19
Fri, Apr
0 New Articles

ፍርዲ ኣንበሳ

Message 2
Typography

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መገዲ ኣርበዓ ናይቲ ከባቢ ኸኣ ወሳኒ ዝኾነ ቦታ ሒዙ ብእኡ ንዚሓልፍ ዘበለ የዘንግዕን ግዳዩ ይገብሮን ነበረ። ድሕሪ ገለ እዋን የሱስ በቲ ኸባቢ ሓላፍ መገዲ ኮይኑ መጸ። ወዮ ኣንበሳ ንየሱስ ምስ ረኣየ ከም እንስሳ ዘቤት ዘይጓዳእ ኮነ። 

ሽዑ የሱ ንኣንበሳ ሓደ ትእዛዝ ሃቦ። “ስማዕ ኣንበሳ፡ ካብ ናተይ ሰዓብቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ግዳይካ ከምዝገበርካዮም ፈሊጠ ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ግን ዝኾነ ናተይ ተኸታሊ ዘበለ እንተደኣ በሊዕካ ወይልኻ!” ኢሉ ከቢድ መጠንቀቕታ ሃቦ። በዚ ራዕዲ ዝኣተዎ ኣንበሳ፡ “ጎይታይ፡ ዝበልካኒ ቀጥ ኢለ ክእዘዝ እየ። ግን ናትካ ተኸተልቲ ብኸመይ ክፈልጦም እየ?” ኢሉ ሓተቶ። ሽዑ የሱስ፡ “ናባይ ቅረብ!” በሎ። ኣንብሳ ድማ ናብኡ ቐረበ። እቲ ኣብ የሱስ ዝነበረ ምዑዝ ሽታ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ እተረድአ ኣንበሳ ፍርሓት ሓዞ። የሱስ ቀጺሉ፣ “እቶም ናተይ ተኸተልቲ ከምዚ ናተይ ሽታ ኣለዎም። ወይልኻ፣ ነቶም ነዚ ሽታ ዘለዎም ከይትቐርቦም” በሎ። ኣንበሳ ኸኣ “እሺ ጎይታይ” ኢሉ ፍግም ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ሰገደ።

ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት የሱስ፡ ናብቲ ኣንበሳ ዘለዎ ቦታ መጸ። ንኣንበሳ ኸኣ ኣትኲሩ እናጠመቶ፣ “ንምንታይ ኢኻ ቃለይ ዘየኽበርካ?” በሎ። ኣንበሳ ብወገኑ፣ “ጎይታይ ኣኽቢረ እምበር። ናትካ ዘበለ እኳ ዘይበላዕኩ” በሎ። የሱስ ከኣ ቍጽሪ ናይቶም ኣንበሳ ዝበልዖም ክርስትያን ነገሮ። ኣንበሳ ሽዑ፣ “ጽንሓኒ እሞ ጎይታይ...” ኢሉ፣ ነቲ ብድሕሪቱ ዝነበረ ዓውላ ጋሊሁ፡ “...እነዉልካ እቶም በዚ ጽመጹ ተኸተልትኻ ኣፎም ጥራሕ እዩ ከምቲ ናትካ ሽታ ዘለዎእምበር እቲ ዝተረፈ ኣካሎም ግን ከምቲ ካልእ ሰብ እዮም። ስለዚ ነቲ ከም ናትካ ሽታ ዘለዎ ኣፎም ኣይቀረብክዎን ተኸታሊኻ ስለዝኾነ።” በሎ። የሱስ ብፍርዲ ኣንበሳን ብዕሽነት ደቂ ሰብን ተገሪሙ ነቲ ቐዳማይ ትእዛዙ ከየመሓየሾ ካብኡ ሓለፈ።

ጕንዲ ወይኒ - ሓምለ 2009