19
Fri, Apr
0 New Articles

ግዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት ተመላለሱ

Message 4
Typography

"እምበኣርሲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ: ግዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት እምበር ከም ዓያሱ ዘይኮነ ከመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ ተመልከቱ" ኤፌ 5:1516 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ምስ ቃል ኣምላኽ ግዜ ወሲዶም ከም ለባማት ክማላለሱ ይምዕዶም። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመን ካብ ካልኦት ዝሐለፉ ዘመናት እቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ዘመን እዩ። ክፋአት እዛ ዓለም ኣዚዩ ዝገነነሉ ዘመን ኢዩ። ስለዚ ገጽ እግዚአብሄር እንደልየሉ ግዜ ከምዝኾነ ኣጸቢቕና ክንፈልጥ ይግባእ።


ግዜ ዓዲግና ከም ለባማት ንመላለስ' ኣለና፧ ቃል ኣምላኽ እነንብበሉ፡ እንጽልየሉ ከምኡ'ውን ቤት አምላኽ እንኽደሉ ግዜ ንዕድግ' ኣለና፧ ዋላስ ዝተፋላለዩ ነገራት ሒዞምና ንግዜና ከም ዓያሱ ነሕልፎ አለና፧ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝኽውን ግዜ ዘይብሉ ሰብ ዓሻ ከም ዝኾነ ቃል አምላኽ ይነግረና። ካብ ዕሽነት እንርሕቀሉ መገዲ ድማ ግዜ ምዕዳግ እዩ። ዝዕደግ ነገር ዋጋ ይክፈሎ እዩ እሞ ዋጋ ብምኽፋል ንኣምላኽ ዝኸውን ግዜ ንዓድግ። ግዜ ይዕደግ እዩ!
ሰይጣን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ: ክንጽሊ ኮነ ቤት ኣአምላኽ ክንመላለስ ኣይደልን እዩ። ምኽንያቱ ሂወትና ክጥዕን ንአምላኽ ክንፈልጦን ስለ ዘይደሊ እዩ ብዙሕ ዕንቅፋታት ዝፈጥረልና። ሎሚ እንታይ ኣሎ ካብ እግዝኣብሄር ዘርሕቀና ነገራት፧ ሰይጣን ንገለ ብስራሕ ዝተጸመደ ይገብሮ፡ ንገለ ድቃስ ብምብዛሕ: ንገለ ብትህኪት፡ ንገለ ብድኻም ወዘተ ካብ ኣምላኽ ከርሕቐና ይጽዕት። እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ንኣስታት 430 ዓመታት ከም ዝጸንሑ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ እዋን' ቁጽሮም አዝዩ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፡ ንጉስ ፈርኦን ብስራኣኤላውያን ክሰግእ ከም ዝጀመረ ቃል ኣምላኽ ይነግረና። "እምባኣርከስ ከይበዝሑ'ሞ፡ ውግእ ምስ ዝለዓለና፡ ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋጉኡና ካብዛ ሃገር'ውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም በሎም። ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ከጽብብሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸምሎም" (ዘጽ 1:10-11)

 

እስራኤላውያን ንኸይበዝሑን ከይዋግእዎምን ካብ ግብጺ'ውን ከይወጹን ፈርኦን ዝመኸሮ ምኽሪ ኣስተውዒልናሉ እንተኾይንና፡ ብስራሕ ዝተጸምዱ ክኾኑ እዩ። ብብርቱዕ ዕዮ ከጽብብሎም ኣአዘዝቲ ሸሞሎም ይብለና፡ እዚ ንኽይፈርዩን ንከይበዝሑን እዩ። ምኽንያቱ እንተ በዚሖም እሞ ንግብጺ ድማ እንተመሊኦማ ኣንጻራ ስለ ዝላዓሉ እዩ። በዚ ምኽንያት ብስራሕ ዝተጸመዱ ክኾኑ ፈርኦን ኣዚዙ። ብርቱዕ ጻዕሪ ዝነበሮ ስራሕ ስለ ዝኾነ: ከምቲ ዝድለ ክፋረዩን ንውሉዶም ክሕብሕቡን ግዜ ኣይነበሮምን። ሰይጣን ንዓና'ውን ከምኡ ብዝተፈላለየ ነገራት ተታሒዝና ንጐይታ ዝኸውን ግዜ ዘይብልና ክንከውን እዩ ዝደልየና። ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ግዜ እንተ ዘይብልና ፍረ ክንፈሪ ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ እንተዘይተራኺቡ ፍረ ዘይፈሪ ከምኡ ድማ ንሕና ንጐይታ ዝኸውን ግዜ እንተ ዘይብልና ፍረ ክንፈሪ ፈጺምና አይንኽእልን ኢና። "ጨንፈር ኣብ' ጉንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸኒዑ ካብ ርእሱ ክፈሪ ከም ዘይክእል: ንስኻትኩም'ውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም ከምኡ ኢኹም" (ዮሃ 15:4) ሂወትናዶ ሎሚ ለውጢ ሲኢናላ ኣና፧ ወይ ሓድሽ ነገር' ንደሊ አለና፧ ነቲ ጉንዲ ወይኒ ንድለዮ። ንዕኡ ዝኸውን ግዜ ንዓድግ: ኣብኡ'ውን ንጽናዕ ሽዑ ቡዙሕ ፍረ ክንፈሪ ኢና (ዮሃ 15:5) ንጉስ ፈርኦን ከይበዝሑ ጥራሕ ኣይኮነን ብእስራኤላውያን ዝሰግአ፡ ከይወግእዎ'ውን ስለ ዝሰገአ ብስራሕ ዝተጸምዱ ክኾኑ ዝአዘዘ። ንሕና'ውን ከምኡ ሰይጣን ከይተቃወምናዮ ኣብዚ ምድሪ' ድላዩ ክገብር ስለ ዝደሊ፡ ብነገራት እተታሐዝና ክንከውን ኢዩ ዝደልየና። የሱስ ዓለም ንዓይ ትጸላኣኒ እያ ግብራ ክፉእ ምዃኑ ስለ ዝመስከርኩ ኢሉ። ንዓና ድማ ነቲ ክፉእ ምእንቲ ክንቃወሞ እዩ ኣብዛ ምድሪ ዘቀመጠና። ንኣምላኽ ዝኸውን ግዜ እንተ ዘይብልና ግና ከመይ ጌርና ነቲ እኩይ ምቅዋም ንኽእል። ኤሊ: ካህን እግዚኣብሄር ከም ዝነበረን ክልተ ንኣምላኽ ዘይፈርሑ ደቂ ከም ዝነበርዎን ቃል ኣምላኽ ይነግረና። እቶም ውሉዱ ግና ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ: ንመሰዋእቲ ኣምላኽ ዝንዕቁን: ነተን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘገልግላ ኣንስቲ'ውን ይራኸብወን ነበሩ (1 ሳሙ 2:12-22) ኤሊ መንፈሳዊ ድኻም ስለ ዝነበሮ: እዚ ኵሉ እናፈለጠ ክንሱ ኣብ ልዕሊ ደቁ ስጉምቲ አይወሰደን: ነቲ መርገም ዘምጽእ ሓጥያት'ውን ኣይተቃወሞን።

ነዚ ካህን ኣብዚ ድኻም ዘብጽሖ: ድቃስ ዘብዝሕ ሰብ ስለ ዝነበረ እዩ። "ኰነ ከኣ በታ ግዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ነበረ" (1 ሳሙ3:2) ኤሊ ድቃስ ምብዝሑ ከም ሳዕቤኑ ቃል ኣምላኽ ኮነ ራእይ ኣይነበረን። "ኣብታ ግዜ እቲ ከኣ ቃል እግዛኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይ'ውን ብዙሕ ኣይነበረን" (1 ሳሙ 3:1) በታ ኤሊ ደቂሱላ ዝነበረ ዘመን: መንፈስ ኣምላኽ ክዓዝዝ ኣይከኣለን: እግዚኣብሄር ኣይተገልጸን። ምኽንያቱ እቲ ካህን ግዚኡ ዝተበልዔ ሰብ ስለዝነበረ። ብኣንጻሩ ሳሙኤል እንተሪኢና ኣብቲ ዘመን' ግዜ ዓዲጉ: ናይ ድቃስ ግዜኡ ሰዊኡ ንኣምላኽ ዝጻባበ ሰብ ነበረ። "መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ከይጠፈአ ከሎ: ሳሙኤል'ውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ከሎ: ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኣኤል ጸውዖ: ንሱ ከኣ እኔኹ: በለ" (1 ሳሙ3:3-4)

 

እግዚኣብሄር: ነቶም ግዜ ዝዕድጉን ገጹ ዝደልዩን ሰባት እዩ ዝጽውዕ እምበር ነቶም ዝድቅሱን ዘይደልይዎን ኣይራኸቦምን እዩ። ሎሚ እግዚኣብሀር ክዛረበናን፡ ክራኸበናን፡ ክባርኽናን ንደሊ ዶ፧ እቲ ነገር ቀሊል እዩ ንዕኡ ዝኸውን ግዜ ንዓድግ።

.