18
Thu, Apr
0 New Articles

ምእዛዝ፣ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ቀንዲ ነገር

Message 2
Typography
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ምግባር ካብ ዝኾነ ዓይነት መስዋእቲ ከም ዝበልጽ ይምህር። ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ምግባር ወይ ምእዛዝ ናይ ልቢ ኩነታት እምበር ብግዳማዊ ትርኢት ዝርአ ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም እዙዛትን ኣብ መንጎ እቶም እዙዛት ዝመስሉን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። እዙዛት ዲና ወይስ ኣይኮንናን ብዘይካ እቲ ልቢ ዝምርምር ኣምላኽ ካልእ ክፈልጠና ስለ ዘይክእል ሳሙኤል ንኤልያብ ክቐብኦ ምስ ደለየ እግዚኣብሄር "ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፣ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ" ኢልዎ (1ሳሙ.16፣7)

ንሕና መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝገብሩ ሰባት ክንቆጽር ከሎና እግዚኣብሄር ግን ልቦም ንእኡ ዝተወፈየ ሰባት ስለ ዝርኢ ሰብ ክስእን ይኽእል እዩ። ሎሚ እግዚኣብሄር ንዓኻ/ኺ ረኺቡካ/ኪ ኣሎዶ? ብዙሕ ጊዜ ሽግርና ኣምላኽ ንዓና ከይረኸበ ካልኦት ሰባት ክረክብ ምጽባይና እዩ። ንስኻ ንኣምላኽ ዘይትእዘዝ እንተኾንካ እቶም ብግዳማዊ ትርኢቶም ‘መንፈሳውያን' ዝመስሉኻ ሰባትውን ብውሽጦም ከማኻ ከም ዝኾኑ ምዝካር ይግባእ።

እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብይ ሳሙኤል ንሳኦል "ንእግዚኣብሄርሲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጉሶ እዩ? እንሆ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፣ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።" ከም ዝበሎ (1ሳሙ.15፣22) ንፈልጥ ኢና። እዚ ማለት ምፍጻም ትእዛዝ ኣምላኽ ካብ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ማለት ምዝማር፣ ምስባኽ፣ ምምስካር . . . ይበልጽ እዩ ማለት እዩ። እስኪ ንነፍስና ንሕተታ፣ ክንደይ ካባና ኢና ተቐይምና ከሎና ንጽሊ፣ ንዝምር፣ ንሰብኽ? ክንደይ ካባና ኢና ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ከነዐርዮ ዝነግረና ዘሎ ነገር ገዲፍና ዝመሰለና ነገር ንገብር ዘሎና? ዝፍለጠና ዘይተነሳሕናሉን ዘየቕናዕናዮን ነገር ከሎና ኣምላኽ ንመስዋእትና ብሓጎስ ይቕበሎዶ? እቲ ሰማይን ምድርን ዝውንን ኣምላኽ ብገንዘብናን ውህበታትናን ዝቕሸሽ ይመስለናዶ? እግዚኣብሄር ከም ሰብ ዘይኮነሉ ሓደ ባህርይ ንመንገዱ ዋጋ ዕዳጋ ዘይገብረሉ ምዃኑ እዩ። ዘማሪ፣ ሰባኺ ኩን መስካሪ ከተዐርዮ ዘሎካ ነገር ከየዐረኻ ንኣምላኽ ባህ ከተብል ኣይትኽእልን ኢኻ። በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ብዙሓት ኣጋንንቲ ዘውጽኡ፣ ዝተነበዩን ብዙሕ ሓይልታት ዝገበሩን ሰባት ‘ኣይፈልጠኩምን እየ' ከም ዝበሃሉ ጎይታ የሱስ ብንጹር ተዛሪቡ ኣሎ (ማቴ.7፣22-23)። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከማና ንጎይታ ንፈልጦ ኢና፣ ኣገልገልቲ ኢና፣ ጎይታ ብኣና ከምዝን ከምትን ጌሩ ዝብሉ ሰባት እዮም፣ ካብ ግብሪ ዓመጻኦም ስለ ዘይተመልሱ ግን ‘ኣይፈለጥኩኹምን' ተባሂሎም። ምእዛዝ ናይ ልቢ ኩነታት ስለ ዝኾነ ብኣገልግሎትና ኣይምዘንን እዩ፣ ጽቡቕ ኣገልግሎት ክህልወና ንብዙሓት ቅኑዓት ሰባትውን ናብ ጎይታ ከነምጽእ ንኽእል ኢና። እዚ ግን ጥዑይ ህይወት ከም ዘሎና ምስክር ኣይኮነናን እዩ። ህይወትና ንክርስቶስ እናመሰለ ዘይከይድ እንተሎ ጽቡቕ ከም ዘየለና ክንፈልጥ ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣቋራጭ መንገዲ ስለ ዘይብሉ ኣብ ቃሉ "እምበኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፣ ሓውካ ሓዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሓሰብካ፣ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፣ ኪድ፣ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፣ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።" ይብል (ማቴ.5፣23-24)  ሓውካ ሓዚኑልካ እንተሎ ቅድሚ ምስኡ ምትዕራቕካ እትጽልዮ ጸሎት ኣምላኽ ኣይሰምዖን እዩ፣ ስለዚ ኣቐዲምካ ምስኡ ተዓረቕ። ሓውካ ሓዚኑልካ ከም ዘሎ እናፈለጥካ ንኣምላኽ ከተገልግል ምቕራብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይቅቡል መስዋእቲ ምቕራብ እዩ። ዝፍለጠና ዘይተነሳሕናሉን ዘየቕናዕናዮን ነገር ክሳብ ዝሃለወና ኣምላኽ ንመስዋእትና ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ መስዋእትኹም ይትረፈኒ ይብለና። ኣምላኽ ናይ ዘይእዙዛት ሰባት ዜማ፣ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ገንዘብ ኣየድልዮን እዩ።

ሓሚምና ናብ ሕክምና ኣብ እንኸደሉ ጊዜ እቲ ብቐጥታ ክንወስዶ ዝግብኣና መድሃኒት እንተዘየሎ ንዕኡ ዝመሳሰል መድሃኒት ክእዘዘልና ይኽእል እዩ። ንቃል ኣምላኽ ምእዛዝ ግን መተካእታ ዘይብሉ ነገር እዩ። ምእዛዝ ብብዝሒ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከተከሓሕሶ ኣይከኣልን እዩ። ሓውካ ሓዚኑልካ ምህላዉ እንተ ሓሲብካ ዘሎካ ምርጫ መባእካ ኣብ ዘለዎ ገዲፍካ ምስ ሓውካ ተዓሪቕካ ምምጻእ ጥራይ እዩ።  ገሌና ካብ ንቃል ኣምላኽ ምእዛዝ መባእና ስለ ዝዓብየና ቅድም መባእና ከነቕርብ ንደሊ ኢና። ጎይታ ግን ከምኡ ኣይመሃረን ምስ ሓውኻ ምትዕራቕ ብቅልጡፍ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር እዩ፣ መባእ ምቕራብ ግን ምስ ሓውካ ምስ ተዓረቕካ ጥራይ ክግበር ዘለዎ ነገር እዩ። ምፍጻም ትእዛዝ ኣምላኽ ካብ ምቕራብ መባእ (መስዋእቲ) ዝበልጽ ነገር እዩ።

ምእዛዝ ውሽጣዊ ነገር ስለ ዝኾነ ብዘይካ ነፍሲ ወከፍናን እቲ ልቢ ዝምርምር ኣምላኽን ክፈልጦ ዝኽእል ሰብ የለን። ስለዚ ብዝሒ ወይ ዕቤት መንፈሳዊ ንጥፈታትና  ከታልለና ኣይግባእን። ዝበዝሕ ካብ ምእዛዝ እንጎድለሉ ጊዜያትውን ኣብቲ መንፈሳዊ ዕዮ ዝበዝሓና እዋን ስለ ዝኾነ መንፈሳዊ ንጥፈታትና (ስብከት፣ መዝሙርን ካልእን) ካብ ምእዛዝ ከጉድለና ኣይግባእን። ሓቀኛ መንፈሳዊ ኩነታትና ጎይታ እምበር ካልእ ክነግረና ስለ ዘይክእል ብዝተኻእለ መጠን እቲ ምስ ጎይታ ነሕልፎ ናይ ብሕትና ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምና ልብና ክንምርምርን ነቲ ንሱ ዘተሓሳሰበና ነገራት ከነቕንዖን ይግባኣና። ሽዑ ኩሉ ህይወትና ኮነ ኣገልግሎትና ኣምላኽ ዝሰምሮን ኣብታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ቅዱሳን ዘንእደናን ክኸውን እዩ።

 

                  ጎይታ እዙዛት ክንከውን ይደግፈና!