19
Fri, Apr
0 New Articles

እቲ ዶክቶር

Message 4
Typography

ሰሓቕ ሓጎስ ፍቕሪ መለለዪ እታ ስድራ እዩ። ጎሮባብቲ ዘመድ ኣዝማድ ብዘለዎም ሕውነትን ፍቕርን ኣዚዮም እዮም ዝግረሙ። ብእኦም ዘይቀንእን ከምኦም ክኸውን ዘይምነ የልቦን። ምንም እኳ እምብዛ ምርእያትን ዝፈስስ ሃብትን እንተ ዘይብሎም ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ናይ ዕለት እንጌርኦም ማእሪሮም ዝኣቱ ስድራ እዩሞ። “ኣንቲ ደሓን ድዩ ደኣ ክሳብ ክንድዚ ኣምስዩ” በለታ ሓውሲ ምሽቓል ጌራ ነታ ንእሽቶይ ሓፍታ። “እንድዒ ንዓይ እውን ገሪሙኒ እዩ ዘሎ” ኢላ ተመሊሳ ሻቖሎታ ገለጸትላ። ኣብ ከምዚ ሻቕሎት ከለዋ እየን ማዕጾ ቤተን ዝተዃሕኾሐ። ክልቴኣተን ብሓንሳብ ብድድ ኢለን ክኸፍትኦ ተሃወኻ “ኦፍ ተመስገን ኣምላኽ ኣንታ እንታይ ደኣ ጌርናካ ተሻቕለና ደሓን ዲኻ” በለቶ ሕርቕ ኢላ እታ ዓባይ ሓፍቱ። “ከምኡ ትገበር ከክፍኡ ክንሓስብ እኮ ኢና ጸኒሕና” ደገመት እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ። “ኦ ኣይትሓዛለይ ኣጋጣሚ ስራሕ ቁሩብ ጺዒቅኒ ዳሓር ከኣ እዚ ኣብ ጎረቤታና መጺዩ ዘሎ ጋሻ ክንርእዮ ኢልና ኣላጊስና” ኢሉ ምኽንያት መደንጎይኡ ነገረን። “ናፊቕናካ ኸኣ ዊዒልና ከመይ ከ ዊዒልካ ዶክተር ረኺብካዮ ዶ ሎሚ ኸ?” በለቶ እታ ዓባይ ሓፍቱ ንሓዋ። “እወ ንግሆ ቅድሚ ስራሕ ምእታውና ረኺበዮ ኔረ። ክገርመክን ዘረብኡ ኩሉ ሚስጥር እዩ እዚ ኸማን ሰዓት ኣኺሉኒ እምበር ምሉእ መዓልቲ ምስኡ ክውዕል ኣይጸላኩን” ኢሉ መለሰለን። “ኣብዚስ ኣጋ ፋዱስ ኣቢሉ መጽዩ ኔሩ እንድዩ ኣነ ዝገርመኒ ናይ ዶክተር ሓንቲ መዓልቲ ደኺመ ኢሉ ዘይፈልጥ ክንደይ ግና ደስ ክብለካ እዩ? ሕሰቦ እሞ ምስ እዚ ኹሉ ፍልጠቱ ክእለቱ ናባና ብዘይምቁራጽ ምምጽኡ?” በለት እታ ንእሽቶይ ሓፍቶም ብምግራም። “ኣብ ዘረባ ዶ የእቲናካ ጠሚኻ ትኸውን እንቲ እንታይ ደኣ ተዓኒድኪ ድራር እባ ሃየ ቐርቢ” በለት እታ ዓባይ ሓፍቶም “ደሓን እየ ኣይጠመኹን ከኣ ድሓር ከኣ ገጽ ትፈትዎን ትናፍቖን እንተ ሪኢኻ ትጸግብ እንዲኻ” በለን እናሳሓቐ “እታ ዝበልኩኻ ትህበኒ ዲኻ” በልቶ እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ናብኡ ሕግብግብ እናበለት “ኣንቲ ሓሚምኪ ዲኺ ቅድም እሞ ድራር ቀርቢ” በላታ ሓውሲ መግናሕቲ ወሲኻ። “እዚ ኣምላኽ ሲ ክንደይ ይፈትወኒ እዩ ንዓኽን ምሃቡ ንስኹን እኮ ንዓይ ኩሉ ኢኺን ተመስገን መድሃኒኣለም ኣቦይ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ “ባርኸልና በል” በልኦ ሓቢረን። “ስራሕ እሞ ከመይ ዊዒሉ” ኢሉ እናበለዑ ነታ ንእሽቶይ ሓብቱ ሓተታ “እዚኣስ ወደይ እንታይ ሲኢና እያ ኣየነይ ከ ዝጠቅም ይህብዋ ኾይኖም እዮም” በለት እታ ዓባይ ሓፍቶም “ኣነ እናሰራሑኩ ኣንቲ ብርኽቲ ሓፍተይ ደሓር ከኣ መዓስ ሲኢና ዘይትሓድግዮ” ኢሉ ብስኽፍታ ነታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ሓተታ “ደሓን እኮ እዩ እቲ ስራሕ ከኣ ኣይጸላእክዎ” ኢላ ብትሑት ቃላት መለሰትሎም መሊሳ ድማ “እተን ዝበልኩኻ ግዳ ሃበኒ” “ጸገም የለን ግና ንምንታይ ኢኺ እዚ ገንዘብ ተዋህህልልዮ ዘለኺ” በላ ሓዋ “ሓቂ ክዛረብ ንዶክተር ስለ እቲ ዝገብረልና ዘሎ ሓለፋታት ሓንቲ ህያብ ገዚኤ ክህቦ ስለ ዝደለኹ እየ” ኢላ እና ሓፈረት ድሌት ልባ ነገረቶም። ክልቲኣቶም ካዕ ኻዕ ኢሎም ሰሓቑ “ንዶክተር ዝኸውን ህያብ ደኣ ኣበይ ክርከብ” በላ ሓዋ “እንቱም እዚ መኣዲ ይዝሕል ኣሎ በጃኹም እባ ብልዑ” ኢላ ካብ ዕላሎም ኣቓራጸቶም “ጸጊብና ጥዑም ምግቢ” ኢሎም ንሓፍቶም መለሱላ “በጃኹም እባ ሕጂ ኸ ክጋሕፍ ድዩ” እናበለት እታ ሸሓኒ ክሳብ እትሕንኮኽ ንኽልቲኦም ኣኸለስቶም። “እሞ ኣነ ደኺመ ኣለኹ ርእሰይ ከኣ ቁሩብ የሕመኒ ኣሎ እሞ ክድቅስ በጃኽን” በለን ሓወን “እዋእ ተጸሊልካ ዲኻ በጃኻ የዕልለና ገና እንድዩ ዘሎ ዘይኣመልካ” ኢለን ከዕልለን ግዲ በልኦ። ሓውን ስለ ዝተሰከፈ እዩ እምበር ርእሱ ኣዚዩ የሕምሞ ነበረ ኣካላቱ ኹሉ ኸኣ ይቐራጥሞ ነበረ። “ደሓን ደሓን ኢሉ ብድድ ኢሉ ናብ መደቀሲ ገጹ ሰገሞ። “ንሕና እውን ንደቅስ እንታይ ደኣ” ኢላ ብሓውሲ ሕርቃን እታ ንእሽቶይ ሓፍቶም ተዛረበት። ነናብ መደቀሲኦም ከኣ ኣመርሑ። “እዋይ እንታይ ኣውናኡ ደኣዩ ወጊሑ ኢላ ነታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ነቕኒቓ ንሓዋ ከተትንስኦ ኣተሰኣታ። ጎያ ኸይዳ ኸኣ ንሓዋ ኣብ ግንባሩ ሲዒማ ነቕነቐቶ። “ኣንታ ተንስእ እባ በጃኻ ሰዓት ኣኪሉካ እኮ እዩ” እናበለት ነውነወቶ። ምንም ድምጺ ግና ኣይነብረን። ነታ ገዛ ብኣውያት ጨደደታ። እታ ዓባይ ሓፍቱ ዝርኣየት ዘይብላ ናብቲ ሓዋ ዘለዋ ኽፍሊ ኸይዳ ኣእወየት “ሞይቱ እዩ መስለኒ” በለት እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ። “ውይ ኣምላኽ በጃኻ ውይ ፈጣሪ ኣይትጨክን” ኢላ እታ ዓባይ ሓፍቱ ኣውያታ ቐጸለት። ኣውያት ዝሰምዑ ገረባብቲ ናብቲ ቤት ወረር ወረ በሉ። “ደሓን ዶ ኣይኮንክንን እንታይ ተረኺቡ” ዝብላ ቓላት ነታ ቤት መልኣ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዓቢ ሰብኣይ ጎረቤተን ናብቲ ሓወን ዘለዉ መደቀሲ ከይዶም ኩነታት ሓወን ተኸታተሉ እሞ “ኣንትን ተጸሊልክን ዲኺን ደሓን እዩ ዘሎ በጃኽን ስቕ በላ” ኢሎም ገንሕዎን ነትን ክልተ ኣሓቱ። “ደሓን እዩ ኣቦ ደሓን እዩ” ኢለን እናነበዓን እናተንቀጥቀጣን ተዛረብኦም። “ማይ ዝሑል ጥራይ ሃባኒ” በልዎን። ማይ ዝሑል ከኣ ኣፈሰስሉ። ኩቱር ዝኮነ ረስኒ ነበሮ። እቲ ኣብ ዓራት ዘሎ ሓወን እንትርፎ የዒንቱ ቁሊሕሊሕ ምባል ክዛረብ ኣይከኣለን። “በጃኽን እስከ ስቕ በላ እሞ ናብ ሕኽምና ተቐላጢፍና ጥራይ ንውሰዶ” በልዎን ኣቶም ዓቢ ሰብኣይ። ተሰኪሞም ከኣ ናብ ሕኽምና ወሰድዎ። ሓኪም ምስ ረኣዮ እምብዛ ሰንበደ “ኢሂ ደሓን ዶ ኣይኮነን እዩ” በለት እታ ዓባይ ሓፍቱ። “ሓውኺ ኣዚዩ ተወጺዑ እዩ ዘሎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። እዚ ንዓይ ልዕሊ ዓቐመይ እዩ። ክስብ ሕጂ ምጽንሑ እውን ይገርም እዩ ብዙሕ ኣይትድከማ” ኢሉ ዘረቡ ከይወደኣ ከሎ ክልቲኣተን ኣሕዋቱ ኡይ እንዳበላ ክበኽያ ጀመራ “ደሓን ሓወይ ኣይመውትን እዩ ኣይመወትን እዩ” እናበለት እታ ዓባይ ሓፍቱ ነታ ንእሽቶይ ጎቲታ ካብቲ ገዛ ኣውጻታ “ኣጆኺ ሓውና ኣይሞውትን እዩ። ንስኺ ቐልጢፍኪ ብዝረኸብኪ ሰብ ንዶክተር ለኣኽሉ። ንሱ ጥራይ እዩ ጥዑይ መድሃኒት ዘለዎ። በጀኩኡ ንሕማሙ ክፈልጥ ዝኽእል የልቦን ስለዚ ብቕልጡፍ ከይደንጎኺ ለኣኽሉ” ኢላ ንሓፍታ ሓደራ ሂባ ናብቲ ሓዋ ደቂስዎ ዘሎ ሕክምና ከደት። እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ኸኣ ናብ ዓርኪ ሓዋ ኸይዳ “በጃኻ ዓርክኻ ሓሚሙ ኣሎ ስለዚ ንዶክተር ከይድካ እባ ጸውዓዮ” ኢላ ተኽቶኾቶ “ዘየለ ትማሊ ብስራሕ ናብዛ ጥቓና ዘሎ ዓዲ ከም ዝገይሽ ሰሚዒ ኣለኹ” “በጃኻ ዝገበርካ ጌርካ ዋላ ናብኡ ኸይዳካ ንገሮ ምሕማሙ እንተ ሰሚዑ ከም ዘይኣብየካ ካልእ ስርሑ ሓዲጉ ከም ዝመጻ ርግጸኛ እየ” ኢላ ግዲ በለቶ። ንሱ እውን “ሓራይ ደሃን ይኸይድ ጥራይ ይምጻኒ እምበር” ኢሉ ብጉያ ተመርቀፈ። “ኣንትን ተጸሊልክን ዲኽን በጃኽን እባ ስቕ በላ” እናበሉ ነትን ዝንዛሕ ዝበኽያ ዘለዋ ኣሕዋቱ ከደዓኦስዋን ፈተኑ። ኣሕቱ ግና ልበን ብሓዘን ተሰብረ ውሽጠን ከኣ ተሳፍ ምቑራጽ መልኣ። “ምስ መን ሓድግካና ክትከይድ ኣይትጨክነልና እባ መን ዶ ኣሎና እዩ በጃኻ ኣንታ ቡሩኽ ሓውና” እናበላ ክበኽያ ከለዋ እቲ ምስኣን ከሰንይን ዝመጸ ሰብ ከኣ ብድንጋጸ ምስኣን ይደናግጸን ይበክን ነበረ። እታ ሓኪም ነቶም ዓቢ ሰብኣይ ጸዊዑ “እሞ ተስፋ የብሉን ስለዚ ካብ ኣብዚ ዝዓርፈኩም ገዛ ውሰድዎ” ኢሉ ሕሹኽ በሎም። ሒዞሞ ኸኣ ናብ ገዛ ተምልሱ። እቲ ዝሓመመ ሓወን ኣሕዋቱ ክንብዓን ክበኸያን ምስ ረኣየ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ሕማም ተወሳኺ ቃንዛ ኾነ ኢድ ጌሩ ኸኣ ጸወዓን ነሕዋቱ “ክልተኢን ሕቑፍ ኣቢለን ከኣ “በጃኻ ንፈትወካ ኢና ኣይትኽደና ንዓና ኸ ምስ መን ምስ መን” በልኦ ኣናበኸያ ሓወን ቁሩብ ርእሱ ስለ ዝፈለጠ ብትሑት ድምጺ “ኣይትብከያ ተሞትኩ ናብ ኣቦይ እኮ እየ ናብ ሰማይ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ ኣፉ ልኽት በለ:: እቲ ናብቲ ዶክተር ዝተላእኸ ዓርኪ ሓወን ከኣ ኣብቲ እቲ ዶክተር ዘለዎ ቦታ በጽሐ። ዶክተር ግና ብሑሙማት ተኸቢቡ ነበረ እሞ እቲ ልእኹ ንምራካቡ እኳ ጸገሞ ደሓር ግና እቲ ዶክተር ብማዕዶ ራኣዮ እሞ “ደሓን ዲኻ” ኢሉ ፍሽኽ ኢሉ ሓተቶ “ዓረክይ ሓሚሙ ተወጺዑ እዩ ዘሎ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ሓኪም ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ እዩ ነጊሩና ኣሕዋቱ እገሊት ኣገሊት ግና ንስኻ ክትሕክሞ ከም እትኽእል ስለ ዝፈለጣ እየን ናባኻ ልኢኸናኒ ስለዚ ዝገደፍካ ገዲፍካ ንዓናይ በጃኻ” ህውኽ ህውኽ ኢሉ ነገሮ “ደሓን ሕጂ ከም እትርእየኒ ኣብ ስራሕ እየ ዘለኩ ግና ክመጽእ እየ። ደሓር ከኣ ቀሊል እዩ ኣይትሸገራ ክመጽእ እየ ጥራይ ህድእ በላ በለን ነተን ቡሩካት” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዓርኩ ብዘረብኡ ተገረም ሕርቃኑ ኣብ ቅድሚኡ ከውጾ ስለ ዘይደለየ እዩ እምበር ውሽጡ ክምትር በለ” ኣቤት ጭካነ ኣብ ቤቶም ኣታውን ወጻእን ኔሩስ ኣብ ሕጂ በጺሑ ዘሕዝን እዩ” በለ ብልቡ “እንታይ ድዩ መሲልካ እቲ ሓኪም ሓቁ እዩ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ንዓይ ግና ከቢድ ኣይኮነን ስለዚ ክመጽእ እየ” በሎ ዓርኩ ብሓርቖት ዘረብኡ ከይወደኣ ዶክተር ዝብኑ ሂብዎ ናብቲ ዝመጾ ተምልሰ። “እሂ እንታይ ኢልካ” ኢለን ክልቴን ብሕቶ ኣዋጠርኦ። ንሱ ገጹ በርበረ መሲሉ ስቕ በለ ክዛረበን እውን ኣይደለየን “እይረኸብካዮን ዲኻ” በልኦ “ምርካብ ረኺበዮ እየ’ እፎ ተመስገን እሞ ይመጽእ ኣሎ “ምምጻእ ኣብዩኒ” እንታይ ኢካ ትብል ዘለኻ “ክመጽእ እየ ኣይትረበሻ” ጥራይ በለን ኢሉኒ ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ እቶም ጎሮቤቶም ዓቢ ሰብኣይ መጽእዮም ሓወን ከም ዝዓረፈ ነገርዎን። እታ ገዛ ብብኽያትን ብኣውያትን መልኣት። ነገር ኩሉ ጸልመተን። ዝኾነ ነግር ከኣ ምእማን ጸገመን። እታ ሓጎስን ሰሓቕን ዝነበራ ገዛ ብሓዘን ብኽያትን ተዋሕጠት። እታ ብርሃን ዝበርሃ ቤት ብጸልማት ተከበት “ስለምንታይ ስለምንታይ ንዓና እንታይ በዲልና እንታይ ኣቢስና ወይ ዕድልና ሓሚቑ” እናበለት እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ከተግረምርም ጀመረት። “መዓስ ከምዚ ኾይኑ ኔሩ ሕልምና መዓስ ከ ጽጊብናካ በጃኻ እባ ኣይትጨክነልና ፍትው ሓወይ” እናበለት እታ ዓባይ ሓፍቶም ክትበኪ ከላ ሰብ ልቡ ሓቦጭቦጭ በሎ “እቲ ዶክተርሲ ተላኢኹሉ እዩ ኢሎሞ” በላ ዓባይ ሰበይቲ “ጨካን እዩ ግና ኣብቲ ገዝኦም እኮ ኣታዊ ወጻኢ እዩ ኔሩ” በለኣን እተን ኣብቲ ቐብሪ ምስኣን ዝነበራ ሰበይቲ “እሱ ተትመጽእ ኔሩ ኣይምሞተን መድሃኒት ናቱ ፉሉይ እንድዩ” ኢለን ደገማ እተን ጥቀኣን ከይነን ዝሰምዓ ዝነብራ ሰበይቲ። እቶም ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ንምጽንነዓን ኣዝዮም እኳ እንተ ፈተኑ ግና ኣሕዋት እቲ ዝሞተ ክድበሳ ኣይከኣላን። ብፍላይ ተትሓቢኣን ናብቲ መቓብር ከይደን እናበኸያ ኣሸገርኦም። “ኣነ ዘሕዘነኒ ናይቲ ጨካን ዶክተር እዩ እንታይ ኣለዎ ድዩ? መጽዩ ተራኣዮ መድሃኒት ተሃቦ” በልት እታ ዓባይ ሓፍቱ ነቲ ከጸናንዖን ኢሉ ኣብ ዙርእየን ዝነበረ ሰብ “ደሓን ብቀዳማይ እቶም ኣብ ፊት ገዛን ዘለዉ ሰብኣይ ወዶም ምስ ሓመም ምስ ጸውዕዎ ቐልጢፉ መጽዩ ወዶም ከኣ ካብ ሞት ሰሪሩ ንዓና ግና ደሓን..” ኢላ ዘርብኣ ከይወደኣት ፊቕ ኢላ በኸይት። ክቲኤን ኣሕዋት ንግሆ ንግሆ ተስኤን እየን ዝበኽያ። ገጸን ብሓንሳብ እዩ ተደዊኑ ብፍላይ ምስቲ መገለጺ ኤልን ተኸዲነንኦ ዘለዋ ጸሊም ክዳን ተሓዊሱ ደመት ትርኢተን ኩሉ ካብኣን ሃዲሙ እዩ። ገጸን ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ጥራይ እዩ ዝንበብ። ንግሆ ተሲኢን ከም ልማደን ክበኽያ ከለዋ ሃንደበት ማዕጾ ገም ገም በለ። ዓደ መንእሰይ “ዶክተር መጽዩ” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ። እታ ዓብይ ሓፍቱ “እንታይ ክገብር መጽዩ ሕጂ እንታይ ክዓብሰልና ሓወይ ምስ ሞተ እንታይ ክገብር መጽዩ እንታይ ክገብር” ኢላ ብዓዋታ ተዛረብት “ኣበይ ኣሎ” ኢላ እናገየይት ናብቲ ዶክተር ዘልዎ ቦታ ኸደት “እምበኣር ሕጂ መጺኻ ኣብቲ ዝደለናካ ግዜ ግና ዝባንካ ሂብካና” ኢላ እናበኸይት ኣብቲ ምድሪ ከረውረው በለት “ኣትንስእዋ” በለ እቲ ዶክተር። ሓፍታ ኸኣ ደድሕሪኣ ሰዓበት “እንታይ ዶ ጌርናካ ኢና እንታይ ዶ ኣለዎ እዩ” ኢላ እታ ንእሽቶይ ሓፍቱ ብምግርምራም ንዶክተር ተዛረበቶ። ዶክተር ኩነታትን ምስ ረኣየ ልቡ ድንጋጸ መልኣ እሞ ናብኣን ቀሪቡ ፊቕ ኢሉ በኸየ። እቶም ዝራእዩ ዝነብሩ ሰባት ከኣ “እንታይ ክዓብስ ሕጂ ምስ ለኣኻሉ ክመጽእ ኔርዎ እምበር” እናበሉ ሓመይዎ። “ኣበይ ኣሎ” በሎም ዶክተር ዓው ኢሉ። “ካብ ዝመዉት እኮ ነዊሕ እዩ ጌሩ ሕጂ ኣርኢናካ ኣይርኢናካ ለውጢ የለን” ኣላ መለስትሉ እታ ዓባይ ሓፍቶም “ደሓን ጸገም የለን ጥራይ ኣርኡይኒ ኣበይ ኣሎ” ናብቲ መቃብር ሒዛሞ ከዱ። “ሕጂ እንታይ ክዓብስ ድሕሪ ማይ ኣባዓቲ” ኢላ ብልበን ይሓምያ ነብራ እቶን ኣሕዋት እቲ ምውት። ዶክተር ‘እስከ ክፈትዎ” ኢሉ ዘረባ ክቕጽል ምስ ደልየ ዘረብኡ ኣቃርጽ ኣቢላ “ከመይ ጌሮም ክኸፍትዎ ጨኒ መሽምሹ እኮ እዩ ተስፋ የለን ተወዳኢ እኮ እዩ በቃ ቁስልና ዲኻ ክትጎድኣና ደሊኻ ሕጂ ጊዜኡ ኣኺሉ እዩ ተወደኢ እዩ ኣጀንዳ ተዓጽዩ እዩ በቃ” ኢላ ጨደርት ዶክተር ፍሽኽ ኢሉ ኣይትተሃውኺ። ኣነ እንታይ ይገብር መዓስ ይመጽኣ ይፈልጥ እየ” ኢሉ ብሓውሲ ምግንሕ ተዛረባ ደጊሙ ነቶም ኣጋባዝ ክፈትዎ በለዎ ‘እንታይ ከርኣየና እዩ። ሕጂ ከኣ ሬሳ ክኽፍት ዝጨነወ” እናበሉ ኣግሮምሮሙ “ኣንታ ዝብለኩም እንዶ ስምዕዎ ዶክተር እኮ” በለት እታ ንእሽቶይ ሓብቶም። ነቲ መቓብር ከፈትዎ ናይቲ ሬሳ ጨና ነቲ ኸብቢ በከሎ። ኣንታ ንዓና እውን ክቐትለን እዩ ወይ ጉድ ክንሪኢና ኢና ዝብል ድምጺ ነቲ ኸባቢ መልኦ።ዶኽተር ዓው ኢሉ “ኣንት ሬሳ ብሰባት ዝተቐብርካ ተስፋኻ ዝጸልመተ ናብ ምውታት ዓለም ዝኸድካ ናትካ ነገር ብሰባት ዘብቀዓ ብርሃን ከሎ ዝጸልመተካ ጎልጎል ከሎ ዓቐብ ዝነካ ራኢኻ ምስኻ ዝተቐበረ ኣታ ሬሳ ተስእ” ኢሉ ጨደረ። እቲ ሬሳ ፍንሕንሕ ክብል ጀምረ ብድድ ኢሉ ኸኣ ተንሰኣ “መጋንዙ ዝኣሰሮ ፍትሕሉ” ኢሉ እንደገን ብዓውታ ኣዘዘ። ዶክተር ኣሕዋቱ ኣእዳወን ኣብ ኣፈን ኣንቢረን ምዝራብ ሰኣና “ዶክተር ዶክተር ንስኻ ዶክተር የሱስ ህያው ኢኻ ዓቢ ኢኻ ኣምላክ ታሪኽ ኢኻ ኣምልኽ ተኣምራት ኢኻ ኣምላኽ ብርሃን ኢካ” ኢለን ብጉያ ኣብ እግሪ ዶክተር የሱስ ተደፍኣ። ኣንቱም ሰባት “ዝሞተ ህያው ዝገብር ዘይከኣል ዝኻል ንዝተቐብጸ ከም ብሓድሽ ዝጅምር ኣምላኽ እዩ እሞ እመንዎ። በላ ብዓውታ ነቲ ኣምልኽ ተኣምራት የሱስ እናንመልከታ። መሊሰን እውን ወሰኻ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፋ ብፍልይ ኤርትራውያን “ኣብኡ ተስፋ ኣሎ ገና ኣይተወደኣን ምረትኩም ምቁር ዝኾነሉ ግዜ ጸልማትኩም ዝግፈፈሉ ሰዓት ርሑቕ ኣይኮነን። ኣዚ ናይ ሕጂ እሮማዩኩም እዚ ናይ ሕጂ ንብዓትኩም እዚ ንይ ሕጂ ስለምንታይኩም መኸትምታ ክገብረሉ ዶክተር ይመጽእ ኣሎ። እቲ ንሓውና ኣልኣዛር ካብ መቃብር ዘትንሰኣ እቲ ንብዓትና ዝድርዘ ኣቲ ዘኽበረና የሱስ ናባኹም ከም ዝመጻእ ንሕና ኣሕዋትኩም ማርታን ማርያምን ርግጸኛታት ኮይና ንነግረኩም ኣሎና። ስምዑና ዘርባና ኣብ ልብኹም የእትውዎ። እቲ ዝኸውን ክይኮን ኸሎ ንቲ በዓል ግርማ የሱስ ባርኽዎ ዓልሉ። ናብ ዶክተር ዝለኣኽኩውሞ ልእኹ በጺሑ እንሆ ድክተር ነቲ መቓብር ክኸፍቶ ብቕልጡፍ ይምጽእ ኣሎ:: ተፈጸመ !!!