19
Fri, Apr
0 New Articles

ዝረኤ ዝረኤ ጥበብ .....ዝረአ !

Message 1
Typography

ኣብ ገጠራት ዓድና ኣጋ ጊዜ ዀይኑ ጸልማት ዓይኒ ምስ ሓዘ ሓደሓደ እዋን ሰባት ኣብ በሪኽ ወጺኦም 'ዝረኤ ዝረኤ ኣድጊ ዝረኤ'፡ 'ብዕራይ ዝረኤ' ወዘተ ኢሎም ብዓውታ የድህዩ እሞ ዝረኣየ እንተሎ ይሕብሮም። ሓበሬታ እንተ ዘይረኸቡ ኸኣ ናብቲñ ጥሪቶም ክጓሰዩሉ ዝወዓሉ መሮራት ከይዶም ነቲ ዝጠፍኤ  ብኣራዊት ከይተበልዐ ክደልዩዎ ይጓየዩ።


 ሎሚ ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ህዝብና ነቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ወንጌል ክበጽሖ ኣብ ዝሓሸ ዕድል እዩ ዘሎ። ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽን ዝሞተሉ መድሓኒን ከይፈልጥ ንኣእምሮኡ ብዝተፈላለየ መገዲ ሒዝዎ  ዝነበረ  ሎሚ እናተኣልየ ይመጽእ ኣሎ። ህዝብና ጥራይ ዘይኰነ ብዘሎ ሕዝቢ ዓለም'ውን በቲ ኣብ ዓለም ተፈጢሩ ዘሎ ዘየቕስንን እናሓደረ ዘስግእን ኵነታት ካብ ርእሱ ወጺኡ በበቲ ዝርድኦ መጸግዒ ደልዩ ናብ ፈጣሪኡ ክምለስ ሃሰው ዝብለሉ እዋን እዩ። ብሓጺሩ ከምቲ ጐይታ የሱስ ዝበሎ እቲ እኽሊ ንዓጺድ ጻዕድዩ እዩ።

 ግን እቲ ሕቶ፡ እታ ማሕበር ክርስቶስ ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀመሉ ብኸመይ ኰን ተዳልያ ትህሉ? ልዕሊ ዅሉ ዘድልያ ነገርከ እንታይ ኰን ይኸውን? መልሱ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተሓቢሩ ዘሎ ጥበብ እዩ፡ ኣምላኻዊ ጥበብ።

 ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ጥበብ ኣምላኽን ሓይሊ ኣምላኽን እዩ። ብጥበብ ዓብዩ፡ ብጥበብ ተመላሊሱ፡ ብጥበብ ከኣ እዩ ኣገልጊሉ። „ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን እእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ክዓርፍ እዩ። ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ...“ ይብል ኢሳ 11፡2-3። ነቶም ሰዓብቱ ኸኣ ጠቢባን ክዀኑ እዩ ተዛሪብዎም(ማቴ 10፡16)።

 ሎሚ ልዕሊ ዅሉ፡ እታ ማሕበር ክርስቶስ፡ ተልእኾኣ ብግቡእ ንኸተብጽሕ ኣምላኻዊ ጥበብ ክትልምን ይግባእ። ግድንዶ ከምቲñ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ብቪድዮን ብጽሑፋትን ከኣ ዝበጽሓና  ኣገባባትን ኣቐራርባን ጌርና ኢና ነዚ ወንጌል ኣብ ምድርና ከነብጽሖ ዘሎና? ንቐድሕ እንተዀንናኸ እቲñ ሞዴል ናይ ጐይታናን ሃዋርያትን ዘይንቐድሕ? እምበኣር ንኽትመርሕ፡ ንኽትእክብ፡ ንኽትምዕድ፡ ንኸተገልግል፡ ንኽትዋጋእ ንኸተስልጥ ጥበብ ወሳኒ እዩ። ጥበብ ከይሓዝካ ጉያ ትርፉ ወድቀት እዩ። ስለዚ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ከም ዝህበካ ለምን ምስ በሎ፡ 'ጥበብን ፍልጠትን' ዝበለ ከምኡ ክብሉ ይግብኦም። ሽዑኡ ንርእሶምን ነቶም ዝሰምዕዎምን ከድሕኑ እዮም(1ጢሞ 4፡16)።

 ዘለናዮ ዘበን ብዙሓት መንፈሳውያን መራሕቲ፡   እግዚኣብሄር ኣተንሲእዎም ከብቅዕ ሰኣን ጥበብ ዝወደቑሉን ዝተናዕቁሉን እዋን እዩ። ጥበብ መፍትሕ እያ። ንዓያሹ ጥበብ ናይ ፈራሃት እያ ትመስሎም፡ ግን ኣይፋልን። እታ  ናይ ላዕሊ ጥበብሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ ዘለዋ። ብዙሓት ግን ጥበብ ስለ ዘይሓዙ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ጐዲልዎም ተረኺቦም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ  ክብሩ ሰሪቖም ደፊሮምዎ፡ ንሱ ኸኣ ንዒቕዎም ደርብዩዎም ከኣ።

 ብኻልእ ሸነኽ እቶም ሰዓብቲ ዘበልና ንመን ንስዕብ ከም ዘሎና ክንፈልጥ ጥበብን ምስትውዓልን ክንልምን ይግብኣና። ምናልባሽ ዕዉራት መራሕቲ ይመርሑና ከይህልዉ፡ ሓደ ጊዜ ዝርእዩ ዝነበሩ፡ እግዚኣብሄር ምስ ኣዕበዮም ግን ብትዕቢትን ብዓመጽን ዝዓወሩ!   ምናልባሽ እግዚኣብሄር ዝገደፎም ሰባት ይመርሑና ከይህልዉ! ጥበብ ሕጂውን „ኣቱም ዓያሱ ኣእምሮ ተመሃሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ ለብሙ“ እናበለት ተድሂ ኣላ።