ምህሮ “ዘይንቡር ምብጃው ክርስቶስ”

Topic
Typography

እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፥ ኣነዉን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኽሕልፋ መሊሰዉን ክወስዳ እየ እሞ፥ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። በዓለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፥ መሊሰ ኽወስዳዉን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ።የሃንስ 1011,15,17~18

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 318

ብጊዜኡ ንዚኸዉን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ኹሉ ኪኸዉን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ” 1ጢሞ 26

የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼዉጽ ኣና፥ ንርእሱዉን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚኾኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፥ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈቲቶስ 214

መእተዊ

 

ኣብዚ ቐረባ ጊዜ፥ ሓደ ሓዉየሱስ ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ፥ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ድማ ንሱ ድሒኑ እዩ ኣድሒኑናክብል ተዛሪበኒ። ሓደ ካልእ ድማክርስቶስ ብስጋን መንፈስን እዩ ሞይቱክብል ወሲኹ ተዛረበኒ። ሓሳብ ኮይኑኒ ኣብ በይነይ ብዛዕባኦም ክሓስብ እንከሎኹ ድማ በልኩ፡~ እዞም ኣሕዋተይ ዝብልዎ ዘለዉስ ካልኦት ጸዓዱ ወይ ድማ ሓበሻ ኣገልገልቲ እንድዒ ኣይፈልጥን! ከምኡ ኢሎም ክምህሩ ስለዝሰምዑ እምበር፥ ነቲ ኣፎም መሊኦም ዝበልዎ ዘለዉ ኣዕሚቆም ከምዘይፈልጥዎ ምስትዉዓል ረኽብኩ። ምኽንያቱ እቲ ምህሮ ክትሰምዖ መዓር መዓር እዩ ዝጥዕም። ካብ ካልእ ኣማኒ ሓዉኻ እዉንብርድኢት ጸጋጸብለል ኢልካ ከምዘሎኻ ርእስኻ ክትጥበር ስለ ዝገብር፥ ንዝረኸብካዮ ብጎይታ ሓዉኻ በሎ በሎ ተዛረቦ ኣስምዓዮ እዩ ዘብለካ።

ልክዕ ከምቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ኣብ 1ጢሞ 17 “ነቲ ዚብልዎ ወይ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተዉዕልዎ ክነሶምሲ፥ መምሃራን ሕጊ ኪኾኑ እዮም ዚደልዩ።ዝበሎ፥ እቲ ምህሮ ኣበይ ጀሚሩ ኣበይከ ይዉድእ ዘይትፈልጦ ወይ ዘይተስተዉዕሎ ክነስኻ፥ ቁንጣሮ ሒዝካ በል ኢልካ ንምድሪ ኣይትጹርኒ ምባል ምስ ምንታይ ይቁጸር? ካብቲ ጊዜ ጀሚሩ፥ ነቲ ትኹል ሓቂ ክምህርን ክዛረብን እየ ኢለ ምኽረይ ቆረጽኩ። ክብሪ ንጎይታ ይኹን! ሕጂ ጊዜኡ በጺሑ፥ ጊዜኡ ድማ እዩ።

ክብራት ኣሕዋተይ ሎሚምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉዝብል ኣርእስቲ ክንርእይ ኢና። ቅድም እቲ ምብጃዉ ዝብል ቃል እንታይ ምዃኑን እንታይ ከምዘመልክትን ክንድህስስ ኢና። ቐጺለ ድማ ንምንታይምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉከምዝበልክዎ ኣስፊሔ ክገልጾ እየ።

ምብጃዉ

 

ምብጃዉዝብል ቃል ብእብራይስጥ כָּפַר Kaphar (ካፋር) ካብ ዝብል ቃል ዝወጸ ኾይኑ፥ ትርጉሙ ድማ በደልብምሽፋንወይይሕለፍ ብምሕዳግዝግበር ዕርቂ ወይ ስምምዕ የመልክት። እዚ ነቲ ሓጢኣት በደለኛታት ንምሽፋን ተብሂሉ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብምፍሳስ ደም እንስሳታት ዝግበር ዝነበረ ምብጃዉ የመልክት። ብግሪኽ (ሓዲሽ ኪዳን) ድማ kat-al-lag-ay' καταλλαγή, ῆς, ἡ (ካት ኣላጋይ) ወይ ድማ hil-as-mos' ἱλασμός, οῦ, ὁ (ሂል ኣስሞስ) ካብ ዝብል ቃል ዝወጸ ኾይኑ፥ ትርጉሙ ድማ ናይ በዳሊ ዕዳካብ ማእኸል ኣርሒቅካ፥ ምስቲ በዳሊ ድማ ክሳዕ ምሕዝነት ወይ ዕርቂ ምግባርየመልክት። ብሓጺሩምብጃዉንዝነበረ ዕዳ ከፊልካ ካብ ማእከል ብምርሓቅ ዝግበር ናይ ዕርቅን ምሕዝነትን መስርሕ እዩ። ክርስቶስ ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ክንዳና ብምብጃዉ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣተዓሪቁና እዩ። ስለዚ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ሻሎም ኣሎና! ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኸ ይኹን! ኣሜን!

እንታይነት "ዘይንቡር ምብጃዉ"

 

ምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉዘብለኒ ምኽንያት ድማ ጥቅስ ከብል ፍቐዱለይ። ኣብ ዙርያ እዚምህሮ ምብጃዉዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት ኣለዉ እዮም። ገሌና ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ብሞት ሰብነት ስጋኡ እዩ ነቲ ናይ ምብጃዉ ስርሑ ወዲእዎ ንብል። ገሌና ድማ ኣይፋል! ክርስቶስ ኢየሱስ ብሞት ሰብነት ስጋኡን ብሞት መንፈሱን እዩ ነቲ ናይ ምባጃዉ ስርሑ ኣብ ገሃነም ወዲእዎ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ ዘይድግፎ ምህሮ ዝሓዝና ኣለና። ስለዚ ነቲክርስቶስ ብስጋን መንፈስን እዩ ሞይቱ ኣድሒኑናንዝብል ምህሮ እምብኣርዘይንቡርዝብል ቅጽል~ስም ክህቦ ተገዲደ ኣሎኹ።

ሎሚ ኣብዚዘይንቡር ምብጃዉዝብል ምህሮ፥ ብዙሓት ዘስደምሙ ነገራት ኢና ክንሰምዕ። ንገሌና እዉን ልዕሊ ዓቅምናን ምርዳእናን ክኸዉን ከምዝኽእል ጥርጥር የብለይን። እቲ ምህሮ ንብዙሓት ሰባት ከም ሕንዚ ነኺሱ፥ብሓሶትሲ ሓድሽ ፍልጠት ወይ ምግላጽ ናይ ጸጋ ከምዝረኸቡ ኣምሲሉ ናብ ጎደና ጥፍኣት ይጋትቶም ኣሎ።

ብዛዕባ ክርስቶስን መስቀሉን ዝዉሃቡና ትምህርትታት ኣዚና ብጥንቃቐ ክንሰምዖምን ክንምርምሮምን ከምዘሎና ነቲ ግሩህ ሕልናኹም ከንቅሖ ፍቐዱለይ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፥ ኣብ ክርስቶስን መስቀሉን ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ዓንዲ ሕቆ ናይ ክርስትና እዩም። ኣብ ዙርያ ወዲ ኣምላኽን መስቀሉን ገለ ነገር ክዉስኽ ወይ ድማ ከጉድል ኢሉ ዝመጽእ ምህሮ ኩሉ ናይ ሓሶት እዩ።

ትሕዝቶምህሮ ዘይንቡር ምብጃዉ

 

ምህሮዘይንቡር ምብጃዉብዛዕባ ክርስቶስን መስቐሉን ብዙሕ ዘስደምሙ ስሑት ትምህርትታት ኣለዉዎ እዮም። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን እንተ ተወኪስና፥ ካብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ብዙሓት ኣንጻር መንነትን ዕዮን ወዲ ኣምላኽ ተላዒሎም እዮም። እቲ ምህሮ ይመጽእ፥ ዓገብ ዝብል እንተተረኺቡ ድማ ይጠፍእ። ከምዚ እንዳበለ ዘመናት ኣቁጺሩ ኣሎ። እዚ ምህሮ ንመስቀልን ንሓቅታቱን ዝጻረር ክነሱ ንተመሃርኡ ሓለፋ ኩሉ ክርስትያን ጸጋ ከም ዝተረድኦም ኣምሲሉ እዩ ዝነፍሖም።

ሓደ መዓልቲ፥ ምስ ሓደ ኣዝየ ዘኽብሮ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቴሌፎን ይዘራረብ ነይረ። ብዛዕባ ህይወቱን ስድራኡን ድሕሪ ምሕታተይ፥ነፍሳት ከመይ ኣለዋ?” ክብል ይሓቶ እሞ፥ ንሱ ድማናይ ሎሚ ነፍሳት ድኣ ከተማ ይወርዳ እሞ፥ ጎማ ወዲ ጎማ ኣኻኺበን በሊዔን ከብደን ተነፊሔን ይመጻ። ክትርእየን እንከሎኻ ዝሃጠራ እየን ዝምስላ፥ ግናኸ……………..ዘመኑ ኽፉእ እዩ።ክብል መሊሱለይ።

ምህሮዘይንቡር ምብጃዉ ክርስቶስካብቲክርስቶስ ብስጋን መንፈስን እዮ ሞይቱብዝብል ምጉት እዩ ዝጅምር። ቐጺሉ ድማ ነዞም ኣስዒብና እንርእዮም ጓል~መንገዲ ዝኾኑ ምህሮታት ይወልድ። ኣነ እቶም 4 መሓዉራት ምህሮዘይንቡር ምብጃዉ ክርስቶስኢለ ሰመዮም ኣሎኹ። ንሳቶም ድማ፦

1. ክርስቶስ ኣብ መስቀል እንደገና ተፈጢሩ እዩ

2. ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ድሒኑ እዩ

3. ክርስቶስ ኣብ ገሃነም እንደገና ተወሊዱ እዩ

4. ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ንኣምላክነቱ እንደገና ለቢሱ እዩ። ዝብሉ ይርከብዎም

እዞም ዝጠቅስናዮም ኣበሃህላታት ፍጹም ሰሚዕክምዎም ዘይትፈልጡ እንተኾንኩም መቸም ኣስምቢድኩም ይኸዉን። እወ ሓቅኹም! እዞም ኣርእስታት ኣብ ዉሽጦም ከይኣተኻዮም ክትሰምዖም እንከሎኻ ጥራይ እዮም ዘስደምሙኻ። እቶም መምሃራን ነዚ ምህሮ ክምህርዎ ከለዉ መቸም ትኽ ኢሎም እዚ እዩ ኣርእስትና ዝብሉኻ ከይመስለና። ብኣንጻሩ ጉልባብ ክከዉን ዝክእል ኣርእስቲ ጌሮም፥ጸጋወይ ድማፍቅሪ ኣምላኽዝብል መዓር እብ ልዕሊ እዞም መርዛማት ኣርእስትታት ኣብዝሕ ኣቢሎም እዮም ከዉሕጡኻ ዝጽዕሩ። ነፍሲ ወከፍ ዝምህርዎ ምህሮ ምስ ረኣና፥ እቲ ሚዛን ንዓኻትኩም ክገድፎ እየ።

ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን ድዩ ሞይቱ?

 

ገለ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ (Faith Movement) ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቐል ከመዉት እንከሎኤሎሂ ኤሎሂ ላማ ሰብቅታኒማለትኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒብምባሉ ነቲ ሓሳብ መጢጦም፥ ክርስቶስ መንፈሳዊ ሞት እዉን ሞይቱ እዩ ይብሉና። ቐጺሎም እዉን ከምቲ እቲ ቐዳማይ ኣዳም ሓጢኣት ድሕሪ ምስርሑ፥ ብስጋን መንፈስን ዝሞተ፥ ክርስቶስ እዉን ዳሕራይ ኣዳም ኾይኑ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ ኣድሒኑና ኢሎም ይምጉቱ።

እዚ ምህሮ ከምቲ ድሒረ ዝግልጾ፥ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ክንዳና ብመንፈስ እዉን ሞይቱክብሉ እንከለዉ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ደረጃ ሰይጣን ንምዉራድ ንሳቶም ዝጥቀምሉ ብሂል ምዃኑ ክሓብኣልኩም ኣይፈቱን። እንተኾነ ግና፥ ሓጢኣተኛ ሰብ ጥራይ እዩ ብስጋን መንፈስን ዝመዉት። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ከድሕነና እዩ ብስጋ ዝተገልጸ። ነዚ ካብ መንፈሳዊ ሞት ክድሕነና ዝመጸ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ዝኮነ ጎይታ፥ ንርእሱ ከማና ሓጢኣት ብምስራሕ ከምዝተሳዕረ ገይርካ፥ መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ እዩ ምባልሲ ፍጹም የስደምመኒ ኣሎ!

ከምቲ ኣብ እብራዊያን 105~7 (መዝ 406~8)

ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፥ ይብል፥ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፥ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን። ብዝሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ፥ እንሆ፥ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፥ ኣምላኸ፥ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ በልኩ።ዝብል፥

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋኡ ገይሩ ስለ ሓጢኣት ብሞት ስጋኡ ተሰዊኡ፥ ፍቓድ እቲ ዝልኣኾ ኣብኡ ምእንቲ ክፍጽም እዩ ናብዛ ዓለም ዝኣተወ። ነዛ ፍቓድ ክፍጽም እዩ ስጋ ዝለበሰን ብስጋ ስለ ሓጢኣት ዝሞተን። ወሲኹ ድማ፥ ነዚኣ ፍቓድ እዩ፥ ኣብ ገተሰማኔፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኹንኢሉ ናብ ኣቦ ዝጸለያ። ብተወሳኺ እዉን እቲ ኣብ ሉቃስ 931 “ብግርማ ኸኣ ተገልጹ (ሙሴን ኤልያስን) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዮርሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምዉጻኡ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ።ዝብል ቃል እዉን፥ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ብሞት ሰብነት ስጋኡ ዝገብሮዕዮ ምብጃዉእዩ ዝነግር። ስለዚ እቲ ናብ ዓለም ምእታዉ ተብሂሉ ዘሎን፥ እቲ ኣብ ዮርሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ምዉጻኡን ኢልዎ ዘሎ፥ ብጀካ ነቲ ብሞት ስጋኡ ዝገብሮ ስራሕ ምብጃው እንተዘይኮይኑ ካልእ ምንም ኣየመልክትን እዩ!

ወሲኽና ኣብ ኻልኦት ጥቅስታት ዉርድ ኢልና ከም እንርእዮ፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ጥራሕ እምበር ብመንፈስ ከም ዘይሞተ የነጽረልና እዩ። ስጋዊ ሞት ናይቲ ንጹህ ገንሸል ኣምላኽ፥ ንምድሓን እቲ ዝወደቀ ዘርኢ ኣብርሃም እኹልን ተረፍን እዩ! እቲ ብሞት ስጋኡ ሓጢኣት ዓለም ካብ ማእከል ዘርሕቀ ገንሽል ኣምላኽ ስሙ ዝተባረኽ ይኹን! ንስጋዊ ሞት ክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓንና ከምዘይኣክል ወሲድካ፥ ብመንፈስ እዉን ሞይቱ ምባልሲ፥ ንደም ምፍሳስ ወዲ ኣምላኽ ምስትንዓቅ ከይከዉን ኣዝየ እፈርህ! ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ጥራይ ከምዝሞተ፥ ንምድሓንና ዝተከፍለ ስጋዊ ሞት ድማ ኣኻሊ ምንባሩን ክንርዳእ ክንክእል ንትሕዝቶ እዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ነድህበሎም፡~ እቶም ጥቅስታት በዓሎም ክዛረቡ ንሕደጎም፡~

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 318

በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና።እብራዊያን 1010

ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽንህያውን መገዲ ብደም ኢየሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡እብራዊያን 1019~20

ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም።ሮሜ 74

ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።ቆሎሴ 123~24

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።” 1ጴጥ 224

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ (Christ hath suffered for in the flesh kjv) ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።” 1ጴጥ 41

እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።ሉቃስ 2219~20

ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ።” 1ቁረ 1124~26

እምብኣር ሕጂ እስኪ ነታ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ መስቀልኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒዝበላ ቃል ክንርእያ ኢና።

ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ

 “ብታስዓይቲ ሰዓት የሱስ፥ ኤሎሄ፥ ኤሎሄ፥ ላማ ሰበቅታኒ፥ ኢሉ ብዓብዩ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፥ ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሐደግካኒ፥ ማለት እዩ።ማቴዎስ 2746

ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሐደግካኒ፥ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣዉያተይን ርሑቕ ኢኻ።መዝ 221

ዓበይቲ ዝብሃሉ መምህራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ ብዛዕባ እዚኣ ቃል፥ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ናብ ሰይጣን ወይ ሓጢኣት (ዘርኢ ሓጢኣት) ስለ ዝተለወጠ እዩ እግዚኣብሄር ኣቦ ሓዲግዎ ብምባል፥ ነዛ ኣብ መስቀል ዝተባህለት ቃል ከም ድጋፍ ብምጥቃም፥ ዘይትርጉሙ ክህብዎን ከጣምምዎን ይርኣዩ ኣለዉ። ብመሰረቱ ነዚ ጥቅሲ ብምንባብ ጥራሕ ኣቦ ሓዲግዎ ኢልካ ምዝራብ፥ ምስቲ ኣስዒብና ክርስቶስ በዓሉ ኣቡኡ ፈጺሙ ከም ዘይሓደጎ ዝተዛረቦ ክገራጮ እዩ።

ብዘይኣቦዝብል ቃል፥ ነዚኣምላኸይ ኣምላኸይዝብል ቃል፥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ስቅለቱ ተጠቂምሉዶ ይፈልጥ ኢለ ክሓትትን ክምጉትን ኣፍቕዱለይ። እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ነብያትን መዝሙራትን ዝተባህለሉ ምእንቲ ክፍጸም ኣብ መስቀል ዝበለን ቃላትን፥ ዝኾናን ፍጻሜታት ከምዘለዋ ክነድህብ እደሊ። ንኣብነት ኣብ የሃንስ 1928 “ድሕርዚ የሱስ ኩሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፥ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም፥ ጸማእኩ፥ በለ።ዝብል ንረክብ ኢና። ስለዚ፥ ከምቲ ብኣፍ ኣቦና ዳዊትኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒዝተባህለሉ ቃል ምእንቲ ክፍጸም ይብሎ እንተሃለወ መን ይፈልጥ? ብዝበለጸ ኣቦን ወድን ተፈላልዮም ከምዘይፈልጡ ዘረጋግጹልና ጥቅስታት ንስምዓየን ወይ ነንብበን፡~

እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን።የሃንስ 1632

እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።የሃንስ 829

ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።” 2ቆረ 519

ሕራይ! ግናኸ ንምንታይ ደኣ እዩ ጎይታ ከምኡ ዝበለ? ኢልና ክንሓትት ጽቡቅ እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ዝብለና፥ ክርስቶስ ብዘይካ ሓጢኣት ብኩሉ ነገር ክመስለና ከም ዝተገብኦ ርዱእ እዩ። ብጥሜት ብጽምኢ ብድኻም ብሞት ብኩሉ እዩ ዝመስለና። ብስጋ ከመዉት ከሎ ብመንፈስ ግና ህያዉ ከም ዝኮነ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 318 ስለዚ እቲ ንሕና ክንመዉት ከለና ዝስምዕና ምፍላይ ንእኡ ተሰሚዕዎ ማለት እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኣካል ተፈልይዎ ማለት ኣይኮነን። ሕጂ ክብድ ዝብል ምጉት ክጅምር ፍቐዱለይ። ክርስቶስኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒክብል እንከሎ፥ ኣቦ ንክርስቶስ ብኣካል ተፈልይዎ ነይሩ እዩ እንተ ኢልና፥ ምስዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክንሰማማዕ ናይ ግድን ክኾነና እዩ፦

1.ኣቦን ወድን ስለ ዝተፈላለዩ፥ ኣብቲ ተፈላልዮምሉ ዝነበሩሉ ግዜ ማለት ሰለስተ መዓልትን ለይትን ስላሴ ዝብሃል ህላወ ጠፊኡ ነይሩ ማለት እዩ። ያእ ኣይፋል ናይ ስላሴ ህላዉነት ፈጺሙ ኣቛሪጹ ኣይፈልጥን እዩ! “ኣብ ክርስቶስ ነበረ” “በይነይሲ ኣይኮንኩንወዘተ ዝብሉ ቃላት እዉን ኣለዉ!

2.ንክርስቶስ ኣቦ ተፈልይዎ ናብ ዘይምህላዉ በጺሑ እንተ ነይሩ፥ ንምድርን ንኩሉ ነገርን ደኣ መን ጸይርዎ ነይሩ? ምኽንያቱ ክርስቶስ ንኩሉ ነገር ብሓይሊ ቃሉ ጸይርዎ ዘሎ ንሱ ምዃኑ እዩ ቃል እግዚኣብሄር ዝነግረና።

ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።ቆሎሴ 117

ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።እብራዊያን 13

3.እግዚኣብሄር እታ ንምድሓን ሰብ ዝመደባ ጥንታዊ ምኽሩ ፈሺልዎሲ፥ ንሰባት ከድሕን ኢሉ ዝለኣኾ ወዱስ ንርእሱ ምድሓን ዘድልዮ ናብ ምዃን ወሪዱ ማለትና እዩ። ያእ ኣይፋሉን! ክርስቶሲ ንብዙሓት ዉሉድ ምእንቲ ክድሕኑ ኢሉ እዩ ራእሲ ምድሓን እንዳፈጸመ ናብ ክብሪ ዘእተዎም እምበር ንሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ምድሓን ወይ ደም ምፍሳስ ኣየድለዮን።

እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ።እብራዊያን 210

ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድለዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ።እብራዊያን 727

4.ንመለኮት ካባና ዝተፈለየ ዝገብሮ እኮ ንሱ ፈጺሙ ዘይመዉት ንሕና ግና ብመንፈስን ብስጋን እንመዉት ስለ ዝኾንና እዩ። ክርስቶስ ከማና ኣቦ ተፈልይዎ እንተ ኢልና ድማ ኣንጻር ቃል እግዚኣብሄር ክርስቶስ ብመንፈስ (ብመለኮት) ሞይቱ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ያእ ኣይፋል እብል ኣሎኹ! ምኽንያቱ ነቲ ክርስቶስብስጋ ሞተ” “ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩወዘተ ዝብሉ ቃላት ሃዋሪያት እምበር ንምህዞ ቃላት ናይ ሓሶት መምሃራን ኣይኣምንን እየ!

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 318

“ ………….ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።ቆሎሴ 123

ብኻልእ ኣዘራርባ፥ ክርስቶስ ንሱ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ምዃኑ ካብ ዘይምፍላጥ፥ ከምቲ ኣብ ምድሪ ጥራሕ ዘሎ እንመሰለና ኣብ ሰማይዉን ዝነበረ፥ ኣቦ ዝሓደጎ ኣብ ዝመሰለናዉን፥ ኣቦ ምስኡ ከምዘሎ ክርድኣና እንሽገር ኣመንቲ ክንህልዉ ንኽእል ኢና። እዚ ግና ነቲ ትኹል ሓቂ ኣየዝብሎን እዩ! ክርስቶስ ብዘሎ መሎኮት ዝሓደሮ ፍጹም ምዃኑን፥ ኣብ መስቀል እዉን መንነቱ ከምዘይቀየረ ከስምረልኩም እፈቱ። ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ኣብ መስቀል መንነቱ ለዊጡ ሰይጢኑ እንተ ዝኸዉን፥ ነዞም ኣብ መስቀል ዝበሎም ኣገደስቲ ቃላት ክብል ኣይምኽኣለን ኢልና ንሙግት ኣሎና። ንኣብነት፡~

ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎምዝብል ካብ ዝሰይጠነ ኣካል ዝወጽእ ቃል ኣይኮነን። እቶም ብጎይታ ኢና እንብል ኣመንቲ እኳ ንዝበደሉና ክንብሎ ዝኸብደና ቃል ክኸዉን ይኽእል እዩ። ከም በዓል እስጢፋኖስ ሓዉና ግና፥ ጸጋ በዚሑሎም ብዛዕባ እቶም ብዳርባ እምኒ ዝቐትልዎ ዝነበሩጎይታይ፥ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎምዝብል ቃል ጨዲርዎ እዩ። ካብ መን ተማሂርዎ? ካብ ጎይታኡ! (ግብ 759~60)

ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ዝመስከረ ከታሪ፥ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒዝብል ምሕጽንታ ምስ ተማሕጸኖ፥ሕጂ ምሳይ ናብ ገነት ክትኣቱ ኢኻዝብል መልሲ ክህብ ኣይምከኣለን። ሰይጣንሲ ይትረፍ ንካልእ ሰብ ገነት ክመባጽዓሉ፥ ንርእሱ እኳ ኣይረኽባን እዩ። እረ በጃኹም ክርስቶስ ሰይጢኑ ስለዝነበረ እዩ ኣቦ ሓዲግዎ ኣይትበሉ! ናይ ሰይጣን ማሕደሩ ኣብ ሲኦል እዩ፥ ክርስቶስ ግና ኩሉ ጊዜ ኣብ የማን ኣቦኡ እዩ! “ንየሱስ ከኣ፥ ጎይታይ፥ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፥ በሎ። የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸዉን፥ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፥ በሎ።ሉቃስ 2342~43

ክርስቶስ ሰይጢኑ እንተ ዝኸዉንነፍሰይ ናባኻ እማዕቁባ ኣለኩብምባል ንህይወቱ ናብ ኣቦ ከዕቁብ ኣይምከኣለን። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ናይ ዝተዓወቱ እምበር ናይ ዝሰይጠኑ መዕቆቢ ኣይኮነን። ጸሓይ ይኹን እቶም ወተሃደራት እዉን ጻድቅ ምዃኑ እኳ ዝመስከርሉ!

ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኰነ። ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ኢየሱስ ብዓብዪ ድምጺ፥ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ።ሉቃስ 2344~48

ስለዚ ነዚ ኣጋንንቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝንቅጥቀጡሉ ዝርዕዱሉን ጎይታስኣብ መስቀል ሰይጢኑምባልሲ ምህዞ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ እምበር፥ ኣብ ትኹል ቃል ዘሎ ወይ እዉን ሃዋሪያት ዝምሃርዎ መልእኽቲ ኣይኮነን እብል ኣሎኹ። ኣቱም ነቲ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብሽምዘይንቡር ጸጋክትመጥዎ ክጥዕመኩም፥ ንክርስቶስ ናብ ደረጃ ኣጋንንቲ ከተዉርድዎ እትጽዕቱ ዓገብ! ይኣክል! ንጸጋ ኣምላኽ ከም ማስቲካ መጢጥካ ዘይናቱ እንተሂብካዮ ተበላሽዎ እምበር ኣይተማዕርጎን ኢኻ! ሓደ ንእሽቶይ ምዉት ጽንጽያ ንብዘሎ ቅዱይ ቅብኢ ከምዘበላሹዶ ካን ተሰዊርኩም?

ተፈጸመተብሂልሉ ዝተዛዘመ ምብጃዉ

 “ድሕርዚ የሱስ ኩሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፥ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፥ ጸማእኩ በለ። ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስም ዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረብ። የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፥ ተፈጸመ፥ በለ። ርእሱ ኣድነነ፥ ነፍሱዉን ወጸት።የሃንስ 1928~30

ክርስቶስ በቲ ዝተቖርሰ ስጋኡን፥ በቲ ካብ ስጋኡ ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ከም ዘድሓነና ከም ዝዓደገናን እዩ ቃሉ ዘረጋግጸልና። ብደሙ ነጺህናን ተዓዲግና እምበር ብዝተጋነነ ተወሳኺ መንፈሳዊ ሞቱ ከምዘይደሓንና ኣቐዲምና ከሲስና ኣሎና። ድሕሪ ተፈጸመ ዝበሎ ምሉእ ግብሪ ምብጃዉ፥ ንምድሓንና ተብሂሉ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ተወሳኺ ዋጋ የልቦን። ምኽንያቱ ተፈጸመ ማለት ተፈጸመ እዩ። ኣየ ሚስጥር እዚተፈጸመዝብል ቃል እንተንፈልጦ!

ተፈጸመ ዝብል ቃል ብግሪኽ tel'-i-os τέλειος, α, ον (ቴል ኢዮስ) እዩ ዝብል። እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ትርጉማት ድማ ኣለዎ፡~

ቐዳማይ ትርጉም፡ ንዝተዋህበካ ዕዮ ኣብ መዓላ ሰሪሕካዮ ምዉዳእ የመልክት። ክርስቶስ ኢየሱስተፈጸመክብል እንከሎ ድማ፥ ነታ ካብ ኣቦ ዝተዋህበቶ ዕዮ ወይ ራእይ፥ ኣብ መስቀል ብሞት ሰብነት ስጋኡ ሰሪሑ ብምዉዳእ ዘዉስኣ ቃል እያ። እዚኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ነታፍቓድካእትብል ዕዮ ኣቦ ምፍጻም እያ እተመልክት።

ኢየሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።የሃንስ 434

ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።የሃንስ 173~5

ካልኣይ ትርጉም፡~ ንሓደ በዓል ዕዳ ዝጽነሔ ሰብ፥ ዕዳኡ ኣብ ክንዳኡ ድሕሪ ምኽፋልካ፥ እቲ ዝጸንሔ ዕዳ ተኸፊሉ ተወዲኡ ኣሎ ክብሉ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ ቃል የመልክት። እወ! ክርስቶስ ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ክንዳና ንኹሉ ዕዳ ሓጢኣትና ብሞት ሰብነት ስጋኡ ኸፊሉ ወዲኡልና ወይ ኣርሒቁልና እዩ። ስሙ ዝተባረኸ ይኹን!

ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።ቆሎሴ 214

ሳልሳይ ትርጉም፡~ ሓደ ዓቐይታይ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ኾይኑ፥ ንጸላኢ ወጊኡ ምስ ኣዉደቆ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘዉደቆ ጸላኢ ደዉ ኢሉ ቅድሚ ምቅታሉ ዝብላ ቃል እያ። ኣብ እንግሊዘኛ እታ ቃል “You are done!” ክብልዋ እንከለዉ፥ ኣብ ትግርኛ ድማስዩም በልዝብል ሓሳብ ተመልክት። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብሞት ሰብነት ስጋኡ ንሰይጣን መላእኽቱንስዩም በል” “You are done!” ኣቢልዎም እዩ። !

ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።ቆሎሴ 214~15

እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።እብ 214~16

ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ።የሃ 1231~33

እቲተፈጸመዝብል ቃል ምሉእ ምብጃዉ ክርስቶስ ብስለስተ መቃልሕ ኣቃሊሕዎ እዩ። ንእግዚኣብሄር ኣቦእቲ ዝሃብካኒ ዕዮ ወይ ፍቓድ ብሞት ሰብነት ስጋይ እዉድኦ ኣሎኹዝብል መቃልሕ ኣለዎ! ንሰብ ድማነቲ ዕዳ ሓጢኣትካ ኣብ ክንዳኻ ብሞት ሰብነት ስጋይን ምፍሳስ ደመይን ከፊለ ወዲኤዮ ኣሎኹዝብል መቓልሕ ኣለዎ! ንሰይጣን ድማ፥ኣታ ጸላኢ ኣብ ክንዲ እቶም ብተስፋ ዝተኣስሩን ካልኦት ዝድሕኑን ብሞት ሰብነት ስጋይ ገይረስዩም በልእብለካ ኣሎኹ ዝብል መቓልሕ ኣለዎ! ሰይጣን ነዚኣ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምኽንያት ሓጢኣት ብዙሓት ብስጋ ዝስዉኣ እዩ ዝፈርሓ ነይሩ። ስለዚ እዩ ድማ ብካልእ ዓይነት ኣማዉታ ሞት ንኽመዉት ዝፍትኖ ዝነበረ። ካብ ብስጋ ሙማት ንላዕሊ፤ ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ብመንፈስ ሙማት የፍርሖ እንተዝነብር፥ ክርስቶስ ብስጋኡ ንኸይመዉት ምእንቲ ዘለዎ ኹሉ ኣኽቲቱ ምፈተነ!

ኣታ ክንደይ ከሐጉሰካ እዩ ናይ መስቀል ስራሕ! ንኹሉ ንኣብ ሰማይ፥ ምድርን፥ ትሕቲ ምድርን ዘሎ በቃተፈጸመኢሉ ወዲእዎ! እሞ ከምቲ ነዞም መምሃራን ምንቅስቃስ እምነት ዝመስሎም፥ እቲ ኣብ መስቀል ብሰብነት ስጋኡ ዝተኸፍለ በጃ ምሕላፍ ምሉእ እምበር ፈረቃ ወይ ጎደሎ ኣይኮነን። ድሕሪ ተፈጸመ ክጅመር ወይ ክቕጽል ዝክእል ዕዮ ምብጃዉ ፈጺሙ የልቦን። እዚ እቲ ዋና ሕመረት ናይ ሎሚ መልእኽተይ እዩ።

ክርስቶስተፈጸመዝበለ እቲ ብስጋኡ ክፍጽሞ ዝነበሮ ኩሉ ፈጺሙ ምስ ወድአ እምበር ብመንፈስ ምስ ሞተ ኣይኮነን። ከመዮ እቲ ጽሑፍመጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።ማር 1538 ከም ዝብል፥ ክርስቶስ ብስጋ ክመዉት ከሎ ሽዕኡ ድማ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተተርተረ። እዚ ክልቲኡ ፍጻሜታት እዚ ብሓንሳእ ዝተከሰተሉ መለኮታዊ ምኽንያት ይህልዎዶ ይኸዉን? እወ ምኽንያት ኣለዎ! እዚ ምስጢር እዚ ኣብ እብራዊያን ተገሊጹ ኣሎ።

ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም ኢየሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዝህልወናስ፥እብራዊያን 1019~22

ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ።” 2ቁረ 314~16

እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ መጋረጃ ናይ ምንታይ ምሳሌ እዩ ነይሩ ኢልካ ምሕታት ከድልየና እዩ። ኣብ እብራዊያንበቲ መጋረጃ፥ ማለት ብስጋኡዝብል ቃል ብምህላዉ፥ እቲ ኣብ መቕደስ ዝነበረ መጋረጃ ምሳሌ ናይ ስጋ ክርስቶስ እዩ። ስጋ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኣብ ዝሞተላ ህሞት፥ መጋረጃ ኣብ ቤት መቕደስ ምቕዳዱ ናይዚ ምስጢር እዚ ሕቅነት የረጋግጽ። እዚ ድማ ስጋዊ ሞት ክርስቶስ ነቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ምክፋቱን ንዓናዉን ናይ ምእታዉ መሰልን ትብዓትን ከም ዘዉሓሰና ዘረጋግጽ እዩ። ኣሜን ንምድሓንና ዝኸዉን ዕዮ ምብጃዉ ብተፈጸመ ዝብል ቃል ጎይታ ተዛዚሙልና ኣሎ!

ክርስቶስ ናብ ሲኦል ብዓወት፥ ዓወት ከበስር እዩ ዝወረደ!

 “ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።ቆሎሴ 214~16

ብዙሓት መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ፥ እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ምዉራድ ድማ መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ ስለ ዝተሳዕረ እምበር ስዒሩ ከም ዝወረደ ኣይኣምኑን እዮም። ብሓፈሻኡ፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ምውራዱን ዘይምዉራዱን 3 ዝተፈላለዩ ኣበሃህላታት ኣለዉ እዮም። ገሊኦም ክርስቶስ ፈጺሙ ናብ ሲኦል ኣይወረደን ዝብል ምጉት ኣለዎም። ካልኦት ድማ ክርስቶስ ብስዕረት ዘይኮነስ ብዓወት እዩ ናብ ሲኦል ወሪዱ ክብሉ ይምጉቱ። ብተወሳኺ፥ ነቶም ናይ ክርስቶስ ተስፋ እናተጸበዩ ብእምነት ዝሞቱን ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ኣብ ሲኦል ንዝጸንሑን ነፍሳት ከይዱ፥ ነቲ ትሕዝቶ ትጽቢቶም ብዓወት ኣዊጁ፥ ማሪኹ ካብ ሲኦል ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኦም ከም ዘዉጽኦም ይኣምኑ። እዞም መምሃራን ድማ ናብ ሲኦም ብሰይጣንን ኣጋንንትን ተጎቲቱ እዩ ወሪዱ ክብሉ ይምጉቱ።

ኣነ ብወገነይ፥ ነቶም ክርስቶስ ፈጺሙ ናብ ሲኦል ኣይወረድን ዝብሉን፥ ነቶም ክርስቶስ ድሕሪ ተፈጸመ ምባሉ ብኣጋንንቲ ተጎቲቱ ተወሳኺ ንኽሳቐ እዩ ናብ ሲኦል ወሪዱ ዝብሉን፥ ኣይፋል ትጋገዩ ኣሎኹም እብሎም። ብመሰረት እዘን ኣስዒብና እንርእየን፥ ክርስቶስ ንሲኦል ብዓወት ክማርኽን ከስተሓፍርን ደኣ እምበር ተሳዒሩን ተማሪኹን ኣይወረደን። ናይ ክርስቶስ ቦታ ኣብ ገነት ኣብ ሰማያት እምበር ኣብ ሲኦል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ዝተማሕጸኖ ከታሪሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከዉን ኢኻኢሉ ዘይዕጸፍ ተስፋ ዝሃቦ። ገነት ድማ ኣብ ሳልሳይ ሰማይ ከምዝርከብ ሃዋሪያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል፡~ “ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።” 2ቁረ 122~4

ምናልባት ኣብዚ ክፍጠረና ዝኽእል ሕቶ ክህሉ ይክእል እዩ። ንሱ ድማ፥ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ምስቲ ከታሪ ናብ ገነት ድዩ ኸይዱ ወይስ ናብ ሲኦል ክማርኽ እዩ ወሪዱ?” ኣሕዋተይ ነቲ መለኮታዊ መንነት ናይ ክርስቶስ ክንዝንግዖ ኣይግብኣናን እዩ። ጎይታ ብኣካል ስጋ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣብቲ ወቕቲ ድማ ኣብ ሰማይ ከምዝነበረ፥ ኩሉ ዝኽእል፥ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብን ኣምላኽ ምዃኑኸ ክንርስዖ ዲና? ያእ ኣይፋል! ንሱ ኣብ መስቀል እዉን ፍጹም ሰብን ኣምላኽ ደኣ ኣባ እዩ! እሞ ነዚ ልዑል ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ፥ እወ ንሱ ኣምላክ እዩ ስሙ ዝተባረኸ ይኹን! ኣብ ገነት ይኹን ኣብ ሲኦል ኣብ ሓደ ጊዜ ከይርከብ መን እዩ ዉሱን ደረት ዝደረተሉ? ማንም! ኣብቲ ፍጹም ሰብን ኣምላኽን ዝኾነ መንነት ጎይታ ምስትዉዓሉ ዝተደረተ ሰብ ጥራይ እዩ፥ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ብኣጋንንቲ ተሳዒሩን ተጎቲቱን ንኽሳቐ ዝወረድ ክብል ዝኣምን ወይ ዝምህር።

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡” 1ጴጥሮስ 318~19

እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ።ኤፌሶን 49~10

ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።ቆሎሴ 214~16

ነዚኣ ቆሎሴ 214~16 ሓደ መምህር ናይ እምነት ምንቅስቃስ ብቃሉ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ፡~

• “ሰይጣንን ነፍሲወከፍ ጋኔንን ንመንፈስ ናይ ክርስቶስ ብዘይ ሕጋዊ መሰል ኣብ ሲኦል የሳቅይዎ ነበሩ። እታ እግዚኣብሄር ዝደልያ ዝነበረ መእተዊት ሃጓፍ እዚኣ እያ ነይራ። ነዛ ጊዜ ብምጥቃም፥ እግዚኣብሄር ነተን እምነት ዝመልኣ ቃላቱ ናብ መዓሙቕ ምድሪ ማለት ናብ ገሃነም ተዛሪብወን። ብሃንደበት እቲ ቃል ናይቲ ህያዉ ኣምላኽ ናብ ታሕቲ ናብቲ ናይ ዕንወት ጉድጓድ ከይዱ፥ ንመንፈስ ናይ ክርስቶስ ብናይ ትንሳኤ ሓይሊ መልኦ ወይ ኣንቀሖ። ብድንገት እቲ ተጠምዚዙን ብሞት ተገፊዑን ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ሓይሊ ክመልእን ናብ ህይወት ክምለስን ጀመረ። ቅድሚ ሕጂ ሰይጣን ርእይዎ ናብ ዘይፈልጥ ትር ኢት ክልወጥ ጀመረ። ብካልእ ኣዘራርባ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ሰይጣን ከም ብሓድሽ ተወልደ። ነቲ መንፈሳዊ ጭዋዳታቱ ክዘራግሖ ጀመረ። ኢየሱስ ከም እንደገና ዝተወልደ ሰብ፥ ከም በኲሪ ናይ ምዉታት•••እቶም ሰራዊት ኣጋንንቲ እናረኣዩ፥ ክርስቶስ ንሰይጣን ኣብታ ናቱ ገደና ወቕዖ። ናይ ሰይጣን መፋትሕ መንዚዑ፥ ከም ዳግማይ ዝተወልደ ሰብ ካብ ገሃነም ወጺኡ።

ዘስደምም እዩ! ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ በቲ ናይ ሞት መልኣክ ማለት ብዲያብሎስ ኣይተሳዕረን። ብኣንጻሩ ክርስቶስ ንሰይጣን ብዘገርም መንገዲ እዩ ስዒርዎ። ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ድያብሎስ፥ ዘለዎ ዘበለ ሓይሉ ኣኻኺቡ ዘይኮነስ፥ ብሞቱ ስጋኡ እዩ ስዒርዎ። ከምቲ ሓዉና ሃዋሪያ ጳውሎስካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፥ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕኢሉ ዝምጉቶ፥ እዚ ሓቂ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ሰይጣንን ተጋሂዱ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዕሽነት ዝመስል ስጋዊ ሞት እዩ ንጥበብ ሰይጣን ዘስተሓፈሮ። ብድኻም ብዝመስል ሞት ድማ እዩ ንሓይሊ ሰይጣንን ንመላእክቱን ኣጽዋሮም ገፊፉ፥ ንመርሖ ሞት እዉን ካብ ኣእዳዎም መንጢሉ እዩ ዝሰዓሮም ዘስተሓፈሮምን።

እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።እብራዊያን 214~15

ክርስቶስ ኣብ ገሃነም እዩ ድሒኑይብሉ ወይ ጉድ!

ኣስዒብኩም እተንብብዎ ወይ እትሰምዕዎ፥ ዓበይቲ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ (Faith Movement) ኣብ ዙርያ ወዲ ኣምላኽ ዝተዛረብዎን ዝምሃርዎን ዝጸሓፍዎን እዩም እሞ፥ ልቢ ኢልኩም ኣምብብዎ ሓደራ!

ናይ ሓጢኣትና መቕጻዕትስ ኣብ መስቀል ምሟት እዩ ኢልኩም ትሓስቡ? ከምኡ እንተ ኮይኑ እሞ፥ እቶም ክልተ ሰረቕቲ ንዋጋኹም ክከፍልዎ ይክእሉ ነይሮም ማለት እዩ። ኣይፋሉን፥ እቲ መቕጻዕቲ ናብ ገሃነም ምካድን፥ ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ኣብ ገሃነም ስቅያት ክትጥዕም እዩ። ሰይጣንን ኩሎም ኣጋንንቲ ናይ ገሃነም ኣብ ኢድና ረኪብናዮ ኢሎም ኣብ ልዕሊኡ መርበብ ደርበዩሉ። ናብቲ ዝዓሞቐ ክፋል ናይ ገሃነም ጎቲቶም ብምእታዉ ነቲ ዝተፈረድናዮ ፍርዲ ከም ኣብ ልዕሊኡ ከምዝፍጸም ገበሩ። መንፈስን ነፍስን ናይ ጎይታ ናብ ገሃነም ከይደን። እቲ ንሕና ክንቅበሎ ዝነበረና ፍርዲ ድማ ተቐቢልዎ። ነዚ ምእንታና ጌርዎ። ምእንታና ናብ ገሃነም ከይዱ።

ክርስቶስ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ኢሉ መንፈሳዊ ሞት ጥዒሙ። መንፈሱን እታ ነፍሱን ኣብ ክንዳና ናብ ገሃነም ከይደን። እዚ ክርኣየኩም ኣይክእልን? ስጋዊ ሞት ጥራይ ንሓጢኣትኩም ከርሕቆ ኣይክእልን እዩ። ንሱ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ሞት ጥዒሙ እዩ። ንሱ ድማ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞት ምጥዓም እዩ ዚዛረብ ዘሎ

ክርስቶስ ተፈጸመ ኢሉ ክጭርሕ ከሎ፥ ብዛዕባቲ ናይ ድሕነት መደቡ ኣይኮነን ዝዛረብ ነይሩ። ቅድሚ ዙፋን ምኻዱ፥ ግና ክሕለፍ ዘለዎ ስለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚኡ ነይሩ። ናይ ክርስቶስ ናይ መስቀል ሞት፥ ናይቲ ዝተማልአ ናይ ድሕነት ስራሕ ናይ መጀመርታ ክፋሉ ጥራሕ እዩ ነይሩ።

እዚ ክተንብብዎ ወይ ክትሰምዕዎ ዝጸናሕኩም፥ ንክርስቶስ ካብ ኣምላኽነት ናብ ሰይጣንነት ተለዊጡ ካብ በሉ፥ ብድሕሪኡ ክብልዎ ዝከኣሉ ሃተዉተዉ መዳርግትን መወዳእታን የብሉን። ናብ ሓጢኣት ድሕሪ ምልዋጡ፥ ብስጋን ብነፍስን ብመንፈስን ከምዝሞተ፥ ስለዚ ከኣ ኣጋንንቲ ጎቲቶም ናብ ሲኦል ኣዉሪዶም ካብቲ ብስጋ ምስ ተታሕዘ ዝረኸቦ መከራ ንላዕሊ ከም ዘጽገብዎ ይምድሩ። ብናይ ስጋ ሞቱ ከድሕነና ስለ ዘይከኣለ፥ ናይ መንፈስ ሞት ክመዉት ከም ዝተገደደ ይምጉቱ። ነቲ ከድሕን ኢሉ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ካባና ንላዕሊ፥ ንርእሱ ምድሓን ዘድልዮ ሰብ ገይሮም ክገልጽዎ ሰገጥ ዘይምባሎም የስደምም የስካሕክሕን እዩ። ነቲጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋን መንፈስን ሞይቱ፥ ብናይ ገዛእ ርእሱ ድማ ምድሓን ረኺቡ እዩ ኣድሒኑናብምባል ገለ ኣሕዋት፥ እቲ ዝረኸቦ ምድሓን ንኣና እምበር ስሌኡ ከምዘይኮነ ብዘይ ምስትዉዓል ዝጥቀሙላ ጥቅሲ ብትግርኛን እንግሊዝን ክጽሕፈልኩም ወይ ከንብበልኩም ፍቐዱለይ፡~

ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ አተወ።እብራዊያን 911~12

Hebrews 9:11-12King James Version (KJV)

11 But Christ being come an high priest of good things to come, by a greater and more perfect tabernacle, not made with hands, that is to say, not of this building;

12 Neither by the blood of goats and calves, but by his own blood he entered in once into the holy place, having obtained eternal redemption for us.

ስለዚ እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ምፍሳስ ዝተረኽበ ምድሓን ምእንቲ ሰብ እምበር ምእንቲ ርእሱ ኣይነበረን። ኣነ ዝገርመኒ፥ ክርስቶስ ንርእሱ ምድሓን የድልዮ እንተነይሩ፥ ንምድሓን ሰብ ከመይ ገይሩ ይበቅዖ? እዚ ከይኣክል ድማ ምስ እዚኣ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ካልእ ዘስካሕካሓኒ ዘመተ ኣሎ። ካብታ ኣብ መዝሙር ዳዊት 27 ከምኡዉን ኣብ እብራዊያን 15 ተደጊማ ዘላንስካ ወደይ ኢኻ፥ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻእትብል ሓሳብ ተበጊሶም ድማክርስቶስ ኣብ ገሃነም እንደገና ተወሊዱዝብል ምህሮ ዝምህሩ መምሃራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ ኣለዉ እዮም። ንሰብ ዳግም ተወሊዱ እንተ ኢልና፥ እቲ ቐዳማይ ካብ ወለዱ፥ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ካብ ኣምላኽ ብመንፈስ ዝዉለዶ ዳግም ልደት እዩ። ክርስቶስ እንደገና ተወሊዱ ክብሉ ከለዉ እቲ ካልኣይ ልደቱ ካብ መን ምዃኑ ግሉጽ ኣይገብርዎ እዮም። ሓንቲ ሕቶ ክሓትት፥ ክርስቶስ ቅድሚ ስቅለቱ ወዲ ኣምላኽ ነይሩዶ? እወ! እሞ ኣብ ገሃነም ድማ እንደገና ኽዉለድ ነይርዎ እንተኢልና፥ እቲ ቅድሚ መስቀል ዝነበሮ ዉልድነትን ድሕሪ መስቀል ዝረኸቦ ዉልድነት ሓደ ድዩ? ካብ ሓደ ወላዲ ክልተ ጊዜ ክትዉለድ ከኣ ኣብ ተፈጥራዊ ኮነ መንፈሳዊ ዓለም ዘይንቡርን ዘየሎን ተርእዮ እዩ። እሞ፥ ክርስቶስ ነቲ ቐዳማይ ልደቱ ፈጺሙ ኣጥፊእዎ ከም ዝነበረ እዮም ክነግሩና ዝፍትኑ ዘለዉ። እስኪ ካብቲ ኣፎም መሊኦም ዝብልዎ ንርኣይ እሞ እቲ ሚዛን ንዓኻትኩም ይሓድጎ፡~

ክርስቶስ ኣብ ጉድጓድ ናይ ገሃነም እንደገና ተወልደ። ንሱ ብኲሪ ካብ ምዉታት እዩ፥ ንሱ ነታ ናይ በኲራት ቤተክርስትያን ኣብ ደጌታት ሲኦል ማለት ገሃነም ጀሚርዎ። ናብ ደጌታት ሲኦል ከይዱ ንቤተ ክርስትያኑ ኣብኡ መስሪትዋ። ቤተ ክርስትያን ኣብ ደጌታት ሲኦል፥ ክርስቶስ እንደገና ምስ ተወልደ እያ ጅሚራ።

ናይ መጀመርታ ካልኣይ ዝተወልደ ሰብ ኢየሱስ እዩ።

ክርስቶስ እንታይነቱ ናብ ሓጢኣት ናብ ምዃን ስለ ዝተለወጠ፥ ብኣምላኽ ህያዉ ንክኸዉን እቲ ቀደም ምስ ኣቦ ዝነበሮ ሕብረት ምእንቲ ክምለሰሉን፥ እንደገና ክዉለድ ኣለዎ። ሓጢኣት ካብ ኣቦ ፈጺሙ ፈልይዎ ስለ ዝነበረ፥ እታ ምስ ኣቦ ዝነበረቶ ሕብረት ክትምለሰሉ እትኽእል እንኮ መንገዲ፥ ብሓድሽ ልደት ናብ ሓድሽ ህይወት ብምምጻእ ጥራሕ እዩ።

ክርስቶስ ዳግማይ ምስ ተወልደ እዩ ኣምላኽነቱ እንደገና ተመሊሱሉ

ነፍሲወከፍ ዳግማይ ዝተወልደ ሰብ፥ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ እዩ፥ ክርስትና ድማ ተኣምራት እዩ። ኢየሱስ ናዝራዊ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ብዝኾኖ መጠን ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ድማ ከምኡ እዩ።

ዘገርም እዩ ዘረባኦም! እቲ ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ክድሕንን ዳግም ክዉለድ ነይርዎን ምባል፥ ክርስቶስ ንሰለስተ ለይትን መዓልትን ምሉእ ኣምላኽነቱ ኣጥፊእዎ ነበረ ናብ ዝብል ካልእ ምህሮ ከምዘምርሕ ክሕብረኩም እፈቱ። ስለዚ እዮምክርስቶስ ኣብ ገሃነም ምስ ደሓነን ዳግም ምስተወልደን እዩ ንኣምላኽነቱ እንደገና ለቢስዎዝብሉና ዘለዉ። ነቲ ኣብ እብራዊያን 113 “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለም ንሱ እዩ።ዝተባህለሉ ጎይታ ጎይቶት፥ መንነቱ ተኻሒዱ ኣብ ዉሽጢ እቲ ንሰለስተ መዓልትን ለይትን ብስጋን ብነፍስን ብመንፈስን ፈጺሙ ጠፊኡ ነይሩ ምባል፥ ኣብ ልዕሊ ጎይታ ብፍላይ፥ ኣብ ልዕሊ ህልዉና ስላሴ ድማ ብሓፈሻ ክበሃል ዝከኣል ዝለዓለ ክሕደት እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ኣምላኽነት ንጎይታ ክዕዱሉን ክሕድጉን ምድላዮም ካልእ ኣይኮነን፥ ንርእሶም ልዕል ከብሉ እሞ መዓረ ክርስቶስ ከዳርጉ ስለ ዝደለዩ እዩ። ማለት ናይ ክርስቶስ ኣብ ገሃነም ካልኣይ ምዉላድ ኣምላኽነቱ እንደገና ንምልባስ ካብ ሓገዞ፥ ንሕና እዉን ካልኣይ ክንዉለድ ከሎና፥ ልክዕ ከምኡ ኣምላኽነት ንለብስ ኢሎም ይኣምኑ። በቲ ናቶም ኣበሃህላናይ ክርስቶስን ናይ ኣመንቲ ካብ ኣቦ ዘሎና ዉልድነት ሓደ ዓይነት እዩዝብል እምነት ስለ ዘለዎም እዩ። ያእ ኣይፋሉን! ኣንሕና ኣመንቲ ብክርስቶስ ምኽንያት ደኣ መሰል ዉልድነት እምበር ክርስቶሳዉነት ኣይተዋህበናን! ንክርቶስ መዋርስቱ ምዃን ዉሒድናስ መዓርእዩ ንምዃን ንምንታይ ንልብና ብስስዔ ንመልኦ። መዓረ ክርስቶስ ፈጺምና ኣይኮንናን ኣይክንኸዉንን እዉን ኢና!

መደምደምታ

 “ምብጃዉ ወለዶ

 “ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ" ይብሉ ናይ ቀደም ኣበዋት። እዚ ሎሚ ረኺቡና ዘሎ መንፈሳዊ ጸገማት ካበይ እዩ ዚነቅል? ነዚ መንሽሮ እዚ ከሕዊ ዚኽእል፡ ዚልከ ፈውሲኸ ኣበይ እዩ ዚርከብ? ኣብ ጊልዓድዶ ፈዋሲ የልቦን እዩ? ገናዶ እንሓቶ ነቢይ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና የልቦን? ንኣምላኽ ኣብ ልብና ነቲ ዝግብኦ ስፍራ ስለ ዘይሃብናዮ ዶኾን ይኸውን?” ክብል ተዛሪቡ፥ ሓደ ኣነ ብቐረባ ዝፈልጦ ብሩኽ ሓዉ! ሓቁ ድማ እዩ!

ጸኒሕና ካልእ ከይንሰምዕ እፈርህ ጥራይ መዓስ ኮይኑ፥ ኣነሕና እቶም እንሰምዕ እዉን በቲ እንሰምዖ እንታይ ከም እንብልን እንኸዉንን እንገብርን ድማ ልዕሊ ኩሉ እንዳሻቐለኒ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ዘሎንጸዋወር~ tolerance” ዝብል ጭርሖ፥ ንቤተክርስትያን ማለት ንዓና ኣመንቲ እንብሃል እዉን፥ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓቂ ሓቂ፥ ነቲ ሓሶት ድማ ሓሶት ምባል፥ ነቲንጸዋወርዝብል ጭርሖና ከይንጭርሖ እሻቐል ኣሎኹ። ነቲ ሓቂ ሓቂ ዝብል፥ ነቲ ሓሶት ድማ ሓሶት ዝብል ድምጺ ካብ ብዙሓት ኣመንቲ እንዳረሓቐ ዝኸደሉ ዘመን ኢና ዘሎና።

ብጥዑይ ዝኾነ ሃዋሪያዊ ምህሮን መንፈሳዊ ፍልጠትን ንመጓሰ እግዚኣብሄር ጸኒዕና ምምሃርን ምምዓድን ይግብኣና። ሰኣን ከምኡ ምግባርና ወለዶ ክተሓናፈጽን ናብ ስሕተት ክጉተትን ስቅ ምባል ኣይግድን እብል ኣሎኹ! ንርእሰይ ኣቐዲመ ንኹሎም ኣገልገልቲ ብሕልፊ ድማ ንጓሶትን መምሃራንን እላቦ ኣሎኹ! ከምቲ ሃዋሪያ ጳዉሎስኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኹሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚጸበኒ፥ ማለት ብዛዕባ እቲ ንኹላተን ማሕበራት ዝሓልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ” 2ቆረ 1128 ዝበሎ፥ ካብ ብዛዕባ ርእስናን ኣገልግሎትና እንጭነቆ፥ ብዛዕባ ወለዶ ኣብ ጸጽባሕ ክንሓልይን ጽብብ ክብለና መን ምሃበ። ነቲ መርዛም ሓሶት ዝኾነ ምህሮ ብኣግኡ ከነለልዮን ብጥዑይ ምህሮ ደጋጊምና ብምዉቃዕ ነዚ ወለዶ ካብ ምስሓት ንበጀዎ!

እዚ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ክርስትያን ብቅኑዕ ይዉለድ እሞ፥ ብሰንኪ ስሕተት ዝምህርዎ መምሃራን፥ ብጌጋ ይዓቢ ኣሎክብል ተዛሪቡ፥ ብቀረባ ዝፈልጦ ሓዉ

ስለዚ ኣንታ ወለዶ ድማ፥ ደፋር ኣይትኹን! ሃዲእኻ ንክርስቶስ ክትምሃሮን ናይ ብሓቂ ወደ መዝሙር ጎይታ ክትኸዉን ድኣ እምበር፥ ብሓጺር መገዲ (ኣቃራጺ መንገዲ) ኣብ ዘይግዜኻ ብሓሶት ምህሮ፥ ብጌጋ ክትዓብይ ወይ ድማ ብጸጋ ጸብለል ዝበልካ መሲልካ ክትርኤ ኣይትጽዓር! ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ክትምሃሮን ክትርድኦን ምሉእ ርእስኻ ወፊ። ከም ሓንቲ ጤል ካብትን ካብትን እንዳቐንጠብካ ኩሉ ዝበጻሕካዮ መሲልካ ደረትካ ክትነፍሕን ንስጋ ክርስቶስ ክትመቅልን፥ ንልብኻ ኣጉል ድፍረት ኣይትምልኣዮ! ከምቲ ጳዉሎስ ንጢሞቴዎስኣነ ክሳዕ ዝመጽእ፥ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።ከም ዝበሎ፥ መጽሓፍ ቅዱስካ ሒዝካ ኮፍ ኢልካ ሃዲእካ ኣብ ትሕቲ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር እትመሃረ ሰብ ኹን! ንወለዶኻ ድማ በቲ ቅኑዕ ምህሮ ብምምዓድን ምምሃራን ሃየ ተበጀዎ! ጎይታ ንኹላትና ብጸጋኡ መመሊሱ የደግፈና። ኣሜን!

ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።ግብ 2026~30

ካብ ልቡ ዘፍቅረኩም ሓዉኹም

ሮቤል ነጸረኣብ

ዝተወከስክዎ መጽሓፍትታት ብዙሓት ኣለዉ። ካባታቶም ብዝያዳ ዝተወከስክዎ ድማ "ካልእ ወንጌል" እትብል ብሓዉና ዶክተር ተኽልኣብ መንግስትኣብ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ትርከባ። ነዚኣ ዝወሰኽክዎ ፓስተር ኣብርሃም  ጎፋር ንዓይ ምኽሪ ድሕሪ ምሃቡ እዩ። ፓስተር ኣብርሃም ጎፋር ድማ ስለቲ ቅኑዕ መዓዳኻ ጎይታ ይባርኽካ።

ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ድማ "ዕዮ ክርስቶስ" እትብል መጽሓፍ ብሓዉና ፓስተር ዓወት ንዕዳጋ ክትቐርበልና እያ፥ ኩላትና ኣንቢብና ንባረኸላ ክብል ይፈቱ።