20
Sat, Apr
0 New Articles

ታሪኽ ምስ ቁም-ነገር መስትያትካ ድዩስ መልክዔይ!

Message 2
Typography
ሓደ መስትያት  ዝሸይጥ  ነጋዳይ፡  ካብ  ቦታ ናብ  ቦታ እናዞረ መስትያት ይሸ ይጥ ነበረ፡፡  ኣብ  ሓደ  ዓዲ  መስትያት  ኪሸይጥ እናዞረ ኸሎ፡ ኣብ ደገ ገዝኣ ኮፍ  ዝበለት  ሰበይቲ "መስትያት ዝደሊ"  እናበለ  ኪዘውር  ሰሚዓ፡  "በዓል  መስትያት ነጀው እስኪ  ንዓ!"  ኢላ ጸውዓቶ፡፡  እቲ በዓል መስትያት ከኣ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ መስትያት ኣርኣያ፡፡ ነቲ መልክዓ ኣብቲ መስትያት ምስ ረኣየት፡ "ናይ  መን  መልክዕ  እየ ኣብዚ መስትያትካ ዝርእዮ ዘሎኹ" ኢላ ብምግራም ነቲ ዋና መስትያት ሓተተቶ፥ እቲ ዋና መስትያት ከኣ፡ "ናትክን መልክዕ እዩ፡ እምበይተይ!" ኢሉ፡ ከምቲ ዘሎ መለሰላ፡፡ እታ ሰበይቲ ግና፡ ኣብቲ ዓዲ ብመልክዓ እትሕበን፡  ንርእሳ  ድማ፡ ንሳ እታ ዝመልክዐት ሰበይቲ ጌራ ትቖጽር ስለ ዝነበረት፡  ነቲ መስትያት ኣብሪሁ ዘቕረበላ ልክዕ መልክዓ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን፡፡ 

"ካልእ  ጥዑይ  መስትያት'ዶ የብልካንዩ!  እዝስ ዘይመልክዔይ ሂቡኒ"  ኢላ ነቲ  መስትያት ናብቲ  ነጋዳይ መለሰትሉ፡፡  "እቲ ነጋዳይ፡ እምበይተይ!  እቲ  ክሳዕ  ነዚ  መስትያት እዚ እትርእያ፡ ብዛዕባ መልክዕን ዝነበረክን ኣመለኻኽታ  እዩ ግጉይ ጸኒሑ እምበር፡  ናይዚ  መስትያት'ዚ  ጉድለት ኣይኰነን እቲ ጌጋ፡፡ ገሊኡ መስትያት ኣሎ፡ መስትያት ከሎ ከም ብያቲ ኣብቲ ማእከሉ ዕሙቕ ስለ ዝበለ (Concave mirror)፡ ነቲ ህሉው መልክዕካ ጨፍሊቑ ደፍጢጡ ኣንኢሱ ኣሕጺሩ ዘርኢ፡፡ ገሊኡ መስትያት ከኣ ኣሎ፡ ንድሕሪት ገጹ ጥልዕ ስለዝበለ (Convex mirror) ነቲ ህሉው መልክዕካ ኣግፊሑ ኣግዚፉ ኣንዊሑ ዘርኢ፡፡ እዚ መስትያት እዚ ግና፡ እቲ ቅኑዕ ሰጥ ዝበለ መስትያይ (Plain mirror)  ስለዝዀነ፡  እቲ ልክዕ  መልክዕካ እዩ ዘርኢ፡፡ ክሳዕ ሕጂ በየናይ መስትያት ኢኽን መልክዕክን ክትርእያኦ ጸኒሕክን ኣይፈለጥኩን፥ ድሕሪ ደጊም ግና፡ ፍተዋ ጽልኣ እቲ ሓቐኛ መልክዕክን እዚ ዝረኤኽናኦ ንሱ እዩ" ኢልዋ መገዱ ቐጸለ ይብሃል፡፡

 

 

ካብዚ ክዉን ዝዀነ ሓቀኛ ታሪኽ፡ እንታይ ተገንዚብና ንኸውን? ኲሉ ሰብ፡ ብዛዕባ ርእሱ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣመለኻኽታን፡ ዝንቡል፡ ዝንቡዕ፡ ከም ዝዀነ ኢና ንመሃር፡፡ ኲሉ ሰብ ከምኡ ምዃኑ ድማ መጽሓፍ-ቅዱስ ይዛረብ እዩ፡ ምሳ.16፡2, ምሳ.21፡2, 2ቈረ.10፡12, ርኤ፥

 

ስለዚ፡ እቲ ትኽክለኛ መልክዕካ ክትፈልጥሲ፡  ውሽጣ'ውን  ደጋ'ውን መልክዕካ እትርእየሉ ዓይነት መስትያት ኣየናይ እዩ? እቲ ትኽክለኛ  መልክዕካ፡  ባዕልኻ ወይ ብኻልኦት ፈተውትኻ፡ ወይ'ውን ብጸላእትኻ  ኣይኰንካን እትፈልጦ፡፡  እቲ ትኽክለኛ ናትካ  ዝዀነ  መልክዕካ ዘርእየካ፡ እቲ በይኑ ቅኑዕ ዝዀነ፡  ዘይፈርህ፡ ገጽ ሰብ ርእዩ'ውን  ዘየዳሉ፡  እቲ  ሓቀኛ ቃል-ኣምላኽን  መንፈስ-ቅዱስን ጥራይ እዮም፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥

ሓደ እኳ፡ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዝርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል፥ ነፍሱ(ብመስትያት) ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ፡ ብኡብኡ'ውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ፡፡ - እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ-ሓርነት፡  ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡  ግብሪ  ዚገብር  እምበር፡ ዘይርስዕ  ሰማዒ  ግና፡  እዚ  ብግብሩ  ብጹእ  ኪኸውን  እዩ፥  ሓደ' ኳ፡  ንልቡ ደኣ ዘስሕቶ(ንርእሱ  ብኸናፍሩ  ዝጥብር)  እምበር  ልሳኑ ዘይለጒም እንተሎ፡ ንኣም

ላኽ  ዘምልኽ  ዘሎ  እንተመሰሎ፡  ኣምልኾኡ  ከንቱ  እዩ ይብል፥ ያእ.1፡23-26፥

 

መብራህቲ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ሰብ እዩ፥

 

ስለምንታይ እዩ፡ ነቲ እትሰምዖ ቃል-ኣምላኽ፡ ምስቲ ገጽኻ ንሱ ኸኣ ነፍስኻ እትርእየሉ መስትያት ኣተሓሒዝዎ ዘሎ?  ምኽንያቱ፡  ንቓል  ኣምላኽ፡  እዝንኻ ጸሊኻ፡  ምስትውዓልካ ኸፊትካ፡  ልብኻ  ኣውዲቕካ፡  ብዝግባእ  ሰሚዕካ  ናብ  ውሽጥኻ፡ ንሱ ድማ ናብ መንፈስካ ኸተእትዎ ከሎኻ - ያእ.1፡19-21, እብ.4፡2, 1ተሰ.2፡13, ናብ ባሕሪ ከብድኻ ኣትዩ፡ መዛግብቲ  ልብኻ ንምፍታሽ፡  ናብቲ ምንጪ  መፈልፈሊ  ሓሳብካ  ሰሪጹ፡  መንነትካ  ናይ  ምርኣይን፡  ንኣኻ  ናይ  ምምርማርን፡  ነቲ ኣብ ውሽጥኻ  ዝተደጐለ ስዉር ናይ  ምቕላዕን ናይ  ምፍራድን ክእለት  ስለዘለዎ  እዩ፡ መዝ.19፡7-14፡፡  ኣብ  እብ.4፡12-13,  ከምዚ  ይብል፡ ቃል  ኣምላኽ  ህያውን  መስለጥን  እዩ እሞ፡  መንፈስን፡  መፈላልዮ  ኣካላትን፡  ኣንጒዕን  ክሳዕ  ዝፈላሊ  ዚሰጥም (ሰሪጹ  ዝኣቱ)፡ ኣብ  ምሕላንን  ሓሳብ  ልብን  ከኣ  ዚፈርድ እዩ፡፡  እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡  ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፡  ኲሉ ጋህ  ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን ይብል፡፡  -  ብዛዕባ መንፈስ ሰብ ድማ ኣብ ምሳ.20፡27, ከምዚ ይብል፡ መብራህቲ እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ ይብል፥ "The spirit of man is the candle of the Lord, searching all the inward parts of the belly" ይብል ኣብ KJV(king James Version). ኣብ NIV ግና "The Lamp of the Lord searches the spirit of a man;  it searches out his inmost being"  እቲ  ንሱ  ኢልዎ  ዘሎ  ኣብ  ትግርኛን  ኣብ KJV  ንመንፈስ  ሰብ  እዩ፥  ኣብ NIV  ግና  ንመብራህቲ  እግዚኣብሄር  እዩ፡፡ ከምቲ  ጽሩይ ማይ-ንግሆ፡  ነቲ ከርሲ ባሕሪ ሒዝዎ  ዘሎ ትሕዝቶ፡  ነጺሩ ዘርእየካ፡ ከምኡ ድማ ንሰብ፡ እቲ መንፈሱ  እዩ በቲ ብርሃን ቃል  ገይሩ፡ ንመንነቱን እንታ ብመሰረቱ፡ ባሪኽካን ቀዲስካን ሃበና ዝብል ጸሎት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን፡፡ ናይ መግቢ ጸሎት ኣሎ እንተ ዀይኑ --  ባሪኹ፡  ቆሪሱ፡  ሃቦም ዝብል እዩ፡  --  ማቴ.14፡19, 26፡26-27, ማር.6፡41,  14፡22-23,  ሉቃ.9፡16፥ ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ኣመስጊኑ  ቆሪሱ  ሃቦም  - ማቴ.14፡36, ዮሃ.6፡41, ሉቃ.22፡19, ግብ.27፡34-35, ዝብል ኣሎ፡፡ -- ባሪኹ ቀዲሱ ሃቦም ዚብል ግና የልቦን፡፡  --  እዚ ባሪኽካን ቀዲስካን  ሃበና  ዝብል  ዓይነት ጸሎት ደኣ ካባይ እዩ መጺኡ?  --  መንኸ እዩ ኣምጺእዎ?  --  ስለምንታይከ  እዩ  መጺኡ? ኢልና ክንሓትት ናይ ግዲ እዩ፡፡ - እዚ ባሪኽካን  ቀዲስካን  ፈዊስካን  ሃበና ዝብል ጸሎት፡ ቃል ኣምላኽ ዘይድግፎ ኣጸላልያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግጉይ ዝዀነ  ትርጉም  ሒዙ ካብ  ወለዶ  ናብ  ወለዶ  ተሳጊሩ ዝመጸ፡ ናይ  ግኖስቲክስ ናይ  ርእስኻ ምሕሳም (asceticism)  ፍልስፍና  ዘማዕበሎ፡  ኣብ  ሃይማኖት  ክርስትና ስሉኽ ኢሉ ዝኣተወ ልማድ ሰብ እዩ፡ ቈሎ.2፡8፡፡

 

ገለ ሰባት፡ ነዚ "ባሪኽካን ቀዲስካን ሃበና" ዝብል ጸሎት ካብ ቃል ኣምላኽ ኪድግፍዎ ዘምጽእዎ ጥቕሲ  እዚ ኣብ 1ይ  ጢሞቴዎስ 4ይ ምዕራፍ ጥቕሲ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዘሎ ሓሳብ ብምውሳድ እዩ፡ ከምዚ ዚብል፡ "...እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና  እንተተቐበልካዮ፡ በቲ ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለዝዀነ፡  ገለ'ኳ  ዚድርበ የብሉን" ይብል፡፡

 

ብመሰረቱ፡ እቲ ሓሳብ ካበይ ተበጊሱ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ነዚ ኪብል ኣምጺእዎ?  --  ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ጥቕሲ ሓደ፡ ...በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም፡  እምነቶም  ክሒዶም፡  ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከምዚስዕቡ እቲ  መንፈስ ብግሁድ  ይብል ኣሎ፡፡ ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም  ብመዓለም እተዓለመ ( ዝሓረረ፡ ዝሓረነ) ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡  መውስቦ (መርዓ) እናኸልከሉስ፡ እቶም  ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡  ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒ'ውን ሰብ ኪሓርሞ (ኪዂንኖ ወይ ካብ ምብላዑ ኪኽልከል) ይእዝዙ ኣለዉ፡፡ እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ  እሞ፡  ብምስጋና እንተተ ቐበልካዮ፡ በቲ ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዝድርበ የብሉን ይብል፡፡      

 

ናይዚ ዓንቀጽ መሰረተ-ሓሳብ፡ ምስቲ ናይ ሳልሳይ ምዕራፍ መወዳእታ ዓንቀጽ ማለት 1ጢሞ.3፡16, መሰረተ-ሓሳብ ዝተተሓሓዘ እዩ፡፡ ማለት፡ ምስታ ግና እትብል ኣብ 4ይ ምዕራፍ ጥቕሲ ሓደ ዘላ ቃል፡ ...በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና... ኢሉ ዘስዕቦ ዘሎ ሓሳብ እዩ ዝኸይድ፡፡ እዚ  ድማ፡  ብዛዕባ እቶም ካብ ግሪኽ ዝነቐለ ፍልስፍና ዝሓዙ፡ እምነቶም ክሒዶም፡  ገና ዘይበጻሕክምዎ ፍልጠት ኣሎ እናበሉ 1ጢሞ.6፡20-21, ንቕዱሳን ካብ እምነቶም ዘናወጹ፡ የሱስ ብስጋ ኣይመጸን እናበሉ ዝምህሩ፡  ስጋ ኪቕደስ እንተዀይኑ፡ ከይትረክስ ኣብ ሰበይቲ ክትቀርብ ክትትንኪ የብልካን፡ ከይትረክስ እዝን እትን ክትሕዝ ክትጥዕም ክትበልዕ የብልካን  እናበሉ፡  ነቶም  ኣመንቲ፡ ኣብቲ ባዕላቶም ዘቖምዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣምልኾ ከእትውዎም  ስለ ህርድግ ዝብሉ ዝነበሩ እዩ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕብ እዚ ኪምህር  ጽሒፉሉ ዘሎ፥ ምስ እዚ ኣተሓሒዝካ፡ ቈሎ.2፡8,20-23, ኣንብብ፡፡  -  ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ንግጉይ ኣጋንንታዊ ትምህርቶም ንምምካት፡ ትምህርቶም ምህሮ  ወም  ወይ  ተቓዊሙስ  ብዙሕ  ከይጸንሐ ዓቕሚ ስኢኑ ተሓሊሉ ኢዱ ዝህብ ሰብ፡ ምሳ.24፡5,10፥  ብትምኒት ስጋኡ ሓባቢሉ፡  ሓቂ ብዘይኰነ ምኽንያት ኣስሒቱ፡ ኤፌ.4፡22, ንትምኒቱ ይቕስቕሶን የለዓዕሎን፡ - ሮሜ.7፡5,7-11,  ያእ.1፡14-16፥  ሽዑ፡  እቲ  ኽፉእ  ናይ ሓሳብን  ስምዒትን  ፈተና፡  ምስቲ ክፉእ ናይ  ስጋ  ትምኒት  ይራኸቡ'ሞ፡  ብኡብኡ  ኣብ  ማህጸን ትምኒት fertized  ይኸ ውን፡  ጸኒሑ ኸኣ  ይጥነስ፥  ሽዑ፡  እቲ ጥንሲ  ኣብ  ውሽጢ እናገዘፈ ኪኸይድ ጸኒሑ፡  ወ/ሮ  ትምኒት ግዜ  ሕርሳ ምስበጽሐ፡ ሓጢኣት ይውለድ፡ ማለት እቲ   ግብሪ-ስጋ ይግሃድ፥  ሓጢኣት  ምስተፈጸመ ኸኣ፡  ዓስቢ ሓጢኣት፡ ንሱ ኸኣ ሞት ይስዕብ ማለት እዩ፡ ያእ.1፡12-16, ሮሜ.8፡12-13, ርኤ፡፡

 

ከምቲ ፈተናታት ኣመጻጽኣኡ በበይኑ ዝዀነ፡ ንዕኡ መመከቲኡን መስዓሪ ኡን ድማ ብእኡ መጠን በበይኑ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ፥ ስለዚ፥

 

  -- ካብ ስስዔ፥ ብምርዳእ ቅዱስ ሓሳብ ቓል ኣምላኽ፡ ካብ ትምኒት-ስስዔ

    ብምህዳምን፡  ካብቲ  ዘሎካ  ንስኡን ብሓልዮትን  ብፍቕርን  ብምምቓልን፥

    ሉቃ12፡13-21, 1ጢሞ.6፡17-19, 1ዮሃ.3፡17-18፥

  -- ካብ ምንዝርናን ርኽሰትን፥ ብምህዳምን፡ ነዒንትኻ ድማ ካብቲ  ንሓጢ

    ኣትን  ንርኽሰትን  ንምንዝርናን  ዚዕድም  ምርኢታት፡  ፍቓድ ብምኽላእን፥ 

          1ቈረ.6፡18, መዝ..119፡36-37, እዮ.31፡1, ማቴ.5፡27-29፥

  -- ካብ ንዕቀትን ጸርፍን ቆየቛን፥ ብምስትውዓልን፡ ብትዕግስትን፡ ካብቲ

    ነገር ርእስኻ ብምእላይን፥ መዝ.55፡12, ምሳ.17፡14, 19፡11፥ 

  -- ካብ ዓመጽ፥ ኣብቲ ነገር ከይትጽንበር ኢድካን እግርኻን ብምጥርናፍ፥

    ምሳ.16፡17, 1ጴጥ.4፡14-16፥

  -- ካብ ሓሶት፥ ኲራኻ ብጽድቂ ብምግላጽን፡  ምስ ተመለስካ ኽትዘራረብን 

    ክትረዳዳእን ኢልካ ብሓደ ግዜ ብምውሳድን፥ ኤፌ.4፡25-27, ማቴ.5፡

    23-26, ምሳ.19፡11፥ ወዘተ...