25
Thu, Apr
0 New Articles

ኣከዳድናኽን ቕድስና ዝሓለወ ይኹን

Message 4
Typography

 ሰላም ኣምላኽ ምሳኽን ይኹን ኩላትክን ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋተይ፡ሎሚ ንዓኽን ዝጠቅም ማዕዳን ምኽርን ሒዘልክን ቀሪበ ኣለኹ እሞ ብገርህነትን ብክፉት ልብን ክትቅበላኒ ብፍቕሪ ክርስቶስ እሓተክን።ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመን ካብቲ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ እዪ።

ኣከዳደና ደቂ ኣንስትዮ ጠገለ ሲኢኑ፡ኣይኮነን ንክትርእዮ ንክትዛረበሉ እኳ፡ዘሕፍር ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ናይተን ስዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ፡። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበን, ጌጋን ቅንዑን ፈላልየን ዝፈለጣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበን፡ ንኣምላኽ ዘሕጉስን ዘሕዝንን ኣጸቢቐን ዝተረድኣ፡ከምዚ ኢለን ኣንጻር ቃል ኣምላኽ ኮይነን ክመላለሳ ብሓቂ ጽቡቅ ኣይኮነን። እቲ ካብ ኩሉ ኣሻቓልን ኣሰካፍን ኮይኑ ዘሎ ድማ፡እዚ ጠገለ ዘይብሉ ኣከዳድናናብዘን ሓደሽቲ ወለዶ ምስጋሩ እዪ። እዘን ንኣሽቱ ወለዶ ድማ ልክዕ ከምቲ ካብ ዓበይቲ ኣሕዋተንን ካብ ኣዴታተንን ዝርኣያኦ

ደድሕሪ ኣሰረን ክኽተላ ምርኣይ እዪ። ብሩኻት ኣሕዋትይ እስኪ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኢለን ብርዝነት ክመላለሳ ከም ዘለወን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፡ ወላ ቅድሚ ሕጂ ን ፍለጦ፡ደጊምና ንርኣዮ ክፍውሰና ድማ እዪ። 1 ጢሞቴዎስ 2፥9-10),,, ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። ከምኡ ድማ ኣብ 1 ጴጥ፡3፥3-6) ከምዚ ይብል,,,, ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ ከምዚ እየን እተሰለማ።ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡  ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡

ኣዋልዳ ኢኽን።ይብለና, ሰለዚ ብሩኻት ኣሕዋተይ ብሰንክና ሽም እግዚኣብሄር ክጽረፍ ኣይግባእን። ከምቲ ቃል ኣምላክ ኣብ ማከል ኣሕዛብ ኣካይዳኩም ኣጸብቑ ዝብለና፡ ከምኡ ኮይና ክንመላለስ ይግበኣና እዪ። ውሉድ ኣምላኽ ማለት እኳ፡ጓል ንጉስ ማለት እዪ። ጓል ንጉስ ድማ ረዛን እያ።ናይዚ ምድሪ ደቂ ንጉስ እኳ ከሳዕ ክንድዚ ካብ ረዘናን ካብ ተኸብራን፡ ንስኻትክን ደቂ እቲ ንጉሰ ነገስት፡ደቂ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድኣ፡ክሳዕ ክንደይ ክትከብራን ክትረዝናን ዘይግበኣክን? ነተን ካልኣት ንኣምላኽ ነቲ ዘላለማዊ ንጉስ ዘይፈለጣኦ ድማ፡ ብሂወትክንን ብኣነባብራኽንን ንጎይታ ንክርእያኦ ጸዓራ። እተን ክብረትክን ሓሊኽን ብርዝነትን ብክብርን ከምቲ ጎይታ ዝደልዮ ህይወት ትነብራ ዘለኽን ድማ ጎይታ ይባርኽክን።ብኡ በቲ ተረዲኡክን ዘሎ ሓቂ ጽንዓ። ነተን በዚ መገዲ ዘይመላለሳ ኣሕዋትክንን ደቅኽንን ድማ፡ከም ቃል ኣምላኽ ኮይነን ፡

ብፍርሓት ኣምላክን ብርዝነትን ክመላለሳ መታን፡ብፍቅርን ብሓልዮትን ምዓድኤን። ምኽንያቱ ኣብ ቲቶስ 2፥4-5 ,,, ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡  ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ 

ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። እዪ ዝብለና። ከምቲ ኣብ ሮሜ 12፥2*ነዛ ዓለም አዚኣ ኣይትምሰልዋ*ዝበለና፡ ብኩሉ ኣነባብራና ንዓለም ከንመስል ኣይግባኣናን እዪ። ኣምላኽ ዝብህጎን ዝሕጎሰሉን ሕይወት ክህልወና ይግባእ። ኣነ ሓውኽን ምንም ካባክን ዘብልጽ ዘይብለይ ብማዕረ ዋጋ፡  ማለት ብደም የሱስ ዝተዓደግና፡ከምዚ ብምባለይ ብሓልዮት ክረስቶስ ተደሪኸ ዳኣ አምበር ምንም ድኻም ዘይብለይ ኮይነ ኣይኮንኩን። ምስ እዚ ቃል እንተ ተሰማሚዕክን ከምዚ ኢልክን ጸልያ አግዚኣብሄር ኣምላክ ስለቃልካ የመስገነካ፡ተረዲኡኒ ይኹን ከይተረዳኒ፡  ንቅዱስ መንፈስካ ዘሕዘንክዎ መሓረኒ።ከም ቃልካ ክነበር፡ርድኣኒ። ኣብ ዘመነይ ኩሉ ፡ብናብራይ ብህይወተይ ንዓኻ ከኽብረካ፡ ይውስን ኣለኹ። ብኣይ ምኽንያት ሰባት ከድሕኑ አምበር፡ ከይ ዕንቀፉ፡ ብኣይ ምክንያት እቲ ቅዱስ ሽምካ ከይጽረፍ መታን፡ ጸጋኻ ሃበኒ ንዓኻ ክነብር ሓይሊ ሃበኒ።ኣሜን።

 

by Tony Abraham