23
Tue, Apr
0 New Articles

ኣቲ ዝበለጸ ግብጃ

Parenting
Typography

ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ክጸግቡ እዮም እሞ ብጽኣን እዮም።(ማቴ 5።6)

ከም ቤተሰብ መዓስ ኮን ይኸዉን ኣብ ቤትኩም ናይ ክርስቶስ ጽድቅን ክብርን ክንጸባረቕ ዝደለኸሙሉን ዝበሃጉሙሉን ክንደይ ጊዜ ኾን ይከውን? ናይ ኣምላኽ ህላውነት ኣብ ቤትኩም መታን ጉሁድ ክኸውን ገጽ ኣምላኽ ብንጥፈት ዝደለኸሙሉ? ልቡኹም ማዕረ ክንደይ ኮን

ይኾውን ንፍቓድ ኣምላኽ ክግዛእን ክምእዘዘን ዝናፍቕ? መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቤትኩም ህያው ክትከውን ሃረርታኹም ክሳብ ኣበይ አዩ ዝዝርጋሕ? ከምቲ ማያት ንመዓሙቕ ባሕሪ ዜጎልብቦ ምድሪ ብፍለጥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ ትናፍቑ ስድራኸ ኽንደይ ኢኹም?
 
ኣንተ ደኣ ከም ቤተሰብ ከምዚ ዓይነት ጽምኣት ንኣምላኽ ዘይብልና ኮይኑ ሕጂ ስጉምቲ ንምውሳድ ክንውስን ኣሎና። አገን ፔተርሶን ዝተባህል ሰብ ነዛ ናይ ማቲ 5።8 ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ክጸግቡ እዮም እሞ ብጽኣን እዮም፣ ትብል ቃል ክገልጻ ከሎ። “ንኣምላኽ ዝኸዉን ጽቡቕ ሸውሃት እንተሎና ኣብ ዘመን ህይወትና ተለማሚድናዮ ዘይንፈልጦ ዓቢ መንፈሳዊ መኣዲ ኣምላኽ ከዳልወልና እዩ”፣ እስከ እምበኣር ከም ቤተሰብ ኮፍ ኢልና ንኣምላኽ ዘሎና ጽምኢ ከመይ ከም ዘሎ መርሚርና ዘሎና ጉድለት ኣሪምና ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ጽምኣቱ ከሕድረልና ንለምኖ።


ንጽድቂ ኣምላኽ ምፍላጥ

ከም ቤተሰብን ከም ውልቅናን ኣምላኽ ቁዱስ ምኻኑ ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳስን ወሳንን እዩ፣ እንተ ዘይኰነ ንሕና ከመይ ዘይንጠቅምን ሓጥኣንን ምኻና ኣይክንፈልጥን ኢና፣ ኣብ ባህልና ንሕና ሱስዓት ብዛዕባ ገዛእ ራስና እምበር ብዛዕባ ካልኦት ዘይግድሰና ብጽድቂ ገዛእ ርእስና ዝተመላኣና ሰባት ኢና፣ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ጽድቂ ገዛእ ርእስና እምበር ናይ ኣምላኽ ጽድቂ ዘይብልና ሰባት ኢና፣ ኣምላኽ ብኹሉ ነገሩ ጻድቕ እዩ፣ “እግዚኣብሄር ብኹሉ መገዱ ጻድቕ እዩ ብኹሉ ግብሩውን ሕያዋይ ኣዩ” መዝ 147።17፣ ኣዚ ከምዚ ዓይነት ኣምላኽ ንዓና ከፍቅር ሲ ዘገርም ዶ ኣይኮነነ? “ንልብን ኮላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ ንኽፋኣት ረሲኣን ግና ኣጥፍኣዮ ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ” መዝ7።9፣ ንሱ የፍቅረና እዩ ንዓና ድማ ኣቲ ዝበለጽ ዘበለ እዩ ዝሓስበልና፣”እጊዚኣብሄር ርሕሩሑን ጻድቕን ኣዩ ኣምላኽና ድማ መሓሪ ኣዩ” መዝ.116።5፣

ብጸጉኡ ድማ ኢና ዲሒና፣ ብኡ ድማ ኢና ጸዲቕናና ኣውዳትን ኣዋልድን ኣምላኽ ድማ ከይና፣ ምኽንያት ናይዚ ኩሉ ድማ ንሱ ስለ ዘፍቀረና ጥራይ ኣዩ፣ እሞ ዳኣ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ ከምይ ዘይንፈርሆን ዘይነምልኾን? ኣንተኾነ ንሕና ብዙሕ ጊዜ ብኻልእ ነገራትና ኣዚና ትሑዛት ስለ ዝኾና ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያ ኣዚዩ ዉስንን ድሩትን እዩ፣ ኣጠማምትና ድማ ሕጹር እዩ፣

ኣስከ ሎሚ ስድራቤታት ኩሉኹም ህይወትኩምን ህይወት ዉልድኩምን ፈትሹ ብሓቂ ዶ ብልብኹም ንኣምላኽ እናጸማእኩም ኣብ ሕልፍኚ ቤትኩም ክብሪ ኣምላኽ ብምልኣት ክንጸባረቕ መታን ሃረር ትብሉን ትናፍቑን ትኾኑ? መልስኹም ኣይፋል እንተ ኾይኑ ብርግጽ ኣብ ቤትኩም እቲ ካብ ኣምላክ ክንረኽቦ ዝተዋህበና ናይ ጽድቂ ተስፋ ጎዲልኩም ኣሎ ማለት እዩ፣ እንተ ደኣ ልባትኩም ንኣምላኽ ዘይጸምእን ዘይደልን ኮይኑ ብርግጽ እቲ ዓቢ ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ማቴ 5።3 ተንጊሩልና ዘሎ ተስፋ ጽድቂ ጎዲልኩም ኣሎ ማለት ኣዩ።

ቤተሰባዊ ምሕዝነታዊ ንጥፈታት


እስከ ቲቪኹም ኣጥፊእኩም ኩላትኩም ሓብርኩም ኣምላኽ መን ምኻኑ ተዘራረቡን ተዛተዩን፣ ነፈሲ ወከፍኩም ድማ ብዛዕባ እቲ ገዛኢ ኩሉ ፍጥረት ዝኮነ ኣምላኽ ዘለኩም ሓሳብ ኣፍሱስ ካብ መንጎኹም ሓደ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ሓሳብ ኣብ ወረቐት ወይ ኣብ ሰሌዳ ይጽሓፎ፣ መጽሓፍ ቁድስኩም ድማ ብዝግባእ ተጠቀምሉ ብፍላይ ግና መዝሙር ዳዊት ብዛዕባ ጽድቅን ቅድስናን ኣምላኽ ብዝግባእ ስለ ዝገልጽ ኣብኡ ኣተኪርኩም እንተ ተዛተኹም ሰናይ እዩ፣

እስከ ንቑርብ ጊዜ ብዛዕባ ኣቲ ዝተዘራረብኩሙሉ እናሓሰብኩም ንኣምላኽ ኣመስግንዎን ባርኽዎን፣ ተመስገን እንታ ርሕሩሕ ጻድቕ በዓል ምሕረት ንኹራ ደንጓዪ ዝኾነካ ኣቦ እናባልኩም ወድስዎ፣ ብዛዕባ ቅድስኑኡ ተዘራረቡ ብዛዕባ ዕቤቱ ግለጹ ንሱ መውዳእታ ዘይብሉ ሰናይ ኣምላኽ ኣዩ፣ ኣብዛ ምድሪ ብጽድቂ እናተመላለስና ኣርእያ ክንከውን መታን ከምኡ ድማ ብጽድቂ ክንመላለስ እንተላይ ኢሉ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ነቲ ዝፈትዎ ሓደ ወዱ ሃበና፣

እስከ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ከመላለስ ከሎ ከመይ ዓይነት ህይወት ከም ዝነበሮ ተመያየጡ፣ ካብዚ ተበጊስኩም ድማ ቤተሰብኩም ክስዕብዎ ዘለዎ መንገዲ እንታይ ከም ዝኮነ ኣጽኒዕኩም ብእኡ ንምምልላስ ወስኑ፣ ስድራቤትኩም ድማ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ክትመስሉ ብጸጋ ኣምላኽ ተጋደሉ፣ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ህይወት ናይ ክርስቶስ ባህሪ ኣንጸባሪቑ ክርኣ መታን ነሓድሕድኩም ብዕምቆት ተበዳድሁ፣ “ንፍቕርን ሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕን ኣብ ነሕድሕድና ነስተብህል” እብ 10።24። ኣስከ ኣብ ወርሒ ሓደ ጊዜ ሓብርኩም ኣብ ህይወትኩም በቲ ዓቢ ኣምላኽ ዝረኸብክሞ ለወጢ ኣንታይ ከም ዝመስል ገምጋም ግበሩ፣

ኣብ ክሽነኹም እስከ ሓደ ዘንቢል ኣንብሩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ኣብ ወርቐት ጺሒፉ እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቅድስኑኡ ዝገለጸሉ ነገር ጽሒፉ ኣብቲ ጀንቢል የንብሮ፣ኣብ ጊዜ ድራር ድማ ኩሉ እቲ ኣብ ጀንቢል ዘቐምጥኩምዎ ወረቓቕቲ ኣውጺኩም ኣንብብዎ፣ ንኣብነት “ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ” መዝ 50።6፣

ሎሚ ምሸት እቶም ዝፈጠርካዮም ኮዋኽብቲ ኣብ ሰማያት ደሚቖምን በሪሆምን ይረኣዩ ኣለዉ፣ ዝኸነ ብዛዕባ እቲ ዝፈለጥክምዎ ጽድቂ ኣምላኽ እናተዘራረብኩም ስም ኣምላኽ ድማ እናዕበኹም ካልኦት ኣባል እታ ስድራ ናይ ልቦም ክዛረቡ ኣተባብዕዎም።” ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቕ እዩ” መዝ 36።6፣ ዘገርም ዘይኮነነ ጽድቂ ኣምላኽ ሰፊሕ ከም ውቅያኖስ ሉዕል ድማ ከም ኣኽራን ምኻኑ፣

ጽድቂ ኣምላኽ ኣባኻ ምህላዉ ብእምነት ምርዳእ።

ወላዲ ውልድኩም ብዛዕባ እቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ናይ ምብጃው ስራሕ ክፈልጡን ምእንቲ ጽድቅና ድማ ከም ዝሞተ ክርድእዎ ምግባርን ኣዚዩ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ” ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን ነቲ ሓጥያት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ” 2ቆሮ 5።21፣

ንሕና ቁንዑን ጥዑይን ዝኾነ ግላዊ ሕብረት ምስ መድሓኒና የሱስ እንድሕር ሃልዩና ኮይኑ ኣብ ህይወትና ብምልኣት ጽድቁ ከነንጸባረቕ ናይ ግድነትን ባህርያውን እዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ ናትና ሓጥያት ኩሉ ወሲዱ በቲ ዘገርም ጽድቁ ተኪእዎ እዩ፣ እቲ ዝነበርና ጽዩቕ ጽድቂ ገዛእ ርእስና ብምኽንያት ሞትን ትንስኤን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብጽድቂ ኣምላኽ ተቀይሩ እዩ፣ ኣቲ ዘገርም ድማ ኣምላኽ ነዚ ነገር ጸጉኡ ብምልኣት ብምፍሳስ እዩ ብከመኡ ጽድቁ ዓዲሉና፣ እቲ ዓቢ ሓያል ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንሓጥያትና ኣርሒቑ ብጽድቁ ክትክኦ ዝኽእል፣ ምንም እካ ንሱ ካባና ዝፍለየሉ መግደታትን ባህርያትን እንተ ሃለዎ ካብ ፍታው ዝተላዕለ ግና ከምቲ ንሱ ቁዱስ ዝኮነ ቁዱሳት ኮይና ኣሎና” ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝኾነ ከምቲ ኣቲ ዝጸዋዕኩም ቁዱስ ዝኾነ ንስካትኩም ብኹሉ ንብረትኩም ቁዱሳት ኩኑ” 1ጴጥ1።15-16፣ “ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር” ሮሜ 1።17፣

ምሕዝነታዊ ቤተሰባዊ ንጥፈታት።

ከም ቤተሰብ እስከ ነዛ ጥቅሲ ዓው ኢልኩም ኣንብብዋ “ንሱ ጻድቕ ምኻኑ ትፈልጡ እንተ ኼንኩምሲ ጽድቂ ዝገብር ዘበለ ኹሉ ካብኡ ኸም እተወልደውን ፍለጡ” 1ዮው 2።29፣ ነሓድሕድኩም እናተዛተኹም ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ተግባራት ጻድቕ ሰብ እንታይ ምዃኑ ይዛረብ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ሓደ ሕቶ ክንሓትት ይብግባኣና ንሱ ኸኣ ሓንቲ ኣማኒት ቤተሰብ ካብታ ዘይትኣምን ስድራቤት ብከመይ መንገዲ እያ ትፍለ ዝብል ኣዩ? ቤተሰብኩም ናብራኣ ኩሉ ካብታ ንክርስቶስ ዘይትስዕብ ቤተስብ ከመይ ክኸውን ከም ዝግባእ ወስኑ፣ ብከመይ ኣገባብን መገድን ኮን ትኾኑ ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዘሎዉ ጎረባብቱኹምን ሕብረተሰብኩምን ንክርስቶስ እናነበርኩም ኣርኣያ ትኾንዎም?

ንኣምላኽ ኣምልኽዎ።

ካብቲ ሓደ መንገዲ ቅድስና ኣምላኽ እንፈልጥሉ መንገዲ ከም ቤተሰብን ብግልን ምስ ኣምላኽ ጊዜ ከነሕልፍ ከሎና እዩ፣ ሓደ ጊዜ ግርሃም ኒኮላስ ዝተባህለ ሰብ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፣ “ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ብንጹር ተገሊጹ ከም ዘሎ ሞተር ናይ ሓንቲ ሓቢራ ተምልኽ ስድራ እታ ሓቢራ ተምልኽ ቤተሰብ እያ፣ እዚ ድማ ኣብ ኪዳን ኣምላኽ ንሰባትን ሓላፍነት ሰብን ብንጹር ተገሊጹ እዩ፣ ቤተሰብ እምበኣር ወትሩ ብዘይምስልቻው ብፍቅርን ብእምነትን ንኣምላኽ እናመለኸት ክትቅጽል ኣለዋ”፣ ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምልኽ ከሎና ልብና ብኽብሪ ኣምላኽ ይምላእ እሞ ንሱ ድማ ይኸብር፣ “ኣቱም ጻድቃን ብእግዚኣኣብሄር ተሓጎሱ ባህ ድማ ይበልኩም ኣቱም ቁኑዓት ልቢ ኩላትኩም እልል በሉ” መዝ 32።11፣ ”ኣቱም ጻድቃን ብእግዚኣብሄር እልል በሉ ንቑንዓትሲ ምስጋና ይግባኦም ኣዩ” መዝ 33።1። ኣምላኽ ንህዝቡ ከም ቁዱሳንን ጻድቃንን ኣዩ ዝምልከቶም ካብኦም ድማ ፍጹም ዝኾነ ኣምልኾ ይደሊ፣ እዚ ንዕእኡ እዚ እዩ ባህ ዘብሎ ከምኡ ድማ ዘኽብሮ። “ኣቱም ጻድቃን ብእግዚኣኣብሄር ተሓጎሱ ንቕዱስ ሱሙ እውን ኣመስግንዎ” መዝ 97።12

   
ምሕዝነታዊ ቤተሰባዊ ንጥፈታት።

ሓቢርኩም ከም ቤተሰብ ጊዜ ከተሕልፉ ከልኹም ሓቢርኩም ንኣምላኽ ከተምልኽዎ ይግባእ፣ እስከ መዝሙር ዳዊት 163።1-5 ኣንብቡ፣ ንዕቤቱ ዝገልጽ መዝሙር ዘምሩ። ወይ ካብ መዝሙር ዳዊት ንዕቤቱ ዝምለከት ጥቅስታታ ኣንብቡ፣ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊእኩም ወይ ተንበርኪኩም ጸጥ ኢልኩም ኣምልኽዎ። ንሱ ኣምልኾና ክወስድ ብቑዕ እዩ፣

ነቲ ጻድቕ ኣምላኽ ድለይዎ።

ኣምላኽ ነቶም ጻድቃን ዝኾኑ ህዝቡ ቀጻሊ ብዘይምቁራስ ንገጹ ክደልዩ እዩ ዝደሊ፣ “የዒንቲ ኣግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ኣእዛኑ ድማ ናብ ጸሎቶም እየን” 1ጰጥ።312፣ ናብኡ እንተ ቐሪብና ንሱ ኸኣ ናባና ከም ዝመጽእ ቃል ኣትዩልና እዩ፣ (ያቆ.4።8) ጸሎት እቲ መሰረታዊ ነገርን መፍትሕ ህላወ ክርስትናን እዩ፣ እንተ ደኣ ገጽ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ብጸሎት ዘይንደሊ ኮይና ንኣምላኽ ኣዕሚቑና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምናልባት ቀረባና ከም ዝኾነ ብዝተፈላለየ መንገዲ ፈሊጥና ህላውነቱ ክስማዓና ይኽእል ይከውን ይኹን እምበር እቲ ኣብ ህይወትና ዘለዎ መደብን ህርመት ልቡን ግና ከነስተውዕል ኣይካኣለናን እዩ፣ ድምጹ ተኾነ ዉን ምልላይ ከጸግመና እዩ፣ ብጸሎት ንኣምላኽ ምጽዋዕ እቲ ናይ መጀመርያ ግብረ መልስና እምበር መጨርሻ እንሰርዖ ነገር ክኸውን ብፍጹም የቡሉን፣

“መጀመርያ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ ሹዑ ድማ ኩሉ ክውሰከልኩም እዩ” ማቴ 6።33። ኣብዚ ጊዜና ብዙሓት ክርስትያናት ንኣምላኽ ዝደልይዎን ዝጽውዕዎን ኣብ ጊዜ ጸገሞም ጥራይ እዩ። “ዋ ኣምላኸ ጽድቀይ ከኣዊ ከለኹ ምለሰለይ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ” መዝ 41።1፣ ብርግጽ ንሱ ኣብ ጊዜ ጸገምና ክንጽዎዖ ከሎና ይሰምዓናን ይርድኣናን ኣዩ፣ ይኹን እምበር ንሱ መዓልታዊ ኣብ ኩሉ ጊዚያት ክንደልዮን ናብኡ ክንቀርብን እዩ ዝደልየና፣ መጀመርያ ንዕኡ እንተ ደሊና ካልእ ኩሉ ከም ዝመልኣልና ቃል ኣትዩልና እዩ፣

ምሕዝነታዊ ቤተሰባዊ ንጥፈታት።

እስከ ሕጂ ኸኣ መዝ 42።1-2 ዘሎ ነንብብ እሞ ምስኣ ትኸይድ መዝሙር ከኣ ንዘምር። ንቤተሰብኩም ከኣ ሕተትዎም እዝስ መዓልታዊ ተመክሮኹም ወይ ልምምድኩም ድዩ? ምስቲ ንጉስ ነገስታትን ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ ጎይታ ጊዜ ንምሕላፍ ሃረርታ ልብኹም መዓረ ክንደይ ዓቢ ኣዩ? ወይሲ ከም ልምዲ ንእሽቶይ ጊዜ ሂብኩም ኢኹም ዝባንኩም ትህብዎ? ነፍስ ወከፍ ኣባል ናይታ ስድራ እስከ ብቕንዕና ናይ ጸሎት ህይወቶም ከምይ ከምዝመስል ይዘራረቡ፣ ብዛዕባ ኣብ ጸሎት ዘጋጥመኩም ጸገም ድማ ተዛተዩ ንሓድሕድኩም ተደጋገፉ፣ እስከ ካብ መጽሃፍ ቁድስ ዝተጸለየ ጸሎት ዓው ኢልኩም ጸልይዎ፣ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ኤፌሶን ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸሎታታ ክትረኽቡ ኢኹም፣

በረኸታት ናይ ጽድቒ።

ከም ቤተሰብ እስኪ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ተስፋ ጥቕስታት ኣንብቡ፣ ነዞም ተስፋታት ድማ እንተ ደኣ ንጽድቁ ጸሚእኩምዎን ጠሚኹምዎን ናትኩም ክትገብርዎ ይካኣል እዩ።
 
“ንጽምእቲ ነፍሲ ኣጽጊብዋ ንጥምይቲ ነፍሲ ብሰናይ መሊእዋ” መዝ 107።9፣

“ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ” መዝ 1።6፣

“ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ ዋ እግዚኣብሄር ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ” መዝ 5።12፣

“ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኩሉ የናግፎ” መዝ 34።19፣

“ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ ንሱ ኺድግፈካ እዩ
 ንጻድቅ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሕድጎን እዩ”  መዝ 55።22፣

“መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምብኡ” ምሳ 10።9፣

“ስም እግዚኣብሄር ጽንዕ ግንቢ እዩ ጻድቕ ናብኡ ጎይዩ የዕቁብ” ምሳ 18።10፣

“እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ” መዝ 14።5፣
 
እቶም ንጽድቂ ዝጠምይን ዝጸምኡን። ንኣምላኽ ድማ ክፉት ሸውሃት ዘለዎም ሰባት ብጻኣን እዮም ንዓኣቶም ዝኸውን ዓቢ መንፈሳዊ ሺሻይ ድማ ተዳሊሎም ኣሎ።

“ ደጊምሲ ጎይታይ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ በታ መዓልቲ እቲእ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተንቢሩለይ ኣሎ እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዚፍቅሩ ኹላቶም ድማ እዩ እምበር ንኣይ ጥራይ ኣይኮነን” 2ጢሜ 4።8፣

  ስለዚ እምበእር ከም ቤተሰብ ኮይና ሓለፋ ዝኾነ ነገር ኣቀዲምና ልዕሊ ኩሉ ጌርና ንጽድቂ ኣምላኽ ክንጸምእን ክንጠምን ይግባኣና፣