19
Fri, Apr
0 New Articles

ነዛ ዓለም ኣይንፍተዋ

Message 3
Typography

ነፍሲ ወከፍና መንፈሳዊ የዒንትና እንተ ዝኽፈት ኔሩ ከመይ ኮን ነቲ ሰመያዊ ዓለም ጥራይ ሃረር ምበልና ኔርና፣ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከኣ መንፈሳዊ የዒንትኻ እንተ ዘይተኸፊቱ ንዘለካ ሰመያዊ ጽውዓን ክብርን ምስ እዚ ሓላፊ ምድራዊ ነገር ምውድዳር ዘይተርፍ እዩ፣

 

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልእኽታት ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸለዮ ጸሎት እዚ እዩ፣ ሓደ ካብ ጸሎታቱ እንተ ወሲድና ከምዚ ዝመስል ነበረ “ኣምላኽ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ክህበኩም እሞ የዒንቲ ልቦናኹም በሪሁ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ቁዱሳኑውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ እጽሊ ኣለኹ”፣ ኤፈ 1።17-18 ዘገርም ጸሎት እዩ፣ ካባይ ጀሚርኩም ከምዚ ዓይነት ጸሎት እዚ ወትሩ እንተ ንጽልስ ክንደይ ኮን ዕውት ዝኾነ መንፈሳዊ ህይወት ምምረሕና ኔራ፣

ህይወትና ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት እያ ተሰዊር ዘላ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ክንወጽእ ብፉጹም ኣይደልየናን ኣዩ፣ ንሕና ካብ ዓለም ኣይኮናን ድንካናትና እውን ኣብዚ ክንተክል ኣይተጸዋዕናን፣ ኣዚ ዘልናዮ ሰዓት ግና ካብቲ ዘለናዮ ስፍራ ከውጻና ይጋደል ኣሎ፣ ኣብቲ ልብና ዘለዎ መዝገብና እውን ኣባኡ እዩ ዘሎ፣ መዛግብቲ ልብና ኣብቲ ሰማያዊ ክኸውን እምብር ኣብዚ ዓለም ክኸውን ፍቃድ ኣምላክ ኣይኮነን፣ መዛግብቲ ልብና ቀስ ብቀስ ብዓለማዊ ነገር ክተሓዝ ግና ይከኣል እዩ፣ ስለዚ ኸኣ ኢና ወትሩ መንፈሳዊ የዒንትና ክኽፈት ጸሎትና መዓልታዊ ክኸውን ዝግባእ፣

ሃዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ ንሰብ ኤፈሴን ከምዚ ዝበል ጸሎት ይጽልየሎም “ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ክሕድር ኣብ ፍቅሪ ክርስቶስ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን ምስ ኩሎም ቁዱሳን ምግፍሑን ምንዉሑን ምዕሟቑን ቁመቱን እንታይ ምኻኑ ምስትውዓል ክትክእሉ እሞ ነታ ንፍልጠት ሐለፍ እትብል ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዎ ክሳዕ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ክትመልኡ ኣጽሊ ኣለኹ” ኤፌ 3።፣

እዚ ዘለናዮ ዘመን ሓደገኛ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ መንፈሳዊ የዒንትኻ እንተ ዘይተኸፊቱ ብዓለማዊ ነገር ክትውሓጥ ዘይተርፍን ግድንን እዩ፣ ኣምላኽ ንዓና ንደቁ ዝሃበና ክብሪ ካብ ማንም ክብሪ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዓበየን ዝኸበረን እዩ፣ ንምስትውዓሉ ግና መንፈሳዊ የዒንትኻ ክኽፈት የድሊ፣ እቲ ሕቶ መንፈሳዊ ናብራ ኔረዮ እንድየ ዘይኮነ ሕጅ እውን እነብር ኣለኹ ዝብል እዩ፣  

ኣብዚ ሰዓት ክልተ ልቢ ሒዝካ ምምልላስ ኣይከኣልን እዩ፣ ከመይ እንተ በልና እዚ ዘመን ኣብ ምውድኡ ስለ ዝኾነ ወይ ኣዚና ክንጸድቕን ክንቅደስን ኣሎና ወይ ከኣ ጠቕሊልና ናብቲ ዓለማዊ ዓለም ክንከይድ ኣሎና፣ ኣምላኽ ኮታ እንተ ዝድግፈና እሞ እዛ ዘለናያ ዓለም ዘለዎ ክብሪ ምስቲ ተዳሊልና ዘሎ ሃብቲ ሰማይ ከም ዘይመዓራረይ ፈሊጥና ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና እናጸዓትና ገዛእ ርእስና ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ዓላማ ክነብርን ብኡኡ ኸኣ ክንመላለስ፣ ኣምላክ ይርደኣና!

ርግጽ እዩ ብሰንኪ ንዓለም ምጽላእካ ንኣምላኽ ከኣ ምፍቃርካ እትኸዶ መገዲ ኩሉ ሓርፋፍን ዘይጥዕምን ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዓሲቢ ናይዚ ግና ዓቢ እዩ፣ እዚ ከም መእተዊ ዘምጻኽዎ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እሞ ግናኸ ብዓለማዊ ነገራት ተጠላሊፉ መስመሩ ሲሒቱ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቐ ሰብ ንምርኣይ እዩ፣ እዚ ሰብ እዚ ተራ ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን። ኣገላጋሊ ወንጌል ኮይኑ ምስ በዓል ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቢሩ ዘገልግል ሰብ እዩ ዝነበረ፣

እስከ መን ምዃኑ ክንፈልጥ ብዛዕብኡ እቲ ቓል እንታይ ከም ዝብል ነንብብ “ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዎ እዩ እሞ ሓድጉኒ ናብ ተስሎንቄውን ከደ” 2ጢም 4።10፣ እምብኣር እቲ ሰብ ዴማስ እዩ፣ ዴማስ ሓቢሩ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣገልጋሊ ምንባሩ ሓድሽ ኪዳን ብንጹር እዩ ዝነግረና፣ ንኣብነት ኣብ ቆሎሴ 4።14 “ሉቃስ እቲ ፉቑር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለው” ይብለና ወሲኹ ኣብ ፊልሞን 1።24 ከኣ “ከምኡ እውን እቶም መዓይይተይ ማርቆስ ኣርስጠርኮስ ዴማስ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ” ካብዚ ከኣ ሓደ ነገር ክንርዳእ ይከኣል፣ እሱ ኸኣ ዴማስ ኣገልጋልን መተዓይይቲ ጳውሎስ ከም ዝነበረ፣ እምበኣር ካብዚ ተበጊስና ዴማስ ተራ ዝኾነ ኣገልጋሊ ከምዘይነበረ ክንግንዘብ ንኽእል፣

ዴማስ ስራሕ ኣምላኽ ዝሰርሕ ዝነበረን ስራሕ ኣምላኽ እውን ዝረኣየ ምዃኑ ምንም ዘጥራጥር ነገር የለን፣ ዴማስ ሓቢሩ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኮይኑ ይዓይይ ካብ ነበረ ኸኣ ስለ ክርስቶስ ክብል ብዙሕ መከራ ከም ዝጸገበ ኸኣ ዘኻትዕ ዘሎ ኣይመስለንን፣ ኣምላኽ ብሓዋርያ ጳውሎስ ጌር ዝገለጾ ሚስጥራት እውን ከይተረፈ ዴማስ ተኻፊልዎን ፈሊጥዎን ምንባሩ ርጉጽ እዩ፣ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኮይንካ ሓቢርካ ምግልጋል ከመይ ዓቢ በረኸትን ሞጎስን ከም ዘለዎ እቲ መልኣኽታቱ ይምስክረልና እዩ፣ ኩላትና እውን እንምነዮ ነገር እዩ፣ ዴማስ ግና ብትምኒት ጥራይ ዘይኮነ ሓቢሩ ምስ ጳውሎስ ኢድ ንኢድ ሰሪሑን ኣገልግሊን እዩ፣ እዚ ዴማስ እዚ ኸኣ እዩ እምበኣር ኣብ ተስሎንቄ ንሃዋርያ ጳውሎስ ራሕሪሕዎ ዝኸደ፣

ተስሎንቄ ከመይ ዝበለት ከተማ እያ፣ ኣብ መቆደንያ ዝተዶከነት ወደብ እያ፣ ኣዚያ ሃብታም ወደብ ከም ዝነበረት እያ ዝንገረላ፣ ብዙሕ ዓለማዊ ንጥፈታት ዝካየደላ ወደብ ከኣ እያ፣ ዴማስ ከኣ በዛ ብዙሑ ዓለማውነትን ዘብለጭልጭ ነገራትን ዝዓበላለ ተስሎንቄ እዩ ተሓቢሉ ወዲቑ፣ እቲ ትማሊ ሃውርያ ጳውሎስ እቲ መተዓይይተይ ዴማስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ ዝበሎውም እንሆ ሕጂ ኸኣ ነቲ ብመንፈስ ዝወለዶ ወዱ ጢሜጥዎስ እናስቆርቆረን እናሓዘንን ዴማስ ንዓለም ፈትይዋ ሓዲግኒ ከይዱ ይብል ኣሎ፣ ኣምላኽ ኮታ ካብ ዕጫ ዴማስ ይሰውረና፣

ሎሚ እስከ ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ ኩቡራት መንእሰያት፣ እዛ ሎሚ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ብልሓታ ካብቲ ብዘመን ዴማስ ዝነበረት ተስሎንቄ ኣዚያ እያ ትጠብብ ማሕለኻታት ኸኣ ኣዚዩ ቡዙሕ እዩ፣ ንዓና ኣብ መፈንጠረኣ ከተእቱ ኸኣ ዘይትገብሮ መፈንጠራ የለን፣ ንሕና እንተ ዘይነቕሕናን እነተ ዘይጠጠንቂቕናን ንሳ ንዓና ክትጎብጥ መጻወድእያ ኩሉ ግዜ ዝርጉሕ እዩ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ክምዕዶ ከሎ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፈሉ “እቲ ቡሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዙ ኣምላኽናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን ብምልኽን ንነብር ይምህረና ኣሎ” ቲቶስ 2።12-13፣ እወ ዴማስ ነዚ ቓል እዚ ዕሽስ ስል ዝበሎ እዩ ኣብ ከታማ ተስሎንቄ ተዋሒጡ ዝተረፈ፣

ንሕና ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለኖ ኣመንቲ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኢና በዚ ዓለማዊ ዝኮነ ሃውህው ናይ ዓለምና ተጸሊና ብብዝሒ ንድሕሪት ንጥምት ዘሎና፣ ክሳብ ክንደይ ኣገልገልቲ ንኹን ክሳብ ክንደይ ስራሕ ኣምላኽ ንርኣ ክሳብ ክንደይ ምስ ሙሩኣያት ናይ ኣምላኽ ሰባት ንጸጋዕ ልብና እንተ ዘይሓሊና በዚ ዓለማዊ ነገ ክንጥለፍ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ፣ ዓለም ቀስ ኢላ ኣብ ልብና ከይትኣቱ ወትሩ መንፈስና ብመንፈስ ኣምላኽ ክሕሎ ጸሎትና ዕዙዙ ክኸውን ይግብእ፣

ኣሳፍ እቲ ናይ ኣምላኽ ዘማራይ ሓደ ግዜ በዚ ዓለማዊ ዝመስል ነገር ተሳሒቡ ነበረ እሞ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል እስከ ናብ መዝሙር 73 ንኺድ “ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል ስጉምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ ራህዋ ረሲኣን ምስ ሬኤኹ ንደፋራት ቀናእኩሎም…” ኣሳፍ ስለምንታይ ቀኒኡ ወይ እንታይ እዩ ልቡ ኣዘንቢልዎ? እቲ መልሲ በዓሉ ገሊጽዎ ኣለ ንሱ ኸኣ ዓለማዊ ነገር ማሪኽዎ ማለት እቶም ምስ ሓጥያት ሓቢሮም ዝኸዱ ሰባት በቲ ዓለማውን ስጋውን ነገር ተሓጊሶምን ባህ ኢልዎምን ክኸዱ ርእዩ ምስቲ ንሱ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ጽድቂ ጎደና ኸኣ ኣውዳዲርዎ፣ ተሓሰብ ኸኣ ናቶም ዝበልጽ ኮይኑ ተሰሚዕዎ በዚ ኸኣ ልቡ ጉዩን ሓዚኑን፣ ነቲ ናታቶም ናብራ ኸ ኣዚዩ ተመኒዎን ብሂግዎን፣

እስከ ናብ ገዛ እርእስና ንመለስ ክንደይ ሳዕ ኢና እንነብሮ ናይ ጽድቂ ጎደና መስዋእቲ ምስ ሓተተናን ዋጋ ምስ ኣኸፈልናን በዚ ተሓሊልና ነቲ ዓለማዊ ነገር ዝናፈቕናን ዝበሃግናን? ርግጽ እዩ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ማእለያ ዘይብሉ መከራን ብድሆን እዩ ዘሎና ክሳብ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝመጽእ ካብዚ ነጻ ኣይኮናን፣ ይኹን እምበር ሓደ ክንፈልቶ ዘሎና ሓቂ ግና ኣሎ ንሕና ኣብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንነብር ሰባት ንዘልኣለም ክነብር ከሎና እዚ ሎም ንርእዮ ዘሎና ዓለማዊ ነገር ግና ከምዘይ ነበረ ክኸውን እዩ፣ ስለዚ እንኸፍሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ካብ ናብ ዓለም ገጽን ንከይድን ምርጫና ኣብኡ ንገብርን ልብና ኸኣ በዚ ምድራዊ ነገር ተሓቢሉ ካብ ዝቐንእ ኣብቲ ሒዝናዮ ዘሎና መስመር ደኣ ቐጥ ንበል፣ ንኹሉ መኸተምት ኣለዎ፣

ኣሳፍ በቲ ዓለማዊ ነግር ክቐንኡ ዝገበሮ ምኽንያት እንታይ ምኻኑ ኣብ ጥቕሲ 16-17 ጠቒስዎ ኣሎ “ነዚ ከስተውዕል ምስ ሓሰብኩ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝኣቱ መወዳእተኦም ክሳዕ ዘስተብህልሲ ኣዚዩ ይሽግረኒ ነበረ”  እቲ ምኽንያት እምበኣር ኣብዚ ተነጺሩ ኣሎ እሱ ኸኣ ኣሳፍ ካብ መቐደስ ኣምላኽ ስለ ዝወጸ እዩ፣ ንሕና እውን ካብ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ እንወጸሉ ሰዓትይን መዓልትን ዓለም ኣብ ልብና ኣትያ ከምቲ ንዴማስ ሓባቢላ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝፈለየቶ ክትከፍለና ናይግድን እዩ፣ ነዚ እዩ ጠቢብ ሰለሙን ህይወት ካብኡ እያ ትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኩሉ ንልብኻ ሓልዎ ዝበለ፣ ዝለዚ ሎሚ እንተ ደኺምና ድዩ በርቲዕና ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣይነቃርጽ፣ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳብ ዘይኣተና ግዜ ግና ወትሩ ንዓለማዊ ነገር እናናፍቕና ምንባርና ዘይተርፍ እዩ መወዳእታና ኸኣ ጥፍኣት ኮይኮነ ኣይተርፍን እዩ፣

ዴማስ ኣብ ተስሎንቂ ብዓለማዊ ትምኒት ተሳሒቡ ክተርፍ ዝኸኣለ ሹዑ ሽዑ ዝተፈጸመ ነገር ኣይነብረን እንታይ ደኣ ቀስ ብቐስ ኣብ ልቡ ዝተፍጸመ ጉዳይ ይመስለኒ፣ እንሓንሳብ ስጋኻ ኣብ ቤት ኣምላኽ ክነሱ ልብኻ ግናቀስ ብቐስ ብዓለማዊ ነገር ይምላእ ቀስ ብቐስ ከኣ ካብ መቐደስ ኣምላኽ ንወጽእ፣ ነዚ ኸኣ እዩ ወትሩ ልብና ክንፍትሽ ዝግብኣና፣ ክልተ ልቢ ሒዝካ ምንባርን ምጉዓዝን ኣይከኣልን እዩ፣ ነዚ ከምዚ ኦኣይነት ልቢ እውን ኣምላኽ ኣይፈትዎን እዩ፣ እዚ ከምዚ ልቢ ኸኣ እዩ ወትሩ ኣኣብ ዓለምን ብዓለማውን ነገርን ዝጠላለፍ፣ ኩሉ ሳዕ ካብ መንፈስ ኣምላኽ እናወጻና ክንከይድ ከሎና ብኡ መጠን ከኣ በቲ ሕጂ ዘሎ ዓለማዊ ተጸሊና ንድሕሪት ምምላስና ዘይተርፍ እዩ፣

ኣሳፍ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ምስ ኣተወ እዩ ኣብ መንጎ ኣቲ ሰማያውን ዓለማውን ዘሎ ክብሪ ከስተውዕል ዝጀመረ ነዚ ምስ ረኣየ ኸኣ ከምዚ ክብል ዝዘምረ “ኣብ ሰማይ ንዓኻ ኻብ ረኸብኩ ኣብዛ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” ክብል ዘሚሩ፣ እዚ መዝሙር እቶም ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰባት ኣዩ፣ ኩብራት ኣሕዋተይ ሎሚ ካበይ ጀሚርኩም ኣብ ልብና ገለ መሪር ሱር በቒሉ ከይህሉ እሞ ንዓንን ንኣሕዋትናን ከየጭንቕ ንኣምላክ ከምቲ ዳዊ ዝበሎ መርምረኒ ውሽጠይ እውን ፍለጥ መገዲ ዓመጻ ተለኒ እውን ኣንጻሃኒ ንበሎ፣
ያቆብ ኣብ መልእኽቱ ብዛዕባ እዚ ንዴማስ ዘውደቖ ዓለማዊ ነግር ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብለና “ኣትን ዘመውቲ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምኻኑ ዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን እምበኣር ፈታዊ ዓለም ምዃን ዝደሊ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዝኸውን” ያቆ 4።4፣ ሎሚ ኣብ ውሽጥና ብገለ ነግር ፍቕሪ ዕለም ኣትዩ ከይከውን ንፍራህን ንጠንቀቐን፣

ሓቂ እዩ እንሓንስሳብ ካብ ብዝሒ መከራና ስቓይናን ዝተላዕለ ናብ ዓለም ገጽና ክንከይድ ኣንውስነሉ ሰዓት ኣሎ እዩ ግናኸ እዚ እውን ናብ ጥፍኣት ገጹ ከምዘምርሓና ኣይንስሓት ደኣ፣ ነትን ስለ ክርስቶስ ክንብል ዝተዓገስናየን ምዓልታት ደኣ ንዘክር ነዚ እዩ መስለኒ ጸሓፊ ናይ እብራውያን ከምዚ ኽብል ዝተላበዎና “ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዓጊስኩም ብርሃን እተቐበልኩለን ቀዳሞት መዓልታት ዘክርወን…. ጻድቅ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር ንድሕሪት እንተ ተምልሰ ድማ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዝኣምኑ እምበር ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኮናን” እብ 10።32-29፣

ኩቡራት መንእሰያት ካብ ንግዜኡ በዚ ዓለማዊ ነገር ባህ ዝብለናስ ምስ ክርስቶስ ደኣ መከራ ምጽጋብ ዶ ኣይሕሸናን? እሱ ይበልጽ ከኣ፣ እዚ ዓለምዊ ዘብለጭልጭ ሃውህው እኮ ሓንቲ መዓልቲ ምሕላፉ ኣይተርፉን፣ ታሪኹና ታርIክ ጳውሎስ እምበር ታሪኽ ዴማስ ከይከውን ንጠንቐቐን ንጸልን ድኣ፣ ታሪኽ ሃውርያ ጳውሎስ ከምዚ እዩ “ሰናይ ገዲሊ ተጋዲለ እቲ ግያ ወዲኣ ነታ እምነት ሓልየ” 2ጢሜ 4።7 ታሪኽ ዴማስ ከኣ “ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዎ እዩ እሞ ሓድጉኒ  ናብ ተስሎንቄውን ከደ” 2ጢም 4።10፣

ፍቑራት መንእሰያት ነዘን ተሪፈናና ዘለዋ ሓጸርቲ ዓመታት ብዓለምውን ስጋውን ነግር ከይተጠላለፍና የዒንትና ንብቲ ጀማርን ደምዳምን እምነትና እናቃመትና እነትና ብዝግባእ ሓሊና ነቲ ተዳሊልና ዘሎ ኣክሊል ክብሪ ክንወርስን ክንዓጽድን እሙናት ደቀቦይ ተባሂልና ኸኣ ኣብ ንይ ዘላኣለም ኦረፍትና ክናኣቱ ሎሚ ንዓለማዊ ትምኒትን ባህግታቱን ኘው ንበሎ፣

ካብ ዓለምዊ ነገር ንፈለ ማለትን ካብዛ ዓለም ንውጻእ ውየ ከኣ ኣኣይንሓዝ ኣይንተኪ ማለትና ኣይኮነን እንታይ ደኣኣ ካብቲ ርኽስታን ክፍኣታን ንፈል ማለት እዩ፣ ንሕና ንዓለም ክንጸሉ እምበር ብዓለማዊ ኣካይዳ ኣዛ ዓለም እዚኣ ክንጽሎ ኣይግብኣናን፣ ምናልባት ከም ዴማስ ብዓለማዊ ነገር ተሓቢልናን ፈቲናን ድሕሪት ዝተምለስና ሰባት እንተሎና ኮይና ሕጂ እውን ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ዕድል ኣሎና እዩ፣

ቀደም ብተውፋይነት ነገልግል ዝነበርና ምስ ኣምላኽ እውን ጥቡቕ ርክብ ዝነበረና እንተ ኾነ ሎሚ ብሰንኪ ገለገ ዓለማዊ ፍትወታት ብምፍታውና ኣብ ከቢድ መነሳዊ ቅልውላው ዘሎናን ናይ ቀደም እናዘከርና ከኣ ነስቆርቁር ዘሎና ኣመንቲ ሕጂ እውን ሓለፋ እቲ ቐደም ዝነበረ ኣምላኽ ክልውጠና ይኽእል እዩ ስለዚ ተስፋ ከይቆረጽና ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ንመለስ፣ እቲ ነምልኾ ኣምላኽ ኣምላኽ ካላኣይ ዕድልን ናይ ምሕዳስ ጎይታን እዩ፣ ንድኹም ሓይሊ ንስኑፍ ከኣ ብርተዐ ዝህብ ኣምላኽ ዶ ኣይኮነን? ጥራይ ወሲን ናብ ኣምላኽ ንመለስ፣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ሱር ሰዲዱ ዘሳቕየና ዘሎ ዓለማዊ ነገር ከኣ ክቖርጸልና ንሕተቶ፣
ሃውርያ ያቆብ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ሓደ ካባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና ነቲ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ይለምኖ ክወሃቦውን እዩ” እዛ ጥበብ እዚ ሰማያዊት ጥበብ እያ፣ እዛ ጥበብ እዝኣ ዝጎደለቶ ኣማኒ ኸኣ ድሮ ዓለማዊ ነገር ጸልይዎ ኣለ ማልት እዩ ከመይ ተበልና ኣንጻር እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊ ጥበብ እያ ነዚኣተን ፈላልዩ ኣብ ምዕራፍ ሰለት ገሊጽዎን ኣሎ፣ ስለዚ ነዛ ጥበብ እዚኣኣ ምልማን ማለት ኣብ ውሽጥካ ፍርሓት ኣምላኽ ነጊሱ ዓለማዊ ነግር ክርሕቐልካ ምልማን ምለት ኣዩ እሞ ጥበብ ኣምላኽ ውሽጥና ክመላኦ ንጸሊ እዚ ምስ መለኣ ኸኣ እቲ ዓለማዊ ነግር ክሃድም እዩ፣

ኩቡራት ኣንበብቲ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ልብና ንኣምላኽ ንሃቦ ኣምላኽ ኩለ መናን ክገዝኦ ንሕቶ ንዓለማዊ ነገር ከኣ ኘው ንበሎ፣ በሉ በዛ ጥቕሲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ክሳነበተኩም “ምድሓን ካብቲ ዝኣመናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዚዩ ናባን ቐሪቡ ኣሎ እሞ ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበርሉ ግዜ ኸም ዝበጺሔ ነዛ ዘምን እዚኣ ፍለጥዋ፣ ለይቲ ሓሊፉ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ ግብሪ ጸልማት ካባን ደርቢናስ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ፣ ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ ብጓይላን መስተን ኣይኮነን ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኮነን ብባእስን ቅንኣትን ኣይኮነን፣ ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ድኣ ልበስዎ እምበር ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዐል ትምኒት ኣይትግበርዎ፣” ሮሜ 13።11-14፣