23
Tue, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ !

Message 1
Typography
ነገራት እናጸልመተ ክከይድ ከሎ፣ ኩነታት ኣንፈቶም አናቓያየሩ ዓቅልኻ ከጽቡብልካ ከለዉ፣ ትጽቢትካ ኩሉ ከይተማለአ ክተርፍ እንከሎ፣ ዝሓሰባካዮ ሽቱኡ ከይሃረመ ከንቱ ከኽውን ከሎ፣ ዝስማዓካ ስሚዒት። ዝወርደካ ጋሂ። እትሓልፎ ብድሆ ዓቢ፡ እቲስከሞ ጾር ድማ ከቢድ፡ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ኣብ ምጉርምራምን ምንጽርጻርን ከእትወካ ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ እቲ ዝከበደን ዝዓበየን ነገር ምስቲ ኩሉ ዝኸእል ስሌኻ ድማ ዝግደስ ኣምላኽ እትገብሮ ምጉትን ክትዕን እዩ፣ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕጀል ሕቶ ኩሉ ስለምንታይ ዝብል እዩ፣

ኣብዚ ጊዜያት እዚ ዓላማ ኣምላኽ ንኽትርዳአ ሓሳቡ ከም ዘለዎ ተቐቢልካ ብእኡ ክትመላለስ ኣዚዩ ይኸብደካ፣ ነቲ መሰረት ህይወትና ዝኾነ ቃሉን ተስፉን ድማ ንምቕባል ይኸብድ፣ ኣብዚ ጊዜት እዚ ኩነታትካን ነገራትካን ጥራይ ዘይኮነስ ንባዕላ ነፍስኻ ኣንጻርካ ንውግእ ትስለፍ፣ ኣበይ ኣሎ ኣምላኽካ? ንሱ ምስኻ እንተ ዝህሉ ደኣ እዚ ኩሉ መከራን ስቓይን ንምንታይ? ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ፈሪሓ ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ሃዲኦም ብዘይፍርሂ ጥዒምዎም ይነብሩ ኣለዉ ንስኻ ግና ኣእዳውካ እናጽረኻ ክንስኻ ኣብ ማአከል ሓዊ ኣቲካ  ብጸልማት ተኸቢብካ ኣሎኻ፣ ሰይጣን ድማ ወትሩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኣብ ዙርያኻ እናጓዘመ እቲ ንሰላምካ ዝዝርግ ንኣእምሮኻ ድማ ዘናውጽ ድምጽታት እናስመዐ የጨንቐካ፣

ንምኻኑ እንሓልፎ ዘበለ ኩሉ ኣምላኽ ይፈልጦ ድዩ? እቲ ማሕደሩ ኣብ ሰማያት ዝገበረ ኣምላኽ ብርግጽ ብዛዕባና ግድ ይገብር ዲዩ? ንምንታይ እዩ ኸ ተስፍኡን ኩነታትናን ከም ሰማይን ምድርን ዘይላገብ ኮይኑ ዝስማዓና? ክንስቀን ክንዋረድን ፍትሒ ክድፈነናን እንከሎ ስለምንታይ እቲ እንኣምኖ እንውከሎ ኣምላኽ ገለ ዘይገብር? ጽባሕ ክወግሕ እናተጸበና ክነስና ወረግ ስለምንታይ እዩ መመሊሱ ዝጽልምትን ዝኸፍእን?

ኽብራት ኣሕዋት ሎሚ ንኩላትና በዚ ከምዚ ንሓልፍ ዘሎና ሰባት ዝኸዉን ብስራት ኣሎኒ ንሱ ድማ እንሆ እቲ ኣነን ንስኻትኩምን ነምልኾ ኣምላኽ ሕጂ እውን አንተ ኾነ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኩሉ ጋህ ዝበለ ቁሉዕ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ዝሕባእ ነገር የለን፣ ኣምላኽ ኩነታትና ደሪኽዎ ዝሰርሕ ኣምላኽ ዘይኮነስ ጊዜኡ ሓሊዩ ኣብ ሰዓቱ ደበኽ ዝብል ጎይታ እዩ፣. ነገርና ርእዩ ጸገምና ተዓዝቡ ደንጊጹ ጥራይ ስቕ ዝብል  ዘይኮነስ ንረድኤትና ኣብ ሰማይት ተወጢሑ ዝሸብብ ኣምላኽ አዩ፣ ብጸልማት ክንሕልፍ ዝፈቅድ መታን ክሕስመና ተስፋ ከቕርጸና ዘይኮነስ ብኣንጻሩ መታን  ኮሊዑን ኣጽርዩን ኣብ ዝበለጸ ቦታ ክብሪ መታን ከቐመጠና እዩ፣ ነዚ ተረዲኡ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ሽዓ ዝሓልፍ ቀሊል ጸበባና ማእለያ ዘይብሉ ክብሪ የዳልወልና ኣሎ ዝበለ፣

ሎሚ መከራና ተዓብየ ስቓይና ተዓዘዘ ኩነታትና ተጸልመተ ተስፋ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ፣ እንደገና ድማ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ናይ ታሪኽ ኣምላኽ እዩ፣ ታሪኽ ኣብ ኢድ ማንም ኣይኮነን ኣብ ኢድ እቲ ኩሉ ዝኽል ኣምላኽ እዩ፣ ነዛ ዓለም ናብ ዝደለዮ ዝጠውያ ኣብ ልዕሊኣ ድማ ድላይ ክገብር ስልጣን ዘለዎ ሓደ አዩ፣ ንሱ ድማ እቲ ንጉስ ነገስታት ጎይታ ጎይቶት ዝኾነ የሱስ ጥራይ አዩ፣

ኣብቲ ዘይካል ዘይከዉን ዝመስል ጊዜ የሱስ ከኣሊ አዩ፣ ኣብቲ ነገራት ናብ መወዳአታ ዝበጽሕሉ ጊዜ የሱስ ሹዑ አዩ ናይ መጀመርያ ስርሑ ዝሰርሕ፣ ኣብቲ ኦርማይ ኣኺሉኒ ኢልካ ዕጥቅኻ ኣዝሊቕካ ንድሕርቲ ክትምለስሉ ዝወሰንካ ጊዘ የሱስ ኣብ ቅድሜካ ደው አሉ ሰላም ንዓካ ይኹን እንናበለ ብስራት ዘበስርልካ ጊዜያት ይመጸ ኣሎ፣
ኣንታ ተስፋኻ ዝቀበርካ ሰብ ኣንታ ንራአይኻ ዝደርበኻ ሰብ ኣንታ ነገልግሎትካ ዝሓግካ ሰብ የሱስ ኣነ ትማልን ሎምን ንዘላለም ህያው አየ ይብለካ ኣሎ፣ ኣነ ኣይተለውጥኩን ስለዚ ክብረይ ከተዘንቱ አምበር ኣይክትጠፈን ኢኻ፣

ሓደ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ዘመን ጎይታና የሱስ ዝተፈጸመ ታሪኺ ኣሎ አዩ፣ ንሱ ድማ ዛንታ ኣልኣዛር ሓው በዓል ማርያም አዩ፣ የሱስ ንዞም ሰባት እዞኣም ፈላጢኦም ጥራይ ዘይኮነስ  መሓዛኦም መምህሮም ኮታ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ እዩ ኔሩ፣ አዞም ሰለተ ኣሕዋት ኣብኡ ዝነበሮም እምነት ድማ አምብዛ ዓቢ ኣብ ልቦም ንጎይታ  ስፍራ ሂቦሞ ዝመላለሱ ዝነበሩ ሰባት እዮም፣. ታምራት የሱስ ብዓይኖም ዝረዩ ትምህርቲ የሱስ ዝረኸቡ ብፍቕሪ መድሓኒ ዝተማረኹ ንዕኡ ንምግልጋል ዝቖረጹ ኣመንቲ እዮም ኔሮም፣

ሓደ ጊዜ ግና ኣልኣዛር ሓሚሙ ኣዚዩ ተወጺዑ ግና እዛ ቤተሰብ እዚኣ ዝኣመንዎ ሓደ ፈዋሲ የሱስ ስለ ዝነበረ ንጎይታ ብዛዕባ ሕማም ኣልኣዛር ክንግርዎ ሰባት ሰደዱ የሱስ ክመጽእ እንተ ደለየ ግርም እንተ ዘይኮነ ድማ ኣብኡ ኮይኑ ከም ዝፍውሶ ኣይተጥራጠሩን ብእምነት ድማ መልእኽቲ ለኣኹ፣ የስስ ግና ኣይመጸን ኣልኣዛር ድማ ንሞት ተቓረበ፣

ትጽቢት በዓል ማርታ ማርያም ከንቱ ኮይኑ ተሰመዐን ካልኦት ሰባት ብዛዕቡ ዝፈልጡ ዘበሉ ተስፋ ቀርጹ ድምጺ ኣሮማይ ተሰመዓ የሱስ አንታይ ኮይኑ ጨኪኑ እሞ ድማ ንፈተውቱ? ንጓኖትን ጸላእቱን እኳ ሰናይ አናገበር አንፈወስ ሎሚ ኣብ ኣልኣዛር በጺሓ ስለምንታይ ኢዲ ሓጺራ? ማርያምን ማርታን ነቲ ሓደ ዝፈትዎኦ ኣልኣዛር ብሰንኪ የሱስ ዘይምምጽኡ ሲእነንኦ፣

ኩብራት ኣሕዋት ንገዛአ ረስና ኣብ ቦተኣን ኣእቲና ንርኣያ እሞ ብርግጽ ቀሊል ኣይኮነነ፣ ንሕና እኰ አንተ ብብዙሕ ወይ ብሒደት በዚ ከምዚ ዝኣመስል ፈተና ሓሊፍና ኢና ኣምላኽ ስለምንታይ አልና ድማ ሓቲትና ኢና፣ ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ኣሚና ዘዕረግናዮ አሞ ከይተመለሰ ምስ ተረፈ ብተስፋ ቁርጸት ኣብ ልዕሊ አቲ ሓላይና ኣምላኽ ኣግሮምሪምና ኢና፣ ንሱ ግና መዓስ ይመጽእ ብከመይ ይምልስ ይፈልጥ አዩ፣ የሱስ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቦታ ዝፋኑ ምስ ተቀመጠ አዩ፣ ኣብ ቅድሚእ ብኸንቱ ዝፈሳ ንብዓት ድማ የለዋን፣

ሎሚ ከም ማርትና ማርያምን ነገርና ከዐርዮ ናብ ኣምላኽ መልእኽትና ዝለኣኽና ሰባት አሞ ድማ ክስተኻከል አናተጸበና ነገርና ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ኮይኑ ከም ኣልእዛር ዝሞተና ሰባት ኣቡእ ኣይኮናን ታሪኽና ዘኽትም፣ ማርታን ማርያምን እኰ ብሞት ሓወን ኣልኣዛር ተሰቅየን ነቢዔን ተስፍኣን ማህሚኑ አዩ፣  ብንብዓት ድማ ኣዒንተን ተሓጺቡ አዩ፣ ነዚ ኩሉ የሱስ ዘይፈልጦን ዘይርዶን ጨካን ጎይታ ኣይኮነነ እኰ ብኣንጻሩ ሕያዋይ፣ ከመይሲ ንሱ ድሕሪ ሞት ኣልኣዛር ዘሎ ክብሪ አምበር ነዚ ገጢምዎን ዘሎ ስቓይ ኣይኮነነ ዝጥምት፣

የሱስ ንማርታን ንማርያምን ተራ ነገር ኩሉ ዝፈልጦ ዘይኮነስ ሓደ ዘገርም ነገር ከረእየን ደልዩ ኣሎ፣ የሱስ ኣይህወኽን አዩ ከማና ድማ ኣይሽበርን አዩ አቲ ገባሪ ተኣምራት ኣእዳው መዓስን ኣበይን ብከመይን ከም ዝዝርግሕ ይፈልጥ አዩ፣ ኣልኣዛር ሞይቱ ጥራይ ኣይኮነነ ራብዕቱ ጌሩ መሽምሹ እዩ፣ ሕጊ ኦሮማይ ኣብ ልቢ እዚ ቤተሰብ ዓቢ ስፍራ እዩ ረኺቡ፣ ተስፍ ማርያምን ማርታን ንኣልኣዛር ኣብ ትንሳኤ ምውታታ  ክረዮኦ ጥራይ አዩ፣ እንሆ ግና የሱስ ታሪኽ ክሰርሕ ናብ ቢታንያ ገጹ ይግስግስ ኣሎ፣ አቲ ወዲ ኣምላኽ ዝከብረሉ ኣልኣዛር ዝትንሳኣሉ ማርታን ማርያምን ድማ ዝደበሳሉ ሰዓት ኣኺሉ፣

መከረኣን ዝውዳኣሉ። ቤት ሓዘነን ናብ ቤት አልልታ ዝልወጠሉ። አንጀራ ሓዘን ምብላዕ ገዲፈን ሕንባሻ ሓጎስ ዝበልዓሉ ጊዜ መጺለን፣ ነዚዮም ኣሕዋትና ዘመን መጺይለይ ዘመን ምስጋና ክባርኾዮ ስሙ አንደገና አናበሉ ዝዘመሩ፣

እወ የሱስ ክመጸእ እዩ ኣይክድንጉን ድማ አዩ፣ ንሱ ክወርድ ከሎ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውም እንባን ዝግተር ከረንን የለን፣ የሱስ መጺኡ ታሪኽ ከይሰርሐ ኣብ ቅድሚ ጸላአን ፈታውን መኣዲ ከይዘርገሓ መዓስ ይተርፍ፣

ኣምላኽ ሰማይ ንጉስ ኩላ ምድሪ እህህታ ደቁ ክሰምዕ ካብ ዝፋኑ ወትሩ ምስ ወረደ አዩ፣ የሱስ ኣብ ቢታንያ ምስ ኣተው ማርያምን ማርታን ሰምዓ፣ ማርታ ከመቲ ናይ ቀደማ ንየሱስ ከተተኣናግድ ዘይኮነስ ንምውቃሱ እያ ተጓይያ፣ የሱስ ንስኻ ኣብዚ አንተዝህሉ እኰ ሓወይ ኣይምሞተን ብኻልእ ኣዘራርባ የሱስ ኣብኻ ተስፋ ጌርና ኣሚናካ ተጸቢናካ ግና የሕፊርካና ኣፍሺልካና ማላትዩ፣ የሱስ ህዱእ በዓል ዓቅሊ ኩሉ ከኣሊ ኣይሓዘላን ከመይሲ ፍጥረትና ይፈልጥ ድኹማት ምዃና ድማ ይርዳአ አምበር አዩ፣

ማርያም ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ትሕቲ አግሩ ክትማሃር ዘይኮነትሲ የሱስ ንስኻ ዝገበርካና ኣብዚ አንተ ትህሉ ደኣ መዓስ ከምዚ ምኸነ ኔሩ ንምባል አያ ተሃንዲዳ፣ አቶም እኩባት ሰባት ተዀኑ ድማ ኣየ እወ ኣብዚ ኣልኣዛር ከይሞተ ከሎ አንተ ዝነብርሲ ምፍወሶ አምበር ኔሩ እዮም ዝበሉ፣ ዝዀነ ኮይኑ ግና የሱስ ስርሑ ጀሚሩ፣ ኣብይ ኣሎ በሎም፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ድማ አዩ ሞይቱ ጨንዩ ዝብል ድምጽታት ክስማዕ ዝጀመረ፣ አዚ ግና ነቲ ታሪኽና ክልውጥ ዝደሊ ኣምላኽ መዓስ ይጨንቆ ነቲ ኣእማን ገልብጦዎ መጋንዙ ፍትሕዋ አሉ ዝኣዘዝ ብዓቢ ድምጺ ድማ ሽም ኣልኣዛር ፈልዩ ካብ ዝወሓጦ መቓብር ዘተንስኦ ኽብሪ ንኣምላኽ ይኹን፣

እዚ እዩ ታሪኽ፣ እዚ እዩ ታምራት፣ እዚ እዩ መስተንክር ግብሪ ኣምላኽ፣ ሎሚ ነገርና ሞይቱ ታሪኽና ኣኽቲሙ ተስፋና ተጸንቂቑ ኣሮማይ ተባሂልልና ይኸውን፣ እዚ ግና ናብ ናይ ክብሪ መንገዲ ዝወስደና። አድ ኣምላኽ ክንርኢይ ዝድግፈና እዩ፣ ኣእማና ዝግልበጠሉ ማእሰርና ዝብተኸሉ ሰንሰለትና ዝብጠሰሉ ክብሪ ሰማይ አንርእየሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይኮነነ፣

ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ ዝደልዮ ኩሉ ድማ ይገብር ኣሎ፣ ናተይ ነገር ኣይከውንን እዩ ሞይቱ እኰ አዩ በድቢዱ ዶ ኣይኮነነ ዝብል ቃላት መውጺ  ኣፋና ዝዀና ሰባት እዚ ንሕሰብ ንኣምላኽ አንታይ ይሰኣኖ፣ ንሱ ናይ ታሪኽን ታኣምራትን ኣምላኽ ዘይኮነን? እቲ መቓብር ከፊቱ ንኣልኣዛር ዘተንስኦ እሞ ድማ ምሱኡ ብክብሪ ዘቀመጠ ኣምላኽ ሎሚ አውን አንተ ኾነ መጋንዝና ፈቲሑ ከኽብረና ኣይክእልን ድዩ?

ብርግጽ ምስ እዚ አንሓልፎ ዘሎና ኩነታትን መከራን ስቃይን እዚ ዝብሎ ዘለኹ ቃላት ዕሽነት ኮይኑ ክስምዓና ይኸል ይኸውን፣ አንተ ዀነ እቲ ኣነን ንስኻትኩምን እንውከሎ እንድገፎ እንእምኖ ኣምላኽ ከምኡ እዩ፣ ከምይ አሉ ክኸውን አዩ እንዲዒ ንሱ ይፈልጥ፣ መዓስ ክኸውን አዩ ሕጂ እውን ንሱ ይፈልጥ፣ ኣምላኽ ግና ኣብ ዝፋኑ ኣሎን ንናይ ነፍሲ ወከፍና እህህታ ኣብ ዝፋኑ ኮይኑ ይምልከተን ኣሎ፣

ሓደ ጊዜ ኣምላኽ ንህዝቄል ከምዚ ኢልዎ „ኣንታ ወዲ ሰብ አዚ ዓጻጽምቲስ ህያው ዶ ክኸውን አዩ?“ ነቢዪ ህዝቄል ድማ ኣብ ዘመኑ ኩሉ ዓጻጽምቲ ትንፋስ ሰኺዑ ርእዩ ስለ ዘይፈልጥ „ኣምላኽይ ንስኻ ትፈልጠል በሎ“፣ ኣምላኽ ድማ ከምዚ አልዎ፣ ‚እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ከምዚ ይብል ኣሎ እንሆ ኣነ ትንፋስ ክእትወልኩም እየ ንስኻትኩም ድማ ህያውን ክትኮኑ ኢኹም ኣቱም ህዝበይ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ ካብ መቃብራትኩም ከኣ ምስ ኣውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ምኻነይ ክትፈልጡ ኢኩም“ ህዝ 37 ኣንብቡዋ፣

ሎሚ አውን ተዀነ ንኩሉ ነገራትና ካብ ሞት ናብ ህይወት። ካብ ሕስራን ናብ ክብሪ ክልውጦ አዩ፣ ኣብ ቅድሚና ባሕሪ ብድሕሬና ፈርኦን ኮይኑ ናብታ ናይ በረኸት ምድሪ ከይንአቱ ዝኽልክለና ዘሎ ነገራት ብሓንሳብ ተጠቅሊሉ መዓሙቕ ዝኣትወሉ ሰዓት ሩሕቕ ኣይኮነነ፣ ንሕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሎና ንሱ ድማ ይዕዘበና ኣሎ አሞ ኣጆና፣ነቲ ክኸውን ዘለዎ ታሪኽ ክንርኢ ግና ኣብ ቅድሚኡ ኣካይዳና ነጸብቕ፣  

ኣእዳውና ወለል ኢለን ዘርጋሕጋሕ ዝበላ። ኣእጋርና ተሓሊኸን ምኻድ ዝኣበያና።  ኣዕኒትና ጽልግልግ ኢልዎን ምርኣይ ዝተሳእነን ኣምላኽ ከምዚ ይብለና ኣሎ „ኣነ ኣብ ዝፋነይ አየ ነገር ኩሉ ድማ ኣብ  ቅደመይ ቀሊል አዩ“፣  አወ ንሱ ታሪኽና ክልውጦ ክለዋውጦ አዩ ደጊም አንጀረ መከራን ስቓይን ዘይንበልዓሉ ዘመን ይመጸእ ኣሎ፣ ንዘመናት ሕቆና ዘጎበጠና ነገር ኩሉ ዘኽትመሉ ሰዓት ቀረባ አዩ፣ ዘመን መጽለይ ዘመን ምስጋና አልና አንዝምረሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይኮነነ፣ ኣምላኽ ንብዓት የዒንትና ዝደርዘሉ ሰዓት ቀሪቡ ኣሎ፣ አስከ ነቲ ዝመጽእ ከይመጸ ከሎ ንትሓጎስ፣ ጸልማትና ተቀንጢጡ ክብሪ ወዲ ኣምላኽ እንረየሉ ሰዓት መጺሉና ኣሎ፣

ሎሚ አህህ እንናበልና ምሕላፍና ንኽብሪ አዩ፣ ሎሚ መሳኺን ኮይና ምራኣይና ንዓቢ መጎስ አዩ፣ እንሆ ኣምላኽ ዓቢ ነገር ክገብረልና አዩ፣ ንዑ ተጸብዩ ዝሓፈረ ለሚኑ ዝከሰረ ተኣሚኑ ድማ ዝተሳዕረ የለን፣ ኣምላኽ ሩሕቕ ዘይኮነስ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ፣ ንሱ ንረዲኤትና ኣብ ሰማያት ዝተወጠሓ ጅግና ኣምላኽ አዩ፣ ኣብቲ ኣኺሊ ተወዲኡ ዝተበህለሉ ጊዜ ቀልጢፉ ዝረድእ ኣምላኽ ጥራይ አዩ፣ ንሱ ማእሰርና ፈቲሑ። ፈትሊ ሰንሰልትና በጢሱ። ኣርዕትና ሴይሩ ንዘላለም ብቅብኣቱ ኣብ ቤቱ ክንብረና አዩ፣

ኣምላኽ ከም ዘይብልና ኮይና ኣይንሓዝንን ተስፋ ከም ዘይብልና ኮይና ድማ ርእስና ኣይነድንን፣ ዋላ ኣብቲ ጸልማት ብርሃን ዘይብሉ ቦታ ኮይና ኣምላኽ ምስና ከምዘሎ ንፍለጥ፣ ንሕና ዘኽትማት ብዘይ ኣቦን ረዳአን ኣይኮናን፣ ናትና ተስፋ ንኸንቱ ኣይኮነነ ጸሎትና ድማ ናብ ዘይሰምዕ ኣይኮነነ ምህለላና ኣብ ሃዋህው ኣይኮነን፣ ኣንቱም ብሩኻት አቲ ንረዲኤትና ኣብ ሰማይት ዝተቐመጠ ኣምላኽ ዝመስሎ መን አዩ?

ኩብራት ኣሕዋት ኩላትና ሓቢርና አምበኣር የሱስ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ ክረዳኒ ድማ አዩ ንበል፣ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ  ክዝምር ከሎ ካብ ረግረግ ጸብሪ ናብ እግዜኣብሄር ኣእወኹ ንሱ ድማ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዓ ካብ ረግረግ ጸብሪ ድማ ኣውጻኒ ይብል፣ ሎሚ ሓላፍትና ናብት ናይ ታምራት ኣምላኽ ዝኮነ ኣምላኽ ክንኣምን ጥራይ አዩ፣ ንሱ ክሰምዓና አዩ፣

ንዝክር ዶ ሓደ ጊዜ ንጉስ ሄርዶስ ንጲጥሮስ ምስ ኣሰሮ አሞ ንሞት ምስ ወፈዮ ነቲ  ሃዋርያ ኣብ ክወጸሉ ዘይከል ቤት ማሕቡስ ምስ ኣእተዎ  አታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ሉዕል ከተዊ ምስ ጀመረት ኣምላኽ ብታአምራት ነገራት ክለዋውጥ ከሎ ንዝክር ዶ፣ የሱስ ክሰርሕ አንተ ደልዩ ዓጋቲ የብሉን፣ ንጴጥሮስ ሰትት ኣቢሉ ከውጽ አንታይ ኣጊምዎ? ኣምላኽ ክሰርሕ አንተ ደልዩ ዓጋቲ የብሉን፣ የማንይቲ አድ ኣምላኽ ታምራት ክትገብር ከላ ከልካሊ የብላን፣


አሞ ኩብራት ኣሕዋት ሰባት ዝበሉ አንተበሉ ሰይጣን ዝፈከረ አንተ ፈከረ ዓለም ድማ ጭድርታ አንተ ኣዓመርት እዚ ብዘይገድስ የሱስ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ ክርደኣና አዩ፣ ንሱ ንዓና ኤቨን ኤዘር እዩ፣ እቲ ተስፋ ዝሃበና አሙን አዩ፣ ከይሕሱ ሰብ ስለ ዘይኮነ ከምቲ ዝበሎ ኩሉ ክገብሮ አዩ፣ ኣምላኽይ ከምት ዝበለኒ ከም ዝገብሮ ይኣምኖ እየ፣ ማዕበል ካብ መጠኑ ዝሓለፈ አንተ ሃመመ። ኣኽራናት ሆይሆይታ ተስምዑ። ምድሪ አንተ ተናወጸት። ነገራት አንተ ጸልመተ። የሱስ ግና ከም ናይ ትማሊ አንሆ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ ክረደኣና ድማ አዩ፣
 
እሰከ ናብ ዛንታ ደቂ እስራኤል ንመለስ ሓደ ጊዜ ኣብ ዘመን ንግስቲ ኣስቴር ዝተፈጸመ ታሪኽ ኣሎ፣ ሃማን ኣብቲ አዋን ኣማኻሪ ንጉስ ኣሕሺወርስ ዝነበር ብምኽንያት ዘይተንበርካኽነት ማርዶካይ ተበጊሱ ንህዝቢ ኣይህድ ከጽነት ብዘለዎ ሓይሊ ኩሉ ተላዕለ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ድማ ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳሶም ተሃንደደ፣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ ንምጥፋኦም ዘኽእሎ ስላጣን ረኺቡስ ዘይልወጥ ሕጊ ተሓንጸጸሉ፣ ንምትግባሩ ተበገሰ፣ ሓሳብ ልቡ ዝሰመርሉ መሲልዎ ድማ ኩርዓትን ሓበንን ተሰምዖ፣ ኣብዚ ጊዜያት ህዝቢ ኣምላኽ ኣትይዎም ዝነብረ ምርባሽን ሸበድበድን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነነ፣ ማዓልቲ ማሕረዶም አናተጸበዩ ብተስፋ ቁርጸት ተዋሒጦም ዓቕሎም ጸበቦም አሞ ዝገብርዎ ጠፎኦም፣ መፍቲሒ ካበይ ይምጻሎም? ኣብ ዓዲ ጓና ጠሪዖም ዘይስምዕሉ ህሞት እሞ ድማ ትንፋስ ኩሉ ኣንጻሮም ዝኸነሉ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እትቲ ዓዲ ያሳይፎም ኣብ ልዕሊኦም ንምምዛዝ ነጋርቲ ኣዋጅ ዝጽበይሉ ሰዓት። ማርዶካይን ኣስቴርን ግና ሓደ ረዲኣት ከም ዘሎ ተረድኡ። እቲ ዝኣመንዎ ታሪኽ ክልወጥ ከም ዝኽእል ኣይተጠራጠሩን፣

ኣብቲ ናይ መጨረሻ ሰዓት ውዲት ጸላኢ ኣፍሺሉ ንገራት ካብ ላዕሊ ገላቢጡ ንህዝቢ ኣምላኽ ተበጂዎም እቲ ረዳኢ፣ ምኽሪ ሃማን ኩሉ ከንቱ ኮይኑ፣ንህዝቢ ኣምላኽ ዘዳልዎው መቓብር ጸላአቶም ባዕሎም ኣትዮሞ፣

ሎሚ ኣንጻርና ብሰይጣንን ሰዓብቱን ዝተኣመመ ኩሉ ምኽሪ ንሱ ከንቱ ክገብሮ አዩ፣ ጥራይ ንሕና ከም ኣስቴርን ማርዶካይን ንኣምላኽ ኢልና መስዋእትነት ክንወስድ ድልዋት ክንከውን ይግባኣና፣ ካብቲ ዝወጽእ ኣዋጃትን ነጋሪታትን ሰይጣን አቲ ኣብ ዝፋኑ ኰይኑ ሕጋጋት ዘዳሉ ኣምላኽ ይዓቢ፣ አቲ ኣብ ሰማይት ኮይኑ ዝዕዘብ ኣምላኽ ወትሩ ንምኽሪ ሃማንን መሰልቱን ከምቲ ንፋስ ዝብትኖ ሓመድ ምስ በተኖ አዩ፣ ስልጣን ናይ ኣምላኽ አዩ፣ ስለዚ ብዝሓለፍና ንሕለፍ። ብዝተጓዓዝና ንጓዕዝ የሱስ ከም ወርቂ ኮሊዑ ከም ኣልማዝ ኣጽርዩ ከውጽና እዩ፣ ኣዋጅ ሰይጣን ድማ ብደም መስቀሉ ደምሱሱ ዘመን በረኸትን ምንቕቓሕን ክገብረና እዩ፣ ሓንትስ ጸኒዕና ጥራይ ደው ንበል፣ አቲ ዝወጸ ኣማጅ ሃማን ንጥፋት ደቂ አስራኤል ንዓኦ ንዓቢ በረኸት ምንቕቓሕን አዩ ኔር፣ ስለዚ ብእኡ ምሕላፎም ዘሕጉስ አምበር ዘሓዝን መዓስ ከይኑ፣ ከምቲ ኣብ ኢሰያስ 43 ካብ 1-5 ተጻሒፉ ዘሎ ብማይ ምስ አንኸይድ ብዊሒዝ ምስ እኒ ሓልፍ ብሃልሃታ ምስ አንሓልፍ ኣብዚ ኩሉ ኣምላኽ ምሳና ስ ለዘሎ ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ኣይክንጠፈእን ኣይክንህሞኽን ከምኡ ድማ ኣይክንጠፍእን ኢና፣

ካባና ዝደለ ነገር አንተ ሃልዩ ከምቲ የዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጎይቶኦም ከምቲ የዒንቲ ኣግራድ ድማ ናብ ኢድ አምቤተን ዝጥምታ ንሱ ክሳብ ዝርሕርሓልና የዒንትና ናብቲ ኩሉ ዝኽእል አግዚኣብሄር ክኸውን ይግባእ፣ ኣምላኽ ንኩሉ ነገር መወዳታ ጌሩ ብቕጽበት ክልወጥ ይኽእል እዩ፣

ከምቲ ሓውና ዘማራይ ዝበሎ “ኣብቲ ዘይካኣል ዘይከውን ዝመስል ዕሽነት ተዀነ ኣሚንካ ደው ምባል ንቓልካ ሒዘዮ ጊዜ ተተመጠ ጸላኢ ከባጩ ብዙሕ ተፈከረ የመስግን ኣለኹ ተመስገን ከይኮነ“ ኢሉ ዝዘመረ ሎሚ አውን ንሕና እንረእዮ ደመና አንሰምዖ ሽውሽውት ንፋስ እኳ አንተ ዘየለ ግናኸ ኣምላኽ ኩላ ሳዕን ኣብ ኩሉ ቦታን እሙን ስለ ዝኸነ በዚ እናተኣመና ነቲ ክብሪ አናማዕደና ደው ንበል፣ አቲ ዝረድኣና ውግእና ድማ ዝዋጋልና እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት አዩ አሞ ኣይንፍራህ ኣይንሸበር ድማ፣ አቲ ክረዳና ተውክልናዮ ዘሎና ኣምላኽ ቅልጽም መንፈስ አምበር ቅልጽም ስጋ ኣይኮነነ ዘለዎ፣

“ኣምላኽና ፍቲሒ ንጭንቛት ቅንዕና ድማ ንሽጉራት ከም ዝገብረሎም ነፍሰይ አዚ ፈሊጣ ንኣምላኽ ከመስግንን ክዝምርን አየ ትብል ኣላ“ ኢሉ ዳዊት ዘሚሩ ኣሎ እሞ ናትና መዝሙር ድማ አዚ ይኩን፣ ሰይጣን ስዑር ጸላኢና አዩ፣ ንሱ አውን አንተ ኾነ ኣብ ቲሕቲ ግዝእት አቲ ኩሉ ዝኸል ኣምላኽ እዩ ካብቲ ምስኡ ዘሎ ድማ ምሳና ዘሎ ይዓቢ፣ የሱስ ጎይታ እዩ፣ ንሕቶና ክምልስ ብቑዕ አዩ፣ ንሕና ነምልኾ ኣምላኽ ዓቢ አዩ ዝመስሎ ድማ የልቦን፣ኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ኮይኑ ስሌና ሰናይ ሓሳብ ዘለዎ ኣምላኽ አዩ፣