26
Fri, Apr
0 New Articles

እታ ፍቕሪ በዚ እያ።

Message 4
Typography
ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መልእኽታቱ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ብዕምቆት ተዛሪቡ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ 1ዮሃ.2፣10 “ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፣ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፣ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን፣ እታ ፍቕሪ በዚ እያ።” ብምባል ምድሓንና ብከመይ ከም ዝተፈጸመ ይዛረብ። ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝኾነት ዘይምፍላጥ ብመንፈሳዊ ህይወትና ከይንዓቢ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ውድቀት ከብጽሓና ይኽእል እዩ። እስኪ ንገዛእ ርእስና ንሕተት፣ ገለ ስለ ዝነበርና ወይ ስለ ዝነበረና ከም ዝደሓንና ሓሲብና ንፈልጥዶ? ቤተክርስትያን ዝመላለስ፣ ስነምግባር ዘለዎ፣ በሊሕን መስተውዓልን ስለ ዝነበርካ ዝደሓንካ መሲሉካ ይፈልጥዶ? ብፍላይ እቲ ‘ደሓን’ ዝበሃል ድሕረ ባይታ ዝነበሮ ሰብ ነዚ ፈተና እዚ ዝተቓልዐ እዩ። ምስ ናይ ካልኦት ብምውድዳር ዝሓሸ ወይ ዝገደደ ክበሃል ዝኽእል እኳ እንተኾነ ጽድቂ ገዛእ ርእስና ግን ጽዩቕ ጨርቂ ምዃኑ ቃል ኣምላኽ ይነግረና (ኢሳ.64፣6)። ካብ ሓጢኣትና ተነሲሕና ብጎይታ ምስ ኣመንና እግዚኣብሄር ጽድቂ ወዱ ስለ ዘልበሰና እንታይ ዓይነት ጽድቂ ኔሩና ኣየገድስን እዩ። ሰብ ንኽጸድቕ (ንኽድሕን) ካብ መንገዲ ገዛእ ርእሱ ተነሲሑ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ መንገዲ (ንየሱስ ክርስቶስ) ክቕበሎን ብእኡ ክኣምንን ጥራይ እዩ ዘለዎ፣ እዚ ከኣ ኣብቲ ንመልእኽቲ ወንጌል ምስ ሰማዕካ እትህቦ ግብረ መልሲ እምበር ኣብ ድሕረ ባይታኻ ዝምርኮስ ኣይኮነን።

ኣተዓባብያና፣ ፍልጠትና፣ ብልሕናን ትሕዝቶናን ኣብ ምድሓንናን ንኣምላኽ ባህ ዘበል ናብራ ኣብ ምንባርናን ዋላ ሓንቲ ግደ የብሉን። ምድሓንና ብኣምላኽን ካብ ኣምላኽን እዩ፣ ንጎይታ ባህ ዘብል ናብራ ምንባር ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ጥራይ ዝከኣል ናብራ እዩ።

 

እታ ፍቕሪ በየን ከም ዝኾነት ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጽእ ሓደ መንፈሳዊ ሕማም ርእስኻ ካብ ካልኦት ኣብሊጽካ ምርኣይ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ገለ ስለ ዝነበረ ዝደሓነ እዩ ዝመስሎ፣ ስለዚ ድማ ነቶም ካብ ናቱ ዝትሕት ስነምግባርን ኣነባብራን ዝነበሮም ሰባት ክንዕቆም ይነብር። ዕቡይ ስለ ዝኾነ ግን ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ጸጋ ዝበሃል ከይተቐበለ መዓት ኣምላኽ እናወረዶ ይነብር። ኣምላኽ ዝጻረረካ ዘሎዶ ይመስለካ? ኣምላኽ ንዕቡያት ጥራይ ስለ ዝጻረሮም ርእስኻ ካብ ካልኦት ኣብሊጽካ ናይ ምርኣይ ሓሳብ ከይህልወካ መርምር። ጽድቂ ገዛእ ርእስኻ ለቢስካ እንተ ዘየሊኻ ንካልኦት ክትንዕቀሉ ዝገብር ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልካን። እቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ጽድቂ ክርስቶስ ንኹልና ማዕረ ስለ ዝኾነ ካብ ናይ እገለ ናተይ ይበልጽ ዘብል የብልናን። ገለ ዘሎካ ወይ ካብ ካልኦት ትበልጽ ኮይኑ ይስምዓካ እንተሎ ግን እቲ ካብ ናይ ገሊኣቶም ዝሓይሽ ጽዩቕ ጨርቂ ዝኾነ ጽድቂ ገዛእ ርእስኻ ለቢስካ ከይትህሉ ተጠንቀቕ። ሃብታም፣ በሊሕ፣ ምሁር፣ ናይ ሃይማኖት ሰብ ምንባርካ ሕማቕ ኣይኮነን፣ ከምኡ ስለ ዝነበርካ ንምድሓንካ ገለ ከም ዘበርከትካ ይመስለካ እንተሎ ግን ተጋጊኻ ኣሎኻ። ንምዃኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከም ትሕበን ዝገብረካ ዘሎ ነገር መን ዝሃበካ ወይ ካበይ ዘምጻእካዮ እዩ? እቲ ዘሎና ገለ ነገር ኣብ ምድሓንና ዋላ ሓንቲ ኣበርክቶ ከም ዘይብሉን ንሕና ኣብ ምምጽኡ ዋላ ሓንቲ ግደ ከም ዘይነበረናን ፈሊጥና ብዛዕባ ርእስና ብልክዕ ክንሓስብ ይግብኣና።  

 

ኣምላኽ ነታ ዘፍቀረና ፍቕሩ ኣቐዲሙ ወዱ ብምሃብ ከም ዝገለጻ ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ ካልእ መንፈሳዊ ሕማም ንርእስኻ ካብ ካልኦት ኣትሒትካ ምርኣይ እዩ። ኣብ ሃገርና ኣመንቲ ክንሶም ዕድሎም ዝነቕፉ፣ ካልእ ሰብ ንምዃን ዝምነዩን ንነፍሶም ከምታ ኣምላኽ ዝፈጠሮም ዘይተቐበልዋን ሰባት ብዙሓት እዮም። ክርስትያን ክንስኻ ካልእ ሰብ እንተ ዝኸውን ኢልካ ተመኒኻዶ ትፈልጥ? እንታይ ስለ ዝጎደለካ? ንርእስኻ ካብ ካልኦት ኣትሒትካ ምርኣይ ብኣተሓሳስባኻ ካብ ዘይምልዋጥ ዝብገስ እዩ። ኣብ ሃብቲ፣ መልክዕ፣ ብልሒ . . . ቃል ኣምላኻዊ ምርዳእ እንተ ዘይብልካ ብዛዕባ ዝኾንካዮ ከተጉረምርምን ዘይብልካ ክትምነን ክትነብር ኢኻ። ናይ ስድራቤትካ ኣምልኾ ጣኦት፣ ድኽነትካ፣ ዘይስሕብ መልክዕካን ዘይምምሃርካን ካብ ምድሓን ዓንቂፉካ ድዩ? ካብ ምድሓን ዘይዓንቀፈካ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግባርውን ኣይዕንቅፈካን እዩ። ኣምላኽ ንናይ ነፍሲ ወከፍና ድሕረ ባይታ ንክብሩ ክልውጦ ስለ ዝኽእል ካብ ከምዚስ ከምቲ፣ ካብ ጻዕዳስ ጸሊም፣ ካብ ኣፍሪቃውስ ኤውሮጳዊ፣ ካብ መሃይምሲ ምሁር ምዃን ይሓይሽ ዝበሃል የለን። ኣምላኽ ስለምንታይ ከምቲ ኮንካዮ ዘሎኻ ክትከውን ከም ዝፈቐደ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ  ዕድልካ ምንቃፍ ንዕኡ ተጋጊኻ ምባል እዩ። ሕሉፍ ህይወትና ጎይታ ካበይ ከም ዘውጽኣና እናዘከርና ንምምስጋን እምበር ንምስቁርቋር ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። ‘ኣነ ዝዓበኽዎ ኣተዓባብያ፣ ኣነ ዘሕለፍክዎ ድኽነት፣ ኣብ ገዛና ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት፣ ኣብ ስድራይ ዝነበረ ኣሰራርሓ ሰይጣን . . . ’ ዝብል ዘረባታት ምስማዕ ልሙድ እዩ። ኣተዓባብያኻ፣ ክቱር ድኽነትካ፣ ኣብ ስድራቤትካ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ኮነ ኣሰራርሓ ሰይጣን ካብ ምድሓን ክኽልክለካ እንተ ዘይክኢሉ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግባርውን ክኽልክለካ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ካልእ ሰብ ንምዃን ዘመኒ የብልካን። የሱስ ዝኣክል ጎይታን መንፈስ ቅዱስ ዝኣክል ንዘልኣለም ምሳኻ ዝነብር መጸናንዒን ሒዝካ ኣቦ ከም ዘይብሉ ዘኽታም ምስኪንን መደንገጽን ምዃን መንፈሳውነት ኣይኮነን። ንወለዶታት ዘሸገረ ስራሕ ኣጋንንቲ ንሰብ እምበር ንጎይታ ኣይከብዶን እዩ (ማር.5፣1-20)። ዘይምምሃር ኮነ ድኽነት ክህልወካ እትምነዮ ነገር እኳ እንተ ዘይኮነ ካብ ሓጢኣት ንላዕሊ  ከፍርሓና ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሓጢኣት እምበር ድኽነት ወይ ዘይምምሃር ካብ ጎይታ ንዘልኣለም ክፈልየና ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ካብ ድኽነትን ዘይምምሃርን ክንርሕቕ እንደሊን ኣዚና እንጽየፎን ከምኡ ንሓጢኣት እንተ ንርሕቆን እንተ ንጽየፎን ካብዚ ዘሎናዮ ኣዝዮም ዝበለጹ መንፈሳውያን ምኾንና ኔርና።

 

ከምቲ ርእስኻ ካብ ካልኦት ኣብሊጽካ ምርኣይ ትዕቢት ስለ ዝኾነ መዓት ኣምላኽ ዘውርደልካ፣ ንገዛእ ርእስኻ ኣትሒትካ ምርኣይውን ነቲ ኣምላኽ ዘኽበረካ ክብሪ ዘይምቕባልን ንቃሉ ዘይምእማንን ስለ ዝኾነ ንኣምላኽ ከም ዘይተስምሮ ይገብረካ። ምስቁርቋር ሰባት ኣዝዮም ዝፈትውዎ ኣብታ ብኩነታት ዘይትውሰን ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ዘይምእማን ዝብገስ ነገር እዩ። ንእግዚኣብሄር ዘይምእማን ምሉእ ለይቲ ክትበኪ ዘሕድርን (ዘሁ.14፣1) ምሉእ ዕድሜኻ ከተጉረምርም ዝገብርን ሓደገኛ ነገር እዩ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝምህሮ ጽድቂ ውህበት ምዃኑ እንተ ተረዲእና (ሮሜ.5፣17) ንርእስና ካብ ካልኦት ከነልዕላ ኮነ ከነትሕታ ኣይንኽእልን ኢና። ጽድቂ ኣምላኽ ንኽንቅበል ‘እዚ ናተይ ጽድቂ ካብ ናይ ገሊኣቶም ዝጸሪ ካብ ናይ ገሊኣቶም ከኣ ዝረስሕ እኳ እንተኾነ ንሱ ናባኻ ከም ዘየብጽሓኒ ንዕኡ ንኣኻ ኣረኪበ ናትካ ጽድቂ ክቕበል ፍቓደኛ እኸውን ኣለኹ’ ብዝብል ሓሳብ ክንሰማማዕ የልድየና እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ናይ ቀደም ክዳንና ‘እታ ናይ ቀደም ክዳነይሲ ካብ ናይ እገለ ትጸሪ ወይ ትረስሕ ኔራ’ እናበልና ኣብ ሕሉፍ ክንነብር ኣየድልየናን እዩ። እቲ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ወዱ ብምሃብ ፍቕሩ ዝገለጸልና ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝኸውን ኩሉ ነገራት ክህበና ድሉው እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ንሱ ክንኮኖ ዝደልየናን ንሕና ክንኮኖ እንደሊን ዓቢ ፍልልይ ክህሉ ስለ ዝኽእል ግን ነቲ ንሕና ክንኮኖ እንደሊ ዘድልየና ነገራት ዘይክህበና ይኽእል እዩ። ድኻ፣ ዘይተማህረ፣ ዘይምዕቡል ከሎኻዶ ጎይታ ተቐቢልካ ትኸውን? ኣብ ክንዲ ሃብታም፣ ምሁር፣ ምዕቡል ኔረ እንተ ዝኸውን ምባል ከምቲ ዝኾንክዎ እንተ ዘይነብርሲ ሕጂ ንጎይታ ተቐቢለዮዶ ምሃለኹ ኢልካ ሕተት እሞ ብሕሉፍ ህይወትካ ኣብ ክንዲ ምጉርምራም ከተመስግን ኢኻ። ኣምላኽ፣ ንስኻ፣ ንስኻ ክትከውን ዝገበረሉ ፍሉይ ዕላማ ስለ ዘለዎ ስለ መንነትካ ንጎይታ ኣመስግኖ። ብህይወት ንክትነብር ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ክትገብርን ክትዓዩን (ትምህርቲ ከተጽንዕ፣ ስራሕካ ክትሰርሕ፣ ስድራቤታዊ ሓላፍነትካ ክትስከም) ግቡእ እዩ። ዕድልካ ክትነቅፍ ኮነ ኣምላኽ ብዝሃበካ ነገር ክትምካሕ ግን ኣይግባእን። ስለዚ ንኣምላኽ ኣብቲ ዝነበርናዮን ከምቲ ዝነበርናዮን ከሎና ስለ ዘድሓነና ከነመስግኖን ንፍቓዱ ክንነብር ክንውስንን ይግብኣና።

 

ጎይታ ይደግፈና!!