20
Sat, Apr
0 New Articles

እታ ሹነማዊት ሰበይቲ

Message 4
Typography

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2ነገስት 5:8-37 ሓደ ዘደንቕ ታሪኽ ናይ ሓንቲ እተደንቕ ሰብይቲ ንርከብ። እታ ሰበይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ሹነማዊት ሰበይቲ” ተባሂላ እያ ተጠቒሳ ዘላ። እዛ ሰበይቲ፡ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ነይርዋ፡ እቲ ጸገማ ድማ ውላድ ኣይነበራን። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ሰብኣያ ኣሪጉ እዩ። እዛ ሰበይቲ ዝነበረቶ ኩነታት ቅድሚ ምርኣይና፡ ኣቐዲምና እዛ ሰበይቲ ከመይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረት ማለት ሓፈሻዊ መንነታ፡ ባህርያታን ስብእነታን ክንርኢ ክንፍትን ኢና።


ቀዳማይ፡ እዛ ሰበይቲ ሃብታም ሰበይቲ እያ ነይራ። እዚ ማለት ቅኑዕን ኣድላይን ኮይኑ ዝተራእያ ክትገብር ዘኽእላ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዝነበራ ሰበይቲ እያ።
ካልኣይ፡ እዛ ሰበይቲ ንዕላማኣ ቆራጽን ተቓላሲትን ሰበይቲ እያ ነይራ። ዝደለየቶ ክትረክብ ክሳብ መወዳእታ ክትቃለስ ድልውቲ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ንሽግርን መከራን ቀልጢፋ ኢዳ ዘይትህብ ቆራጽ ሰበይቲ እያ። ንሳን ሰብኣያን ውላድ ምስ ኣበዮም፡ “ኣነን ሰብኣየይን በቃ ክንወልድ ኣይንኽእልን ኢና፡” ኢላ ኢዳ ኣጣሚራ ኮፍ እትብል ዓይነት ሰበይቲ ኣይነበረትን። እዚ ባህርያታ ድማ፡ እቲ ብረድኤት ኣምላኽ ዝተቐበለቶ ሓደ ወዳ ምስ ሞተ ካብ ዝገበረቶም ነገራት ተበጊስና ክንርድኦ ንኽእል። እዛ ሰበይቲ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን ብረድኤት ኣምላኽ፡ በመንገዲ ነብዩ ኤልሳእ፡ ሓደ ወዲ ክትወልድ ክኢላ። እቲ ወዳ ግና ቅሩብ ምስ ዓበየ ሓደ መዓልቲ ሃንደበት ሞይቱ። ወዳ ምስ ሞተ ካብ ዘርኣየቶ ባህርያት ተበጊስና እምበኣር እዛ ሰበይቲ ዝደለይቶ ንኽትረክብ ክሳዕ መወዳእታ እትቃለስ ዓይነት ሰብይቲ ምዃና ክንርዳእ ንኽእል። እዛ ሰበይቲ ወዳ ኣብ ሑቕፋ ሞይትዋ ከብቅዕ ኣብ ክንዲ ምብካይን ንቐብሪ ምድላዉን፡ ንዝሞተ ወዳ ኣብ ገዛ ዓጽያ ናብቲ ንዝሞተ ወደይ ከተንስኦ ይኽእል እዩ ኢላ ዝኣመነትሉ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ማለት ነብይ ኤልሳእ፡ ኣድጊ ጽዒና እትጉዓዝ ተቓላሲት ሰበይቲ እያ። እቲ ዝገርም ድማ፡ ኣድጋ ጽዒና ካብ ሹነም ናብቲ ኤልሳእ ዝነበሮ ከረን ቀርሜሎስ ክትጉዓዝ ከላ፡ ነቲ ጊልያኣ ከምዚ ኢላ ኣዚዛቶ፡ “ኪድ ምራሕ፡ ኣነ እንተ ዘይበልኩኻ ኣብ መንገዲ ጠጠው ኣይተብለኒ፡” (ጥቕሲ 24)። ካብዚ ድማ፡ እዛ ሰበይቲ ብተፈጥሮኣ ከመይ ዓይነት ቀራጽ፡ ተቓላሲትን ንስዕረት ድማ ፈጺማ ኢዳ ዘይትህብን ዓይነት ሰበይቲ ከም ዝነበረት ክንርዳእ ንኽእል።


ሳልሳይ፡ እዛ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ከቢድ መከራ እኳ ራዕራዕ ዘይትብል ህድእቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። እቲ እንኮ ወዳ ናብ ሞት ዘብጽሖ ዓይነት ሃንደበታዊ ሕማም ሓሚሙ ኣብ ቅድሚ ዓይና እናረኣየት፡ ራዕራዕ ኢላ ብብኽያት ጎሮባብቲ ክትእክብ ኣይፈተነትን። ምስ ሞተዉን ኣይበኸየትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝሞተ ወዳ እኳ ናብቲ ኤልሳእ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ገዛኣ ክመጽእ ከሎ ዝድቅሰሉ ዝነበረ ዓራት ወሲዳ ክተደቅሶን ማዕጾ ናይቲ ገዛ ድማ ብድሕሬኣ ክትዓጽዎን ከላ፡ ዝሞተ ሬሳ ዘይኮነስ ኣብ ሕቁፋ ዝደቀሰ ቆልዓ ናብ መደቀሲ ዓራቱ ወሲዳ እተደቅስ ዘላ ክሳዕ እትመስል ኩሉ ተግባራ ብህድኣት እዩ ዝነበረ። ብተወሳኺ`ዉን ሰብኣያ ንምንታይ ኣብ ዘይእዋኑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትከይድ ከም ዝደለየት ምስ ሓተታ ዝሃበቶ መልሲ “ደሓን” ዝብል እዩ ነይሩ። ንሰብኣያ እኳ ወዶም ከም ዝሞተ ኣይነገረቶን። ኣብ መጨረሻዉን ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነበሮ ከረን ቀርሜሎስ ምስ ቀረበት እሞ ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ ድማ ካብ ርሑቅ ጎዩ መጺኡ፡ ድሓንዲኺ? ሰብኣይኪ ደሓን ድዩ? እቲ ወዲኸ ደሓን ድዩ? ኢሉ ምስ ሓተታ ሕጂዉን መልሳ ደሓን ዝብል እዩ ነይሩ።


ብሓፈሻ እምበኣር እዛ ሹነማዊት ሰበይቲ ሃብታም እያ ነይራ። ዝደለየቶ ንምርካብ ክሳዕ መወዳእታ እትቃለስ ተቓላሲት ሰበይቲ እያ ነይራ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዝወረዳ መከራ ዘይትደሃልን ራዕ ራዕ ዘይትብልን፡ ብኣንጻሩ እኳ ዝሞተ ወዳ ኣብ ገዛ ዓጽያ ንዝሓተትዋ ኩሎም፡ “ኩሉ ደሓን እዩ ዘሎ” እናበለት ናብቲ ናይ ሽግራ መፍትሒ ሒዙ ከም ዘሎ ዝኣመነተሉ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብህድኣት እትጉዓዝ ኣዝያ እተደንቕ ሰበይቲ እያ ነይራ።
ካብዚ ባህርያታ ተበጊስና እምበኣር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ውላድ ኣብ ዘይነበራ ግዜ፡ ዓቕሚ ገንዘባን ቆራጽነታን ኣወሃሂዳ ውላድ ንምርካብ ዓቕማ ዘፍቀዶ ኩሉ ከም ዝፈተነት ክንርዳእ ንኽእል። ግን ውላድ ክትረክብ ኣይከኣለተን። ድሕሪ ብዙሕ ዘይዕዉት ፈተነታ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣጋጢምዋ ዝነበረ ሽግር ልዕሊ ገንዘባዊ ዓቕማን ልዕሊ ቆራጽነታን ምዃኑ ኣብ ምርዳእ ስለ ዝበጽሐት ነቲ ወሪድዋ ዝነበረ መከራ ክትቅብሎን ሓቑፋቶ ክትነብርን ወሲና። እዚ ማለት ዘመና ኩሉ ውላድ ከይወለደት ክትነብር ምዃና ተቐቢላቶ ክትነብር ጀሚራ ማለት እዩ።


ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እዩ እምበኣር ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ካብቲ ዝገበረትሉ ሰናይ ነገር ተበጊሱ ገለ ክግብረላ እትደልዮ ነገር እንተልዩ ዝሓተታ። እታ ሰበይቲ ግና ክግብረላ እትደልዮ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይብላ ንኤልሳእ መሊሳትሉ። ንምንታይ ኮን ውላድ ዘይብላ ክንሳ ዋላ ሓንቲ ዘድልየኒ የብለይን ኢላ? እቲ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ክኽውን ይኽእል።


1. እቲ ውላድ ናይ ዘይምህላው ጉዳይ ንዘመናት ደም ዘንብዓ፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ኣንስቲ (ኣብ ማእከል ሕብረተሰብ) ርእሳ ክተድንን ዝገበራ ምስ ማንም (ዋላ ምስ ኣዝዮም ቀረባ ማሓዙታ) እኳ ኣፋ ከፊታ ከም ዋዛ ክትዛረበሉ ዘይትደልዮ ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ጉዳይ እዩ ነይሩ ንዓኣ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኤልሳእን ግሊያኡ ገሓዝን እኳ ኣፋ ከፊታ ኣነ ከምዚ ጸገም ኣሎኒ ክትብል ክሳዕ ዘይትኽእል ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ጉዳይ እዩ ነይሩ ንዓኣ።
2. ካልኣይን እቲ ቀንድን ምኽንያት ድማ፡ ውላድ ንምርካብ ገንዘባን ቆራጽነታን ኣዋዲዳ ኩሉ ዝክኣላ ንብዙሕ ግዜ ፈቲና ምስላጥ ዝኣበያ ሰበይቲ ስለ ዝነበረት፡ ውላድ ናይ ምርካብ ጉዳይ፡ ብወገና ዝሞተን ዘብቅዐን ጉዳይ እዩ ነይሩ። ሞይቱ፡ ኣብቂዑ እዩ ንዝበልካዮ ጉዳይ ድማ መፍትሒ ኣይትደልየሉን ኢኻ። ስለዚ ድማ እያ እንታይ ክግብረልኪ ትደልዪ ምስ ተበሃለት ዋላ ሓንቲ ከም ዘየድልያ ዝመለሰት።


ብዝኾነ፡ ንሳ ነቲ ዝነበራ ጸገምን ውርደትን ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትገልጽ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይነበረት፡ ገሓዚ ግና እቲ ዝነበራ ጸገም ይፈልጥ ስለ ዘነበረ ንኤልሳእ እቲ ጸገማ ምስ ነገሮ ኢልሳእ ድማ ከምዚ ዝብል ተራ ዝመስል ግና ድማ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ቃል ተዛሪብዋ፡ “ንዓመታ ከምዛ ግዜ እዚኣ ወዲ ክትሓቑፊ ኢኺ፡” (ጥቕሲ 16)። እታ ሰበይቲ ግና እቲ ጉዳይ ሞይቱ ኣብቂዑ ኢላ ዝቐበረቶ ጉዳይ ስለ ዝነበረ፡ “ኣይፋልካን ጎይታይ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንገረድካ ኣይትሓስዋ፡” ክትብል መሊሳትሉ። ብዝኾነ ግና፡ እቲ ቃል ናይ ኤልሳእ ዘይኮነስ ብመንገዲ ኤልሳእ ዝመጸ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ስለ ዝነበረ እታ ሰበይቲ ንዓመታኡ በታ ግዜ እቲኣ ወዲ ወሊዳ ክትሓቁፍ በቒዓ።

ኣብዚ ዘደንቕ ኣሰራርሓ ኣምላኽ ንርኢ። ግዝፊ ናይቲ ሽግርን ግዝፍ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መፍትሒ ናይቲ ሽግርን ተመጣጣኒ ኣይነበረን። ሽግር ናይታ ሰበይቲ ክንዲ ጎልያድ እዩ ነይሩ። እቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መፍትሒ ግና ክንዲ ዳዊት እዩ ነይሩ። እቲ ካብቲ ዝነበረቶ ጉድጓድ ከውጽኣ ዝመጸ መፍትሒ ድማ “ንዓመታ ከምዛ ግዜ እዚኣ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ፡” ዝብል ቃል ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ እታ ሰበይቲ ነቲ ተስፋ ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዘጸገማ። ቃል ኣምላኽ፡ “ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፡ ካብ ጉድጓዶም ከኣ ኣናገፎም፡” ይብል፡ መዝሙር 107:20። እግዚኣብሄር እምበኣር፡ እታ ሰበይቲ ክትዛረበሉ እኳ ዘሕፈራ ጸገማ ብገሓዚ ገይሩ ከምዝግለጽ ድሕሪ ምግባር ቃሉ ልኢኹ ድማ ፈዊስዋ ካብቲ ዝነበረቶ ጉድጓድ’ዉን ኣናጊፍዋ።


ብሩኽ ሓው/ሓፍቲ፡ ምስ ናይዛ ሰበይቲ ዝመሳሰል ጸገም ዘለኩም፡ ነቶም ኣዚኹም እትኣምንዎም መሓዝትኩም እኳ ክተካፍልዎምሲ ይትረፍ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትጽልይሉ ከለኹም እኳ እቲ ተዘክሮኡ ጥራይ ዘቐንዝወኩምን ዘናውጽኩምን ሽግርን ጸገምን ዘለኩም፡ እቲ ሽርኩም ካብ ምኽባዱን ካብ ምንዋሕ ግዜን ዝተላዕለ፡ እዝስ ዳግም ክፈወስ ወይ ክዕረ ኣይክእልን እዩ ኢልኩም ከምቲ ናይታ ሰበይቲ ተስፋ ቆሪጽኩም ምስቲ ሽግር፡ ምስቲ ጸገም ንዘመንኩም ኩሉ ክትነብሩ ዝወሰንኩም ኣሕዋት፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንኽፍውሰኩምን ካብቲ ዘለኹሞ ጉድጓድ ድማ ከናግፈኩምን ካብ ጎይታ ዝተላእከ ቃል እዩ። ህይወትኩም ኣብዚ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ህይወትን ሽግርን ናይዛ ሰበይቲ እንተረኺብኩማ፡ እግዚኣብሄር ሽግርኩም ገሊጹ ዘርእየኩም ዘሎ፡ በቲ ሽግርኩም ገሊጹ ዘርኣየኩም ቃሉ ጌሩ ክፍውሰኩም ስለ ዝደለየ እዩ። ኣምላኽ ብታሪኽ ናይዛ ሰበይቲ ገይሩ ጸገምኩምን ሕማምኩምን ገሊጹ እንተኣርእይኩም፡ በቲ ሕማምኩምን ጸገምኩምን ዘርኣየኩም ቃሉ ገይሩ ድማ ፈዊስኩም ኣሎ ማለት እዩ። ከመይሲ፡ እግዚኣብሄር ጸገምካን ሽግርካን ገሊጹ ከርእየካ ከሎ፡ ንስለ ምርኣይ ዘይኮነስ ንስለ ፈውሲ ክብል እዩ። ስለዚ ከም ናይ ሃና ድሕሪ ደጊም ገጽኩም ጉሁይ መሲሉ ኣይርኤ። ንእግዚኣብሄር ድማ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ስለ ፈውሱ ክተመስግንዎ ጀምሩ።

ጎይታ ይባርኽኩም
26/10/2015

ብገብረዝጊ ብርሃነ