20
Sat, Apr
0 New Articles

‎ንምጽኣት ጎይታ ምድላው‎

Message 4
Typography

ዓመት ንዓመት ተኪኡ ክመጽእ ከሎ ተገዲስና ንሓስበሉ ነገር እንተሎ ጊዜ እዩ። እንታይ ክገብር ኔሩኒ፣ እንታይ ጌረ፣ እንታይከ ክገብር ኣሎኒ ብምባል ከኣ ንሕሉፍን ህሉውን ብምግምጋም ንመጻኢንውጥን። እቶም ብጎይታ እንኣምን ንጊዜ ተጠቒምና ምስ ኣምላኽ ስለ እንመላለስ ጊዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ምምጻእ ጎይታይቐርብ ምህላዉ ክንፈልጥ ይግብኣና። እሞ ንምጽኣት ጎይታ ዝኸውን ምድላው ከመይ ዝበለ እዩ? 

ሃዋርያጴጥሮስ ብዛዕባ ምጽኣት ጎይታ ክዛረብ ከሎ “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎንብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኮኑ እዩ ዚግብኣኩም።” ይብል (2ጴጥ.3፣11-12)።ሃዋርያ ዮሃንስውን “ . . . ንሱ ምስ ዝግለጽ ግና፣ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፣ ንእኡ ኸም እንመስል፣ ንፈልጥ ኣሎና።እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ኹሉ፣ ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝኾነ፣ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።” ይብል (1ዮሃ.3፣2-3)።ካብዘን ክልተ ክፍሊ ጽሑፋት ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክንነብር ከም ዘሎና ከምኡ ድማ ከምቲ ጎይታ ንጹህ ዝኾነርእስና ከነንጽህ ከም ዘሎና ይነግረና። በዚ ቃሉ ዝብለና ኣነባብራ ክንነብር እንተ ጀሚርና ከኣ ንምጽኣት ጎይታ ድሉዋትክንከውን ኢና።

 ጎይታየሱስ ኣብ ማቴ.24 ንምጽኣት ጎይታ ድሉዋት ዲና ኣይኮንናን ክንመዝነሉ እንኽእል ትምህርቲ ምሂሩ ኣሎ። “እቲጎይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኮን እዩ? ጎይታኡ ኺመጽእ ከሎ፣ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኩሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፣ጎይታይ ይድንጉይ እዩ፣ እንተ በለ፣ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፣ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጎይታ እቲባርያ እቲ፣ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፣ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፣ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። (ማቴ.24፣45-51)።

እቲ ንምጽኣት ጎይታ ተዳልዩዘሎ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ እቲ በቲ ጎይታ ዝሃቦ ክፍሊ ኣገልግሎት ዓጊቡ ክገብሮ ዝግብኦ ኣብ ምግባር ዝተግህ እዩ። ንሱነቶም ስድራቤት ጎይታ ብብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ከም ዝተሸመ ስለ ዝፈልጥ እቲ ዝተባህሎ እናገበረ ዝጸንሕ እዩ። እቲ ክፉእባርያ ግን ብልቡ ጎይታይ ይድንጉ እዩ ብምባል ነቶም ብጾቱ ባሮት ክወቕዖም ይጅምር ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጎይታከኣ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ጊዜን ይመጾ። ንሕናኸ ከምቲ እሙንን ኣስተውዓልንዶ ወይስ ከምቲ ክፉእ ባርያንኸውን? ብልብኻ ጎይታይ ይድንጉይ እዩ ምባል ኣብዛ ዘለኻያ እዋን ንጹህ ሕልና ሒዝካ ዘይምጽናሕ እዩ። ጎይታ ኩሉ ሳዕክንዳለወሉ ዘሎና ምልክታት ምጽኣቱ ሂቡና እዩ፣ ነታ ልክዕ ዕለትን ሰዓትን ግን ብዘይክኡ ዋላ ሓደ ዝፈልጣ ስለ ዘየለከይተደናገርና ኩሉ ሳዕ ክንዳሎ ይግብኣና።

ብዛዕባ ንጹህ ሕልና ምሓዝ ዕቱባት እንተ ዘይኮይንናን ንሓጢኣት ሸለል ንብሎእንተሊናን ንምጽኣት ጎይታ ከም ዘይተዳለና ክንፈልጥ ይግብኣና። ብዝሒ ዝፈለጥናዮ ትንቢታት መወዳእታ ዘመን ብዘየገድስ ሎሚይቕረ ክንብል፣ ሎሚ ይቕረታ ክንሓትት፣ ሎሚ ካብ ሓጢኣት ክንርሕቕ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኮይንና ንምጽኣት ጎይታ ኣይተዳለናን።ንብጾትና ባሮት (ንመገላግልቱ) ብጥቕስታት ጌሩ ዝወቅዕን ምስቶም ንኸብዶም እምበር ንጎይታና የሱስ ዘየገልግሉ ዝሓብርን እቲጎይታይ ይድንጉ ዝብል ባርያ እዩ። ንምጽኣት ጎይታ ምድላው ንሓጢኣት ኣዚኻ ምጽልኡን ሓጢኣት ምግባርካ ትፍልጥ ምስ ኣበለካ ከኣጊዜ ከይወሰድካ ምንሳሕን የጠቓልል። ጎይታ እሙን ስለ ዝኾነ ከኣ ‘ንምጽኣትካ ምጽባይን ምቅልጣፉን እንታይ ምዃኑ ኣፍልጠኒ’ኢልና ኣብ ቅድሚኡ ርእስና ኣትሒትና ክንጽሊ ይግብኣና።