25
Thu, Apr
0 New Articles

ጻዊዒት ንኣገልግልት

Message 4
Typography

  “የሱስ ድማ ። ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ። ንዑ ሰዓቡኒ በሎም” ማር 1።17

እዚ ዘለናዮ ሰዓት ካብ ማንም ግዜ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ንጋየይሉ ግዜ እዩ፣ እቲ ዕዮ ካብ ናይ ቀደም ብዝዓበየን ብዝሰፈሐን ኣዚዩ ዓቢ እዩ፣ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ እቶም ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም እሞ ነቲ ጎይታ እኽሊ ዓየይቲ ክልእከልኩም ለምኑ ኢሉ ጎይታ የሱስ ነጊሩና ኣሎ፣ ሎሚ ዓየይቲ እንልምነሉን ባዕልና ኸኣ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ እንሳተፈሉ ሰዓት እዩ፣ ብዙሓት መን እዩ ናብ ብርሃን ዝወስደናን ዘርኣየናን ይብሉ ኣለዉ እሞ ነዚ ከምዚ ዝዓይነት ኣገልግሎት የሱስ ክርስቶስ ይጽዋዓና ኣሎ፣

ሃዋርያት ቅድሚ ንየሱስ ምስዓቦም ነናቶም ዝኾነ ዋኒን እዩ ኔርዎም ጎይታ ግና ኩሉ ሓዲጎም ክስዕብዎ ምስ ሓተቶም ንጻዊዒቱ ኣሚን ብምባል ተቐበልዎ እምበር ከምዚ ኣብዚ እዋን ንገብሮ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያታት ኣይደርደርሉን፣ ኣምላኽ ከኣ ንክብሩን ንዕዩኡን ተጠቂምሎም ሓሊፉ ኣሎ፣
ሎሚ እውን ንዓና ካብ ዋኒን ገዛእርእስና ወጺና ንሱ ንክብሩ ክጥቀመልና ገዛእ ርእስና ሕጂ ንሱ ክመልኮን ክጥቀመሉን ንፍቀደሉ፣ ኣብ ትንቢት ኢሰያስ 6።8 “ንመን ክልእኽ መንከ ክኸደልና እዩ ዝብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ ኣነ እውን እኔኹ ልኣከኒ በልኩ” ዝብል ጥቕሲ ነንብብ፣ ሎሚ እንተኾነ እውን እዚ ድምጺ እዚ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና የቃልሕ ኣሎ እሞ ግብረ መልስና እንታይ እዩ? ክንደይ ካባታትና ኢና ጻዊዒት ኣምላኽ ተቐቢልና ንዕዮ ኣምላኽ በቲ ዘሎና መንፈሳውን ተፈጥራውን ጸጋ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ተዳሊና ዘሎና፣ ኣምላኽ ገፈፍቲ ሰባት ክንከውን ይደልየና ኣሎ እሞ መርበብና ሓዲግና ኣሜን እነኹልካ ንበሎ ኣምላኽ ሰማይ ከኣ ዓስብና ኣዚዩ ከብዝሖ እዩ፣ እቶም ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕም ኣሜን ብምባል ግብረ መልሲ ዝህቡ ደቂ ኣምላኽ ክንደይ ኮን ብጹኣን እዮም፣
ዎ ኣምላኸይ ኣብዚ ክፉኡ ናይ መወዳእታ ዘመን ንዓኻ ከገልግልን ብጽድቂ ኸኣ ንጻዊዒትካ ተቐቢለ ብምልኣት ከገልግለካ ጸጋኻ ሃብኒ፣ ኣብ መንግስትኻ ኣብርክቶ ዘሎኒ ሰብ ክኸውን ከኣ ብመንፈስ ቁዱስካ ኣዕጥቐኒ፣ ብስም ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣሜን