19
Fri, Apr
0 New Articles

ኤውሮክሊዶን (Euraquilo)

Message 3
Typography

ካብ ዝሓለፉ መዓልትታት ጀሚሩ፡ ታይፉን ሃይያን ዝተባህለ ህቦብላ ንፋስ ባሕሪ ኣብ ደሴታት ፊሊጵንስ ዓቢ ማህሰይትን ጉድኣትን የብጽሕ ኣሎ። ገና ኣዝዩ ዕንወት እናወሰኸ ሞት ግዳያት ናብ 10000 ከብጽሕ ይኽእል እዩ ዝብል ዜና ይጋዋሕ ኣሎ። እንሆ ህሉዋትን ትሩፋትን ዝገብር ሓያል ባህርያዊ ሓደጋ ክም ማዕበላዊ ፈተነ ኣብ ህዝቢ ፊሊጲንስ ወሪዱ ኣሎ። ከም ዚፍለጥ እዞም ህዝቢ እዚኦም፡ ዚነብሩለን ደሴታቶም ብተፈጥሮኣዊ ኣቐማምጣ ንማዕበላትን ንፋሳትን ዝተቓልዓ እየን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ይንኣሱ ወይ ድማ ይዕበዩ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 20 ጊዜ ማዕበላትን ንፋሳትን ከም ዚትንስኡ ስነፍልጠታውያን ይዛረቡ።


{jcomments on}

በጀካ ብጸሎትን ምህለላን ንኸምዚ ዝመሰለ መዓት ደው ከብሎ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ንንፋሳትን ማዕበላትን ጸጥ ኪብሉ ዚእዝዝ ሓደ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ። ወዲ ሰብ ምናልባት፡ ንሱ ድማ ኩነታት ኣየር ተኸታቲሉ፡ ኼስዕቦ ንዝኽእል ሓደጋ ኬተንብህን፡ ዜና ኪህብን ኪከታተልን፡ ተኸታቲሉ ድማ ንጥንቃቔኡ ኬዕዝዝ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ መለኮታዊ ሓይልን ትእምርትን ኪገብር ዓቕሙ ኣይፈቕደሉን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ዓለምና ዘሎዋ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት በዚ መዓልቲ ሰንበት፡ ናብቲ ንንፋሳት ዚእዝዝን ጸጥ ዜብልን ኣምላኽ ንማዕበላት ኬህድኦ ኣብ ጸሎተን ይዝክርኦ ከምዘለዋ ፍሉጥ እዩ።

ዓለምና ክሳዕ ምጻት ክርስቶስ ባህርያዊ ሓደጋታት ከም ዘይፍለያ ቃል ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዘተንብሆ እዩ። ስለዚ ድማ ምንባርና ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ዝተሞርከሰ እዩ። እታ እትመጽእ መዓልቲ፡ እንታይ መዓት ሒዛ ከም እትመጽእ ዘይንፈልጥ ስለዝኾንና፡ ካብ መዓት ሓልወና፡ ንመዓት ኣርሕቐልና ኢልና ድማ ወትሩ ናብ እግዚኣብሄር ክንጽሊ ኣሎና። በዚ ኣጋጣሚ ድማ መጽሓፍ ቕዱስ ካብ ዜዘንተዎም ሓደ ብኤውሮክሊዶን ዝፍለጥ ፍጻሜ ናይ ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ እግሪ መንገደይ ክንመሃረሉ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣቕሪበዮ ኣሎኹ።

"ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ።" (ግብሪ ሃዋርያት 27:14)

ኤውሮክሊዶን (εὐρακύλων) ወይ ግረጋይለ ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ብኽልተ ቃላት ዚቖመ ኾይኑ፡ ኤውሮስ ማለት ምብራቓዊ ንፋስ ኺኸውን ከሎ፡ ክሊዶን ድማ ሰሜናዊ ንፋስ ማለት እዩ። ስለዚ ኤውሮክሊዶን ማለት ንፋስ ሰሜናዊ ምብራቕ ማለት እዩ። ዛንታ ናይ እዚ ህቦብላ ዘልዕል ንፋስ ኣብ ግብረ ሃዋርያት 27 ንረኽቦ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከም እሱር ናብ ኢጣልያ ኪኸይድ ጉዕዞ ብመርከብ ተወሰነ። ተበገስ ምስ ኮነ ድማ፡ ናይቲ ግዕዞ ስእሊ ጂኦግራፋውን ሜትሮሎጂካውን ኣንፈት ኣትሒዙ፡ ብዝምስጥ ኣቀራርባኡ፡ ሉቃስ ኣብ ጽሑፉ የዘንትወልና።

ንኣብነት ኣብ ፍቕዲ 4 "ንፋስ ብቕድሜና ስለዝኾነ" ይብል። ንፋስ ኣብ ግዕዞ መርከብ ኣንፈት ክም ዚጽሉ ይገልጽ። ኣብ ፍቕዲ 5 "ጸግዒ ጸግዒ ባሕሪ.." ዚብል ንረክብ። እዚውን ንኣንፈትን መዕረፊ ቦታን እትድረኸሉ መደብ ናይ ጉዕዞ ምኻኑ የመልክት። ንበዳህነት ጉዕዞ መርከብ ንምግላጽ ኣብ ፍቕዲ 7 "ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና ብጭንቂ ድማ..በጻሕና።

"ኣብ ፍቕዲ 8፡"ብተጋድሎ" ጽልዋ ናይ ወቕቲ ኣብ ግዕዞ ንምምልካት ድማ ኣብ ፍቕዲ 9-10 "ምዃድ መራኽብ ዜፍርሕ ስለ ዝኾነ" ይብል። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብታ ጽቡቕ ወደብ እትበሃል ቦታ ቕድሚ ምንቃሎም፡ ንዝነበረ ወቕቲ ብምስትውዓል፡ ንምዃድ መራኽብ ዜፍርህ ምዃኑ፡ መገዶም ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን ንዝረኣዮ ራእይ ብምምዓድ ኣጠንቀቐ። ዘረባ ኪኢላ እምበር ዘረባ ነብይ ዘይምስማዕ ዘስዕቦ መዘዝ ሃሳዪ ምዃኑ፡ ካብ ስዒቡ ዘጋጠመ ከቢድ ፈተነ ክንመሃር ንኽእል። ማዕዳ ሃዋርያ ጳውሎስ ዓበረ፡ ዘረባ መራሒ መርከብን ዋና መርከብን ግና ሃጠረ። እታ ዝነበሩዋ ወደብ ንምኽራማ፡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ምኽኑይ እኳ እንተኾነ፡ እቲ እተወስደ ስጉምቲ ናይ ምብጋስ መርከብ ግን ምስ ምዕዶ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚጻረር ነበረ።

ንሳቶም ብዝሑል ንፋስ ደቡብ ትዓሽዮም መልህቕ ኣልዒሎም ተበገሱ። ገና ከይሳገሙ ድማ ግዳይ ናይቲ ብሰሜናዊ ምብራቕ ዝተላዕለ ሃንደበታዊ ንፋስ ኤውሮክሊዶን ኮኑ። ነታ መርከብ መንዝዓ፡ናብ ዘይደለየቶ ኣንፈት ንኽትከይድ ስዲ ገበራ። ንጽባሒቱ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ጀመሩ። ኣብ ሳልስቱ ድማ ኣቑሑ ንብረት ደርበዩ። ተስፋ ክሳዕ ዚቐብጹ ድማ ንሓያሎ መዓልትታት ጸሓይ ይኹን ከዋኽብቲ ከይረኣዩ ማዕበል እናገፍዖም ብዘይ መግቢ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ዘረባይ ሰሚዕኩም እንተ ትኾኑ እዚ ኹሉ ኣይምበጽሓኩምን ኔሩ በሎም። ኣስዒቡውን ንዝረኣዮ ናይ ምድሓን መልእኽቲ ነገሮም። ብርግጽ ድማ ናይ ኣምላኽ ጣልቃ እንተዘይህሉ፡ኻብዚ ኸቢድ ጽበባን መጉድኣትን፡ ሓደ ካብዞም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ሰባት ዝድሕነሉ ባይታ ወይ ኩነት ኣይነበረን። እወ ብዘይ መግብን መስተን ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ እሞ ኣብ ማእከል ባሕሪ ብቐዝሒ፡ ብነውጺ ንፋስ፡ ብጸልማት፡ ኣዝዩ ሃሳዪ፡ ንሞት ዘየናሕሲ እዩ ዝነበረ።

በዚ ተኣምራታዊ ምድሓን ኣምላኽ፡ ኩለን ነፍሳት ኣብ ኢድ ሃዋርያ ጳውሎስ ተዋህባ። ጳውሎስ ብሞጎስ ኣምላኽ 275 ነፍሳት ብስጋን መንፈስን ንምድሓኖም ኣዋጅ ወንጌል ኣወጀ። ገና ወንጌል የሱስ ኣብ ቕድሚ ቔሳር ኪንገር ምዃኑ መልኣኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ተዛረቦ። ኺኖ ፈተነ ኤውሮክሊዶን ኣብ ማልጣ፡ ኪኖ ፈተነ ተመን ኣብ ማልጣ ድማ ሮማ ክሳብ ስፓኛ፡ የሱስ ብሃዋርያ ጳውሎስ ኪኸብር ነበሮ።

እሞ ኣንበብቲ ካብዚ ዛንታ ናይ ኤውሮክሊዶን ህቦብላን ንፋስን ብዙሕ ዘስተውዓልኩምሉ ነገራት ክህሉ ተስፋ እናገበርኩ፡ ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ግዕዞና ክንገብሮም ዝግብኣና ቃል ኣምላኻዊ መምርሒታት ክንወስድ ይግብኣና። ፍቓድ ኣምላኽ ክንምርምር፡ ራእይ ክንቅበል፡ ንቕኑዓትን ነብያትን ክንሰምዕ፡ ጥንቁቓትን መስተውዓልትንክንከውንን፡ንስጉምትታት ዘይህዉኻት፡ ምናልባት ድማ ተጋጊና ብሃወኽ ኣብ ንወስዶም ስጉምትታት ድማ ተነሳሕትን ጸለይትን ተጠዓስትን ክንከውን ይግብኣና።

ኣምላኽ ኣብዚሑ ጸጋ ይሃብኩም፡ ወትሩ ረዲኤቱ ኣይፈለኹም!

ሓውኹም ፓስቶር ብንያም ገብረንጉስ

10.11.2013ኖርወይ