25
Thu, Apr
0 New Articles

ስራሕ መንፈስ ቁዱስ

Message 2
Typography

ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ እግዚኣብሄር ህያው ኣምላኽ ዚዛረብ (ዚትርኽ) መጽሓፍ ምዃኑ ንርኢ። ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ከምኡውን ኣብ መልእኽትታት ብዛዕባ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝበሎን ዝገበሮን ንረክብ።ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ከኣ ኩሉ እቲ ሃዋርያት ዝገብርዎ ወይ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ተጻሒፉ ይርከብ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያት ክልእኮም ከሎ ኣብ ማቴ.28።16-20 ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኣነ ምሳኻትኩም እየ ክብሎም ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ምሳታቶም ከምዝነበረ እዩ። ሕጂ ከኣ ምሳና ዘሎ ማለት እዩ። ከምኡውን ኣብ ዮሃ.14።16-17 እንተንቢብና መንፈስ ቅዱስ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳና ከምዝነበር ይነግረና።


 እምበኣርከስ ንሕና ናይዚ ዘመን እዚ ኣመንቲ ወይ ቤተክርስትያን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ኣጸቢቕና ክንግንዘቦን ክንጥቀመሉን ይግብኣና። እዚ ብግቡእ እንተደኣ ዘይተጠቒምናሉ ክንደክም ወይ ከኣ መስመርና ክንስሕት ንኽእል ኢና።

ኣብ ህይወት ክርስትና ክንመላለስ ከሎና መንፈስ ቅዱስ ከድልየና ናይ ግድን እዩ። ኣብ ግሃ.1።5 እንተርኢና ጎይታና የሱስ ንሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ከይተቐበሉ ካብ የሩሳሌም ክወጹ ከምዘይብሎም ይእዝዞም። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ጎሊሑ ዝርኤ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝለዝኾነ ካብኡ ክንርኢ ክንጅምር ኢና።

ሃዋርያት ምስ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኪመላለሱ ከለዉ ብዙሕ ትምህርቲ ተማሂሮም። ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሊ ካብ ጎይታ ተቐቢሎምውን ተኣምራት ይገብሩ ኔሮም እዮም። ጎይታ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም ነይሩ እዩ። እቲ ቃል ምሳታቶምን ኣብ ውሽጦምን ኔሩ እንተኾነ ግን ርድኢት ናይቲ ቃል ኣይነበሮምን። ኣብ ግሃ.1።6-8 ዘሎ ቃል እንተንቢብና ኣተሓሳስባኦም ገና ምድራዊ ከምዝነበረ ክንርኢ ንኽእል። ኣብቲ ጊዜ እቲ እስራኤል ብንግስነት ሮም ትግዛእ ስለዝነበረት ሓሳባቶም ካብዚ ግዝኣት እዚ ነጻ ወጺኦም ናታቶም መንግስቲ ምምስራት እዩ ኔሩ። ኣብ ካልእ ጽሑፍውን ንኣብነት ሉቃ.22።24-27 እንተርኢና ኣብታ እትመጽእ መንግስቲ እስራኤል መኖም ዝዓበየ ቦታ ይሕዝ ዝብል ክርክር ኔርዎም። ኣብ ካልእ ክፍሊ ማለት ኣብ ሉቃ.24።18-21 ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥቕሲ 21 ምድሓን ናይ እስራኤል ጥራይ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ንርኢ። ስለዚ ነገራት ንኽቕየር መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ክወርድ ናይ ግንድ ኔሩ። ኣተሓሳስባኦም ክቕየር። ትጽቢቶም ክልወጥ። ኣካይዳኦም ክመዓራረ። እቲ ቃል ክርድኦም ንመንፈስ ቅዱስ ክጽበይዎ ኔሩዎም።

ንሳቶም ከኣ ነቲ ቃል ጎይታ ተኣዚዞም 120 ዝኾኑ ሰባት ከየብኮሩ ብጸሎት ነቲ ተስፋ ይጽበዩ ነበሩ። ግሃ.4።12-14። ንሓምሳ መዓልትታት ምስ ተጸበዩ ከኣ ከምቲ ዝተዋህቦም ተስፋ ብመዓልቲ በዓል ሓምሳ መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ናባታቶም ወሪዱ። ግሃ.2።1-4። ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ኣተሓሳስባኦም። ኣዘራርባኦም። ኣካይዳኦም ተቐይሩ። ምድራውን ስጋውን ኣተሓሳስባ ተሪፉ መንፈሳውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኮይኑ። ኣብ ነንሓድሕዶም ብዛዕባ ስልጣን ምሓዝ ዝበኣሱ ዝነበሩውን ካብ ንገዛእ ርእሶም ንሓዎም ከቐድሙ ጀሚሮም። ጴጥሮስውን እንተኾን ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ገረድ ንጎይታ የሱስ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ከምዘይከሓደ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ ብትብዓት ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኪምስክር ጀሚሩ። ክሳብ ጊዜ ሞቱውን ብከምኡ ቀጺሉ።

እምበኣር ቤተክርስትያን ኣብዚ ስራሕ ናይ መንፈስ ቅዱስ እያ ተመስሪታ። ግብሪ ሃዋርያት ብምሉኡ እንተርኢና ከኣ ብዛዕባዚ ኢና እንረክብ። ጎይታ ዝተመባጽዓልና ወይ ተስፋ ዝሃበና ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ብመንፈሱ ምሳና ከምዚኸውን እዩ። ስለዚ ህይወትና ከም ብሕቲ ይኹን ከም ቤተክርስትያን ክንምርምሮ ኣሎና። ኣበይ ተሰሪቱ ኣሎ? መዓልታዊ ጉዕዞና ብመን ይምራሕ? ነዚ ክሕግዘና ግብሪ ሃዋርያት ከነጽንዕ ይግባእ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከም ዝርኤናዮ ሃዋርያት ቅድሚ መንፈስ ምቕባሎምን ድሕሪኡን ዘርኣይዎ ናይ ህይወት ለውጢ እዩ። እቲ ለውጢ ፍጹም ለውጢ እዩ። በዚ ምኽንያትዚ ከኣ እዩ። ሓይሊ ከይተቐበልኩም ካብ የሩሳሌም ከይትወጹ ዚበሎም። እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ጀሚሩ ኣብ ሃዋርያት ምስ ተጋህደ ክሳብ ጊዜ ሞቶም ናይ ብሓቂ ሓይሊ ኮይኑ ኣሰንይዎም። እምበኣር ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ከኣ ብዛዕባዚ ሓይሊ ዝበልናዮ ብምቕጻል ኣብ ሃዋርያትን ካልኦትን እንታይ ይገብር ኔሩ ብምባል ክንርእዮ ኢና።

መ ል እ ኽ ቲ  ቁ.4ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ጴጥሮስ ትብዓት ረኺቡ ብዛዕባ እግዚኣብሄርን መደባቱን ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ክሳብታ ጎይታ ዝዓረገላን ድሕሪኡውን መንፈስ ቅዱስ ዝወረደላን ጊዜ ዝነበረ ኩሉ ዘርዚሩ ገሊጽሎም (ግሃ.2።14-42)። ርድኢትን ትብዓትን ረኺቡ። ፍልጠቱ ተሓዲሱ። እዚ ትብዓቱ ከኣ ንኸንቱ ኣይነበረን። በታ ጊዜ እቲኣ ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብ ማሕበር ከምዝተወሰኻ ነንብብ። ብዘይካ እዚውን ካልእ ነገራት ከምዝተፈጸመ ንርኢ።

  1. ኣብ ኩሉ ነፍሲ ፍርሃት ኮነ (ፍርሃት እግዚኣብሄር ምዃኑ እዩ)።
  2. ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ብሃዋርያት ተገብረ።
  3. እቶም ዝኣመኑ ብሓንሳብ ነበሩ ዘለዎም ኩሉውን ብርኪ ነበረ።

•Ø  መንፈስ ቅዱስ ናብ ሓድነት እዩ ዘምጽእ። ምክብባር ምትሕልላይ ምፍቓር ምክፋል ከኣ የምጽእ።

•Ø  ከየቋረጹ ኣብ ቤት ጸሎት ብሓንሳብ ይእከቡ ነበሩ። ጽምኣት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ነንሓድሕዶም ምትህንናጽን ነይርዎም።

•Ø  ብሓጎስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳብ ኮይኖም ይበልዑ ነበሩ። መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ሓጎስ እዩ። ናይ ጓሂ። ናይ ጭንቀት። ናይ ዝርግርግ ኣይኮነን። ናይ ግርህናን ቅንዕናን እምበር ናይ ተንኮልን ሻራን ኣይኮነን። ናይ ሓድነት እምበር ናይ ምፍልላይን ዕግርግርን ኣይኮነን። ካብ ዘሎካ ናይ ምክፋል እምበር ናይ ምግባትን ምምንዛዕን ኣይኮነን።

•Ø  ኣብ ኩሉ ህዝቢ ከኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ። እንተድኣ ኣብ ማሕበር ናይ ጎይታ በብጊዜኡ ነፍሳት ኪውሰኻ ደሊና ክንክተሎ ዘሎና መምርሒታት እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ። ጎይታ ነቲ ምልክታት እናርኣየ ኣብታ ናቱ ቤተክርስትያን ነፍሳት ይልእኽ ማለት እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣሰራርሓ ናይ ጎይታ ወይ ከኣ ናይ ቃሉ ሓንቲ ቤተክርስትያን ክትክተሎ ዘለዎ መምርሒታት ኣሎ። እንተደኣ ባዕሉ ዚድሕኑ ነፍሳት ኣብታ ቤተክርስትያን ኪልእኽ ኮይኑ እዚ መምርሒታት ጥርንፍ ኣቢልና ክንርእዮ እንተደኣ ኮይንና።

•Ø  መጀመርያ። ፍልጠት ወይ ርድኢት ቃሉ (ብሉይን ሓዲስን ኪዳን) የድልየና።

•Ø  ካልኣይ። ምልኣት መንፈስ ቅዱስ 

•Ø  ሳልሳይ። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ወይ ተግባራት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ክግለጽን ከንጸባርቕ የድልየና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝተመስረተት ቤተክርስትያን ናይ ግድን ብቑመትን ብጎንን እናማዕበለት (እናሰፍሐት) ትመጽእ።

ኣብዚ ብዛዕባ ማሕበር (ቤተክርስትያን) ክንርድኦ ዘሎና ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። ብዙሕ ጊዜ ስኣን ፍልጠትና ብዛዕባ ቤተክርስትያን ግጉይ ርድኢት ይህልወና። ቤተክርስትያን ናይ ጎይታ እያ።

1.ብደሙ ዘጥረያ። ዚከናኸና። ዚሓልየላ። ዚምግባ። ኣገልገልቲ ዚምድበላ ንሱ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርኤናዮውን በብጊዜኡ እናርኣየ ዚድሕኑ ነፍሳት ዚልእከላ ንሱ እዩ።

2. ብመንፈሱ ዚመርሓ። ዚኣልያ ናብ ኩሉ ሓቂውን ዘሰንያ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣቱ ከኣ ዕጣር ዘይብላ ጌሩ ዚከናኸና ንሱ እዩ። ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ከመይ ጌርና ብቃሉ ከም እንመላለስን ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ ምሉእ ቦታ ሂብና መሪሕነቱ እናተቐበልና ነፍሳት ከም እንጓስይን እዩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስክዎ ነፍሳት ክውስኻልና እንተደሊና መንገዲ ጎይታ ክንክተል። ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ክንርኢ። ንመንፈስ ቅዱስ ግቡእ ቦታ ክንህቦ ኣሎና።  እቲ ስራሕ ናቱ ስለዝኾነ እቲ ፍረ ድሕሪኡ ክንርእዮ ኢና።

ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ከኣ ብፍላይ ተደጋጊሙ እንርእዮ ጌጋ ካብ ማሕበር ናብ ማሕበር ነፍሳት ናይ ምስራቕ ኩነታት እዩ። ኣብ ክንዲ ጸሊናን ቃሉ ተመጊብናን ብመንፈሱ እናተመራሕና ነፍሳት ንምጉሳይ እንዳሎ ድሮ ኣብ ትሕቲ ጉስነት ንዘለዋ ነፍሳት እናሓባበልናን ንኣሕዋትና እናኣነኣኣስናን ነፍሳት ምስራቕ ገኒኑ ይርከብ። እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣበየናይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ? መብዛሕትኡ ከምዚ ዓይነት ውድቀት ዝርከብ ኣብቶም ንእምነት መጋበሪ ረብሓ ዝጥቀሙሉ ውልቀሰባት እዩ። ሰባት ኪበዝሑልካ እሞ ብእኡ መጠን ኣታዊኻ (መባእን ዕሽርን) ክብርክተልካ ንስኻ እናሃብተምካ ክትከይድ። ነታ ጎይታ ብደሙ ዝገዝኣ ብመንፈሱ ከኣ ዝናብያን ዝመርሓን ቤተክርስትያኑ ናይ ብሕትኻ ትካል ጌርካ መናገዲ ክትገብራ ኣይግባእን። ጎይታ ከኣ ብከምኡ ክትቅጽል ሸለል ኣይክብለካን እዩ። ስለዚ ጊዜ ከሎና ብጊዜኡ ብንስሓ ናብ ጎይታ ንመለስ። ኣሰራርሓኡ ክገልጸልና ከኣ ብትሕትና ንሕተቶ። ንቤተክርስትያኑ ይግደሰላ ስለዝኾነ ስለ ስሙ ኢሉ ጸሎትና ኪምልሰልና እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ እንተርኢና ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሕብረት። ትሕትና። ግሩህ መንፈስ። ምክፋል። ምክብባር። ምትሕልላይ ወዘተ ደኣ እምበር ናይ ምንዕዓቕ። ምንእኣስ። ንካልኦት ናይ ምጽራፍን ምቅላልን ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናይ ሕብረት ደኣ እምበር ናይ ውልቂ ገንዘብ ናይ ምድላብ ኣይኮነን። ገንዘብ እተእትወሉ ስራሕ ኣይኮነን። ስለዚ መሰረትናን ምርኩስናን ቃል ኣምላኽ ጌርና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ብንስሓ ኣብ ማሕበር ናይ ጎይታ ንመላለስ።

መ ል እ ኽ ቲ  ቁ.6ኣብ ግብ.3።1-7 ከምዘሎ እቲ ድኑስ ሰብኣይ ኣብ ኣፍደገ ቤተመቕደስ ኮይኑ ምጽዋት ይልምን ከምዝነበረን ብከምኡ ዓይነት ኣነባብራ ነዊሕ ከምዝገበረን እዩ። ስለዚ ንሱ  እቲ ናይ ከባቢኡ ኩነታት ከምቲ ቅድሚ እታ መዓልቲ ዝነበሮ እዩ ኔሩ። ኣብዚ ዝተቐየሩ እንተደኣ ኔሮም ሃዋርያት ጴጥሮስን ዮሃንስን እዮም። እዚ ሰብ'ዚ ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ኣብቲ ኣፍደገ ኮይኑ ምጽዋት ዝሓትት ዝነበረ ሰብ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ዝለመዶ እዩ ዝሓትት ኔሩ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከኣ ቅድሚ ሕጂ ገንዘብ ይህብዎ ኔሮም ይኾኑ። ሕጂ ግን ወርቅን ብሩርን የብልናን እቲ ዘሎና ግን የሱስ'ዩ ብስሙ ተንስእ ብምባል   ኣብ ስም የሱስ ዘሎ ሓይሊ ተጠቒሞም ብኢዱ ደጊፎም ከኣ ኣተንሲኦምዎ። ባዕሉ ኸኣ ኪንቀሳቐስ ጀሚሩ። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሩ ድማ ባዕሉ ነፍሱ ክኢሉ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ። እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተመቕደስ ኣተወ።

ኣብዚ እንምሃሮ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ። ከም ውልቀሰባት ይኹን ከም ማሕበር እቲ ቀንዲ ወይ ኣውራ መጋበሪና እንታይ እዩ? ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ ከም እንርእዮ ነገራት ኪቕየር እንከሎ እዩ። ሃዋርያት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኣብ ዓለም እንከሎ ዝምሃሮምን ዘርኣዮምን ነገራት ኔሩ እዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ። ሕሙማት ከሕውዩ ኣጋንንቲ ከውጽኡ ወዘተ . . . ዚብል እዩ። ቅድሚ ምዕራጉ ዝሃቦም ትእዛዝ ከኣ ናብ ኩላ ዓለም ኪዱ ብስመይ ከኣ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ሕሙማት ኣሕውዩ። ሙታን ኣተንስኡ ዚብል እዩ። ዮሃንስን ጴጥሮስን ድሕሪ መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ምቕባሎም እዮም ነዚ ኣብ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ኮይኑ ምጽዋት ዝልምን ዝነበረ ሰብኣይ በዚ ሓዲሽ ኣጠማምታ ኪጥምትዎ ዚጀመሩ። ኣምላኽ ነቲ ዋና ነገር ክፈትሕ ከምዝኽእል ተሞኪሮም ስለዝኾኑ ደጋዊ ሽግሩ ጥራይ ፈቲሖም ክኸዱ ኣይደለዩን።

ስለዚ ድማ ወርቅን ብሩርን የብልናን። ስም የሱስ ግን ኣሎና። ስለዚ ብስሙ ተንስእ ኢሎሞ። ግብ.3።6። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕልፊ ከኣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ወርቅን ብሩርን ከም ቀንዲ ነገር ኣብ ቤተክርስትያን ኮይኑ ኣይርኤን እዩ። እዚ ሃዋርያት ወርቅን ብሩርን የብልናን ዝብሉሉ ዘለዉ እዋን ምናልባት እቲ ቤተክርስትያን ዝበዝሐ ገንዘብ ክትእክበሉ ክኢላ ዝነበረት ጊዜ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። ግብ.2።44-45። ግን ወርቅን ብሩርን እቲ ቀንዲ ነገር ስለዘይኮነ ኣብኡ ኣየተኮሩን። ኣብ ማሕበር ጎይታ እቲ ዋና ነገር ቃል ኣምላኽን ምልኣት መንፈስ ቅዱስን እዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ 3።7-13 ናብታ ጎይታ ዘድነቓ ማሕበር ፊላደልፊያ ኣብ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ እንተርኢና። እታ  ማሕበር።  ዓቕማ ሒደት ኔሩ። እዚ ማለት ናይ ምግባር ተኽእሎኣ ከምተን ካልኦት ኣይነበረን። ሓለፋ ኩላተን ግን ተናኢዳን ሓደኳ ክዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ደገ ተዋሂባን። ስለዚ ዓቕምና ክሳብ ክንደይ ንኡስ እዩ ብዘየገድስ ኣብነት ናታ ክንወስድ ይግባእ። ብኣንጻሩ ናይ ሎዲቅያ ቤተክርስትያን ኩሉ ኣሎኒ ትብል ኔራ። ጎይታ ነዚኣ ኪምዕዳ/ክግስጻ ከሎ ከምዚ ይብል። "ሃብታምን ፈሳስን እየ። ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካስ። ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ።" ራእ.3።17

ስለዚ ወርቅን ብሩርን ኣብ ማሕበር ጎይታ ዋና ኣርእስቲ ኣይኮነን። ኣብዚ ጊዜ'ዚ ኣብ ዓለምና ብዛዕባ ቤተክርስትያን ክዝረብ እንከሎ ብዙሕ ነገር ይበሃል። ሕሉፍ ሓሊፉውን ሓንቲ ቤተክርስትያን ገንዘብ እንተደኣ ዘይብላ ኮይኑ ዝተጸልአትን ዝተናዕቀትን ሰባትውን ናብኣ ከይከዱ ጎስጓስ ዝግበረላ ኮይና ትርከብ። ቤተክርስትያን ሓንቲ ዓለማዊት ትካል ኣይኮነትን። እንታይ ደኣ ጎይታ ብደሙ ዘጥረያ ብቃሉን መንፈሱን ዝኣልያ ናተይ ዚብላ እያ። ልክዕ'ዩ ወርቅን ብሩርን ከም መሳለጥያ ዝጽላእ ኣይኮነን። ከም መሰረታዊ ነገር ግን ብፍጹም ክሕሰብ ዝግብኦ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ቦታታት እቲ ግቡእ ትርጉም ቤተክርስትያን ተዘንጊዑ ‘ህንጻ' ብዝብል ትርጉም ተተኪኡ ይርኤ። ስለዚ ቤተክርስትያን ክንብል እንከሎና ብቅልጡፍ ኣብ ኣእምሮና ህንጻ። ኣቕሽቲ። መኪና። ገንዘብ ወዘተ . . . እዩ።

እዚ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ጎይታ ብዛዕባ'ታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ኣይሁድ ዚምክሑላ ሃዋርያት ከይተረፉውን ዚሕበኑላ ዝነበሩ ቤተመቕደስ  ኪዛረብ እንከሎ "እዚ እትርእይዎ ዘለኹም። ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን" ይብል። እታ ቤተመቕደስ ከኣ ክሳብ ሕጂ ዓንያ ትርከብ። ጎይታ ሓዲሽ ውዕል/ኪዳን ኪገብር'ዩ መጺኡ። እግዚኣብሄር ኣይተለወጠን። ኣሰራርሓኡ ግን ተለዊጡ እዩ። እዚ ኣሰራርሓ'ዚ ከኣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ንረኽቦ። ስለዚ ቤተክርስትያን ክንብል ከሎና ብቃል ኣምላኽ ኣሚኖም ዳግም ዝተወልዱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኡን እኩባት ሰባት እተመልክት ኣካል ክርስቶስ እያ። ኣመንቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ ዓቢ ህንጻ ምስራሕ ኣይኮነን ዘድልየና እንታይ ደኣ ኣሰራርሓ ምቕያር እዩ። ኣባይትና ቤት ጸሎት ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና ኢና ነቲ ቦታ እንባርኾ እምበር እቲ ቦታ ኣይኮነን ንዓና ዝባርኸና

ንሕና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኢና ስለዚ ንሕና ነቲ ኣባይትና ንባርኾ። ንቤተሰብና። ነዕሩኽና። ንበጻሕትና ንባርኽ። ንሕና ዝኣተናዮ ቦታ ኩሉ ዝተባረኸ ይኸውን። ብኸምዚ ከኣ ቤተክርስትያን ክትዓቢ ትኽእል። ስለዚ እቲ ንዓበይቲ ህንጻታትን ካልእ መሳርሕን ዚጠፍእ ገንዘብ ንጽጉማትን ወገናትን ንካልኦት ሰባትን ከነወፍዮ ንኽእል። በዚ ከኣ ፍቕርና እናዓበየ። ፍረና ድማ እናሰሰነ ይመጽእ። ኩሎም ኣሕዛብ ከኣ ብፍረና ቅኑዓት ሰዓብቲን ልኡኻትን ጎይታ ምዃንና የለልዩና። ነቲ ሓቀኛታት ሰዓብቲ ጎይታ ምዃንኩም ብፍረኹም ከለልይኹም እዮም ዚብል ጽሑፍ (ማቴ.7።15) ከኣ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። በዚ ብዙሕ ፍረ ምስ ፈረና ኣቦ ብኣና ይኸብር ደቀ መዛሙርቲ ጎይታውን ንኸውን። ዮሃ.15።8። እንተደኣ ከም ቃሉን መንፈሱን ተመላሊስና ብዝያዳ እናዓመቑናን እናተባረኽናን ድምጹ ምስማዕ ከኣ እናተለማመድና ክንመጽእ ኢና። ነዚ ክንገብር  ጎይታ ምስትውዓሉ ይሃበና።

ካብዚ ቀጺልና ከኣ ካብ ራብዓይ ምዕራፍ ክንርኢ ኢና። ካብ ጥቕሲ 1-4 እንተርኢና ሃዋርያት ክሳደዱ ከምዝጀመሩ ነንብብ። እቶም ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዘሳደዱን ናብ መስቀል ዘብጽሕዎን ወገናት ብፍጹም ስም የሱስ ክለዓል ስለዘይደልዩ በቲ ሃዋርያት ዚገብርዎ ዝነበሩ ባህ ኣይበሎምን። ስለዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። እዚ እቲ ጎይታ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝነግሮም ዝነበረ ማለት እዩ። ብስሙ ስደት ከምዘጋጥሞም። ኪእሰሩ። ክስጎጉ። ኪጽረፉ። ኪንዓቑ። ንብረቶም ኪውሰድ ወዘተ . . . ከም ዝኾነ ኣቐዲሙ ነጊርዎም እዩ። ከምቲ ዝበሎም ድማ ብስም የሱስ ስራሕ ምስ ጀመሩ እዚ ነገራት ኪበጽሖም ከሎ ንርኢ። ብስሙ (ብስም የሱስ) እንተ ዘይሰብኩ ኔሮም ዝትንክፎም ሰብ ኣይምሃለወን። እዚ ስም እዚ ሰይጣን ክጻወሮ ዘይክእል ኣዝዩ ሓያል ስም እዩ። ‘ዝደለኹሞ ስም ጸውዑ እዚ የሱስ ዚበሃል ሰብኣይ ኣብ መስቀል ርእሰይ ስለ ዝጨፍለቐኒ በቲ ካብኡ ዝፈሰሰ ደም ከኣ ኩሉ መደባተይ ስለ ዝተበላሸወ እዚ ታሪኽ'ዚ ከኣ ንድሕሪት ኪምለስ ስለ ዘይክእል ኣዝዩ'ዩ ዘሕዝነኒ። ንዕኡ ክረኽቦ ስለዘይክእል ነቶም ተኸተልቱ ግን ከሳድዶም ኣሎኒ' ብምባል ሰባት የለዓዕል። መብዛሕትኦም ካብቶም ንሱ ዘለዓዕሎም ናይ ሃይማኖት ቅንኣት ዘለዎም ሰባት። መራሕቲ ሃይማኖትን ሰበ ስልጣን መንግስትን እዮም። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንረኽቦ የሱስ ምስ ተወልደ ገና ህጻን ከሎ ሄሮድስን ኩላ የሩሳሌምን ሰምበዱ። ሰይጣን ውድቀቱ ስለዝፈለጠ ንሄሮድስ ኣለዓዒሉ ንየሱስ ክረክብ ኢሉ ብዙሓት ህጻናት ኣህሊቑ። ንጎይታና የሱስ ክርስቶስውን 40 መዓልቲ ምስ ጾመ ብዝተፈላለየ መንገዲ ፈቲኖ ኪስዕሮ ከምዘይከኣለ ንርኢ። እቲ ናይ መወዳእታ ሕጅስ ክዕወት'የ ዝበለሉ ናይ ሞት ኩነታት ከኣ ብይሁዳ ጌሩ ናብ ፈሪሳውያን። ካብ ፈሪሳውያን ድማ ናብ ጲላጦስ።

ድሕሪኡ ናብ ናይ መስቀል ሞት ምብጽሑ እዩ። እታ ናይ መጀመርያ ነጥቢ ናይ ደም ጎይታና የሱስ ክርስቶስ  ከኣ ንሰይጣን መጨፍለቒቱ ኮይና። ንድሕሪት ዘይምለስ ታሪኽ። እንተኾነ ግን እቲ ጸላኢ ዘይዓርፍን ተስፋ ዘይቆርጽን ስለዝኾነ ነቶም ንንጉስ የሱስ ዚኽተሉ ከሳጉግ ይርአ። ክሳብ ጎይታ ዳግም ዝመጽእ ድማ ኪቕጽል እዩ። ኣብዚ ራብዓይ ምዕራፍ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ከም ንርእዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቂ ሰባት ምስ ወረደ ኣሉ ዘይትበሃል ተኣምራት ይገብር ትብዓት ከኣ ይህብ። እቶም ሰብ

ስልጣን ሽሕኳ ገለ ካብ ሃዋርያት እንተኣሰሩ ሃዋርያት ግን በዚ ክሰናበዱ ኣይተራእዩን። ንሓደ ሰብ ከይነግሩ  ኣሕሚሞም እንተ ኣጠንቀቕዎም ዝሰማዕናዮ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኮነልናን እዩ ብምባል ኣቕበጽዎም። በዚ ከኣ ናብ ቤቶም ክኸዱ ፈቐዱሎም።

ኣብ ዘመንና ግን ካብዚ ኣብ ግብ.4 ዘሎ ብዙሕ ዝረሓቕና ንመስል። እምነት ዝብል ኣርእስቲ እንተ ተላዒሉ እመን ወይ እመኒ ደኣ እምበር ዝትንክፈካ። ዚኣስረካ። ዘሳድደካ የልቦን እናተባህለ ብዙሓት ኣብ ዘይተዳለውሉ ነገራት ኣትዮም ጸገም ረኺቦምን ይረኽቡ ኣለዉን። ጎይታ ባዕሉ ስለ ስመይ ስደትን መከራን ክትረኽቡ ኢኹም እናበለ ከመይ ጌሩ ኣንጻር ቃሉ ዚብሎ ምስ ምእማንን ዘይምእማንን ከነተሓሕዞ ንኽእል? እታ እምነት እትበሃል ኣብ ዘይቦትኣ ኣትያ ልዕሊ ቃሉ ሰልጢና ትርከብ። ርግጽ እዩ ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከነስምሮ ስለዘይንኽእል እምነት እታ ቀንዲ መሰረት እያ። እንተኾነ ግን ኣብ ቃሉ ዘየለ ወይ ከኣ ኣንጻር ቃሉ ዚኾነ ነገራት ክንኣምን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኮነን። እዚ "ኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ" ወይ ድማ "Positive Thinking" ይበሃል። ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ከኣ ንብዙሓት ኣብ ዘይተጸበይዎን ዘይደለይዎን ሽግር ኣእትይዎም እዩ።

ሓደ ጊዜ ኣብ ሓንቲ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ "እቲ ቀዳማይ ሰማእት ዝኾነ እስጢፋኖስ ዝሞተስ ጎይታይ ህይወተይ ተቐበላ ኢሉ ብኣፉ ስለዝተኣመነ እዩ" ዝብል ጽሑፍ ኣንቢበ። እዚ ኣበሃህላ ዓቢ ክሕደትን ኣንጻር ቃል ጎይታናን እዩ። እስጢፋኖስ ትእዛዝ ጎይታ እዩ ፈጺሙ። ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልአ ብትብዓት መስኪሩ። ነዚ ምስክርነቱ ኪጻወርዎ ዘይከኣሉ እኩያት ሰባት ከኣ ብዳርባ እምኒ ጨፍጪፎሞ። ንሱ ድማ ህይወቱ ናብ ጎይታ ኣማሕጺኑ። ስለዚ ንእስጢፋኖስ ብኽብርን ብኣድናቖትን ክንዝክሮን ኣብነቱ ክንክተልን ይግብኣና። ብምኽንያት እምነትና ወይ ብዛዕባ ጎይታ ብምምስካርና ዝተፈላለየ ሽግራት ማለት ጥሜት። ካብ ስራሕን ትምህርትን ምብራር። ንብረት ምግባት። ምእሳር . . . ከጋጥመና ይኽእል እዩ። እዚ ኩሉ ብጎይታ ስለዝኣመንና ጥራይ ይበጽሓና። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ'ዚ ብንጹር ይዛረብ። ገለ ካብኡ ኣብቲ ብዛዕባ እምነት ብዕምቆት ዝተዘርበሉ እብ.10።32-39 ከምኡውን እብ.11 ብምሉኡ ክንረኽቦ ንኽእል።

ኣብ መወዳእታ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ ኣርባዕተ ማለት ካብ ጥቕሲ 32-35 ኣብ ዘሎ ክፍሊ ዓቢ ምስጢር ዝሓዘን ኣዝዩ ደስ ዘብልን ቃላት ኣሎ። ኣብ ጥቕሲ 32 እቶም ዝኣመኑ ኩላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ። ሕጂውን መንፈስ ቅዱስ ናብ ሓድነት እምበር ናብ ምፍልላይን ዝርግርግን ኣይመርሕን እዩ። ብኹሉ ብርኪ ነበሩ እምበር ሓደኳ ካብ ገንዘቡ እዚ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበሮምን። ብዝተኻእሎም መጠን ነቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዚእክብዎ ዝነበሩ ንብረት ነቶም ዘይብሎም ብማዕረ የካፍልዎም ነይሮም። ኣብ ማእከሎም ሽጉር ኣይነበሮምን ይብል። ካብዚ ዝጥዕም ቃል እንታይ ኣሎ?

ኣብዚ ዘመንና ከም እንርእዮ ዘሎና ገለ ሃዋርያትን ነብያትን ኢና ብምባል ባዕላቶም ንገዛእ ርእሶም ዝሾሙ ሰባት። ገንዘብ ናባና ኣምጽእዎ። ገንዘብኩም ንዓና እንተሂብኩምና ጥራይ ኢኹም እትባረኹ እናበሉ ሰባት ብምትላል ነቲ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ከውዕልዎ ይርኣዩ። እዚኣቶም ናይ ሓሶት ነብያት እዮም። ከም ኣበሃህላ ቃል ኣምላኽ ግን መባእን ዕሽርን እቲ ካብ ኣመንቲ ዝተረኽበ ገንዘብን ንሽጉራትን ኣገልገልቲን ንምሕጋዝ ከምኡውን ኣብ ንቤተክርስትያን ዘድሊ ነገራት ክውዕል ይግባእ። ብኸምዚ እትመሓደር ቤተክርስትያን ጎይታ ኣዝዩ ክባርኻ ይደሊ። ዚድሕኑ ሰባት በብጊዚኡ ይሰደላ። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ይርአ። ነህዛብ ከኣ ብርሃን ትኸውን።

መ ል እ ኽ ቲ  ቁ.8ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ ካብ ጥቕሲ 1-11 ዘሎ ክንርኢ ኢና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝነበሮ ንርኢ። ሰብኣይን ሰበይትን ብሕቡእ ኣብ ገዝኦም ዝተማኸርዎ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ነቲ ምስጢር ክፈልጦን እቶም ሰባት ስለዘይተነስሑ ብኡብኡ ክቕዘፉን ንርኢ። ኣብዚ ገለ ነገራት ክንመሃር ንኽእል።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ድሕሪ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ውህበት ቃል ፍልጠትን ምልላይ መናፍስትን ከም ዝነበሮ ንርዳእ።  እዚ ዓይነት ውህበት ነዛ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያንውን የድልያ ኣሎ። ንነገራት ብሃውሪ ወይ ብግምት ክትፈልጥ ምፍታን ዘይኮነስ መንፈስ ቅዱስ ንነገራት ከፍልጠካ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ መሪሕነት ንዘለዉ ሰባት እዚ ህያብ እዚ ኣዝዩ ኣድላዩ እዩ።

ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ጸሎት ከምኡውን ነብያት ዝበሃሉ ብብሕቲ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ብዙሕ ሓቂ ዘይኮነ ነገራት ይመሓላለፍ እዩ። ነዚ ኩሉ እንታይ ንብሎ? ምስ ምንታይከ ንምድቦ? ብጭቡጥ ክንዛረብ እንተደኣ ኮይንና ብዙሕ ካብቲ ዕለትን ዓመትን ጠቒሱ ዝተመሓላለፈ መልእኽትታት ከምቲ ዝተባህለሉ ኣይተፈጸመን። እሞ ነቲ ነገራት ኣለሊና ዓገብ ኢልናዶ? ወይ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሰባት ባዕላቶም ተኣሪሞም ወይ ተነሲሖምዶ? ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንከ ኩነታት ርኢና መግናሕትን ካብ ኣገልግሎት ደው ናይ ምባል ስጉምትን ወሲድናዶ?

ኣብ ዘዳ.18።21-22   ከም እንረኽቦ እቲ ነብይ'የ በሃሊ ጊዜ ፈልዩ እተዛረቦ እንተደኣ ብጊዜኡ ዘይኮይኑ እቲ ነብይ'ቲ ሓሳዊ ነብይ እዩ ይብል። እግዚኣብሄር ብዓመትን ብመዓልትን ዝጋገን ዘጋግን ኣምላኽ ኣይኮነን። ከምዚ ናይ ጥንቆላ ብሃውሪ ዝሰርሕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ብካልኢታትውን  ኣይጋገን እዩ። ስለዚ ኣሽንኳይዶ ኣምላኽ ኢሉ ኢልና ክንዛረብ ከሎናስ ንሕና ክንዛረብ ከሎናውን እቲ እወ እንብሎ እወ እቲ ኣይኮነን እንብሎ ድማ ኣይኮነን ክኸውን ይግባእ ማቴ.5።37

ትንቢት ክበሃል ከሎ ወይውን ዚኾነ ህያብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ትምህርቲ ዘድልዮ ኣርእስቲ እዩ። ከም ኩሉ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ትንቢት ካብ ሰለስተ ነገራት ክምንጩ ይኽእል። ካብ ስጋ። ካብ ሰይጣን። ካብ መንፈስ ቅዱስ። እቲ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ሰብ ብዛዕባ ህያባት ኣፍልጦ ዘይብሉ እንተ ኮይኑ ነቲ መልእኽቲ ሓሳቡን ሓሳብ ሰይጣንን ክሕውሰሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ ልክዕ ከምቲ ካልእ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ብዛዕባ ኣሰራርሓን ውህበታትን መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ትምህርቲ ክወሃብ ይግባእ። ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ጌጋ ክርአ ከሎ እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኪእርሙ። ኪግስጹ። ኣይእዘዝን ንዝበለ ከኣ ካብ ኣገልግሎት ደው ከብሉን ንምእመናን ክሕብሩን ይግባእ። እቶም ብትንቢቶም ንብዙሓት ዘጋገዩን ንቤተክርስትያን ኣብ ጸልማትን ኣብ ከንቱ ትጽቢትን  ዘእተውዋን ከኣ ንስሓ ክኣትዉን ንብድሕሪ ሕጂ ድማ ክጥንቀቑን ይግባእ። እግዚኣብሄር ምስጢራት ይገልጽ እዩ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብሉይ ኪዳንውን ንበዓል ዳኒኤል ድሕሪ 4000 ዓመታት ብዛዕባ ኪፍጸም ዘለዎ ነገራት ገሊጹሎም እዩ። ስለዚ ብስም እግዚኣብሄር ምዝራብ ከፍርሓና ይግባእ።

ኣብዚ ምዕራፍ'ዚ እንረኽቦም ካልኦት ዓበይቲ ነገራት ከኣ። ብኢድ ሃዋርያት ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ከም እተገብረ። ኩላቶም ድማ ሓቢሮም ብሓንቲ ልቢ ኣብ ገበላ ሰለሙን ከም ዝነበሩን እዩ።  ሃዋርያት ዝልለዩሉ ካብ ዝነበሩ ነገራት ገለ። ብሓንቲ ልቢ ብሓንሳብ ይነብሩ ምንባሮም። ኣብ መንጎኦም ጽጉም ዘይምንባሩን ብተኣምራት ዝተሰነየ ወንጌል ይሰብኩ ምንባሮምን እዩ። ንሕናውን እዘን ሰለስተ ነገራት ክንጥቀመለንን ኣብነት ሃዋርያት ክንክተልን ይግብኣና። እዚ ድማ ሃዋርያት ዝገብርዎ ዝነበሩ ተግባራት ምግባር እዩ። ፍቕሪ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣብኣቶም ይርአ ኔሩ ግብ.5።12።

እቲ ነገር ዘቋርጽ ኣይነበረን። ካብ ጥቕሲ 13-16 ዘሎ እንተርኤና ኣዝዩ ሃረር ዘብል ዓይነት ኣነባብራን ኣገልግሎትን እዩ። 1. ካብቶም ካልኦት ደፊሩ ዚጽንበሮም ኣይነበረን። 2. ኣመንቲ ይውሰኽዎም ነበሩ። 3. ጽላሎት ናይ ሃዋርያት ከይተረፈ ንምሕዋይ ተስፋ ተገይሩሉ ነበረ። 4. እቶም ናብ ሃዋርያት ዚመጹ ዝነበሩ ኸኣ ይሓውዩን ካብ ማእሰርቲ ኣጋንንቲ ይናገፉን ነይሮም። መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ብምልኣት ክሰርሕ ከሎ ንርኢ።

ካብ ጥቕሲ 17 ክሳዕ መወዳእታ ዘሎ ከም እንርእዮ ኣብቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ኣምላኽ ዚካየደሉ እዋን ኩሉ ጊዜ ሰይጣን ንሰባት ኣለዓዒሉ ነቲ ስራሕ ከቋርጾ ይደሊ። ኩሉ ጊዜ ኸኣ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተጎሃሃረ ነገር ናብ ነገስታት ይበጽሕ እሞ ነገስታት ካልእ ንጉስ ኣሎ ዚብል ቃል ክሰምዑ ስለ ዘይደልዩ ንኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ክኣስሩ ይርኣዩ። እቲ ዘገርም ተኣምራት ግን መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ከውጽኦም ከሎ እዩ። ብሓቂ ነዚ ንኣምኖዶ? እግዚኣብሄር ኣብቲ ናቱ ስራሕ ብትግሃትን ብእምነትን ተወፊና ክንሰርሕ ከሎና መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመርሓናን መላእኽቲ ከም ዝዕጅቡናን ይርድኣናዶ? ስራሕ ጎይታ ኪሳለጥ እንተደኣ ኮይኑ ግድን ጎይታ ዘዳልዎ ነገራት ኣሎ። ንሱ ፈጣሪ ኩሉ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ዝጨንቆ የልቦን። እንተኾነ ግን ፍቓዱ ኮይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንጸንሕ እንተደኣ ኮንና ንዓና ክብሪ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተክርስትያንን ከም ዝነግሩናውን ዳርጋ ኩሎም ሃዋርያት እቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ምስ ፈጸሙ ብሰማእትነት እዮም ሓሊፎም ብምጽኣቱ ግን ምስ ጎይታ ብኽብሪ ክነግሱ እዮም።