24
Wed, Apr
0 New Articles

ብዘይ መልሓስ ምዝራብ

Salvation
Typography

 መእተዊ

ድምጺ ናይቲ ብርቱዕ ቓጭል ኣብ መንጐ ትምህርትና ኣቋረጸና። መምህርና ኩላትና ትሕቲ መቐመጢ ሰድያና ክንሕባእ ኣዘዘና። ኣነ ኣብ መጀመርያ 1960ታት ኣብ መንግስታዊ ቤት ምህርቲ ተማሃራይ መባእታ እየ ኔረ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣዚዩ ብርቱዑ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ይግበረልና ነበረ። ኣብቲ ኸተማ ካብ ደብዳብ ኒኩሌር መዕቖቢ ይኸውን እዩ ዝብሃል ገለ ገለ ቦታታት ነበረ። እቲ ዙሑል ኩናት ድሮ ጀሚሩ ስለ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ራሻ ይጭነቕ ነበረ። ኣነ ኣብ ናይ ክርስትያናት ገዛ ዝዓበኹ መንእሰይ እየ። ካብቲ ደቂ ቤት ምህርተይ ኣብ ቴለቪዥን ዝርእይዎ ዝነበሩ ፊልምታት ንኸይርኢ ኸኣ ይኽልከል ነበርኩ። ንሳቶም ብናይ ውግእ ነውጽን ናዕብን ፈጺሞም ኣይፈርሑን ኣይግድስም ነብረ። ኣነ ግና እምብዛ እፈርሕ ነበርኩ።


 

ንዓይ ራሻውያን ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ከም ዝዀኑ እዩ ዝርድኣኒ። ምስኣቶም ምዝራብን ምርኻብን ድማ እምብዛ እዩ ዘፍርሕ። ኣነ ሰዓቢ ናይ ክርስቶስ እየ ምስኦም ክመሳሰል ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ብዛዕባ ውሕስነተይ ክሓሰብ ከለኹ ኣነ ጥራይ ዘይኰኑኩ እቶም ኣብ ራሻ ብዙሕ ተመኩሮ ዝሓለፉ ኣመንቲ እውን እዩ። ከመይሲ ንሳቶም እውን ሩሳውያን እዮም። ኣብ ራሻ ምንባር እንታይ እይ ዝመስል? መንግስቲ ራሻሲ ወትሩ ድዩ ኣንጻር ክርስትና ክቃለስ? ታሪኽ እዛ ሃገር እንታይ እዩ ዝመስል? ሩሳውያን ዝነግሩካ ዝሓለፍዎ ሚስጥር ስቓይ እዚ ሕጂ ዝሓልፍዎ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ጥንቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ብስቓይ ይሓልፉ ምንባሮም እዩ። ገዛእቲ ኰኑ ተራ ሰባት ኣብ ኣንበብቲ ተመስጦ ከሕድሩ ኣስማቶምን ታሪኾን ተዘርዚሩ ኣሎ።

ብዙሓት ካብዞም ሰባት ኣመንቲ እዮም። ሓጺር ናይ ሰለማዊ ህይወት እዮም መሪሖም እቲ ዝበዝሕ ግዜ ግና ምስ ሞትን ማእሰርትን እንዳተጋፈጡ እዮም የሕሊፎሞ። እቶም ኣብ ምዕራብ ዘሎና ንንብረትናን መሬትናን ካብ ወራር ሩሳውያን ክንከላኸል ከሎና እቶም ናይ ራሻ ኣመንቲ ግና ስለ ክርስቶስ ክብሉ ህይወቶም ቤተሰቦም ንብረቶም ዘለውም ዘበሉ ኩሉ ይህቡ ነበሩ። እዞም ኣመንቲ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ጹንኩር ናይ መከራን ስደትን እዋን ከመይ ኢሎም እዮም ብጽንዓት ደው ክብሉ ኪኢሎም? ምስ እዚ ኹሉ ስቓይን ምረትን ስደትን እታ ማሕበር እናዓበይትን እናሰሰነትን ምኻዳ እቲ ሚስጥር እንታይ እዩ? ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ኣመንቲ ሃብቶምን ዝንኦምን ንብረቶምን ገዲፎም ምስ ድኻታት ክጽግዑ ዝወሰኑ? ስለምንታይ ስቓይ መሪጾም? እንታይ እዩ እቲ ሚስጥር? ንየሱስ ኣሚነሞ። ንዕኡ ኣፍቂረሞ። "የሱስ ከኣ፣ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞት እኳ፣ ብህይወት ኪነብር እዩ።" ዮው 11፣25 "ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፣ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና።" ሮሜ 6፣5

ሞት ንናይ ራሻውያን ክርስትያናት መጀመርያ እምበር መወዳእታ ህይወት ኣይኰነን። እዚ ንዕኦም መንገዲ ህይወት እዩ። ነቲ ዝተዓወት ክርስቶስ እዮም ዝጥምቱ። ህይውቶም ኣብ ሓጐስ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝተሞርኮሰ እዩ። ዓወቶም ኣብ ስም ክርስቶስ ብምጽዋዕ እዩ ኔሩ። ብዙሓት ክርስትያናት ምስቶም እንታይ ኣለዎም ድዩ ዝብሃሉ ዘይጠቕሙ ዝመስሉ ጉዳያት እኳ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣተዉን። ኣብ ናይ መንግስታዊ መምዝገቢ ስምካ ዘይምምዝጋብ ማለት ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትዳጎን ካብ ቤተሰብካ ክትፍለ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ክትቅተል እዩ ዝገብረካ። እቶም ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ነዚ ኸምዚ ዘይምግባር ዘይተደልየን ጉግይን መስዋእትነት ምውሳድን እዩ ኢሎም እዮም ዝሰምይዎ። ስቓዮምሲ ስቕ ኢልካ ንኸንቱ ድዩ ወይስ ገለ ሕመረት ዘለዎ ሚስጥር ዝሓዘ እዩ? እቲ ነዚ ታሪኽ ዘንብብ ባዕሉ መልሲ ክረኽበሉ ዕድል ክረክብ እዩ።

ሎሚ ኣነ ኣቦ እየ። ናይ ሕጂ ስክፍታይን ሕቶይን "ስደት ይመጸና ዶ ዀን ይኸውን ዝብል ኣይኰነን?" ግና ክንሓትት ኣሎና "እታ ናይ ስቓይ መንገድስ ይመርጻ ዶ ዀን ይኸውን? ደቀይ ነዛ መንግዲ ይመርጽዋ ዶ ዀን ይዀኑ ወይ ዓለም ትውሕጦም? በዛ መንገዲ ኣዚኣ ሓሊፉ ናብ ክርስቶስ ገጹ ዝግስግስ ክርስትያን ኣሎ ዶ? ሕብረተሰብና ምስ ክርስቶስ ዝተማሓዘወ ኣይመስልን። ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያ ዘሎ ጽልው ኣዚዩ ዉሑድ እዩ። ነዚ ዶ ዀን ይኸውን ቤተ ክርስትያና ንዓለም ዘይተፍርሓ ዘላ? ዓለም ጹቡቕ ሞራልን ስነ ምግባርን ኣይትጸልእን እያ። ነቲ ወዲ እያ ትጸልኦ! ኣቲ ወዲ ኣብ ዝተግለጸሉ ስቓይ ኣሰር ኣሰሩ ክስዕብ ናይ ግድን እዩ።

ናይ ራሻ ኣመንቲ ንየሱስ ሕመረት ህይወቶም ጌሮሞ እዮም። ንሱ ጅግናን ሓያልን መራሒኦም እዩ። ዓወቶም ድማ ባዕሉ እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቶም ምስ ክርስቶስ ዝተንስእ ድሌቶም ኩሉ ከኣ ናይ ላዕሊ ዝገበሩ ኣመንቲ ክተባራትዖም እያ። ንሳቶም ሞይቶም ህይወቶም ግና ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።

ልይንን ኤፍ ማርቲን

ሺፐንስፐርግ ክርስትያን ሕብረት

ሺፐንስፐርግ ፔንሰልቪያና

ጥቅምቲ 23 1999

 

 ብዘይ መልሓስ ምዝራብ

ኣብ መጨረሻ ኣጋ ልደት 1963 ኣብ ኩሉንዳ ጸሓይ ከም ወርቂ ደሚቓ ወጺኣ ኣላ። ኣብቲ ዒፍዒፍታ ዘለዎ በረድ ዝነቀጸ ጻህያይ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣብዘሎ ቐላያት ኦብ በረድ ሸፊንው ነበረ። ንመንገድታት ባርናኡል ከኣ መሊኢዎ ነበረ። ኣብ መንጐ እቲ ገዛታት ድማ እቲ ዒፍዒፍታ በረድ ብብዝሒ ነበረ። ካብቲ ገዛታት ዝወጽእ ዝነበረ ትኪ ድማ ነታ ከተማ ኣዕብሊልዋ ነበረ። ቫሲልይን ኒኮላይ ክማራ ምስ ሓንቲ ልዩቦቭ ክማራ ትብሃል ሰበይቲ ክዳውንት ደራሪቦም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይቲ ግዝኣት ፈራዲ ዳኛ ደው ኢሎም ነበሩ። እዚ ጉዳይ ቅድሚ ዓመት ኔሩ እንተ ዝከውን ማንም ሰብ ኣይምተገረመን ኔሩ። እንዳ ክማራስ ኣዚዩ ሕማቕ ህይወት ዝነበሮም ስድራ እዮም። ሊኮላይ ድማ ሰኽራም ተባኣሳይ ኰታ መትሓዚ ዘይነበሮም ሰባት ኣዮም።

እንዳ ክማራ ብስርቂ ተታሕዞም ተኣሲሮም ተፈሪዶም እዮም። ሕጂ ኣብዝ መወዳእታ ቕንያት ልደት 1963 ግና እቶም ዝፈልጥዎም ኩሉም ኣረኣእይኦም ለዊጦም ኣዮም። ገለ ዝተፈጸም ጌጋ ኣሎ ኣምበር ኣብዚ ኣዋን እዚ እዞም ስድራ ክማራ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብሉ ጉዳይ ኣይነበሮምን። ኣመንቲ ከይኖም ኣካይድኦም ለዊጦም ከይኮኑ ዝብል ስግኣት ኣብቶም ሰባት ሓደረ። እዚ ዓይነት ፍጻሜ ከም ዝተፈጽመ ዘጥራጥር ኣይነበሮን። እቲ ሰኽራም ሓላፍነት ዘይስምዖ ጨካን ዝነበረ ሊኮላይ ምሉእ ብምሉእ ተለዊጡ ሓድሽ ሰብ ኰይኑ እዩ። ገጹ የንጸባርኽ ነበረ። ጹሩይ ክዳን ተኸድነ። ፍሽኽታ ዝዓሰሎ ንጐረባብቱ ዝሕግዝ ኰነ።

ኣብ ሓጋይ 1963 ሓደ ኣማኒ ንባዕልቲ ቤቱ ማርያን ንዕኡን ናብ ሓደ ሩባ ወሲዱ ኣጠመቖም። ሕጂ ግና ኣብ ቅድም ቤት ፍርዲ ደው ኢሎም ኣለዉ።

"ስለምንታይ ብዛዕባ እምነትኩም ምስ ካልኦት ሰባት ትዛረቡ?" ኢል ሓንቲ ቆቢዕ ዝገበርት ሰበይቲ ብቑጥዓ ሓተተቶ። ወሲኻ ድማ "እዚ ዘይረብሕ እምነትካ ንዓኻ ጥራይ ዘይትሕዞ ስለምንታይ ነዛ ኸተማ ተዕገርግር ኣሎኻ"

ኒኮላይ ፍሽኽ እናበለ ብሓጐስ ከምዚ ክብል መለሰ "ኣነ ሰኽራም እየ ኔረ። ሕጂ ግና ንክርስቶስ ፈሊጠዮ። ካብ ሕማቕ ህይወተይን ካብ ስኽራነይን ኣናጊፉ ሓጐስን ተስፋን ሂቡኒ። ምስ ክርስቶስ ምዃን ጡዑም እዩ። ዝገበረለይ ከይዛረብ ስቕ ክብል ከአ ኣየኽእልለን እዩ። ጫውጫውታን ጭድርታን ነታ ክፍሊ መልኣ። "ስብከትካ ኣይድልየናን እዩ። ብጾት ዳኛታት ኣፉ ሓዙልና ንበይኑ ንሰሙን ዝኣክል እሰርዎ ሽዑ ክርስቶስ ሓጐስን ሰላም ዝህቦ እንተ ዀይኑ ክንሪኢ ኢና" ዝብል ዘረባታት ነቲ ክፍልኢ መላኦ።

እቲ ሰዓት ናይ ቤት ፍርዲ ኣብ ምእኻሉ ስለ ዝነበረ እቶም ዳኛታት እቲ ክብልዎ ዝግብኦም ተዛረቡ። ንነዊሕ ሰዓታት ናይ ካልኦይ ክሱሳት ድሕሪ ምስምዖም ከኣ ንሓጺር እዋን ንዕረፍቲ ወጹ። ናብቲ መግባእያ ተመሊሶም ከኣ ንቫስሊይ ኒኰላይ ንልዩቦቭ ክማራ ናይ ሰለስተ ዓመት ምስ ጹኑዕ ናይ ጉልበት ስራሕ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ቤት ማእሰቲ ክእሰሩ ተፍርዶም። ማርያ ንዓኣን ንኣርባዕተ ደቃን ብዘይ ምጽንናዕን ምብርታዕን ባዕልቤታ ኒኮላይ ኣዚዩ ነዊሕ ዓመታት መሰላ።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ፖሊስ ናብ ማርያ መጽዮም ሬሳ ባዓል ቤታ ክትወስድ ሓበርዋ። ንሱ ሞይቱ እዩ። ኣብ ሳንዱቕ ጌሮም ከኣ ናብ ገዝኡ ኣምጽእዎ። ማርያ ትኹን ካልኦት ኒኮላይ ኣማውትኡ ሃንደብት ወይ ተራ ኣማውታ ከም ዘይኰነ ኣመኑ። ንሱ ዓቢ ኣይከነን። መስተ ካብ ዘቃርጾ እዋን ጀሚሩ ግሩም ዝዀነ ጥዕና  ኔርዎ። ንሬስኡ ክርእዩ ድማ ነቲ ሳንዱቕ ከፈትዎ። ዝርኣዮዎ ነገር ልዕሊ ትጽቢቶም ነበረ። ብዘሎ ኣካላቱ ብቑስሊ ተጎቢኡ ነበረ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ሰባት ከብዲ ኢድን እግሩን ብሓዊ ኣቃጸልዎ። እጻብዕቲ ኣግሩን እእዳውን ድማ ሚሒቖም ኣውጽእዎ። ብበሊሕ መሳርሒ ብምምጻእን ከብዱን ነቲ ዝሓበጠ ኣካላቱን በሳስዕዎ። ብቃ ንክትርእዮ ኣምብዛ ዘሰካኽሕ እዩ።

ማርያ ኣፉ ብጨርቂ ተሸፊኑ ከም ዘሎ ኣስተውዓለት። ነቲ ጨርቂ ካብ ኣፉ ምስ ኣውጸኣቶ ንመልሓሱ ከም ዝቖረጽዋ ረኣየት። ቐስ ብቐስ ድማ ኣማዉታ ኒኮላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብ ባርናኡል ተሰምዐ። ካልኦት እስራት ድማ ኒኮላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝይፍርሂ ብትብዓት ብዛዕባ ክርስቶስ ይዛረብ ከም ዝነብረ መስከሩ። ነቶም ተስፋ ዝቖረጽ የጸናንዖም ከም ዝነበረን ነቶም ዓመጽቲ ድማ ክሳብ መጽዮም ብጭካነ ዝቐትልዎ ተነስሑ ናብ ኣምላኽ ተመለሱ እናዳበለ የጠንቕቖም ከም ዝነበረ እቶም እሱራት መስከርሉ።

 

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኒኮላይ ዘሕዝን እይ ኔሩ ግና ብዘይተስፋስ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓት ኣመንቲ መንእሰያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበሩ። ገለ ቆልዑትን ኣንስትን ናይቶም እሱራት ከኣ ኣብቲ ቀብሪ ተሳቲፎም ነበሩ። እቶም መንእሰያትን እቶም ንኒኮላይ ዝፈልጥዎን መዝሙር ክዝምሩ ጀመሩ። ነቲ ዝነበረ ሃዋህው ከኣ ካብ ሓዘን ናብ ሓደ ግሩም ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚ ለወጥዎ "ንኒኮላይ ኣይትብክይሉ" እናበለት ማርያ ነቶም ዝበኽዩ ዝነብሩ ህዝቢ ከተጸናንዖም ጀመረት። ንሱ ምስ ጐይታ እዩ ዘሎ እንተ ደሊኹም ንቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ብኸይሎም" ብዘለዉ ኣብ ራሻ ዝነበሩ ኣመንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ዝእከብሉ ናይ ሚስጥር ኣባይቲ ኰይኖም ንሓድሕዶም ከምቲ ክርስቶስ ንገሃንምን ንሰይጣንን ዝሰዓረ እሞ ኸኣ ህያው ዝዀነ ኒኮልይ'ውን ህያው እዩ እናበሉ ንሓድሕዶም ይዘራረቡ ነበሩ

ምንም እኳ መልሓሱ እንተ ቖረጽዎ ከም ደም ኣቤል ግና ገና ይዝረብ ኣሎ። እንታይ እዩ ዝዛረብ ዘሎ? ናይ ራሻ ኣመንቲ ንዘረብኡ ክገልጹ ገና ቃላት ኣይረኸቡን ዘለው። 30 ዓመታት ሓሊፉ ኩነታት ኣብ ራሻን ካልኦትን ብዘገርም ተለዊጡ እዩ። ግና ብዙሓት ሰብት ካብ መጠን ንላዕሊ ኒኮልይ ኣንታይ ከም ዝተዛረበ ክፈልጡን ክስምዑን ተሃንጥዮም ኣለዉ። ኒኮላይን ካልኦት ቑጽሪ ዘይብሎም ኣብቲ ብርቱዑ ናይ ሰይጣን ተቛውሞ እሙናት ኰይኖም ዝጸንዑ ራሻውያን ኣመንቲ ዝዝረብ ኣለዎም እም ክንሰምዖም ዶ?