25
Thu, Apr
0 New Articles

ምስ መን ንመላለስ?

Message 3
Typography

ወዲ ሰብ መልክዕ ኣምላኽን ክብርን ዘለዎ ብዘሎ ስልጣን ከኣ ኣብ ኢዱ ዝተዋህቦ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው ግብሪ ኣምላኽ ዝተሸመ ድላይ ልቡ ንምግባር ከኣ ፍቓድ ዝተዋህቦ ካብ ኣምላኽ ከኣ ምብጃው ዝረኸበ ኣዝዩ ቡሉጹ ፍጥረት እዩ። ካብ ምግራም ዝተላዕለ ኸኣ እዩ እቲ ንስኻ እትዝክሮን እትሓስቦን ወዲ ሰብሲ ከመይ ዝበለ ኰን እዩ ብምባል ብዛዕብኡ ዝተጻሕፈ። ታሪኽ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ክብሪ ዘለዎ ሰብ እምብዛ መቂሩን ወቂቡን ንምንባር ከኣ ካብቲ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ነገር ተገይርሉ።

ወዲ ሰብ እዚ ፉጡር ኣምላኽ ዘይተቐበሎን ካብ ፈጣሪ ኸኣ ዘይተዋህቦን ምንም ነገር የልቦን። ኣብ ልዕሊ ኹሉ ክገዝእን ሓለፋ ኹሉ ኸኣ ጸብለል ኢሉ ክመልኽ ዕድል ተዋሂብዎ። ኣምላኽ እቲ መዘና ኣልቦ ብዛዕባ እዚ ፉጡር ዘለዎ ግዲ እምብዛ ዓቢ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ምንም እኳ እዚ ሰብ ምስኡ ከይከውን ድሌት ልቢ ፈጣሪኡ ከይገብር እንተ ሓንገደ ንሱ ግና ብፉጹም ኣይሓደጎን።

ሰብ እዚ ፉጡር ወዲ ኣዳም ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ መስለ ዕሽሽ እኳ እንተበሎ ኣምላኽ ግና ብምሕረቱ ይጸባበዮ እምበር ሸለል ኣይበሎን። ኣምላኽ እዚ ፈቃር ብምሕረት ምሉኡ ንኹራ ደንጓይ ዝኸነ ኣምላኽ ካብ ሰብ ዝደልዮ ነገር ኣሎ እዩ። እቲ ንሱ ዝደልዮ ክግበር ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ክገብሮ መታን ካብ ኣምላኽ ጸጋ ይወሃቦ እዩ። ሎሚ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታት ዓመታትና ንዕኡ ቦታ ክንህቦ ይደልየና ኣሎ። ኣብዘን ኣብዛ ምድሪ ንንበርን ዓመታት ወርሓትን መዓልታትን ሰዓታትን ዋላ እኳ ኣብተን ካሊኣኢታት ኣብ ህይወትና ስፍራ ይደሊ ነዚ ክሳብ ክንደይ ኰን ፍቓደኛታት ንኸውን?

ባህጊ ኣምላኽ ኩሉሳዕ ኣብ ኩሉ እዋን ኣብ ሰብ ማሕደርን መንበርን ክረክብ እዩ። ክንዮ እዚ ኣምላኽ ካልእ ባህጊ የብሉን። ነዚ ኸኣ እዩ እቲ ፈቃር መድሓኒ ኣብ ቃሉ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ብምባል ዝተዛረብ “የሱስ ከኣ፣ ዜፍቅረኒ እንተሎ ቃለይ ይሕሉ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ ናብእውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና” ወንጌል ዮው 14፣23 እወ ማህደር ኣምላኽ ሰብ እዩ። ነዚ ሰብ እዚ ማሕደር በይኑ ክገብሮ ኸኣ ኣብ መስቀል ዝሞተ። መድሓኒ ቤት ልቢ ስብ ክወርስ ወትሩ ኣብ ኣፍ ደገ ምስ ኣንካሕከሓ እዩ። ሎሚ ኣብ ኩሉ ህይወትካ መንበሪኻ ክኸውን ፍቓደኛ ዲኻ?

ሓደ ግዜ ይብሃል ሓደ ህብታም መንእሰይ ጐበዝ ነበረ። ነዚ ሰብ እዚ ሰይጣን እምብዛ ኣጨነቖ ለይተ ለይቲ ኸኣ ብፍርሕን ብስቓይን የሕልፎ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሉ ሓሰብ፣ ኣነ ኩሉ ኣሎኒ ዝጐድለኒ ኸኣ የብለይን ግና እዚ ጭንቂ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን ስለዚ ብዘይመድሓኒ ምንም ትርጉም የብለይን እሞ እስከ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተይ ክጽውዖ እሞ ተወሓደስ ሓንቲ ክፍሊ ክህቦ ብድሕር እዚ ይሕልወንን ይባርኽንን ክብል ሓሰበ። የሱስ ከኣ ምስ እዚ ጐበዝ ተሰማመዐ ናብ ቤቱ ኸኣ መጽኡ ካብቲ ብዙሕ ክፍሉ ኣብ ሓንቲ ቤት ተቐመጠ። ወይ ሰብኣይ ግና ካብቲ ዝመጾ ዝነበረ ናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ ኣየዕረፈን ወዮ ጐበዝ እምብዛ ተገረመ እዚ ኩሉ ክሕልውኒ ኢለ ንየሱስ ጸዊዔዮ ምንም ዝተገብረ ነገር የሎን። ንየሱስ ከኣ ስለምንታይ ግና ዘይሓለኻኒ በሎ። የሱስ ከኣ ወደይ ሰይጣን ኣባታ ኣነ ዝነበርክዋ ክፍሊ ኣይመጸን ኣባተን ዘይሃብካኒ ክፍልታት መጺኡ ግና ኣጥቂዕካ ሕጂ ኸኣ ኣብ ኩሉ ሽመንኒ እሞ እቲ ሓለዋይ ክትርእዮ ኢኻ በሎ። ወዮ ጐበዝ ከምተባህሎ ገበረ ድሕር እዚ ስይጣን ስፍራ ንየሱስ ሓዲግሉ ተዕዘረ። እዚ ምስላዊ ኣዘራርባ ዘስተምህረና ነገር እንተ ሃልዩ ክሳብ እታ ደቃቕ እትብሃል ናይ ህይወትና ነገር ንመድሓኒ ንምሃብ ክንውስን ከምዘሎና እዩ።

ኣብ ህይወትን ክሳብ ክንደይ ኮን ኢና ንኣምላኽ እንቋጽሮ ዘሎና? ክሳብ ክንደይ ክፋል ናይ ህይወትና እዩ ንሱ ገዚኡና ዘሎ? ዓመታት ዕለታትና ብኸመይ እየን ዝፍለጣ? ኣብ ዝሓልፈ ኣብ ማዕከናት ዜና ሓደ ነገር ኣንቢበ ሓንቲ ጓል 106 ዓመት ኣደ እያ ኣብቲ ኣብ ኣሜርካ ዝገበር ዝነበረ ምርጫ ዝተሳተፈት እያ። ብዛዕባ ዝሓለፈቶ ታሪክ ኩሉ ትዛረብ ኔር ኣብ ዕላላ ኩሉ ግና ሓንቲ ቓል ፈጺማ ኣይነበረትን ኣምላኽ ትብል ቃል። እዘን ዝሓለፈተን 106 ዓመታት ብዘይ ኣምላኽ ክሳራ ዶ ኣይኮነን? ሎሚ እዘን ንሓለፈን ዘሎና ዓመታት ኣምላኽ እንተ ዘይተሓዊስዎን ክሳራ እየን። ምጉያይን ምውጽና ምእታውና ምብላዕና ምስታይና ኰታ ከምተራ መዓልታት ዓመታትና ይሓልፋ እንተ ኣለዎ ኣብቲ መዛግብቲ ኣምላኽ ዳሕራይ ግደ ስለ ዘይህልወና መወዳእትኡ ጣዕሳ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ዝተጻሕፈ ኣሎ እሞ እስከ ሓቢርና ክንርኢ። ብዛዕባ ክልተ ሰባት ግና ዝሓለፍዎ ዓመታት በብይኑ ገጻት ዘለዎ ክንርኢ ኢና። ኣቦን ወድን እዮም እቲ ሓደ ሄኖክ እቲ ዉሉዱ ኸኣ ማትሱላ። ማትሱላ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝነወሐ ዓመታት ዝገበረ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ እዩ። ን969 ዓምታት እዩ ብህይወት ኔሩ። ኣብኡ ሄኖክ ከኣ ሓደ ርብዒ ናይ ወዱ ዩ ብህይወት ዝነበረ። ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ሰባት ዝተራእየ ፍልልይ ግና ኔሩ እሱ ኸኣ እቲ ሓደ ንኣምላኽ ዘቋጸረ ታሪኽ ክህልዎ ከሎ እቲ ሓደ ግና ምንም ንኣምላኽ ዝገልጽ ታሪኽ ዘይነበሮ እዩ።

እቲ ቓል ብዛዕባ ሄኖክ ክዛረብ ከሎ “ሄኖክ ንማትሱላ ምስ ወለደ ኸኣ ድሕርኢ ሰለስተ ሚእት ዓመት ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኩሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስስን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን” ዘገርም ታሪኽ። ሄኖክ እተን ዝነበርኦ ዓመታት ኩለን ንኣምላኽን ንኽብሩን ተጠቂሙለን ንኣምላኽ ከኣ ኣስሚሩ ሓሊፉ ዓስቢ እዚ ኸኣ ብሉጽ ክብሪ ዓጺዱ። ወሲኹ እቲ ጹሑፍ ብዛዕብኡ ክዛረብ ከሎ “ሄኖክ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ ብእምነት ገዐዘ። ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ ተመስኪርሉ ነበረ እሞ ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ ኣይተረኽበን” እብ 11፣5

ሄኖክ እተን ዓመታቱ ምስ ኣምላኽ ሓቢሩ ከም ዝጓዓዛ ክገብር ከሎ ነቶም ንዓመታቶም ብኸንቱ ብዘይ ኣምላኽ ዘሕልፍዎን ዝነበሩ ሰባት ከኣ ብዘይ ማዕዳን መጠንቀቕታን ኣይሓደጎምን። ሄኖክ ናይ ኣምላኽ ባርያ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ መኸሰብ እምበር ክሳራ ከም ዘይኰነ ኣንዳዕዲዑ ፈሊጡስ ነቶም ክሳራ ኰይኑ ዝስምዖም ምርኡያትን ፈሪሓ ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባትን ይገንሖም ከም ዝነበረ ቃል ኣምላኽ ይነግረና “ሄኖክ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣድም ነዚኣቶም እንሆ ጐይታ ንኹላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቁዱሳቱ መጺኡ ኣሎ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኩላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ኹሉ እከይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ኹሉ ዘረባ ድርቅና ኪቐጽዖም እዩ ኢሉ ተነበየሎም” ዩሁዳ 1፣14-15።

እወ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብቶም ብዘይ ኣምላክ ዝመላለሱ ንዓመታት ዕለታቶም ከኣ ብኸንቱ ዘሕልፉ ከም ዝዀና ርግጽ እዩ። ሎሚ እዝ ሓቒ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ይረጋገጽ ኣሎ። ሄኖክ ግና ዓመታቱ ኩለን ኣምላኽ ዘለዎን ኢድ ኣምላኽ ዝተሓወሰን ክኸውን ደልዩ ቀቢጹ ኸኣ ንዕኡ ንኣምላኽ ሲዒቡ። ኣምላኽ ከኣ ናብ ክብሪ ቡሉጽ ቦታ ኣስጊርዎ። ሄኖክ ዝነብረሉ ዝነበረ ዘመን ኣዚዩ ርኽሰት ዝበዝሖ ደቂ ሰባት ብኽፋትን ብሓጥእያትን ዝተቸማለቑሉ ሰዓት እዩ እሱ ግና ምስ ኣምላኽ ጥራይ ክመላለስ ወሲኑ። እዋና ካብቲ ሄኖክ ዝነበረሉ ዘመን ብሚኢቲ ዕጽፊ ዝገደደ እዩ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እቲ ዘዋጽእን ዝበለጸ ናይ ሕይወት መፍትሕ እዩ።

እስከ ኣንጻር ናይዚ ህይወት ናይ ወዲ ሄኖክ ማትስላ ንርኣዮ 969 ዓመት እዩ ብህይወት ዝነበረ። ሰለስተ ዕጽፊ ናይ ወላዲኡ ማለት እኰ እዩ ግና ብዛዕቡ ዝተጻሕፈ ከም ናይ ካልኦት ተራ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ ሞተ ዘሕዝን ዘመን ፍጻሜ ህይወቱ ብዘይታሪኽ ተሪፉ። ናይ መብዛሕቱ ታሪኽ ሰብ ብዚ ኸምዚ እዩ ዝውዳእ። ኣምላኽ ከምዚ ዝዓይነቱ መወዳእታ ከይ ህልወና ንደሊ ዶ ንኣምላኽ ንስዓብ። ኣብ ዓለም ሰብ ዝና ሽም ኰይና ንብዙሓት ረቢሕና ስምና ተፈሊጡ ምስ ኣምላኽ ከይተመላለስና እንተ ሓለፍና ብሰብ እምበር ብኣምላኽ ንፍዓት ስለ ዘይብለናስ እንታይ ኰን ክዓብስ እዩ? ጎአይታ እውን ነዚ ፈሊጡ እዩ ሰብ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ ገዛእ ርእሱ እንተ ኣጥፈኣ እንታይ ይዓብስ ዝበለ።

ኣገለ እገለ ብክንድዚ ዓመተ ምህረት ተወሊዱ ብኽንድዚ ዓመተ ምህረት ከኣ ኣብዚ ቦታ ሞይቱ ተባሂሉና ዲና ክንሓልፍ እንደሊ ወይ ኣምላኽን መንፈሳዊ ነገርን ናፍቖት ልብና ዀይኑ ኣብዛ ምድሪ ረቢሕና ዳሓር ከኣ እብቲ ሰማያዊ መንግስቲ ኣኽሊል ዓወት ክንጋናጸፍ? ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣብ ታሪኽ ዓውዲ ክርስትያናዊ እምነት ከም ናይ እምነት ሓርበኛ ዝፍለጥ ሰብ ምምልላሱ ምስ ኣምላኽ ዝገበረ ኣብቲ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ ብኸምዚ ዝዓይነቱ ናይ ዓወት ቃል ንጉዕዞ ህይወቱ ማለት “ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣለኹ እታ መዓልቲ ምስንባተይ እውን በጺሓ እያ እሞ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ እቲ ግያ ወዲኤ ነታ እምነት ሓልየ። ደጊምሲ ጐይታይ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣክሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ኹላቶም ድማ እዩ እምበር ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን” 2ጢሞ 4፣6-8 ብምባል ደምዲምዎ። እዚ እዩ ዓወት ክብሪን መጻእን።

ሎሚ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ምርኡያት ኰይኖም ክመላለኡ እምበር ሓቢሮም ምስ ኣምላኽ ክጓዓዙ ኣይደልዩን እዩም ዓስቢ እዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ፍዳ ጥፍኣት ይኸውን። ኣብ ኣሰር ኣምላኽ ጸኒዕካ ምምልላስ ዘመኑ ዝሓለፎ ናይ ዓያሱ ዘይኮነስ ናይ ለባማት እዩ፣ እቶም ኣብ ሓስብ ልቦም ጸኒዖም መንገዶም መሪጾም ካብ መንገዲ ኣምላኽ ወጻኢ ንምምልላስ ዝወሰኑ ሰባት ልክዕ ከምቶም ቤቶም ኣብ ዑጻ ዝሰረቱ እሞ ኸኣ መሰረት ዘይብሎም ከምኡ እዮም ሱሮም ከኣ ክሳብ ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ እምበር ካብኡ ሓሊፉ ዘማዕድዎ መጻእን ራእን የብሎምን። ኣምላኽ ካብዚ ከምዚ ምምልላስ ናይዛ ምድሪ ይሰውረና። ጐይታ ግና ነቶም ኩሉሳዕ መገዱ መሪጾም ምሉእ ዕድሜኦም ኩሉ ክመላለሱ ዝደልዩ ኣብ ሰማይ ዝኸውን ናይ ዘልኣለም ማህደር የዳልወሎም ኣሎ።

ቡዙሕ ግዜ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ዘኽፍለካ መስዋእትነት ኣሎ። ቓሉ እውን ተዀነ ደድሕረይ ክስዕብ ዝደሊ መስቀሉ የልዕሉ ርእሱ ይቕበጽ ይሰዓበኒ ኸኣ ይብል ነዚ ክገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ጸጋ ኣምላኽ ስለ ዝበዝሓሎም ይኽእልዎ እዮም። ዳሓር ከኣ መድሓኒና ጐይታና የሱሱ ክርስቶስ ክልተ ክንመላለሰለን ዝግብኣና መንገድታት ከም ዘለዎ ነጊሩና ኣሎ። እታ ሓንቲ ናብ ጥፍኣት ትወስድ ገፋሕ መንገዲ እታ ሓንቲ ኸኣ ናብ ህይወት ዘልኣለም እትመላለስ ጸባብ መንገዲ። እዚ ዘርኣየና ሰብ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ምስ ዝደለዮ ኣካልን መንገድን ክመላለስ እዩ። እቶም በታ ገፋሕ መንገዲ ዝመላለሰኡ ሰባት ከም ማትሶላ ዓመታት ኣቑጺሩ ጥራይ ብዝይ ታሪክ ዝሓለፈ ከምኡ ኸይኖም ስሞም ኣብ መዘከርታ ህይወት ከይተጽሕፈ ይተርፉ እቶም በታ ጸባብ መንገዲ ህይወት ንኽመላለሱ ኩሉ ዝቐበጹ ኸኣ ከም እኒ ሄኖክ ብኽብሪ ብኣምላኽ ተዘኪሮም ኣብ ናይ ዘልኣለም ማሕደር ህይወት ይኣትዉ። ሎሚ ምስ መን ክትመላለስን ዓመታት ህይወትካ ብኸመይ ክሓልፋ ትብህግን ትደልን?

እብዛ ትርፊ ዘይብላ ዓለም ትርፊ ገዲፍና ንዘልኣለም ዝተርፍ ዓስቢ ረኺብና ክንሓልፍ ምስ ኣምላኽ ጡቡቕ ዝኸነ ምሕዝነት ንመስርት ኣብ መጽሓፍ እዮብ ከምዚ ዝብል ቃል ተጻሒፉልና ኣሎ “እምብኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር በዚ ጹቡቕ ክትረክብ ኢኻ። ካብ ኣፉ ደኣ ሕጊ ተቐበል ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቖሮ ናብቲ ኹሉ ዝክእል እንተ ተመሊስካ ንዓመጻ ካብ ዱካንካ እንተ ኣርሓቕካዮ ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ” እዮብ 22፣21-23። ስለዚ ምስ ኣምላኽ ተፋቒርካ ምስኡ ምምልላስ ታሪኽ ሰማይን ምድርን ሒዝካ ኢኻ እትተርፍ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ እንተ ኰይኑ ምምልላስካ ግና ዳጋምያ ኣብቲ ሰማያዊ መንግስቲ ከይተሰራሕካ ናይ ዓለምን ምድሩን ዛንታ ጥራይ ኣብ መቓብርካ ተጻሒፉ ብኸንቱ ንዘልኣለም ምጥፍኣ ይከውን። እምብኣር ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ወስን።