19
Fri, Apr
0 New Articles

እቲ ወተሃደር

Literature
Typography

እዚ ታሪኽ እዚ ብዛዕባ ሓደ ወትሃደር ኣሜሪካ ካብ ኩናት ቬትናም ናብ ሃገሩ እተመልሰ ዘዘንቱ ታሪኽ እዩ። ካብ ሳንፍራንሲስኮ ንኣቡኡን ንኣዲኡን ቴሌፎን ደወለሎም "ባባ ማማ ናብ ገዛ ክመጽእ እየ ቅድሚኡ ግና ሓደ ሓለፋ ክትገብሩለይ ክሓተኩም እየ። ናብ ገዛ ምሳይ ከምጾ ዝደለኹ ዓርኪ ኣሎኒ" 

"ጸገም የሎን ክንረኽቦ ኣዚና ተሃንጢና ኣሎና" ኢሎም መለስሉ 

"ሓደ ክትፈልጥዎ ዝግብኣኩም ነገር ግና ኣሎ" እቲ ወዲ ዘረብኡ ቐጸለ "ኣብ ኩናት ኣዚዩ እዩ ተሃስዩ። ፈንጂ ስለ ዝረገጸ ሓንቲ ኢዱን እግሩን ተቖሪጹ እዩ። ዝኸዶ ቦታ ፉጹም የብሉን። ምሳና ክቕመጥ ከምጾ ደልየ ኣለኹ"

 

"ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ምናልባት ምስና ዘይኮነስ ዝቕመጠሎ ቦታ ከነናድየሉ ኢና"

 

"ባባ ማማ ብፉጹም ኣይከውንን እዩ ምሳና ክቕመጥ እየ ዝደሊ"

 

"ወደይ" በሎ ኣብኡ "እንታይ ትሓተና ከም ዘሎኻ ኣይርዳኣካን እዩ መስለኒ። ከምዚ ዓይነት ስንክልና ዘለዎ ሰብ ንዓና ሸኸም እዩ። ንሕና ናትና እንነብሮ ናብራ ኣሎና። ኣብ ናብራና ተወሳኺ ጸገም ክዀነና ኣይንደልን ኢና። ንስኻ ንዓ ምጻእ ንዕኡ ግና ረሰዓዮ ባዕሉ ከመይ ኢሉ ከም ዝነብር ከናዲ እዩ"

 

እዚ ዘረባ ምስ ተዛረብዎ ነታ ቴሌፎን ዓጸዋ። እቶም ወለዲ እውን ብድሕሪኡ ምንም ደሃይ ካብኡ ኣይረኸቡን።

 

ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ካብ ሳንፍራንሲስኮ ወዶም ካብ ደርቢ ጸዲፉ ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓበሮም። ፖሊስ እታ ኸተማ ርእሱ ከም ዘጥፍኣ ኣረጋገጹ። እቶም ልቦም ብሓዘን ዝተሰብረ ወለዱ ሬሳ ወዶም ክረኽቡ ናብ ሳንፍራንሲስኮ ከዱ። ናብቲ ሬሳ ዝቕመጠሉ መጽኒሒ ቦታ ኸኣ ኣምርሑ። ንወዶም ከኣ ኣላለይዎ። እቲ ዘገረሞምን ዘሰንበዶም ነገር ግና ወዶም ሓደ ኢድን ሓደ እግርን ከም ዘይነበሮ እዩ። እቲ ስልኪ ዝደወለሎም ወዶም ከም ዝነበረ ኣርጋገጹ። ልቦም ከኣ ብጣዕሳ መልኣ።

 

እዚ ታሪኽ እዞም ወለዲ እዚኣቶም ናይ ነፍሲ ወከፍና ታሪኽ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣሎና። ንዓና እቲ ኣዚዩ ዝቐለለ ነገር ነቶም ከሑጉሱና ዝኽእሉን ነቶም ሙርኣያትን ምፍቓር እዩ። ነቶም ዘይምቹኡናን ዘይምርኡያትን ጾር ዝዀኑና ሰባት ንምፍቃር ግና ኣዚና ኢና ንጽገም። ካብቶም ጸገም ዘለዎም ዘየሐጉሱናን ከማና ኸኣ ዘይኰኑ ሰባት ወትሩ ኢና እንሃድም።

 

ግና ሓደ ዘሑጉስ ዜና ኣሎ። ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ጌሩ ዘይሕዘናን ዘይርእየናን፣ ብዘይ ኩነታዊ ፍቕሪ ኸኣ ዘፍቅረና፣ ኣብ ቤተሰቡ ኸኣ ከም ዘለናዮ ተቐቢሉ ኣባሉ ዝገብረና፣ ብዘየገድስ ከመይ ዓይነት ጸገምን ጉድለትን ይሃልወና ብፍቕሩ ዝሓቑፈና ኣምላኽ ኣቦ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ኣሎና።

 

እስከ ቅድሚ ምድቃሰና ሎሚ ምሸት ንሰባት ከም ዘለዉዎ ክንቅበሎምን ከነፍቀሮምን ኣምላኽ ጸጋ ከብዝሓልና ንጸሊ።