18
Thu, Apr
0 New Articles

ኣብ ጊዜ ሓደጋ ዘገልግሉ ህጹጻት ቁጽሪ ቴሌፎናት

Message 1
Typography
እዞም ቁጽራታት እዚኣቶም ካብ 911 ንላዕሊ ኣግደስትን ኣድለይትን እዮም፣
መዓስ ኢና ክንጥቀመሎም ዘሎና?

1)    ኣብ ሓዘን እዋን ናብ ወንጌል  ዮውሃንስ 14 ደውል

2)    ኣብ ሓጥያት ትወድቀሉ እዋን ናብ መዝሙር ዳዊት 51 ደውል
3)    ሓደጋ ኣብ ዝገጥመካ እዋን ናብ መዝሙር ዳዊት 91 ደዉል

4)    ሰባት ክጠልሙኻ ከለዉ ናብ መዝሙር ዳዊት 27 ደውል

5)    ኣምላኽ ካባኻ ዝረሓቐ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ ናብ  መዝሙር ዳዊት 139 ደውል

6)    እምነትካ ምብርባር ክደሊ ከሎ ናብ እብራውያን 11 ደውል

7)    ኣብቲ በይንኻ ዝስመዓካን ዘፍርሕ ወረ ምስ ሰማዕካን ናብ መዝሙር ዳዊት 23 ደውል

8)    ኣብ ትጭነቐሉ እዋን ናብ ወንጌል ማቲዎስ 8።19-34 ደውል

9)    መጉዳእቲ ኣብ ዝበጸሓካን ወቐሳ ኣብ ዝበዝሓካ እዋና ናብ 1ቆሮ 13 ደውል

10)    ብዛዕባ ክርስትና ኣብ ትግረመሉ እዋን ናብ 2ቆሮ 5።15-18 ደውል

11)    ዝተደርበኻ ኮይኑ ኣብ ዝስመዓካ እዋን ናብ ሮሜ 8።31-39 ደውል

12)    ሰላም ኣብ ትደልየሉ እዋን ናብ ማቴ 11።25-30 ደውል

13)    ኩነታትካ ካባኻ ይዓቢ ኮይኑ እንተ ተሰሚዕካ ናብ መዝሙር ዳዊት 90 ደውል

14)    ንክርስቶስ ዋሕስካ ክኸውን ኣብ ትደልየሉ እዋን ናብ ሮሜ 8።1-30 ደውል

15)    ካብ ገዛኻ ንመገሻ ኣብ ትንቀሳቐሰሉ ሰዓት ናብ መዝሙር ዳዊት 121 ደውል

16)    ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ትጽልየሉ እዋን ናብ መዝሙር ዳዊት 87 ደውል፣

17)    ኣብ ዕዮኻ ትብዓት ኣብት ደልየሉ እዋን ናብ እያሱ 1 ደውል፣

18)    ምድራዊ ሃብትን ንብረትን ከጨንቐካ ከሎ ናብ ወንጌል ማርቆስ 10።17-31 ደውል

19)    ኣብ ትጭነቐሉን ጽቕጠት ዝስማዓካ እዋንን መዝሙር ዳዊ 27 ደውል

20)    ኣብ ባንክኻ ዘሎ ሕሳብ ምስ ዝጽንቀቕ ናብ መዝሙር ዳዊት 37 ደውል

21)    ኣብ ሰባት ዘሎካ እምነት ምስ ዝጠፍእ ናብ 1ቆሮ 13 ደውል

22)    ሰባት ናይ ዕርክነት መንፈስ ምስ ዝነፍጉኻ ናብ ወንጌል ዮውሃንስ 15 ደውል

23)    ተስፋ ምስ እትቖርጽ ናብ መዝሙር ዳዊት 126 ደውል

24)    ዓለም ጸባብ ኮይና ኣብ ትስምዓካ እዋን ናብ መዝሙር ዳዊት 19 ድውል

25)    ፍረ ክትፈሪ ምስ እትደሊ ናብ ወንጌል ዮውሃንስ 15 ደውል

26)    ሚስጥር ሓጎስ ናይ ጳውሎስ ክትፈልጥ ናብ ቆሎሴ 3።12-17 ደውል

27)    ዓቢ ኩፉት ደገ እንተ ደሊኻ ናብ ኢሰያስ 55 ደውል

28)    ምስ ካልኦት ሰባት ብጽቡቕ ክትጓዓዝ እንተደሊኻ ናብ ሮሜ 12 ደውል፣

ተወሰኻቲ ቁጽሪ ቴሌፎናት

1 ብፍርሒ  ምስ እትዋሓጥ ናብ መዝሙር ዳዊት 47 ደውል

2 ንውሕስነትካ ናብ መዝሙር 121።3 ደውል

3 ንዝበለጸ ውሕስነት ንምርካብ ናብ መዝሙር ዳዊት 145።18 ደውል

ሓበሬታ

ኩሎም እዞም ቁጽርታት ብቐጥታ ደዊልካ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፣ ኦፕሬተር እውን ኣይድልየካን እዩ፣ እዞም ናይ ሰማይ መስመራት 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ክህቡ ክፉታት እዮም፣ ናብዞም ቁጽርታት ደዊልካ ንእምነትካ ኣበርትዓዮ ሽዑ ምጥርጣር ካባኻ ክሃድም ክትርኢ ኢኻ፣