

ኣምላኽ ዘርኣዮ ኻልእ ዝፍጸም ዘሎ ኸኣ ካልእ ስለምንታይ ኣምላኽ ኢሉ እውን ሓቲቱ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ነቶም ጽባሕ ንጉሆ ጎይታ ዝኾነሎም ኣሕዋቱ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ ጎይቶት ኮይኖም የሽካዕልልሉ ኣለዉ፣ እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ራኢ ክሳብ ተፈጻምነት ዝረከብ ነገር ኩሉ እዩ ኣብ ልዕሌኻ ሸይሸይ ክብል ዝደሊ ግና ኣጆኻ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ፣ ዮሴፍ የሕሊፎም ናብ እስማኢለውያን ሸይጦሞ፣ እቲ ንእሽቶይ በዓል ራእይ ጽዋእ መከርኡ ዝበዝሐ ይመስል፣ ግና ክሓልፎ ዘለዎ ጎደና ስለ ዝኾነ ናይ ግድን ክሓልፎ ኣለዎ፣ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ምስ ዘይፈልጦ ሕብረተሰብ ተጸንቢሩ፣ ዮሴፍ ስደተኛ ኮይኑ ኣይኮነን ከይዱ ባርያ ኾይኑ ተጨውዩ እዩ ኸይዱ እዚ ግና ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ኔሩ፣

መንገዲ ኣምላኽ ከም መንገድና ኣይኮነን ሓሳባቱ እውን ከም ሓሳባትና ኣይኮነን፣ እንሓስባ ኣምላኽ ነቲ ኣባና ዝሓሰቦ ፍቓዱን ድሌቱን ክፍጽም ብዘይርዳኣናን ብዘይከውንን ምንገድን ጎደናን እዩ ዘሕልፈና፣ ነቲ ዘዳለዎ ኩቡር ነገር ክንቅበል ኩቡር ዋጋ ክንከፍል ናይ ግድን እዩ መወዳእቱኡ ግና ክብሪ እዩ፣ ዮሴፍ ዝሓልፎ ዝነበረ ጎደና ኸኣ ነቲ ዝተባህሎ እዩ ዘዳልዎ ዝነበረ፣

 ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ምስ ወረደ ዝሓልፈ ሓርፋፍ መንገዲ ቅሊል ኣይኮነን ዕጫ ባርያ እንታይ ምኻኑ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይመስለንን፣ ኣምላኽ ግና ኩሉ ጊዜ ምስቲ በዓል ራእይ ስለ ዝኾነ ንዮሴፍ እውን ኣብ ዓዲ ጓና ኣይሓዶጎን ኣብ ቤት ጶጢፋር ዓቢ ሞጎስ ሂብዎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዮሲፈ እፎይ ዝበለሉ ግዜ ይመስል ከምይሲ ሕጂ ኣዛዚ እዩ ኾይኑ ዘሎ ኣምላኽ ነዚ እዩ ራኢ ኣርእዩኒ ወይ ነዚ እዩ ከኽብረካ እዩ ዝበለኒ ኢሉ ክኸውን ይክእል እዩ፣ ኣብዚ እዋን ዮሴፍ እሙን ኮይኑ ኣምላኽ ባሪኽዎ ሃድኡ ኩሉ ረሲዑ ዝነብር ዝነበረ እዩ ዝመስል፣ የግዳስ ኣምላኽ ነዚ ዘይኮነ ኪኖ እዚ እዩ ጸዊዕዎ፣ ዮሴፍ ካልእ ክሓልፎ ዘለዎ ጎደና ኣለዎ፣

ሓደ ግዚ ኣብ ቤት ጶጢፋር እናገልገል ኸሎ ሰቲ ጎይቱ ዓይና ኣውደቐትሉ ምስኣ ክድቅስ እውን ግዲ በልቶ ንሱ ግና ንመን ከምዝነብር መን ከምዝጸውዓ ይፈልት እዩ ኣይትነብረከከላን ሐራይ እውን ኣይበልና በዚ ኸምዚ ዝመጸ ድማ ብሓሶት ተኸሲሲ ካብቲ ናይ ቀደም ኣሕዋቱ ዝገበርዎ ዝገደድ ኣብ ቤት ማእሰቲ ተደርገመ፣ ንሕሰብ እሞ ብዘይገብሮ እሞ ኸኣ ኣብ ዓዲ ጋና ተኣሲሩሉ ዘሎ ጉዳይ ከኣ ክሳብ ሞት ፍርዲ ዝህብ፣ እዋ ኣምላኽ ስቕ ድዩ ዝብል እዚ ኹሉ መግደራን ፈተናን ንምንታይ? ሓሳብ ኣምላኽ ዓሚቕ እዩ ኣሰሩ ኸኣ መዓስ ይብጻሕ፣ ሕጂ ዮሴፍ ተረሲዑ በቃ፣ ካብ ውርደት ናብ ውርደት ግና እዚ ኣብ ሰማይ ዝተሓንጸጸ ጎደና ኽብሪ እዩ፣ ሎሚ ብዝተፈላለየ መከራን ውርደትን ትሓልፉ ዘለኹም ኣመንቲ፣ ሓደ ነገር ክንግረኩም ኣምላኽ ናብ ጎደና ኽብሪ እዩ ዝወስደኩም ዘሎ እሞ ብህ ይበልኩም፣

ሓቂ እዩ እቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም ራኢን ኩነታትን ዘይጠዓዓም ክመስል ይኽእል እዩ፣ ትኸድዎ ዘለኹም ጎደና እውን ነቲ ዘለኩም ራእን ሕልምን ተስፋ ኣምላኽን ባይታ ዘይንጽፍ ኮይኑ ክስማዓኩም ይኽእል ይኸውን፣ ነገርኩም ኩሉ እውን ብሰባትን ብኣካትኩምን ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተዓጸወ ኮይኑ ይስማዓኩም ይኸውን የግዳስ ኣጆኹም ኣምላኽ ኣጀንዳ ዝቐልዕ ኣምላኽ እዩ ኣብቲ ንሱ ዝደለዮ ኸኣ ንነገራት ገላቢጡ ናብ ክብሪ ከውጾ እዩ፣ እዚ ሕጂ ዝሕለፍ መከራን ስቓይን ቡሉጽ ዝኾነ ክብርን ምጽንናዕን ከምዘለዎ ንዘክር፣

ሃውርያ ጳውሎስ ነዚ ፈሊጡ እዩ ንሰብ ቆሮንጦስ ከምዚ ብል ዝጸሓፈሎም “ኣብቲ ንምውታት ዘተንስእ ኣምላኽ እምበር ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ፣ ንሱ ኻብ ክንድዚ ዝኣክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ ኣሎ ዳሕራይ እውን ከም ዜድሕነና ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና” ብርግጽ ኣምላኽ ከይ ሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮንን ዝበሎ ኹሉ ኸኣ ይገብሮ እዩ ነዚ ድማ ኢና ዝሃበና ተስፋ ሒዝና ንሕልፎ ዘሎና ጎደና ብዘይገድስ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ተስፋ ንግበር፣

ሎሚ ዝተረሳዕና ኾይኑ ክስመዓና ይኽእል ይኽወን፣ ኣምላኽ ሰማይ ግና ኣይርሶን እዩ፣ እታ ጃልባ የሱስ ተሰቒልዋ ኣሎ ምዘይገድስ ማዕበል የናውጻ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ክትበጽሕ እያ፣ ኣምላኽ ንዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብድንቅን ተኣምራት መንገዲ ዘኪርዎ፣ ካብቲ ናይ ውርደት ቤትማእሰርቲ ኣውጽዩ ኣብ ግብጺ ቀዳማይ ሚኒስተረ ጌርዎ ንህዝቢ ግብጽን ዓለምን ንቤት ኣቡኡን ከኣ ንምድሓን ንበረኸት ጌርዎ እቲ ወዲ ሓሰርቶው ሸውዓተ ኸሎ ዝተዛረቦ ቓል ከኣ ወዲ ሰላሳ ዓመት ማለት ድሕሪ ዓሰርትው ሰለሰት ዓመት ፈጺምዎ ኣምላኽ እሙን እዩ፣

ኣምላኽ ዝተዛረቦ ዝገብር ኣምላኽ እዩ፣ ሎሚ ኣምላኽ ዝመርሃካ ዘሎ ጎደና ናብቲ ንሱ ዝመደቦ ቦታ ምኻኑ ኣይንዘንግዕ፣ ኣምላኽ እተን ትሓልፈን ዘለኻ ናይ ውርደት ገደናታት ሓንቲ መዓልቲ ብዝግባኣ ኪሒሱ ኣብ ናይ ክብሪ ጎደና ከምዘመላልሰካ ኣይትረስዕ፣

ዮሴፍ ካብ ኣምላኽ ራእይ ተቐቢሊ ብናይ መከራ ጎደና ክመላለስ ከሎ ኣብ ህይወቱ ዝተራእያ ክልተ ቡሉጻት ባህርያት ኔረን እየን፣ ንሳተን ከኣ እሙንነትን ፍርሃት ኣምላኽን፣ ሰብ ካብ ኣምላኽ ራእይ  ክቕበል ይኽእል እዩ ይኹን እምበር እዘን ባህርያት እዚኣተን ኣብ ህይወቱ እንተ ዘይተንጸባሪቐን ክዕወት ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ጸቢብ እዩ፣  ዮሴፍ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ህይወቱ እሙን ኔሩ ንኣምላኽ ከኣ ይፈርሕ ኔሩ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ተዓዊቱ፣ ኩቡራት መንእሰያት ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ክህሉ ይኽእል እዩ ነዚ ዝሃበና ተስፋ ሒዝና ኸኣ ብዝተፈላለየ ጎደና ንሓልፍ ንህሉ ግና ክንዝንግዕ ዘይብልና ንኣምላኽ ምፍራህናን እሙንነትና ክምዘን ከሎ ከመይ ኣሎ፣ ዮሴፍ ዘመን ህይወቱ ኩሉ ብእሙንነት ወድእዎ ስለ ዝተኣመነ ኸኣ ኣምላኽ ኣሚንዎ ኣብ ከቢድ ሓልፋነት ከኣ ኣቐሚጥዎ፣

ኣምላኽ ነቲ ዝሃበና ራኢይን ተስፋን ዝፍጽሞ እሙናት ምስ እንኸውንን ብቕድስናን ፍርሃት እግዚኣብሄርን ምስ እንመላለስን እዩ፣ እዚ መስዋእትነት ዘኽፍል ጉዳይ እዩ ግን መወዳእቱእ ክብሪ እዩ፣ ዮሴፍ ንግዚኡ ካብ መከራን ካብ ስቓይን ክሃድም ደሊዩ እንተ ዝነብር ብዝሑ ዕድላት እዩ ኔርዎ። ንባዕሉ ሰይቲ ጶጢፋር ዝከፈተትሉ ኣፍደገ ብስጋዊ ኣተሓሳስባ ቐሊል ኣይነበረን የግዳስ ካብቲ ንግዚኡ ዝርከብ ክብሪ ነቲ ዝሓሸ ቡሉጽ ዓስቢ ስለ ዝሓረየ እዩ መከራ ተቐኢሉ ግና መወዳእቱኡ ብኽብሪ ዝተዛዘመ፣

ሎሚ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ሒዝና እናተጎዓዝና ኸሎና ኣብ መንጎ ዝመጸና ማሕለኻን ኣንፈና ኸኣ ክንቅይር ዝገብሩና መንገድታት ብዝሑት እዮም ኣብዚ ኸእ እዩ እሙንነትናን ንኣምላኽ ምፍራህናን ዝምዘንን ዝረኣን ኣብዚ ኸኣ ኢና ነቲ ናብ ክብሪ ከብጸሓና ዝተዋህበና ሓላፍነት ብሰንኪ እዚ ነገር ምጉዳልና ከይንኸስር ክንጥንቀቕ ዝግባኣና፣ ብዝሓት እዮም ተስፋን ራእይን ኣምላኽ ሒዞም ተበጎም ኣብ ፍርቂ ግና ውግእ ምስ ሓይሎም መከራ ምስ በዝሖም እሙንነቶምን ፍርሓት ኣምላኽን ደርብዮም ንድሕሪት ዝተመልሱ፣ ንሕና ግና ከምኡ ክንከቅውን ኣይግብኣናን ብኣንጻሩ ኣብቲ ከኣሊ ኣምላኽ ደው ኢልና ግዜ ኣምላኽ እናተጸበና እቲ ዝመጽእ ኸኣ ክመጽእ ምኻኑ ኣስተውዒልና ከም ዮሴፍ እሙናት ንኹን ኣብዛ ንራኢና ብርኽሰት ክትውሕጥ ትዋጋኣና ዘላ ዓለም ከኣ ንኣምላኽ ንፈርህ ምኻና ነርእያ፣

ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ክንበጽሖ ዝደልየና ጎደና መታን ከይንበጽሖ ንዓና ካብ ምውጋእን ኣንጻርና ካብ ምልዓልን ኣዮኣርፍን እዩ፣ ግና እዚ ንፍለጥ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እቲ ዓወት ግና ናትና እዩ፣ ሎሚ ኣብ መንገድና ተስፋ ዘቕርጽ ዘሕልል መዓስ ደኣ እዩ ናተይ ተስፋ ዝፍጽም ዘቡል ሃዋህው ማእለያ የብሉን ግና ኣምላኽ ንዮሴፋ ካብ ዘከሮ ንዓና ኸኣ ክዝክረና እዩ፣ ብሃልሃልታ እካ እንተኸድና ኣይክንህሞኽን ኣይክንነድድን ኢና ብዝሒ ማያት ከኣ ኣይከጥሕለናን እዩ፣ እቲ ነምልኾ ኣምላኽ ካብ እሙን ንላዕሊ ኣዚዩ እሙን እዩ፣

ኣብ መዝሙር ዳዊት ብዛዕባ ዮሴፍ ዝተጻሕፈ ጉሩም ዝኾነ ቃላት ኣሎ እስከ ነንብቦ “ቅቅድሚኦም ሰብኣይ ለኣኸ ዮሴፍ ከም ብርያ ተሸጠ ንእጋሩ ብመቑሕ ሳቐዩ ነፍሱ ኣብ ሓጺን ኣተወት ቓሉ ኽሳዕ ዝፍጸም ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝፍትኖ ንጉስ ልኢኹ ኣፍተሖ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ ኣውጽኦ ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺኣስሮም ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ክሚህሮም ጎይታ ቤቱን ኣዛዝ ኹሉ ጥሪቱን ገበሮ” እዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ዮሴፍ ዝሓለፎ ጎድና ብሕጽር ዝበለ ትገልጽ እያ፣ ሎሚ እውን እቲ ንሕና ንሓልፎ ዘሎና ጎደና ኹሉ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ንበረኸትን ንፎውስን ምኻኑ ኣይንዘንግዕ ስለዚ ኣምላኽ ዮሴፍ ኣምላኽና እዩ እሞ እቲ ክንወርሶ ዘድልየና ክብሪ ኩሉ ክንወርሶ ኢና፣ ኣምላኽ ሰማይ ንጉስ ክላ ምድሪ እንሓልፎ ዘሎና ጎድና ይፈልጦ እዩ መወዳእቱ ኸኣ መንገዲ ኽብሪ ምኻኑ ይፈልት እዩ ስለዚ ብእኡ ተስፋ ንገብር፣