18
Thu, Apr
0 New Articles

ኣይንብርከኽን!

Message 1
Typography
ታሪኽ ኩሉ ሓደ ብሓደ እንተ መርመርናዮ ቡዙሕ ግዜ ንኣምላኽን ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ ብደም ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝቖመት ማሕበሩን ዝቃወሙ ማእለያ የብሎምን፣ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ሙርኡያት ኢና በሃልትን ፖሎቲከኛታትን ንመጽሓፍ ቁዱስን መመሪሒኡን ካብ ታሪኽ ክሓኩ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ጌሮምን ይገብሩን ኣለዎ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ እዚ ግና ኩሉ ግዜ ምስ ተሳዕረን ምስ ወደቐን እዩ፣ ናይ ነውሒ ተመክሮ ከይከድና እኳ እቲ ኣብ 90ታት ዝተርኣይ ናይ ራሻ ወይ ሶቬት ሕብረት ነበር ርጉጽ መርኣያ እዩ፣ ካብ ዘመን የሱሱ ክርስቶስ ጀሚሮም ኣንጻር ወንጌልን ማሕበር ኣምላኽን ዝተላዕሉ ሰባት ቁጽሮም ቡዙሓት እዮም፣ ኔሮ እቲ ጉኑን ኣብ ልዕሊ ማሕበር ኣምላኽን ቁዱሳንን ዘውርዶ ዝነበረ ግፍዒ ከመይ ዓቢ ይንበር እምበር ነዚ ወንጌል ክብሪ ክዓግቶ ኣይከኣለን፣

ኣብቲ ብዝሒ መከራን ስቓይን ኣደራዕን ነውጽን ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ኸኣ እዩ ጽንዓት ኣመንቲ ተራእዩ እቲ ፍረ ብዙሕ ኮይኑ እንሆ ንምድሪ ከኣ ከዲኑ ዘሎ፣ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ስለ ወንጌልን ክርስቶስን መከራን ስቓይን ዝጸግቡ ዘለዉ ሰባት ኣዚዮም ቡዙሓት እዮም፣ ገለ ብማእሰርቲ ገለ ብስቓይ ገለ ኸኣ ብመግርፍቲ ገለ እውን ብሞት ይሓልፉ ኣለዎ፣ እዚ ዓይነት ተወፋይነትን መስዋእትነትን ግና ነዞም ከም ዚኣቶም ዝበሉ ናይ ኣምነት ጀጋኑ ብዘይ ፍረ ኣይገድፎምን፣ ኣብቲ ዘይከኣል ቦታ ከኣልቲ ኮይኖም ኣብቲ ናይ ሓዘን ስፍራ ጨና ሓጎስ ኮይኖም ኣብቲ ሞት ሞት ዝሽትት ቦታ ህይወት ዘርእዮም ሓሊፎምን ኣለዎን፣

ኣብዚ ዘመን እዚ ማሕበር ኣምላኽ ትሓልፎ ዘላ ጎደና መከራን ስቓይን ነቲ ዝመጽእ ዓቢ ክብሪ ዘዳልዋ ዘሎ መስርሕ እዩ፣ ብዘይተስፋ ኸኣ ኣይኮኑን፣፣ ሰይጣን እቲ ጸረ ኣምላኽን ሰብን ወትሩ ንብርሃን ወንጌል ከጥፍእ ንሓይሊ ኣምላኽ ከልምስ ዘይትኣደነ ጻዕሪ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዕልን እዩ፣ ግናኸ  ብፉጹም ኣይክኣልን እዩ፣ ነታ ናይ ክርስቶስ እየሱስ ማሕበር ዝኾነ ይኹን ሓይልን ስልጣንን ኣይብድሃን ኣይስዕራን ከኣ እዩ፣ እዚ ኸኣ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንማሕበርይ ደጌታት ስኦል እኳ ኣይክሕይልዋን እዮም ዝብሎ ቓል እኹል መረጋገጽን መርትዖን እዩ፣

ኣብ ዝሓልፈ ኣዋርሒ ሓደ ወዲ ፍልስጤም ኣማኒ ክርስትያን ጥራይ ብሙኻኑ ብገዛእ ደቂ ዓዱ ተቐቲሉ ብሰማእትነት ናብ ክብሪ ሓሊፉ፣ ሓደ ናይ ወንጌል መምህር ኣብ ሃገር ህንዲ ድማ ብዘይተፈልጡ ስባት ተቐቲሉ ሞይቱ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሃገረ ቻይና ኣመንቲ ብምዃኖም ጥራይ ብዝወርዶም ኣደራዕ ብሰማትነት ሓሊፎም ኣብ ሃገርና እውን ከምኡ፣ እዚ ነገር ኣዚ ኣምላኽ ዘይረእዮ ዶ ይመስለና? ኣይፋሉ ይርእዮ እባ! ንበረኸትን ንምጽንናዕ እውን ይጥቀምሉ፣

ስለዚ ስለ ወንጌል ክትብሉ መከራን ስቓይን ኣደራዕን ሕሰምን ዋዕን ኣሳሒታን ጥሜትን ጽምእን ትሓልፉ ዘለኹም ሰባት ኣጆኹም፣ ልቡኹም ይጽናዕ ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ኸኣ ክርስትይና ኮይንካ መከራ ምጽጋብ ዓወት እምበር ስዕረት ኣይኮነን በርኸት እምበር መርገም ኣይኮነን ዋላ ኣቲ ናይ ጴጥርስ መልእኽቲ ተንበብናዮ እንታይ ከይብለና “ኣቱም ኣሕዋተይ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጻሓኩም ኬንኩም ኣይትገረሙ፣ ብምግላጽ ግርምኡ ድማ ክትሕጎሱን ባህ ክብለኩምን ኢኹም እሞ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሑቡራት ካብ እትኾንኑ ተሓጎስ ደኣ ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጻረፍኩም እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሓድር ኣዩ እሞ ቡጽኣን ኢኹም” ይብለና 1ጴጥ 4።12 ስለዚ በዚ ተሓበኑ፣

ካብ መከራ ትርእዮ ሰናይ ነገር እኳ እንተ ዘየለ ዘልኣለማዊ ክብሪ ትዓጽደሉ መድረኽ ስለ ዝኾነ ግና ባህ ይበልኩም፣ እቶም ስለ ኣምላኽ ክብሉ መስዋእቲ ዝኸፍሉ ሰባት ኣምላኽ እዩ ዓስቦም ዝህቦም፣ ኣቲ ስለ ወንጌል ዝኽፈል ዘሎ መስዋእቲ ኸኣ ኣብ ወለዶ ጥራይ ተዘኪሩ ዝሓልፍ ዘይኮነ ፍሪኡ ኣብ ዘመናት እናሰሰነ ዝኸይድ እዩ፣

ንኣብነት እስከ ናይ እኒ መሓዙት ዳኒኤል ዝነበረኡ ሲድራቕ ሚስቓ ዓብድኔጎ ንርኣይ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መምርሕን ሕግን ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ንዘይከውን ክሰግዱን ክንብርከኹን እዮም ተነጊርዎም፣ እንተ ዘይኮነ ኸኣ ዝጽበዮም ፍርዲ ዓቢ ምኻኑ ይፈልጡ እዮም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ካብቲ ስቓይ ንምህዳም ነቲ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ኣይከሓዱን እኳ ድኣ እምቢ ንጣኦት ኣሜን ንኣምላኽ እስራኤል ቢሎም ኣብ ሓዊ ተደርበዩ፣ ግናኸ እቲ ናይ ተኣምራት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ሓዊ ብታኣምራት ተገሊጹ ክብሩ ገሊጹ ግርማ መንግቱ ኸኣ ኣንጸባሪቑ ስሙ ኸኣ ብጽንዓት እዞም ተባዓት መንእሰያት ተጋሂዱ፣

ኣብዚ እዋና እውን ክንሰግደሉ እንኽእል ምስሊ ኣብ ቅድሜና ቀሪቦም እኳ ስግድሉ እንተ ዘይበሉና ንወንጌል ምድሓን ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ክንክሕድ ግና ይንገረና ኣሎ እንተ ዘይጌርናዮ ኸኣ ፍርድና ዓቢ ምኻኑ ተኣውጁ ኣሎ ድሮ እኳ ብዙሓት ኣብ ዘላ ክፍሊ ዓለም ነዚ ጽዋእ መከራ እዚ ይሰትዩ ኣለዉ፣ ገና ኣይተንበርከኹን ንሓዋሩ እውን ኣይክንብረክኹን እዮም ከመይሲ ካብቲ ዝመጽእ መከራን ስቓይን ኣደራዕን ካልእ ፍቕሪ ክርስቶስ ስለ ዝዓቢ፣ ኣንጻር እቲ ዘሕሞም ዘሎ ዝስዕሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ስቓዮም ከኣ ክሕይሉ ዘኽእሎም ናይ ሰዓርቲ ጸጋ ምስኦም ስለ ዘሎ ኣዩ፣ እዚ ስለ ወንጌል ዝኽፈል ዘሎ መክራ ግንደይ ጀግኑ ኗይ እምነት ሰባት ኮን የፍሪ ኣሎ” ክንደይ ብሉጽነት ኮነ ከፍሪ እዩ? እዚ ንግዚኡ ዘይረኣ ዝመስል ጽባሕ ንግሆ ዓጋቲ ዘይብሉ ኾይኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ክረኣ እዩ፣

ብርሃን ወንጌል ዓጋቲ የብሉን፣ ሃዋርያ ጳውሎስ እኳ ንዓይ እንተ ኣሰሩ ነቲ ወንጌል ክብሪ ግን ፈጺሞም ኣይክኣስርዎን እዮም ኢሉ ኣሎ፣ ወንጌል ብሰበ ስልጣንን ተቓወምትን እንተ ዝእሰር ኔሩ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሞይቱ ምስ ተርፈ፣ የግዳስ ኣብ ሞት ምቓብሩ እካ ንተቃመውቲን ንጭፍራታት ኣጋንንትን ስዒሩ ተንስኢ ሰላም ወንጌል ኣበሲሩ፣ እዚ ሓደራ ኸኣ ሓዱግልና ከይዱ፣ ስለዚ ዘሎና ወንጌል ዝሞተ ዘይኮነስ ዝተንሰኣ ወንጌል እዩ፣ ኣብ ዓመታትን ዘመናትን ከኣ ከም ዘይጠፍእ ሽግ እንበረሃን እናደምቐን እዩ ዝከይድ፣ እሞ ድአ ካብዚ ናይ ፍቕሪ ወንጌል እዚ መን ይፈልየና? ሓንቲ ደስ ተብል ዝፈትዋ መዝሙር ኣላ፣

ቆልዑት ከላን እንዝምራ ዝነበርና መዝሙር እያ “ስደት ዋላ ሞት ጭንቂ መካራ እንተ መጸ እካ ካብ ፍቕሪ የሱስይ ኣይፈልየንን እዩ” ትብል፣ ብመጠን እቲ ዝጸበናን ዝጨንቐናን ብኡ መጠን ከኣ ናብ ኣምላኽ ንቐርብን ንጠብቕን፣ ስለዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብ ታሕቲ ወይ ትሕቲ ምድሪ ዝፈልየና ፈጺሙ የለን፣

ኩቡራት ሰማዕትና ቀዳም ቀድማ ብዛዕባ ሰማእታት ካታካንቦ ነቕርበልኩም ኣሎና ኣብቲ ግዚ እቲ ዝሓለፍዎ መከራን ስቓይም ከመይ ዓቢ ከም ዝነበረ ኣንቢብኩምን ሰሚዕኹምን ኣሎኩም፣ ሓደ ኣብቲ ኣዋን እቲ ፖሊይ ካርብ ዝተባህለ ዓቢ ሰባኣይ ንየሱስ ካሓድ እሞ ክንለቀካ ምስ በልዎ ዝመለሶ መልሲ ኣዚዩ ጉርም እዩ ከምዚ ኢሊ “ንየሱስ 86 ዓመት ስዒበዮ ምንም ክፍኡ ኣይገብረንን ነዚ ኣምላኽ እዚ ከመይ ኢለ ክክሕዶ ኣመውት ደኣ” በለ ብሰማእትነት ከኣ ሓለፈ፣ ነዚ ምስ ረኣየ ኸኣ እዩ እቲ ዓቢ ናይ እምነት ጅግና ቶርቲልያን “ደም ቁዱሳን ዘሪኢ ቤተክርስትያን እዩ ዝበለ” ሓቁ እንሆ ማሕበር ኣምላኽ ኣብ በዞም ናይ ኣምላኽ ጀግኑ ተትኺላ ብዓውት ትምርሽ ዘላ፣

እምበር ሰይጣንን ሰባትን ደኣ ክሳብ እዛ ዝዛረበላ ዘልኹ ደቒቕ ንማሕበር ኣምላኽ ካብ ምዕጻው ሓሊፎም ከጥፍዎ እንድዮምዝጋደሉ ዘለዉ፣ ኣበደን ኣይትጠፍእን ኣይትቕህምን ከምይሲ እቲ ደካኒኣ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ኣቦ ጎይታን የሱስ ክርስቶስ እምበር እዩ፣ ሓውና ኣለማዮ ሓድ መዝሙር ዘሚሩ ኣሎ “እግዚኣኣብሄር ሰንደቅ ዕላማይ ኣዩ እንሳዓረት ትስዕር መንግስቲ ከምዘላትና ምስክር እየ” እወ ማሕብር ኣምላኽን ቁዱሳንን ተሳዒሮምን ተንበርኪኾምን ኣይፈልጡስ ብዝመጾም ዋዒ ኸኣ ኣይነዱን ከመይሲ እቲ ቀቅድሚኦም ዝወጽእ ኣምላኽ ጠዓስን ሰዓርን እዩ እሞ ንሳቶም ከኣ ኣስቶም ክኣእ ኣኣሰር ኣኣሰሩ ሲዒቦም ይሶርሩ ይትሕሱን ስለ ዝኾነ፣

ኣብ ታሪኽ መን እሞ ስለ ክርስቶስ ዝአይተኣኣስረ ዘይተኸትክተ ኣኣብ ግድጋድ ዝአይተደርበየ ቦምት ዘይሓልፈ ኣብ ሓዊ ዝተደርበየ ምስ እዚ ኹሉ ግና እንሆ ቤት ኣምላኽ እታ ሓቐኛ ናይ ክርስቶስ የሱሱ ማሕበር ኣብ በረኽቲ ደው Iእላ ንደጌታት ሲኦል ተናውጽን ተርዕድን ኣላ፣ ከጽድፍዋ ኣኢሎም ዝደፋው ከዕንውዋ ኢሎም ዝአፍርስዋ ክምሕውዋ ኣኢሎም ዝምንቅስዋ ክEትፍእዋ ኢሎም ዝደብንዋ እዚይም ከምጽጸግሪ ርኣሲ ብዝሃት እዮም፣ ግን ኸኣኣ እት ብውፍያት ስEኦኣብትክ ርስትቶ ዝተንድቅት ምማህብአራኣምLእክ ኣይጸድደፈ እካ ደኣእ ኣዝይ ቐጥ ኢል  ኣኢላ ኣላ፣ ኣይተሞንቀሰትንብ ኣንጻሩ መምሊሳ ትጥጥዕ ኣላ፣ ኣይጠፈኣኣትን እኳ ድአኣ ኣዚይ ትስስን ኣላ፣ ንቡዙሓት ከኣ መጽለልን መዕቆብን ኮይና ኣላ፣

ስለዚ ብዝሒ ማይትን መከራን ከምዘይጥዕላን ከመዘየድክማን ሰYታንንን ሰዕቡትን ኣዚዮም ይፈልጡ እዮም ግና ኽ ካብ ምትልኻል ኣዮኣርፉን እዮም፣ እቲ ዝገረም እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ስለ ወንጌል ክርስቶስን ሓቒ ኣምላኽን ብዝተፈላለየ መከራን ስቓይን ዝሓልፉ ዘልዎ ኣምንቲ ኣብ ገጾም ዝርኣ ክንዲ ጉስቅልና ምጽንናዕ እዩ፣ ኣብ ከናፍሮም ዘሎ ምስጋን እምበር ምጉርምርራ ኣይኮነን ከምት ሃዋርያ ጳውልሎ ዝበሎ ኸኣ ንዓና ንምጽንናዕን ንጽንዓትን ኮይንና ኣሎ፣ ብእምነቶም እምንነ ንውስኽ በቲ ዝኸፍልዎ ዘሎ መስዋኣትነት ከኣ መጻኢ ስፍሓት ወንጌል ዓቢ ምኻኑ ይረኣየና፣ ስለዚ መከራን ስቓይን ኣደራዕን ጥሜትን ዕርቃንን ስለ ወንጌል ፈጺሙ ከንቱ ኣይኮነን፣ ኣሰር ሃዋርያትን ነብያትን ንጓዓዝ ከምዘሎን ምስክር እዩ፣  

ስለ ወንጌል ትኸፍልዎ ዘልኹም ዋጋ ክሳራ ኣይኮነን፣ ኣብ ድጋን ምእታውኩም ግዜኹም ብኸንቱ ኣይኮነን ዝሓልፍ ዘሎ እቲ ዘርኢ ወንጌል ከም ትሕንበብ ሮኬት ይሕንበብ ኣሎ፣ እቶም ኣኽሊላትኩም ከኣ ጽባሕ ኣብ ናይ ክብሪ ብታ ምሳኹም ተቐሚጦም ክትርእይዎም ኣኢኹም፣ ነዛ ጽሑፍ እዚ እንዳጸሕፍኩ ከለኹ ሓንቲ ቪድዮ ናይ ሓንቲ ብሰንኪ ውአንግጊ ክልተ መሃውራ ዝሰኣንት ሰብ ይርኢ ኔር፣ ካብ ግአጽ ዝንበብ ግና ሓጎስ እዩ ከናፍራ ዘፈልፍልኦ ኣምላኽ ይመስገን እዩ፣ ቅንኣታ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋህ እዩ፣ ኮታ ሓቐኛ ምስክር ክርስቶስ የሱስ ልበይ ከኣ ተንኪፋቶ መክረኣኣ ኸኣ ንምጽንናዓ ኮይኒኒ፣

ሎሚ ብአዚ ከምዚ ትሓልፉ ዘልኹም ሰባት ደጊመ ኣጆኹም ፍሬኩም ነብሪ ዓስብኹም ዓቢ ራኢኹም ሰፊህ እዩ፣ መቑሁክም ከኣ ሰንሰለት ተስፍ ኣዩ ኣምላኽ ክብሪ ኸኣ ከኽብረኩም እዩ፣ “እምበኣርሲ ንሕና በዓልትና  ብትዕግስትኹምን ብእምነትኩም ኣብ Mእህብር ኣምላኽ ንምካሕ ኣሎና ነታ ብዛኦባኣ መክራ እትጸግቡ ዘልኹም መንግስቲ ኣምላኽ ቡቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ክትቁጸሩ እዚ መክራኩም ጉሉጽ ምልክት ናይቲ ጉሉጽ ፍርድ ኣምላኽ እዩ፣ በቲ ምግላጽ ጎይታን የስስ ካብ ሰማይ ምስ መልኣኽቲ ስልጣኑ ንኣኻይኩም ጸቢቡኩም ዘሎን ምሳን ዕረፍቲ ነቶም ዘጽብብልኩም ዘለዉን ጸበባ ክፈዲ ብኣምላኽ ቁኑዕ እዩ” 2ተስ 1።4-7