19
Fri, Apr
0 New Articles

“. . . እምነትካ ኸይትጠፍእ . . .” ሉቃ.22፣31-32

Message 4
Typography

ኣብ ሉቃስ 22፣31-32 ጎይታ የሱስ ንጴጥሮስ ብዛዕባ ሓደ ዝገጥሞ ሓደጋ ከም ዘጠንቀቖ ነንብብ። ንሱ “ስምኦን፣ ስምኦን፣ እንሆ፣ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግን እምነትካ ኸይትጠፍእ፣  ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፣ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም።” ኢልዎ። ጎይታ ንጴጥሮስ ካብ ምኽሓድ ከም ዘይሓለዎ ንርኢ። ስለምንታይ እዩ ጎይታ “ጴጥሮስ ንሓንቲ ጊዜውን ትኹን ምእንቲ ከይትኽሕደኒ ጸልየልካ” ዘይበሎ? ስለምንታይ ጴጥሮስ ወዲቑ ክንሱ እምነቱ ከይትጠፍእ ግን ጸልዩሉ? ጎይታ ንጴጥሮስ ንኸይወድቕ ዘይምጽላዩ ኣየገርምንዶ? ገሌና ጎይታ ንኸይንወድቕ ክጽልየልና ንደሊ ኢና። ጎይታ “ወደየ/ጓለየ፣ ፈጺምካ ምእንቲ ከይትወድቕ ጸልየልካ” እየ ክብለና ንደሊ። እንተኾነ ግን ጎይታ ከምዚ ዓይነት ጸሎት ኣይጽልየልናን እዩ። የሱስ ንጴጥሮስ እንታይ ኢሉ እዩ ጸልዩሉ? ሰይጣን ኣብ ዝሓሕዮ ጊዜ እምነቱ ከይትጠፍእ ጸልዩሉ። ንኸይወድቕ ዘይኮነስ ምስ ወደቐውን እንተኾነ እታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘላቶ  ‘እግዚኣብሄር ገና የፍቅረኒ እዩ’ እትብል እምነት ከይትጠፍእ እዩ ጸልዩሉ። እታ ክትህልወና ዘለዋ እምነት እዚኣ እያ። ውድቀትና ክሳብ ክንደይ ዓቢ’ዩ ብዘየገድስ ኣምላኽ ከምቲ ዘሎናዮ ከም ዘፍቅረና ምእማን።


እግዚኣብሄር ንጴጥሮስ ምእንቲ ክሓሕዮ ብዕላማ’ዩ ክወድቕ ዝፈቐደ። ሰይጣን ንኸጥፍኦ’ዩ ሓሲቡ እግዚኣብሄር ግን ኣይፈቐደን። ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንፍተን ኣይሓድገናን እዩ። ስለዚ እምበኣር ሰይጣን ንጴጥሮስ ክሓሕዮ ተፈቒዱሉ። ጴጥሮስ ምስ ተሓሓየ ካብ ብዙሕ ገፈል መፈልን ሓሰርን ጸርዩ። ልክዕ ከምዚ ናይ ጴጥሮስ እምበኣር እግዚኣብሄር ምእንቲ ክንጸሪ እዩ ክንወድቕ ዝፈቅድ። እቲ ሓሰርን ገፈልን ካብ ህይወትና ክእለ ኣይጽቡቕንዶ? ብርግጽ። ሓረስታይ እኽሉ ከእቱ ከሎ ነቲ ሓሰር ካብቲ እኽሊ ንምፍላይ ከኺዶ ኣለዎ፣ ሽዑ ከኣ እቲ ሓሰር ካብቲ እኽሊ ይፍለ። ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን ነቲ ሓሰር ካብ ህይወትና ንምእላይ ይጥቀመሉ። ነዚ ነገር እዚ ከኣ ኣምላኽ ደጋጊምና ክንወድቕ ብምፍቃድ ይፍጽሞ። እግዚኣብሄር ንሰይጣን ኣብ ህይወት ጴጥሮስ ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ተጠቒሙሉ።

 

እግዚኣብሄር ነቲ ካብ ሓሰር ናይ ምጽራይ ስራሕ ኣብ ህይወትና የካይዶ ኣሎዶ የሎን ነፍሲ ወከፍና ንፈልጦ ኢና። ሓሰርካ ይእለ እንተሎ ኣዚኻ ትሑት እናኾንካን ብጽድቂ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምምካሕ እናተናገፍካን ትኸይድ ኢኻ። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝወድቁ ኣይትምካሕን ኢኻ። ንስኻ ካብ ካልኦት ዝበለጽካ ከም ዝኾንካ ኣይትሓስብን ኢኻ።

 

እግዚኣብሄር ደጋጊምና ክንወድቕ ብምፍቃድ ንሰይጣን ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ሓሰር ንምእላይ ስለ ዝጥቀመሉ እንተወደቕካ ተስፋ ኣይትቑረጽ። ገና ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኢኻ ዘሎኻ። ደጋጊምካ ብምውዳቕካ ዝፍጸም ክቡር ዝኾነ ዓላማ ኣምላኽ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጊዜ ግን እታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘላትካ እምነት ክትጠፍእ የብላን። የሱስ ንጴጥሮስ ከምኡ ጸልዩሉ ንዓናውን ሎሚ ከምኡ ይጽልየልና ኣሎ። ንኸይንወድቕ ዘይኮነስ ኣብቲ ዝወደቕናሉ ጊዜ እታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘላትና ምትእምማንና ከይትጠፍእ (ከይትናወጽ) እዩ ዝጽልየልና። ቀጺሉ የሱስ ንጴጥሮስ “ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” ኢልዎ። ምስ ተሰበርና ጥራይ ኢና ንርእስና በርቲዕና ንካልኦት ከነጸናንዕ ንኽእል።

 

ጴጥሮስ ምስ ተሰብረ ጥራይ እዩ ንገዛእ ርእሱ ሓቀኛ ምብርታዕ በርቲዑስ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ከበርትዕ ክኢሉ። ጴጥሮስ ምስ ተሰብረ እዩ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ ኣገልግሎት ድሉው ኮይኑ ክንብል ንኽእል ኢና። በዚ ተመኩሮ እዚ ከይሓለፈ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዝምላእ ብመዓልቲ በዓል ሓምሳ ከም ሓደ ወዲቑ ዘይፈልጥ፣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሓጥኣን ብንዕቀት ዝጥምት ዕቡይ ሰብ ኮይኑ ደው ምበለ ኔሩ። ኣምላኽ ንዕቡያት ስለ ዝጻረሮም ከኣ ኣብ ክንዲ ምስኡ ኣንጻሩ ምኾነ። ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ንክኸውን እምበኣር ጴጥሮስውን ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ክወርድ ኔርዎ። ስለዚ እዩ ጴጥሮስ ነቶም መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ሰባት ‘ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣትኩም ምጽራይኩም ኣይትረስዑ’ ኢልዎም (2ጴጥ.1፣9)። ነዚ እንተ ረሲዖም ግን ዕውራትን ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝርእዩን ከም ዝኾኑ ኣጠንቂቕዎም።