25
Thu, Apr
0 New Articles

“. . .ንዑ ረኣዩ፣. . .” ዮሃ.1፣39

Message 4
Typography

እቲቃል ዝኾነ ጎይታ የሱስ ብስጋ ምስ ተገልጸን ናብዛ ዓለም ምስ መጸን፣ ንብዙሕ ዘመናት ብነብያት ‘ስምዑ'፣ ‘ይብልእግዚኣብሄር' . . . ዝብል ሓሳባት ናብ ‘ንዑ ረኣዩ'ን ‘ንዓ ርኤ'ን ዝብል ቃላት ተቐይሩ።እቲ ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ መሲህወይ መድሓኒ ክሰደልና እዩ ዝብል ተስፋ ከኣ ብምምጻእ ናይቲ መድሓኒ ተፈጺሙ።ጎይታ ናቱ ምምጻእን ኣገልግሎቱን ብምዱብ ጊዜ ከምዝተፈጸመ ክገልጽ ከሎ ብዙሓት ቅዱሳንን ነብያትን ካብ ኣፉ ቃል ክሰምዑ ከም ዝደለዩ ግናኸ ከም ዘይረኸብዎ ድሕሪ ምዝራብሃዋርያት ግን ነዚ ብዙሓት ተተስፍዮም ዘይረኸብዎ ዕድል ብምርካቦም ብጹኣን ከም ዝኾኑ ነጊርዎም።ሃዋርያትን ብድሕሪኦም ዝመጹኩሎም ኣመንቲን ብጹኣን ካብ ዘብሎም ነገር እምበኣር ካብ ጎይታ የሱስ ቃል ክሰምዑን ካብ ህይወቱ ክመሃሩን ዕድል ስለ ዝረኸቡእዩ።


ጎይታየሱስ ብስጋ ምስ ተገልጸ ከምቲ ናይ ካልኦት ነብያት ብርሑቕ ዘይኮነስ ብቐረባን ብኣካልን ዮሃንስ መጥምቕ "እንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ብምባል መስኪሩሉ፣ ዮሃ.1፣29።ዮሃንስ መጥምቕ፣ የሱስሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝገለጸሉ ተዛሪቡ።እቲ ብርሑቕን ብቀረባን ‘እንሆ'ዝተባህለሉ ገንሸል ኣምላኽ ነቶም ምስክርነት ዮሃንስ ሰሚዖም ዝሰዓብዎ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ‘ኣብቲ' ወይ ‘ኣብዚ' ሰፊረኣለኹ ዘይኮነስ ‘ንዑ ረኣዩ' እዩ ኢልዎም።ካብ ኣገልግሎት ጎይታ የሱስ ጀሚሩ እምበኣር ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን ‘ስምዑ'ዘይኮነስ ‘ንዑ ረኣዩ' ወይ ከኣ ‘ንዓ ርኤ' እዩ ተለዊጡ፣ ዮሃ.1፣39,46 ዮሃ.4፣29።ህይወትን ኣገልግሎት ናይቶምቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ሓያል ካብ ዝገበሮ ነገራት ሓደ ከኣ እዚ ‘ንዑ ረኣዩ/ንዓ ርኤ' ዝብል ጸጋ ዘለዎ ህይወት እዩ።

እቶምንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ርክቦም ምስኡ ክውዕሉ ዝገበሮም ነገር እቲጸጋ ዝመልኦ ህይወቱ እዩ። ንመጀመርያ መዓልትኻ ምስ ዝረኸብካዮ ሰብ ምሉእ መዓልቲ ክትውዕል ዝገብረካ ፍሉይ ነገር እንተዘየሊዩከምኡ ክትገብር ከቢድ እዩ።ሓደ ካብቲ ሽዑ መዓልቲ ዝፈለጥዎ ነገር ከኣ የሱስ መሲህ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ።ሓደ ካብኣቶምእንድርያስ ምስ የሱስ ውዒሉ ምስ ተመልሰ ንሓው ስምኦን "ንመሲህ - ክርስቶስ ዝትርጉሙ፣- ረኺብናዮ"ኢልዎ። ናብ የሱስ ድማ ወሲድዎ፣ ዮሃ.1፣41-42።መጀመርያ ንሱ ባዕሉ ንየሱስ ረኺብዎ፣ብድሕሪኡ ንስምኦን ሓዉ ናብ የሱስ ኣምጺእዎ።ንዘረጋገጽካዮ ነገር ጥራይ ስለ እትምስክረሉ እንድርያስ ንየሱስ ቅድሚ ምርካቡብተባህለ ዘይኮነስ ምስ ረኸቦ እዩ ንስምኦን ናብ የሱስ ኣምጺእዎ።

ንባዕልኻዘይረኸብካዮ የሱስ ንሰባት ከተፋልጦም ስለ ዘይትኽእል ሰባት ናብ የሱስ ቅድሚ ምምራሕካ ንየሱስ ክትፈልጦ የድሊ።ካብ ናይእንድርያስ ብዘይፍለ ፊሊጶስውን ንየሱስ ምስ ረኸቦ ንናትናኤል "እቲ፣ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሓፉ፣ የሱስ፣ ወዲዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፣ ረኺብናዮ፣" ብምባል መስኪሩሉ። ናትናኤል ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣልእዩ ኢሉ ምስ ሓተቶ ድማ ቅድሚ ዝኾነ መልሲ ምምላሱ ‘ንዓ ርኤ' ኢልዎ።እምበኣርከስ ፊሊጶስውን ንናትናኤል ካብ ናዝሬት ብዛዕባዝረኸቦ ሰናይ እዩ ነጊርዎ።ካብ ምክታዕ ከኣ ምርኣይ ስለ ዝበልጽ ክርኢ ዓዲምዎ።ናትናኤል ንጎይታ ምስ ረኸቦ "ረቢ፣ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፣ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፣" ብምባል ካብ ናዝሬት ገለ ሰናይ ጥራይ ዘይኮነስ ወዲኣምላኽውን ከም ዝተረኽበ ተኣሚኑ።እንድርያስ ንስምኦን፣ ፊሊጶስ ንናትናኤል ዘዝረኣይዎ ከርእይዎም እዮም ናብ የሱስ ወሲዶሞም።ምስክርነቶምከኣ ነቲ ሕግን ነብያትን ብዙሕ ዝተዛረቡሉ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝረኸብዎ እዩ።

ምስክርነትንጎይታ ምስ ዝረኸብካዮ ሰባት ከም ናትካ ክረኽቡ ካብ ዘሎካ ባህጊ ተበጊስካ እትነግሮም ሓቂ እምበር ኣብ ሃዋህው ዝተመስረተዘይርጉጽ ፍልስፍና ኣይኮነን።ንየሱስ ዘይፈለጦን ንዑ ረኣዩ ክብል ዘይክእልን ሰብ ሰባኺ፣ ዘማሪ፣ ኣገልጋሊ . . . ክኸውን ይኽእልይኸውን፣ ሓቀኛ ምስክር ክኸውን ግን ኣይክእልን እዩ።ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እንተ ርኢናውን ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን እምበርንሰባት ክምስጥ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዛንታታት ይነግሩ ኣይነበሩን።ስለዚ ከኣ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ብዛዕባ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎንብምምስካር ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መሊኦማ።

ኩሎምእቶም ቀዳሞት ደቀ  መዛሙርቲ ጎይታ ዘዝረኸብዎ እናተነጋገሩ ዝመጹስለ ዝነበሩ ብኡ መጠን ህይወቶምን ምስክርነቶምን ውጽኢታዊ ኔሩ።ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ንዝኣምን ዘበለ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓንከም ዝኾነ ክጠቅስ ከሎ ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ "እቲ ንሕና ዝሰማዕናዮ፣ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፣ እቲ ዝጠመትናዮ፣ኣእዳውናውን ዘረምሰስኦ፣ ብዛዕባ እቲ ቃል ህይወት፣ ህይወት ድማ ተገልጸት፣ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፣ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፣" 1ዮሃ.1፣1-4 ብምባል ዝሰምዕዎንዝረኣይዎን ይነግሩ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ወንጌል ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ።ዝምስክር ሰብእምበኣር ዝሰምዐን ዝረኣየን ከምኡውን እቲ ዘድሕን ሓይሊ ኣምላኽ ዝጠዓመ ክኸውን ኣለዎ።ብምድሓንና ቀደም ካብ ዝሕይለና ዝነበረነገራት ነጻ ስለ ዝወጻእና ንሰባት ንዑ ረኣዩ ኢልና ክንምስክር ከሎና እንታይ ኔረ እንታይከ ኮይነ ኣለኹ ንብል ከምዘለናክንዝክር ይግብኣና።ዝበዝሕ ጊዜ ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ የሱስ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ህይወትና ዝርእይዎ የሱስ ስለዝነጽግዎ ነቲ ሓቀኛ የሱስውን ብዙሓት እኳ ዘይቅበልዎ እንተኾኑ ብምኽንያት ኣብ ህይወትና ዝርአ ዘይክርስቶሳዊ ባህርያት ሰባትንጎይታ ከይነጽግዎ ግን ክንጥንቀቕ ይግብኣና እዩ።የሱስ ዘለዎን ንየሱስ ዝፈለጦን ኣብ ህይወቱ የሱስ ከርኢ ከሎ እቲ የሱስዘይብሉ ግን ዘርእዮ ነገር የብሉን።

ምስክርዝረኣዮን ዝሰምዖን ዝረኸቦን ጥራይ ክነግር ስለ ዝግብኦ ብመንፈሳውነትና እናዓበና ምስ ከድና እኳ ምስክርነትና እናሓየለ ዝኸይድእንተኾነ ናብ ጎይታ ካብ እንመጽእ ጀሚርና ካብ ብዙሕ ነገራት እናደሓንና ስለ ንኸይድ በታ ጎይታ ዝገበረልና ንእሽቶ እትመስለናምድሓንውን ክንጅምር ንኽእል ኢና።ከምቲ ፊሊጶስ ዝበሎ ንየሱስ ረኺብናዮ ጥራይ ብምባል ‘ንዓ ረኤ' እንተኢልናዮ ናትናኤል ባዕሉምስ መጸ ነቲ ካብ የሱስ ዝርከብ ክረኽቦ እዩ።ስለዚ በዚ ‘ንዑ ረኣዩ/ንዓ ርኤ' ዝብል ናይ ሓድሽ ኪዳን ትምህርቲ ክንመላለስንምስክርነትናን ህይወትናን ተመዓራርዩ ክኸይድን ይግባእ።