20
Sat, Apr
0 New Articles

ፉሉይ ህዝቢ

Poems and Poetry
Typography

ብሃገር።  ብልምዲ። ብቋንቋ። ካብ ካልኦት ኣይትፈልዮምን ኢኻ፣

ናይ ባዕሎም ዝነብሩለን ከተማታት የብሎምን፣

ብናይ ባዕሎም ቀቢላዊ ቋንቋ ኣይዛረቡን።

ፍሉይ ቅዲ ናብራ ዘይብሎም እዮም፣

                                                          ፍሉያት ህዝቢ

 


ትምህርቶም ብፈጠራ ወይ ግምት ናይ ጦብላቓት ሰባት ዝተጣበብዎ ኣይኮነን፣

ከም ገሊኦም ዝገብርዎ ሰብኣዊ ትምህርቲ ጥራይ ኣይጉስጉሱን፣

ኣብ ግሪኽን ኣብ ወጻኢን ከተማታትን ዕድሎም ከም ዘቐመጦም ይነብሩ፣

ዞባዊ ልምዲ ኣብ ኣከዳድና። ምግቢ። ኣብ ካልእ ናይ ህይወት መዳያት ይኽተሉ፣

ኣብ ሓደሓደ እዋን ግና ዘደንቕ ፍሉይ መልክዕ ዜግነቶም የርእዩና፣

ፍሉያት ህዝቢ

ኣብ ትውልዲ ዓዶም ይነብሩ ግን ከም ባዕዳውያን፣

ከም ዜጋታት ምስ ካልኦት ኩሉ ይካፈልዎ ከም ጓኖት ግና ብኹሉ ይሳቐዩ፣

ኩሉ ሃገር ጓና ንእኦም ናይ ትውልዲ ሃገር እዩ፣

ኩሉ ናይ ትውልዲ መሬቶም ግና ከም ባዕዳዊ ሃገር፣

                                      ፍሉያት ህዝቢ

ከም ኩሉ ሰብ ይምርዓ'ን ይወልዱን ግናኸ ዘይድለዩ ቖልዑት ኣይቀትሉን፣

መርሓባ ንናይ ሕብረት ጣውላ ንኹሉ የስተናግዱ። ናይ ሓባር ዓራት ግና ኣይፈቕዱን

ህልዊ ብስጋ ክነሶም ከም ስጋ ግና ኣይነብሩን፣

መዓልታቶም ኣብ ምድሪ የሕልፍዎ ግናኸ ዜጋታት ሰማይ እዮም፣

ንሕጊ ይምእዘዝዎ ኣብ ህይወቶም ግና ክንዮ ሕጊ ይኸዱ፣

ፍሉያት ህዝቢ

ንነፍሲ ወከፍ የፍቅርዎ ብኹሉ ኸኣ ይስጎጉ፣

ዘይፍሉጣትን ኩኑናትን  ንሞት ዝተወፈዩ እዮም። ህይወት ግና ይዓጽዱ፣

ድኻታት እዮም ንብዙሓት ግና የሀብትሙ፣

ብዙሕ ከለዎም ብዝኾነ ነገር ግና ይሓጽሮም፣

ሕሱራት እዮም ብሕስራን ግና ክብሪ ይሓፍሱ፣

ፍሉያት ህዝቢ

ስሞም ዝጸለመ እዩ ግናኸ ንጹሃት፣

የላግጽሎም ተመሊሶም ግና ይምርቑ፣

ብዘስቅቕ ይተሓዙ ንኻልኦት ግና የኽብሩ፣

ቅኑዕ ምስ ዝገብሩ ከም ገበርቲ ክፍእ ይግረፉ፣

ምስ ዝግረፉ ሓድሽ ህይወት ከም ዝረኸቡ ይሕጎሱ፣

ከም ጓኖት ብኣይሁድ ይህደኑ ብግሪኻውያን ድማ ይስጎጉ፣

ገና ግና እቶም ጸላእቶም ንጽልኦም ብቑዕ ምኽንያት የብሎምን፣

ፍሉያት ህዝቢ

ብቐሊሉ ከተቐምጦ - 

                    ነፍሲ ከም ንኣካላት ክርስትያናት ከኣ ንዓለም እዮም፣

                    ነፍሲ ከም ኣብ ኩሉ ክፍልታት ኣካላት ትዝርጋሕ።

                    ክርስትያናት ከኣ ኣብ ኩለ ከተማታት ዓለም፣

                    ነፍሲ ኣብ ኣካላት ግናኸ ናይ ኣካላት ኣይኮነትን

                    ክርስትያናት ከኣ ኣብ ዓለም ናይ ዓለም ግና ኣይኮኑን፣

ካብ ስም-ኣልቦ ናብ ዲዮግናተስ

ዝተላእከ ደብዳቤ

ግዜኡ- 2ክፍለ ዘመን ይግመት