19
Fri, Apr
0 New Articles

ሒደት ማይ ብሑቕ

Message 4
Typography

“ሒደት ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ የብኵዖ እዩ።“(ገላ5,9) • እዛ ቃል ንምብራህ ናይ ግድን ምሉእ መልእኽቲ ሰብ ገላትያ ምንባብን ምርዳእን የድልየና እዩ።ምኽንያቱ እቲ መልእኽቲ ኣብ ኩነታት እቶም ተቐበልቲ ናይቲ መልእኽቲ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ።ብሕጽር ዝበለ ግን፣

• ሰብ ገላትያ ናይ ጸጋ ወንጌል ሰሚዖም ምስ ዳሓኑ፣ብዙሕ ከይጸንሑ ናብ “ካልእ ወንጌል“ እዮም ዝተገልበጡ።(ገላ1,6)
• “ካልእ ወንጌል“ ክብል ከሎ ንኣመንቲ ገላትያ=ክርስቶስ ካብ ኣዒንቶም ዝኣለየ፣ንሓቂ ከይእዘዝዋ ዝዓዘመ፣ካብ ጽቡቕ ጉያኦም ዝዓገቶም፣ከም ብሓድሽ ብኣርዑት ባርነት ክቑረኑ ዝገበሮም ኮታ ካብ ክርስቶስን ጸግኡን ዘዉደቖም ትምህርቲ እዩ።
• እዚ ትምህርቲ እዚ ሰብ ክጸድቕ እንተኾይኑ፣ብክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ዘይኮነስ፣ሕጊ ሙሴ (ናይ ኣይሁዳዉያን ናይ ሃይማኖት ስርዓት)ክሕላዉን ኣለዎ ዝብል እዩ ዝነበረ።
• እዚ ካብ ክርስቶስ ዘዉደቖም ሓባሊ ትምህርቲ ካብቲ ዝጸወዖም ከም ዘይመጸን፣እቲ ነዚ ኩሉ ምግልባጥን፣ብልሽትን፣ምዝንባዕን ድማ ሒደት ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ ከም ዘብኵዖ እዩ ዝተዛረቦም።(ገላ5,9
• መልእኽቲ ገላትያ ድማ ነዚ ንምእራምን ንምሕዳስ እተጻሕፈ መልእኽቲ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ ።(ገላ4,17-19 ገላ6,1)
• ነቶም ኣብ ማእከሎም ካልእ ወንጌል ዝምህሩ መምህራንን ትምህርታቶምን እዩ ሒደት ማይ ብሒቕ ዝብሎም ዘሎ።
• “ማይ ብሑቕ“ ዋላ እኳ ዉሑድ እንተኮነ ነቲ ብዙሕ ብሑቕ ግና ናይ ምብካዕ ሓይሊ ኣለዎ።
• እቲ ዘገርም ድማ “ማይ ብሑቕ“ ካብቲ ብሑቕ ዝመጽእ ምዃኑ እዩ።
• “ማይ ብሒቕ“ ብርእሱ ዝጠቅም የብሉን።ማይ ብሑቕ ኣብ ጥቕሚ ንምዉዓል ምስ ካልእ ክሕወስ ኣለዎ።
• “ማይ ብሑቕ“ ቅድሚ ምሕዋሱ ማይ ብሑቕ እዩ።ድሕሪ ምሕዋሱ ግና ብዉጺኢቱ እምበር ብመልክዕ ኣየፍልጥን እዩ።
• “ማይ ብሑቕ“ ብዙሑ ዘይኮነስ፣ ባህሪኡ ስለ ዝኾነ እዩ ነቲ ዝበዘሔ ብሑቕ ዘብኩዖ።
• “ማይ ብሒቕ“ ናብ ብሑቕ ኣትዩ ብቅልጡፍ ክስንከት እሞ ክብላዕ ይገብር።
• “ማይ ብሑቕ“ ኣብ ብሉይ ኪዳን 17 ግዜ፣ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ 13 ጊዜ ተጠቑሱ ንረኽቦ።
• እዞም ኣሃዛት ድማ 99% ክባሃል ብዝኽእል ብኣሉታዊ መልክዕ እዮም ተጻሒፎም ዘለዉ።
• እዞም “ብሒደት ማይ ብሒቕ“ እተመሰሉ መምህራንን ትምህርቲታቶምን=ኣብቲ ናይ ጸጋ ወንጌል ምልዋጥ=ኣብቶም ሰዓብቱ ድማ ንምዕዛም ዓየዩ።
• እዚ ምዕዛም እዚ ኮነ ኢሎም ብትምህርቶም ዝፈጸምዎ ስለ ዝኾነ ጥንቋላ እዩ።
• ምኽንያቱ ኮነ ኢልካ ንናይ ሓሶት ትምህርቲን ኣምላኽን ምስዓብ ጥንቋላ ስለ ዝኾነ።
• ኣብ ካሎኦት ትርጉማት ዉን “መን ዓዘመኩም“ ንዝብል ቃል “መን ጠንቋለልኩም“ እዩ ዝብል።
• እዞም ሒደት ማይ ብሒቕ ብዕላማ ንመስቀል ክርስቶስ መዓንቀፊ ደርበዩን ኣንጻር እቲ ንጹር ምህሮ ሓድሽ ኪዳን ዓየዩ።ፍርዶም ግና ንጹር እዩ።(ገላ5,11-12)
• እቲ ስጋብ ክንድዚ ክኸዱ ዝገበሮም ምኽንያት ቅዱስ ጽሒፍ ክነግረና ከሎ፣
“እቶም ንሰብ ብስጋ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብልኹም ዘለዉ።ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም አለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም።“(ገላ6,12-13)
• መስቀል ክርስቶስ ሰቢኽካን ብፍርሃቱ ክትነብር ደሊኻን ብዘይ መስጓግትን ስደት ምዃን ኣይካኣልን እዩ።
• እምበኣርከስ ሒደት ማይ ብሒቕ ብእዋኑ ዘይምዉጋድን ዘይምጉሓፍን ኣብታ ማሕበር ክርስቶስ ዘምጽኦ ሃይማኖታዊ፣ዓለማዊ፣ሰይጣናዊ ልምምዳት ቀሊል ከም ዘይኮነን ክዕረ ስጋብ ዘይክእል ዉን ብልሽት ከም ዝፈጥር ጉዕዞ ገድሊ ቀዳሞት ሃዋርያትን ታሪኽ ቤተክርስትያንን ምርኣይ እኹል እዩ።ማለት ሃዋርያት ወልጌል ንምዕቃብ ዝኸፈልዎ ዋጋ ቀሊል ኣይነበረን።
• እዚ ዘመናዊ ኣማኒ ግን ብዘይ መጠን ልብጠት ይራኣዮ ኣሎ።ንመንፈሳዊ ህይወትን ንሓቀኛ ቃል ኣምላኻዊ ልምምድን ሸለልትነት የርእይ ኣሎ።
• ንኩሉ ነገር “እንታይ ኣለዎ“ እንተዘይኮይኑ ድሕሪ “እንታይ ኣለዎ“ ዘሎ መንፈሳዊ ብልሽት ይራኣዮ የሎን።
• “ነዛ ንእሽተይ“-“ እዛ ቀላል“ እናበለ ንሒደት ማይ ብሑቕ ኣትኩሮ ነፊግዎ ይርከብ።
• እቶም ዓበይቲ ካብ ናእሽቱ ምጅማሮም ከመይ ግን ዘየነስተዉዕል?
• ጉዕዞ 40 ዓመት ብሓንቲ ስጉምቲ ከም ዝጀመርዎ ንምንታይ ክንዝክር ዘይደለና?
• ሒደት ምንዓቕና ንብዙሕ ዘይምግዳስና ጥራይ እዩ ዘመልክተልና።
• ንማይ ብሒቕ ማይ ብሑቕ ምባል ሓጥኣት እንተዝነብር ክርስቶስን ሃዋርያቱን ካብ ማይ ብሑቕ ተሓለዉ ኣይምበሉን።
• ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለዉ ዘይቃል ኣምላኻዊ ምህሮታትን ልምምዳትን ኣብ ክልተ ቀራና መገዲ ደዉ ኣቢሎምና ይርከቡ።

1-ወይ ከም ዘለዎ “ብእንታይ ኣለዎ ክንሓቕፎም“
2-ወይ ድማ “ዉድቀት ኣለዎ ኢልና ክንነቕፎም“

• ነዞም ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት መልሲ ክንህብ ከኣ ንግደድ።
• እንተ ሓቁፍናዮም ኣብኩዖም ክንስንከት ብምግባር ግዳይ እቲ ገበል እተባህለ ድያብሎስ እዮም ኣሕሊፎም ክህቡና።
• እንተ ነቒፍናዮ ግና ምእንቲ እቲ ትምህርቲ መሰቀልን ዉጺኢታትቱን ኣብ ኩሉ ቦታ ክንስጓግ ኢና።ብዝተፈላለየ ዓይነት ሲስተም መስጓግቲ ከጋጥምና እዩ።
• እሞ እንታይ ንግበር?
• ካብ ማይ ብሑቕ ማለት ካብ ኩሉ ዘይቃል ኣምላኻዊ ዝኾነ ልምምድ፣ሓጥኣትን ድፍረትን ንተኣርነብን ንተሓሎን ንተጠንቐቕን።
• እዚ ድማ እንደሊኻዮ እንተ ጨኪንካ ክርስቶስ ኣብ ዉሽጥኻ ስለ ዘሎ ከኽእለካ እዩ።
ኣሜን ጎይታ የሱስ ንዓ።ማራን ኣታ!

by Maranatah Js