26
Fri, Apr
0 New Articles

መዓይይቲ ኣምላኽዶ መሳርሕቲ ሰይጣን?

Message 4
Typography

ኣብ ራእ.12፣10 ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ለይትን መዓልትን ንኣሕዋትና ዝኸስስ "ከሳሲ ኣሕዋት" ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ናይ ሰይጣን ናይ ምሉእ ጊዜ ኣገልግሎት እዩ፣ ኣብዚ ዕዮ እዚ ከኣ ርኹሳት መናፍስትን ሰባትን ዘጠቓልሉ ብዙሓት መሳርሕቲ ኣለውዎ። ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ነገር ብዙሓት ኣመንቲውን ኣብዚ ናይ ምኽሳስ ኣገልግሎት መሳርሕቲ ሰይጣን ምዃኖም እዩ። ሰይጣን ነዚ ባህርያቱ እዚ ንኣዳም ሓጢኣት ድሕሪ ምግባሩ ሽዑ ሽዑ ኣመሓላሊፉሉ። እዚ ነገር እዚ እግዚኣብሄር ንኣዳም ካብታ ኣይትብልዓያ ዝበሎ ኦም በሊዑ እንተኾይኑ ምስ ሓተቶ ዝመለሰሉ ሕቶ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ኣዳም ዝገበራ ቀዳመይቲ ነገር እንተላ ኣእዳዉ ናብ ሰበይቱ ብምምልካት "እታ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሃበትኒ እሞ በላዕኩ፣" ምባል እዩ (ዘፍ.3፣12)። እዚ ብኣዳም ዝጀመረ ኣእዳውካ ናብ ከማኻ ዝኣመሰለ ሰብ ምምልካት ኣብ ኩሎም ደቂ ኣዳም ዝርአ ልሙድ ባህርይ እዩ። ካብ ንእስነትና ጀሚሩ ንሰባት ናይ ምኽሳስን ምጥቃንን ባህርይ ነማዕብል ኢና። እናዓበና ክንከይድ ከሎና እዚ ናይ ምኽሳስን ምጥቃንን ተግባር ብዝተራቐቐ መንገዲ ንገብሮ። ካብቲ ዘሕዝን እዚ ባህርይ እዚ ኣብ ብዙሓት ኣመንቲውን ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምእማኖም ዘይጠፍእ ምዃኑ እዩ።


 እዚ ኣብቲ ፈሪሳውያን ነታ ክትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ ዝገበርዎ ክሲ ክንርእዮ ንኽእል። ካብቲ ናይ ሓጢኣት ህይወታ ከድሕንዋ ድልየት ኣይነበሮምን፣ "ጽድቆም" ክረኣየሎም ስለ ዝደለዩ ሓልዮት ኣይነበሮምን። ኣብታ ሓጋዚ ዘይብላ ሰበይቲ ኣጻብዕቶም ብምውጥዋጥ ደቂ ኣዳም ምዃኖም ኣመስኪሮም። የሱስ ግን ንከምኣ ዝኣመሰላ ኣንስቲ ካብ ሓጢኣተን ከድሕነን እዩ መጺኡ። ንፈሪሳውያን ድማ ኣቦኦም ኣዳም ጥራይ ዘይኮነስ እቲ "ከሳሲ ኣሕዋት" ዝኾነ ሰይጣን ምዃኑ ነጊርዎም (ዮሃ.8፣1-11, 44)

ናይ ክስን ኩነኔን ኣገልግሎት ናይ ሰይጣን ኣገልግሎት ስለ ዝኾነ ኣብዚ ዋላ ሓንቲ ግደ ክህልወና ኣይግባእን። ብኣንጻሩ ጎይታና የሱስ ናይ ምሉእ ጊዜ ናይ ኣማልድነትን ምድሓንን ኣገልግሎት ኣለዎ። ንሕና ከኣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ክህልወና ይግባእ። ኣምላኽ መርዓትን መዓይይትን ክርስቶስ ክንከውን ስለ ዝመደበና ኣብቲ ናይ ኣማልድነት ኣገልግሎቱ መሳርሕቲ ጎይታ ክንከውን ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣቦ ንየሱስ ንዓለም ከድሕና እምበር ክፈርዳ ወይ ክኹንና ስለ ዘይለኣኾ ንሕናውን ንሰባት ክነድሕኖም እምበር ክንፈርዶም፣ ክንከሶምን ክንኩንኖምን የብልናን (ዮሃ.20፣21)። ነቲ ከሳሲ ዝኾነ ናይ ሰይጣን መንፈስ ካብ ህይወትና ኣልጊስና በቲ ናይ ኣማልድነት መንፈስ ዝኾነ መንፈስ ክርሶቶስ እንተ ዘይተኪእናዮ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ውጽኢት ዘለዎ ኣገልግሎት ከነገልግል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ዘካ.3፣1-5 ነዚ ክልተ ዓይነት ኣገልግሎታት ዘመልክት መግለጺ ንረክብ። ኣብኡ እያሱ (ተምሳል ኣመንቲ) ኣብ ቅድሚ ዙፋን ኣምላኽ ደው ኢሉ ይርአ። ንሱ ኣብ ህይወትና ዝርድኣና ኮነ ዘይርድኣና ሓጢኣት ክህሉ ከም ዝኽእል ዘመልክት ብላይ ክዳን ተኸዲኑ ኔሩ። እያሱ ሊቀ ካህንን መራሒ ኣይሁድን ምንባሩ እንተፈሊጥና ንሕናውን ክሳዕ ዕለተ ሞትና ዝርድኣና ወይ ዘይርድኣና ሓጢኣት ክህልወና ከም ዝኾነ የመልክተና (1ዮሃ.1፣8)። ኣብኡ ሰይጣን ንእያሱ ንምኽሳስ ኣብ ጥቕኡ ደው ኢሉ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ጎይታ ንእያሱ ንምሕጋዝን ነቲ ከሳሲ ንምግናሕን ደው ኢሉ። ጎይታ ነቲ ናይ እያሱ ረሳሕ ክዳውንቲ ኣውጺኡ ጽሩይ ክዳን ከዲንዎ። እቲ ጎይታ ንእያሱ ከጽድቖ ከሎ ዝርኢ ዝነበረ ዘካርያስ ንክብሪ ሓዉ ንምውሳኽ "ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጥሙሉ" ኢሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ጸሎት ዘካርያስ ብምምላስ ንእያሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጢሙሉ። መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃን ማለት ከምዚ እዩ። ከምቲ ሓደ ሓኪም ንክፍወስ ዘይክእል መንሽሮ ብመጥባሕቲ ጥራይ ክእለ ዝውስን ነዚ ናይ ክሲ መንፈስ ድማ ከምኡ ፈጺምና ከነጥፍኦ የድልየና። ነዚ ንምግባር ከኣ ናይ ‘ምኽሳስ መንፈስ' ካብ ዝኾነ ዓይነት መንሽሮ ከም ዝኸፍእ ክንፈልጥ የድልየና።

ኩልና ካብ ቁልዕነትና ጀሚሩ ንካልኦት ናይ ምኽሳስ ልምዲ ኣሎና። ብዙሕ ጊዜና ኣጻብዕና ኣብ ምውጥዋጥ፣ ንካልኦት ኣብ ምኽሳስን ምሕማይን ኣጥፊእናዮ ኢና። ልክዕ ከም ፈሪሳውያን ሓጢኣትና ክፉእ ምዃኑን ንካልኦት እምኒ ክንድርብየሎም ዘይብቑዓት ምዃንናን ኣይፈለጥናን። እዚ ሰባት ናይ ምኽሳስ መንፈስ ኣብ ህይወትና ኣጣጢሑ ተቐሚጡ ምህላዉ ከሕዝነና ይግባእ። ብዘይ ፍላጥ ኣብ ክንዲ ምስ ጎይታ ኮንና ነማልድ ምስ ሰይጣን ኮንና ከሲስና ኢና። ብዛዕባዚ እምበኣር ክንንሳሕ ይግብኣና። ነዚ ሰባት ናይ ምኽሳስ ክፉእ መንፈስ ካብ ህይወትና ምርሓቕ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ምሉእ ምድሓን እዩ። ነዚ ሰባት ናይ ምኽሳስ መንፈስ ብናይ ምምላድ መንፈስ እንተ ዘይተኪእናዮ ከምቲ ጎይታ ዝበሎ ካብኡ ብዝገዱ ካልኦት መናፍስቲ ክንሽገር ኢና (ሉቃ.11፣24-26)። እምበኣርከስ በቲ ‘መንፈስ ምህለላ' (ዘካ.12፣10  ሮሜ.8፣26, 27) ተባሂሉ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ክንምላእ የድልየና። ሰባት ካብ ናይ ምኽሳስ መንፈስ ንኹሉ ሳዕ ሓራ ክንከውን እንተኾንና ብመንፈስ ምህለላ (ኣማልድነት) ክንምላእ የድልየና። ደጋጊምካ ንእትጽልየሉ ሰብ ሕማቕ ክትዛረበሉ ኮነ ክትከሶ ኣይከኣልን እዩ። ንፈትኖ'ሞ ሓቂ እንተ ዘይኮይኑ ንርአ። ነቶም ትኸሶም ኣይትጽልየሎምን ኢኻ። ስለዚ እዩ ድማ እዚ ካብ መንሽሮ ዝኸፍእ ሰባት ናይ ምኽሳስ መንፈስ ልክዕ ከም ካልእ ዓይነት መንሽሮ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናገደደ ዝኸይድ እምበር ዘይገድፈና። ድሌት እንተልዩና ካብቲ ብሰባት ናይ ምኽሳስ፣ ምጥቃንን ምሕማይን መንፈስ ተታሒዝናዮ ዝነበርና ብዝበለጸ በቲ ናይ ምስጋናን ምህለላን መንፈስ ክንምላእ ንኽእል ኢና። ጸላኢ ከኣ ኣብ ህይወና ቦታ ኣይክረክብን እዩ። እቲ ከሳሲን መናፍስቱን በቲ መንፈስ ምህለላ ክስጎጉ እዮም። ሕጂ ነቲ ናይ ምኽሳስ ልምድኻ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትገድፎን ብመንፈስ ምህለላ (ኣማልድነት) ክትትክኦን ፍቓደኛ ዲኻ? ከምኡ ንምግባር ጎይታ ይሓግዘና።