24
Wed, Apr
0 New Articles

“መን ደኣ ኾን ኪድሕን ይከኣሎ?”

Message 4
Typography

 እቲ ሃብታም ጎበዝ ዘለዎ ሸይጡ ንጎይታ ምስዓብ ምስ ኣበየ ጎይታ ንደቀ መዛሙርቱ ሃብታም መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ከም ዝቐልል ነጊርዎም። ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ከምዚ እንተ ኾይኑ ደኣ መን'ዩ ክድሕን ዚኽእል ኢሎም ሓቲቶሞ። ጎይታ ድማ ንሰብ ኣምላኽ ጥራይ ከድሕኖ ከም ዝኽእል መሊሱሎም (ማር.10፣24-27)


 

ሃብታም ዝበሃል እቲ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን። ገለ ሰብ ብናይ ተፈጥሮ ተውህቦ፣ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብመንፈሳዊ ፍልጠትን ካልእን ሃብታም ክትከውን ይከኣል እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝያ ገፋሕ እያ። እቲ ናብኣ ዘእቱ ማዕጾ ግን ከም ዓይኒ መርፍእ ጸቢብ እዩ። እቲ ማዕጾ ጸቢብ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ከኣ ገመል ብእኡ ክትኣቱ ኣይትኽእልን እያ። እቲ ገመል ክትኣትዎ ዘይትኽእል ማዕጾ ነቲ ካብ ፍጡራት ዝነኣሰ ኣሜባ ግን የእትዎ እዩ። ዘሕልፍን ዘየሕልፍን ግዝፊ እዩ።

ንሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእታው ዝኽልክሎ ሃብቲ ‘ትዕቢት' እዩ። ትዕቢት ኣዝዩ ረቂቕን መታለልን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ሰብ ብገዛእ ርእሱ ካብ ትዕቢት ክድሕን ኣይክእልን እዩ። ካብ ብዙሕ ሓጢኣት ክንንሳሕን ኣብ ልዕሊ ቁጥዓ፣ ፍትወት ኣዒንቲ፣ ፍቕሪ ገንዘብን ካልእ ሓጢኣትን ክንዕወት ንኽእል ኢና። እዚ ኩሉ ድሕሪ ምግባርውን ብምድሓንናን ብዓወትናን ክንኮርዕን ክንዕበን ንኽእል ኢና። ብውሽጢ ልብና (መንፈስና) "ከም ካልኦት ሰባት ስለ ዘይኮንና፣ ከም ካልኦት ክርስትያናትውን ብዘይ ምዃንና" ንኣምላኽ ከነመስግን ንኽእል ኢና (ሉቃ.18፣11)

ኣምላኽ እንተ ዘይኣድሒኑና ንገዛእ ርእስና ካብ ትዕቢት ከነድሕና ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ተረዲእና እምበኣር ኣምላኽ ካብኡ ንከድሕነና ብትሕትና ርእስና ንጎይታ ከነግዝእ ይግብኣና። እንተ ዘይኮይኑ ግን ‘ዕዉታት' ከምኡውን ‘ኣባላት ኣካል ክርስቶስ' ክንበሃል ከም ዘይጸናሕና ኣብ መወዳእታ ህይወትና ቀንዲ ፈሪሳውያን ኮይንና ክንርከብ ንኽእል ኢና።

ስለዚ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቲ ጎይታ ኮይንና "መን ደኣ ኾን ኪድሕን ይከኣሎ?" ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኢና። ጎይታ ከኣ እቲ ንዓኣቶም ዝሃቦም መልሲ ይህበና "ንኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፣ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ።" (ማር.10፣26-27)

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ተገሊጹ ከም ዘሎ ምድሓን ንሕሉፍ፣ ህሉውን መጻኢን ህይወትና ዘመልክት እዩ። ዳግም ተወሊድና እንተ ኾይንና ካብ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ድሒንና ኢና። ሕጂ ከኣ ካብ ሓይሊ ሓጢኣት ንድሕን ኣሎና። ጎይታ ብክብሪ ምስ መጽአ ድማ ካብ ህላወ ሓጢኣትውን ክንድሕን ኢና። እዚ ሰለስቲኡ ዓይነት ምድሓን  ናይ ኣምላኽ ስራሕ እዩ።

ቃል ኣምላኽ ብንጹር "ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፣ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ፣ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፣ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፣ ካባኻትኩም ኣይኮነን።" ይብለና (ኤፌ.2፣8-9)

ዮናስ "ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ" (ዮና.2፣10) ብምባል ምድሓን ካብ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝመጽእ ምስ ተኣመነ እዩ ካብ ከብዲ እቲ ዓቢ ዓሳ ወጺኡ። እቲ ጥቕሲ ቀጺሉ "እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።" ይብል። እግዚኣብሄር ዮናስ ንገዛእ ርእሱ ከድሕን ከም ዘይክእል ክሳብ ዝእመን ተጸብይዎ። ንዓናውን ንገዛእ ርእስና ካብ ዝኾነ ሓጢኣት ይኹን ካልእ ከቢድ ኩነታት ከነድሕን ከም ዘይንኽእል ክሳብ ንእመን ይጽበየና እሞ ምስ ተኣመንና ከምቲ ናይ ዮናስ የድሕነና።

ንነፍስና ኣብ ኣዋጣሪ ኩነታት ክንረኽባ ከሎና ኣብ ክንዲ ምጉርምራምን ምስትምሳልን ንኣምላኽ እናኣመስገንና ምድሓን ካብኡ ጥራይ ከም ዝመጽእ እንተ ተኣሚንና ምድሓንና ቀልጢፉ ኪመጽእ እዩ።

ምድሓን ርእስኻ ናይ ምምሕያሽ መደብ ኣይኮነን። ምምሕያሽ ንግዳማዊ ነገራትና ጥራይ እዩ ዝልውጥ ስራሕ ኣምላኽ ግን ውሽጥና ይልውጥ።

ኣምላኽ ሰብ ክብሩ ከም ዘይወስደሉ ጌሩ ስለ ዝሰርሕ፣ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ምድሓን ክንድሕን እንተኾንና በቲ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ዓወት ካብ ምሕባንውን ክንድሕን ይግብኣና።

ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ነኣሽቱ ብዝኾንና መጠን ‘ናብቲ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ስለ ዝወሃበና' (2ጴጥ.1፣11)፣ ብዝነኣስና መጠን በቲ ዓይኒ መርፍእ ምሕላፍ ክንክእል ኢና። ሓደ መለክዒ ናይቲ       ‘ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ንእሽቶ ምዃን' ከኣ ሃይማኖቱ፣ ማሕበሩ፣ ርድኢቱ (እቲ ሓቂ ከምቲ ንዓና ዝበርሃልና እንተ ዘይበርሃሉውን) ብዘየገድስ ንዝኾነ ሰብ ዘይምንዓቕ እዩ። ነቶም ዝኸፍኡ ዓይነት ሰባት ክንርኢ ከሎናውን "ጸጋ ኣምላኽ እንተ ዘይበዝሓለይ ኣነውን ከማታቶም ምኾንኩ" ዝብል ርድኢት ምሓዝ እዩ።

የሱስ ንገዛእ ርእሱ ኩሉ ጊዜ ‘ወዲ ሰብ' ብካልእ ኣበሃህላ ‘ተራ ሰብ' ኢሉ ይጽውዓ ኔሩ። ንሕናውን ኩሉ ሳዕ ንነፍስና ብከምዚ ክንፈልጣ ኣሎና። ካብ መቕጻዕቲ ሓጢኣት እንተ ደሓንና፣ ብምሕረት ኣምላኽ ዝኾነልና እዩ። ካብ ሓይሊ ሓጢኣት እንተ ተናገፍናውን ብምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ ዝኾነልና እዩ። እሞ ንሕበነሉ ነገር ኣሎናዶ? ዋላ ሓንቲ እኳ የብልናን።