27
Sat, Apr
0 New Articles

“. . . ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ምሳ.3፣5”

Message 4
Typography

 ቃል ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብዛዕባ ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ኣምላኽ ምግባር ክዛረብ ከሎ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ ይብል (ምሳ.3።5)። ኣምላኽ ኩሉ እንገብሮ ነገራት ብፍታውናን ብምሉእ ልብናን ክንገብሮ ስለ ዝደልየና ብዛዕባ ምውካል ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ምሉእ ምውካል ይዛረብ። ብምሉእ ልብኻ ኣብ ኣምላኽ ንክትውከል ከኣ ኣብ ልቦናኻ ምጽጋዕ ከተቋርጽ የድሊ።  ኣብ ልቦናኻ ምጽጋዕ እንታይ እዩ? ስለምንታይከ ኣብኡ ምጽጋዕ ክንገድፍ ዘሎና?

ንሰብ መጀመርያ ካብ ኣምላኽ ዝፈለዮ ንሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሱ ናቱ ነገር ክገብር ምድላዩ እዩ። እዚ ነገር እዚ ከኣ ንኩሎም ናይ ኣምላኽ ሰባት ዝፈተኖምን ዝፍትኖም ዘሎን ነገር እዩ። ስለዚ ድማ ቃሉ ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ኣምላኽ ክትገብር እንተ ደሊኻ ኣብ ልቦናኻ ምጽጋዕ ክትገድፍ ከም ዘሎካ ተዛሪቡ።


 

ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ኣምላኽ ምግባርን ኣብ ልቦናኻ ምጽጋዕን ክልተ ኣንጻር ነገራት እዩ። ኣብ ልቦናኻ ብዝተጸጋዕካ መጠን ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ምውካል ክህልወካ ኣይክእልን እዩ። እግዚኣብሄር ንልቦናና ክንጥቀመሉ ስለ ዝሃበና ኣይትጸግዕዎ እምበር ኣይትጠቐሙሉ ኣይበለናን። ካብ ምጥቃም ሓሊፍና እንተ ተጸጊዕናዮ ግን ኣብ ሽግር ከም ንኣቱ ቃሉ ደጋጊሙ ይነግረና። ኩሎም እቶም ናይ እምነት ጀጋኑ ልቦና ኔርዎም እዩ። ንልቦንኦም ግን ይጥቀሙሉ እምበር ይጽግዕዎ ኣይነበሩን። ብመጠን እቲ ዝበርሃሎም ሓቂ ከኣ ንኣምላኽ ባህ ኣቢሎሞ ሓሊፎም። ስለዚ ንልቦናኻ ኣይትጸግዓዮ ማለት ኣይትጠቐመሉ ማለት ከም ዘይኮነ ክንዝንግዕ የብልናን።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነርእዮ ፍርሃትን ስግኣትን መርኣያ ናይቲ ኣብ ልቦናና ዘሎና ምጽጋዕ እዩ። ክንደይ ካባና ኢና እቲ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከይዘርኣን ከይኣከባን መግበን ዝህበን ኣምላኽ ብስእነት ከይቀትለና እንፈርህ? ክንደይ ካባና ኢና ከምዚ ወይ ከምቲ ከይገበርኩ ሓዳር ናብራ ስድራቤት ክገብር ኣይክእልን እየ ኣብ ዝብል ስግኣት ንነብር? ክንደይ ካባና ኢና ኣብ ክንዲ ንሕና ንልወጥ ከባቢናን ኩነታትናን ክንልውጥ ንጽዕር? ኩሉ እዚ ዝተጠቕሰ ነገራት ብዕትበት ክንሓስበሉ ዘሎና ነገራት እኳ እንተኾነ ኣብ ልቦናና ብምጽጋዕ ክንውስኖ ግን ኣይግባእን። ኣተሓሳስባኻ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እንተ ዘይተለዊጡ ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ ኣምላኽ ጌርካ ክትመላለስ ከቢድ እዩ። ጎይታ የሱስ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ደሊና ዘድልየና ዘበለ ከም ዝውሰኸልና ተዛሪቡ ኣሎ። ኩልና ማዕረ ዝኾነ ትሕዝቶ ኣይህልወናን ይኸውን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዝኣክል ነገራት ከም ዝወሃበና ግን ርግጽ እዩ።

ከምቲ ንሕና ‘ለባማት' ስለ ዝኾንና ንደቅና ገንዘብ ከይሃብና ናብ ድኳን ዘይንልእኮም ኣምላኽ ከኣ ናብ ሓደ ኩነታት ኣብኡ ዘመላልስ ሓይሊ ከይሃበ ኣየእትወናን እዩ። ንሱ ከምቲ ብዙሓት ዝገልጽዎ ስቅያትና ዘይርድኦ ጨካን ስለ ዘይኮነ ዋላ ኣብቲ ብጌጋና ዝኣተናዮ ኩነታትውን ዘመላልስን ዘውጽእን ሓይሊ ኣለዎ። ኣምላኽና ካብ በላዒ ብልዒ ዘውጽእን ንውድቀትካ ንሰናይካ ዝልውጥን እምበር ‘ባዕልኻ ኣቲኻዮ ባዕልኻ ውጽኣዮ' ዝብል ኣምላኽ ኣይኮነን። ናይ ጎይታ ምዃንና እንተ ፈሊጥና ካብቲ ከም ተራ ሰባት ክንብሎ ንኽእል "ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቆቁራስ ኣይበጽሖምን" ዝብል ዘረባ ናብቲ "ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቆልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ?" ዝብል ጎይታ ግብሩ ክገብር ዘፍቅድ ሓሳብ ንእቶ (ዮሃ.6።7-9)። ኣብዚ ሓሳብ ፊሊጶስ ንዚኣቶም ዝኣክል መግቢ ክንቅርብ ስለ ዘይንኽእል ኣሰናብቶም እዩ ኢሉ። እንድርያስ ግን ምናልባት እቲ ንማይ ናብ ወይኒ ናይ ምልዋጥ ተኣምራት ተዘኪርዎ ይኸውን እተን ክረኽብወን ዝኸኣሉ ነገራት ኣፍሊጥዎ። እምበኣርከስ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ከነብሎ ንልቦናና ንጠቐመሉ ትውክልትና ግን ኣብቲ ካብ ልቦናና ዝዓቢ ኣምላኽ ንግበር።