26
Fri, Apr
0 New Articles

ከም የሱስ የሎን ዝጓሲ

Poems and Poetry
Typography

ንዝኸበደ ዕዳይ ብሞትካ ኣርሒቕካዮ

ብፍቕርካ ንዓይ ምድሓንካ ገሊጽካዮ 

ንድኹም እምነተይ ኣበርቲዕካ መሊስካዮ 

ንዝሓመቐት ነፈሰይ ኣትንሲእካ ብተስፋ 

ኣምላኽ እዩ እሙን ጓሳይ ገለ እኳ ኣይጐደለንን 

ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ ሞት መከራ ኣይፈርሕን 

ሕሰም እኳ እንተ ወረደ: 

መከራ እንተ ገደደ: 

ፍትሕኻ ኣሎ ኣብ ቅድመይ: 

ዋልታይ ኢኻ ምሉእ ዕድመይ:

 ነቲ ጥፍኡ ዘናዲ: 

የድሕን እዩ ካብ ፍርዲ:

 ንመጓስኡ ዝኣሊ: 

ይመልሶ ንሓካሊ:

ንሱ ዝሕልወኒ 

ጉህየ ዘሕጉሰኒ:

 

ይህበኒ ይድግፈኒ

 

እቲ እሙን ጋሳ ይመርሓኒ

 

አንተ ዓበየ በደልኪ

 

እንተ በዝሐ ዕዳኺ

 

ደጊም ነፍሰይ ባህ ይበልኪ

 

ብኣምላኽኪ ከቢርኪ:

 

ከም መጓሰ ኣምላኽሲ

 

መዘና የብሉን ታሕጓሱ

 

ደስታ ዓለም እዩ ንኸንቱ:

 

ሓጐስ ኣምላኽ ግና ንጥንቱ:

 

ጐይታ ነቶም እሙናቱ

 

ይሓልየሎም ብለውሃቱ:

 

ዕርቂ ሓጐስ ሰላምካ

 

ኣሎ ጥራይ ኣብ ቤትካ:

 

ነቲ ጓሳ እሙን ኰይኑ ዝኽተሎ ኣብ ምድሪ

 

ኣብ ሰማይ ኣብቲ ቤቱ ንዘልኣለም ኣለመ ነባሪ።

 

ሓዉኹም ይርገኣለም ዳኒኤል

 

ዶንኮን (DONCON) ሆላንድ