04
Sat, May
0 New Articles

ዝወደቐስ ኣይትንስእን ዶ?

Message 3
Typography

ኣብዛ ብዝሑ መግደራን ፈተናን ዘለዋ ዓለም ብዝተፈላለየ ጎድና ህይወት ክትሓልፍ ግድነት እዩ። ብፍላይ እዚ ዘለናዮ ዘመን ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ኣዚዩ ሑሱምን ተስፋ ዘቑርጽን ሰዓት እዩ። ብዙሓት ኸኣ በዚ ሕልኽላክ ዓለም ተጠላሊፎምን ተስፋ ቖሪጾምን ኣብ ዲቕ ዝበለ ናይ ጸልማት ጎደና ዘለዉ ሒደት ኣይኮነን። ኣብዛ ዓለም ዘሎ ሞራላዊ መንፈሳዊ ኢኮንዮማዊ ስጋዊ ቓልሲ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ነዚ ነገር ተቓሊስካ ክትስዕሮ ኸኣ ሓደ ፉሉይ ዝኾነ ሓይሊ የድልየካ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ከኣ ካብ ሰብኣውን ነገራውን ሓይሊ ፍልይ ዝብለ ሓይሊ እዩ። ብርግጽ እው ፍልይ ዝበል ጸብለል ዝበለ ሓይሊ ኣምላኽን ጸጋ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ሰብ ከኣ ኣብዚ ተደጊፉ ጥራይ እዩ ንመግደራ ዓለምን ንመፈጥር ሰይጣንን ንፍትወት ስጋን ክስዕር ዝኽእል። ኣምላኽ ነቶም ወትሩ ናብኡ ክቐርቡ ንዝደለዩ ሰባት ጸግኡ ክህቦም ሓይሉ ከዕጥቖም ወትሩ ድልዊ እዩ። ንሱ ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ እዩ ዝርኢ።

 ኣምላኽ ነቲ ዱኹም ወትሩ እዩ ዝጥቀመሉ። “ንዱኹም ሓይሊ ይህብ ንሱኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ” ኢሰ 40፡29 ኣምላኽ ሰባት ናብ ሓደ ዓቢ ነገር ክጽውዕ ከሎ ኣብ ተመክርኦም ወይ ከኣ ኣብ መንነትም ተምኪሩ ኣይኮነን ዝጽውዖም። ብዘየገድስ ንፉዕ ዲኻ ሕማቕ ሰነፍ ዲኻ ጎበዝ ሃብታም ዲኻ ድኻ እዚ ሮቓሒታት እዚ ንኣምላኽ ንኸይጥቀመልካ ምንም ኣይዓግቶን እዩ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ትምክሕትና ኩሉ ከጥፍእ ነቲ ዘለና ወይ የጥፍኦ ወይ ከኣ ከም ብሓድሽ ሰሪሑ ንኽብሩ ይጥቀመሉ።

 መጽሓፍ ቁዱስ ክዛረብ ከሎ “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ ዚብል ጹሑፍ እዩ” 1ቆር 1፡18-19 ሃዋርያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ፡ ኣሕዋተይ ኣብቲ ጹዉዓኹም እማ ተመልከቱ ቡዙሓት ብስጋ ለባማት ቡዙሓት ስልጡናት ቡዙሓት ጭዋታት ኣይተጸዉዑን። ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚ ሓረየ። ነቶም ብርቱዓት መታን ከሕፍር ከኣ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚእ ሓረየ” 1ቆሮ 1፡25-29 ። ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ እዩ ዝምህረና ዘሎ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ንማንም ሰብ ክጽውዕን ክጥቀመን ከም ዝኽእል። ድኻምና ብዘየገድስ ውድቀትና ብዘየገድስ ኣምላኽ ግና ሓይሉን ጥበቡን ብኣና ጌሩ ክገልጽ ይኽእል እዩ። ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ድኻምና እዩ ዝግለጽ፣ ዳዊት ክዛረብ ከሎ እውን ኣብ መዝሙሩ ከምዚ ይብል “ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ሕነን ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቆልዑን ዚጠቡውን ሓይሊ ኣዳሎኻ” ይብል ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ንጸላእቲ ከሕፍር ኢል ነቲ ዱኹም ነቲ ምናምን እዩ ዝመርጽ፣

 ቡዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያ ፍልይ ዝበለ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ዝደልዮም ሰባት እቶም ኣዚዮም ጸብለል ጽበሉ ምሩእያትን ብርቱዓትን እዩ ዝመስለና እንተ ኾነ ግና ብኣንጻሩ እዩ። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ፉጡር ወዲ ኣዳም ይደልዮን ይብህጎን እዩ። ንሱ ልብና እምበር ዝገበርናዮ ሓጥያት ዝጸባጽብን ዝሓለፍናዮን ዝሎናን ድኻም ዝጸባጸብ ኣምላኽ ኣይኮነን፣ ንሕና ድኻምና እናረኣና ንገዛእ ርእስና ክንኩንን ከሎና ኣምላኽ ግና ሓይሉ ኣናረኣየ ናብኡ ክንምለስን ምስኡ ክንከውንን እዩ ዝጽበየና ዘሎ፣ ስለዚ ካብ ድኻምና ሓይሊ ኣምላኽ ካብ ውድቀትና ምትሳእ እምላኽ ይብርትዕ።

 ኣብ መጽሓፍ ቁዱድስ እቶም ኣምላኽ ዝተጠቕመሎም ሰባት ክንርኢ ከሎና ኣዚና ኢና ንግረም። ንኣብነት ጳውሎስ እንተሪኢናዮ ኣምላኽ ወንጌል ከብጽሕ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ። ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣዚዩ ፉሉጡ መመህር ናይ እስራኤልን ፈርሳውያንን ኣብ ትሕቲ ገማሊኤል እዩ ተማሂሩ። ጳውሎስ ኣዚዩ ፉልይ ፍልጠት ዝነበሮ ሰብ ጥራት ዘይኮነ ንብዘሎ ናይ ቡሉይ ኪዳን ሕጊ ብኣእምርኡ ዝሽምድዶ ሰብ እዩ ኔሩ። ኽታ ጳውሎስ ኣዚዩ ዕውት ዝኾነ ስምን ዝናን እዩ ኔሩዎ። ብተሓሳስባ ሰብ ከም ጳውሎስ ዝብለ ሰብ ንኣይሁድ እቲ ቐንዲ ወንጌል ከብጽሕ ዝግብኦ ሰብ ምኻኑ ዘጠራጥር የብሉን። እንተ ኾነ ኣምላኽ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ ሊእክዎ። እዚ እንታይ እዩ ዘርኣየና ኣምላኽ ናቱ መንገድን ኣተሓሳስባን እምበር ናትና ፍልጠትን ኣካይዳን ወይ ትሕዝቶ ነቲ ናቱ ዓላማ ኣይድርቶን እዩ።

 ጳውሎስ መሳደዲ ጸረ ክርስትያናት ዝነበረ ሰብ ኣምላኽ ግና ልዊጡ ንክብሩ ተጠቂሙሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ከኣ ኣምላኽ ንዓቢ ነገር ተጠቂሙሉ እንሆ ንዓና በቲ ካብ ሰማይ ዝረኸቦ ምግላጽን ተመክሮ ክሳብ ሕጂ የገልግለና ኣሎ።

 ምናልባት ሎሚ ንስኻ ታሪኽካ ኩሉ ከምናይ ጳውሎስ ካብ ቅንኢ ሃይማኖት ተላዕልካ ነቶም ኣምላኽ ዝላኣኾም ሰባት ተሳድድ ሰብ ትኸውን እንተ ኾነ ኣምላኽ ንዓኻ እውን ይደልየካ እዩ። እቲ ብዘይፍልጠት ትገብሮ ዘልኻ ኩሉ ኣምላኽ ለዊጡ ከም ጳውሎስ ንቡዙሓት ንበረኸትን ንፈውስን ክገብረካ ይኽእል እዩ። እስከ ኮፍ ኢልካ ንበይንኻ ሕሰብ እንታይ ትገብር ከምዘለኻ ከኣ ኣስተንትን ኣምላኽ ከኣ ከርእየካ እዩ። ግና ኸ ካብ መንገድኻ ክትምለስ ፋቓደኛ ኩን።

 ብኣንጻሩ ኸኣ ንስኻ ምንም ዘይብልካ ብሰብ እውን ዘይትጥመት ናብራ መሪርካ ኣብ ዓለም ምንባርካ ዘጽለኣካ ሰብ፡ ኣምላኽ ታሪኽ ዝልውጥ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ነገረካ ለዊጡ ብተስፋ መሊኡ ንዕኡ ዝበቕዕ ጌሩ ደው ከብለካ ይኽእል እዩ።

 ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ከምዚ ዝኣመሰለ መስትንክር ታሪኻት ኣሎ። ሓደ ኣምላኽ ንንጉስ እስራኤል ማለት ሳኦል ዝትክእ ንጉስ ንህዝቡ መረጸ እሞ ኣምላኽ ንነቢይ ሳሚኤል እንዳ እሰይ ዝባሃል ገዛ ኸይዱ ካብቶም ደቁ ንሓደ ንንግስነት ክቐብእ ኣዘዞ። ሳሜኤል ከኣ ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ቤት እሰይ ከደ። ነቲ ዝተባህሎ ዕማም ክዓምም ከኣ ተዳለወ ይኹን እምበር ሳሜኤል መጀመርያ ዝረኣዮ ሰብ ነቲ ምርኡይ ብመልኽዕን ቁመትን ካብ ኩሎም ዝሓለፈ ኮታ ብናይ ሰብ መመዘኒ ንጉስ ክኸውን ብቑዕ እዩ። ሳሚኤል እውን ኣይተወላወለን እዚ እዩ እቲ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ዝግብኦ ብማለት ክቐብኦ ተድላወ። ኣምላኽ ግና ኣይፋልካን ሳሜኤል እዚ ኣይኮነን። ኣነ ሰብ ከምዝርእዮ ኣይርእይን እየ። ኣነ ልቢ እየ ዝመዝን። ኣን ዝጥቅመሉ ሰብ ከኣ እቲ ምሩእይ ዝመስል ሰብ ኣይኮንን ስለዚ እዚ ኣይኮነን በሎ፣ ሳሜኤል ድማ እቶም ካልኦት ይኾኑ ዝበሎም ሰባት ካብ ቤት እሰይ ንምቕባእ ተዳለወ ኩሎም ከኣ ንንግስነት ኣይተመርጹን። ኣብ መወዳእታ ሳሚኤል ንኣቦኦም ካልእ ውሉድ ኣለካ ድዩ ኢሉ ሓቶቶ። እወ ሓደ ኣሎ ጋሳ ምስ ኣባጊዕ ኣብ በረኻ ዝውዕል ድማ ኢሉ መለሰሉ። ኣብቲ ቤት ምንም ተራ ዘይብሉ ማንም ከኣ ከም ምንም ዘይቆጽሮ፣ ካብቲ ዝነበሮ ትሑት ኣረኣእያ ቤተስቡ ዝተላዕለ ኣብ ማእዲ እኳ ሓቢሩ ምስ ወለዱ ዘይበልዕ እዩ። ሳሜኤል ጸውዕዎ በሎም። ናብቲ ቤት እውን መጸ። ብርግጽ እዚ ኮተቴ ኣሽንካይዶ ንንግስነትሲ ነቲ ዝነበሮ ናይ ጉስነት ስራሕ እውን ኣይበቅዕን እዩ። ግና ኣምላኽ ደሊዎ ንንግስነት እስራኤል ከኣ ተቐቢኡ ኣብ ዘመኑ ኸኣ ንኣምላኽ ኣክቢሩ ንህዝቢ እስራኤል ዕረፍቲ ኮይኑ ሓሊፉ። እዚ ሰብ እዚ ንጉስ ዳዊት እዩ። ኣምላኽ ግና ካብ ሓመድ ኣልዕሊ ምስ መሳፍንቲ ክብሪ ኣቐሚጥዎ። ኣምላኽ ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ ዓቢ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ንዱይ ኦይኑ ዝስምዖ ሰብ ናብኡ ብእምነት እንተ መጽዩ ኣምላኽ ኣብዛ ወዳቒትን ተስፋ ተቑርጽን ዓለም ደው ኣቢሉ ንኽብሩ ተጠቂሚ ኣብዛ ምድሪ ንዓቢ በረኸት ክገብሮ ይከኣል እዩ።

ኣምላኽ ንምስፋሕ ወንጌል ዝተጠቕመሎም ሰባት እውን ነቶም ኣብ ዘመን የሱሱ ክርስቶስ ዝነበሩ ምሩእይታን ፉሉጣትን ሰባት ዘይኮነስ ነቶም ምንም ዘይብሎም 1 ሃዋርያት እዩ ተጠቂሙሎም፣ መብዛሕትኦም ፊደል ቆጺሮም ዘይፈልጡ እንትሮ ምግፋፍ ዓሳን ምሕራስን ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ሑሱር ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት እዮም ዝነበሩ። ኣምላኽ ግና በወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ጌሩ ንዓቢ ክብርን ሞጎስን ምስፋሕ ምድሓን ወንጌል ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ተጠቂምሎም። እቶም ኣምላኽ ዝተጠቕመሎም ሃዋርያት ድኻም ዝነበሮም ተጠራጠርቲ ሁውኻት እዮም ዝነበሩ የግዳስ ኣምላኽ ተጥቂሙሎም። ኣምላኽ ዝትቀመሎም ሰባት ኩላቶም ብፍጽምና ዘይሓለፉን ፉጹማት ዘይኮኑ ሰባትን እዮም።

 ኩቡራት ኣንበብቲ ምናልባት ሎሚ ንስኻ መንነትካ እናረኣኻ ድኻምካ ኸኣ እናጸብጸብካ ምንማን ኮይኑ ዝስማዓካ ሰብ፡ ኣብ ኣምላኽ ከሙኡ ከምዘይኮነ ታሪኽ ነጊሩና ኣሎ ንሕና እውን ኣብ ዘመና ንርዮ ኣሎና። ስለዚ ካባኻ ካባይ ዝድለ ነገር እንተ ሃልዩ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣነን ንስኻን ከምዘለናዮ ምስ ድኻምናን ውድቀትናን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ንዝወደቐ ምትንሳእ ንዝተበላሸወ ምዕራይ ንዝደኸመ ምብርታዕ ይኽእሎ እዩ።

 ኣምላኽ መንነታና ዘይኮነ ዝርኢ እንታይነትና ዘይኮነ ዝገድሶ ትሕዝቶና ዘይኮነ ዘድልዮ ንልብና እዩ ዝደሊ። ብዘይገድስ መን ኢኻ፡ ኣበይ እዩ በታኻ፡ ዓሊትካ እንታይ እዩ፡ ትሕዝቶኻ ከመይ እዩ ንኣምላኽ ኣይግድሶን እዩ። ንስኻ በቲ ኩቡር ደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝተዓደጋ ንኽብሪ ምንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ዝተጸዋዕካ ሰብ ኣምላኽ ክጥቀመልካን ከልዕለካን ክባርኸካን ይደሊ ኣሎ።

 ኩቡራት ሰማዕቲ ኣምላኽ ዝሓለፍናዮ ውድቀትን ድኻምን እናጸብጸብ ዝሕንሕነልና ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ከምዘለናዮ ምስ እንመጾ፡ ከምቲ ሰራሒ መሬት ከም እንደገና ክሰርሕናን ከምቲ ንሱ ዝደዮን ጌሩ ክጥቀመልና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ከም ፖሊስ ዝጸባጸብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኢዱ እናወጣወተ ኸኣ ንፍርድን ንሕነን ዝትንስእ ኣምላኽ ኣይኮነን። ንሱ ናይ ምሕረት ኣምላኽን ንውድቕ ኸኣ ዝተስእ ኣምላኽ እዩ፡ እሞ ነዚ ፈሊጥና ናብ ኣምላኽ ንምምጻእ ኣይንደንግዪ፡

 ምሕረቱ ንዘልኣለም እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ኣመስግንዎ ዝብል ጹሑ ኣሎና እወ። ኣምላኽ ምሕረት እዩ። ንዝወደቐ ከትንሰእ፡ ንዝሓጠኣ ምሕረት ክገብር ንዝሓዘነ ከጸናንዕ ነቲ ንዑቕ ከኣ ክባርኽ እዩ፡ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ናብዛ ምድሪ ዝልኣኸልና፣