23
Tue, Apr
0 New Articles

ቀሺ ተወልደመድህን ቀሺ ገብረመድህን

Ministry
Typography

ኣብ ዓዲ ተከሌዛን፡ ሓደ ሃብታም ሓረስታይ ምስ ብዓልቲ ቤቶም ይነብሩ ነበሩ። ሓንቲ ኣድጃ እትብሃል ቈልዓ ድማ ነበረቶም። እዛ ንእሽተይ ቈልዓ እዚኣ፡ ውቕብትን ሕያወይትን እያ ዝነበረት፡ ስድርኣውን ብእኣ ሕጉሳት ነበሩ። ኣቦኣ፡ ገና ብንእሽቶኣ ኸላ ንወዲ ዓርኮም ክትምርዖ ምስቶም ዓርኮም ቃል ተኣታትዮም ነበሩ። ሓደ እዋን እታ ቈልዓ ምስ ደቀሰት ኣዲኣ ገለ ዕዮ ኸተሳልጥ ገዲፋታ ከደት።  እታ ቈልዓ ምስ ተበራበረት ኣዲኣ ደልያ በኸየት። ምምጻእ ኣዲኣ ስለ ዝደንጐያ እንደገና ኣምሪራ በኸየት። ደኺማ ምብካይ ሰኣነት እሞ ትም ድማ በለት። ብድሕሪኡ ወለዳ ብግቡእ ክትበኪ ከም ዘይትኽእል ኣስተብሃሉ፡ ምስ ዓበየት ድማ ዓባስ ምዃና ግሁድ ኰነ። ዓባስ ምዃና ምስ ተፈልጠ ድማ፡ ወዮም ሰበይቲ ወዶም ክትከውን ቃል ዝኣተዉ ዓርኪ ኣቦኣ ነቲ ቃል ኣፍረስዎ፡ ወለዳ ድማ ብዙሕ ጐሃዩ።

ሓደ እዋን ምስ ኣዳኖታታ ሩባ ወሪደን ኣብ ሓቛቚኤን ዓታሩኤን ተሓንጊጠን ንዓዲ ገጸን ክድይባ ከለዋ፡ ሓደ ቀሺ ተዋህዶ ድማ በቕሎም ተወጢሖም ናብታ ዓዲ ክድይቡ ተጓነፍወን። መራር ጸሓይ እያ ዝነበረት እሞ፡ እቶም ቀሺ ማይ ጸሚኦም ስለ ዝነበሩ ነተን ኣዋልድ ማይ ከስትይኦም ሓተትወን። ብጀካ ኣድጃ ድማ ኲላተን ከይመለሳሎም ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበላ ሓሊፈኖኦም ከዳ። ኣድጃ ግና ዕትሮኣ ኣውሪዳ ኣብ ሓምሓም ቀዲሓ ክሰትዩ ሃበቶም። እቶም ቀሺ ድማ ዓባስ ምዃና ኣስተውዓሉ፡ ግናኸ ፈተውዋ ደኣ። ﷽ካብተን ክዛረባ ዝኽእላ ኣዳኖታትክስ ንስኺ ትልብሚ﻾ ድማ በልዋ እሞ ኣሰንዮማ ናብታ ዓዲ ኸዱ፡ ናብ ቤት ወለዳ ድማ ኣተዉ። መገሻኦም ቅድሚ ምቕጻሎም ድማ ገብረመድህን ንዝተባህለ ወዶም ከሕጽይዋ ንወለዳ ሓተትዎም። ብድሕሪኡ ዓቢ ናይ መርዓ ውራይ ተደገሰሞ ኣድጃ ንእንዳ ሓሙኣ ንጸዓዘጋ ኸደት።

 ኣድጃ፡ ብ1860 ተወልደመድህን እተባሃለ ወዲ ተበኰረት። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ ድማ ክጓሲ ጀመረ። ብደገፍ ናይ ኣቦኡ ቀሺ ገብረመድህንን ሓወብኡ ቀሺ ሓይለኣብን ድማ ምሸት ምሸት ሓዊ እናሰሓነ ፊደላት ትግርኛን ግእዝን ተማህረ። ቀሺ ገብረመድህንን ቀሺ ሓይለኣብን ክልቲኦም ሕፉራት ካህናት ተዋህዶ ጸዓዘጋ እዮም ነይሮም። ተወልደመድህን ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኰነ ድማ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተመሃሮ፡ ዲቊና ወሰደ።

 ሓደ እዋን ቀሺ ገብረመድህንን ቀሺ ሓይለኣብን፡ ምስ ሓደ ሽወደናዊ ሚስዮናዊ ጋሻ ብሓንሳብ ኣብ ቤተክርስትያን ኣምስዮም ናብ ቤት ቀሺ ገብረመድህን መጹ። ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ንቤተ ክርስትያን ዝኸውን ሽምዓ ወይ ጥዋፍ ክስራሕ ከም ዝኽእል ድማ'ዮም ዝዘራረቡ ነይሮም። እቶም ጋሻ ሽወደናዊ ሚስዮናዊ ድማ፡ ሽምዓ ከመይ ጌርካ ከም ዝስራሕ ክምህርዎም ቃል ኣተዉሎም፡ ከምዚ ድማ በልዎም የሱስ በለ ﷽ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ﻾ ዮሃ 8፡12፡ ﷽እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብርሃን ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ ...﻾ ዮሃ 1፡9። ከይተፈለጦም ድማ ንነዊሕ ሰዓታት በዚ ነገር እዚ ተዘራረቡ። እቶም ክልተ ካህናት ድማ በቲ ዝሰምዕዎ ኣዝዮም ተመስጡ፡ መመሊሶም ድማ ክሰምዑ ደለዩ። ተወልደመድህን'ውን ኮፍ ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። በቲ ዝሰምዖ ድማ ኣብ ልቡ ብዙሕ ሓሳባት መጾሞ ተንሲኡ ንበቕሊ ናይቶም ጋሻ ሓሰር ሂቡ ከይዱ ተገምሰሰ። እቶም ሰለስተ ሰብኡት ግና ብዛዕባ እቲñ ብርሃን ዓለም ዝዀነ የሱስ ንንውሕ ዝበለ እዋን ተዘራረቡ። ቀሺ ገብረመድህንን ቀሺ ሓይለኣብን፡ በታ ድሮ ኣቐዲማ እተረኽበት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ (ሕታም ኣባ ሩሚ) ተነቓቒሖም ቃል ናይቲ ህያው ኣምላኽ ክሰብኩ ምስ ጀመሩ ድማ ብዙሓት፡ ከንብቡ ጀመሩሞ ምንቕቓሕ ኰነ። ንምግሃድ መንፈስ ቅዱስን ንምንቕቓሕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ድማ ጸለዩ ብኡ ንብኡን ድማ ስደት ኬጓንፎም ጀመረ።

 ሽወደናውያን ሚስዮናውያን፡ ቀሺ ላገርን ቀሺ ሄደንስትሮምን ኣብ ዓይለት እዮም ሰፊሮም ነይሮም። ቀሺ ሓይለኣብ፡ ብዝበለጸ ብዛዕባ የሱስን ግብሩን መስቀሉን ክመሃሩን እቲ ዝረኸብዎ ሓቅን ፍቕሪ የሱስን ድማ ንተወልደመድህንን ንኻልኦትን ከካፍሉን ክምህሩን፡ ንዓይለት ከዱ። እቶም ጓሶት ድማ ምሸት ምሸት ባዕላቶም ጥዋፍ እናሰርሑ ከንብቡን ንሓቂ ክደልዩን የምስዩ ነበሩ። ቀሺ ሓይለኣብ ኣብ ዓይለት ኰይኖም ነቶም መንእሰያት ጓሶት ጸዓዘጋ ክመሃሩሉ ዝኽእሉ ብዙሓት መጻሕፍቲ በብጊዚኡ ሰደዱሎም። ተወልደመድህንን ብጾቱን ድማ ነቶም መጻሕፍቲñ ብሕቡእ የንቡብዎም ነበሩ። እንተዀነ ተወልደመድህን ገና ንየሱስ ከም መድሕን ህይወቱ ጌሩ ክቕበሎ ድሉው ኣይነበረን። ኣብቶም ኣመንቲ ጸዓዘጋ ድማ ብዙሕ ስደትን ስቅያትን ወረዶም።

 ኣቦኡ ንተወልደመድህን፡ ቀሺ ገብረመድህን፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተኸሲቱ ዝነበረ ውግእ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ታቦት ሒዞም ምስ ከዱ ኣብቲ ውግእ ሞቱ። ቀሺ ሓይለኣብ ብሓደ ግብዝ ዓቀይታይ ራእሲ ወልደንኪኤል፡ ምስ ቀሺ ላገር ኣብ ዓዲ ቖንጺ ብእምነቶም ተሰይፎም ሞቱ። እዚ ክኸውን ከሎ ተወልደመድህን፡ ማል ክሕሉ ወፊሩ እዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ መንጐ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ኣዝዩ ጻዕጸዐ፡ ኣባይቲ ጸዓዘጋ ብሓዊ ነደደ፡ ተወልደመድህን ድማ ጸባ ከብቱ እናተመገበ ንሓያሎ መዓልትታት ኣብቲ በረኻ ተሓብኤ። ዓቀይቲ ራእሲ ወልደንኪኤል ከይረኽብዎ ድማ ምሸት ምሸት ኣብ በዓቲ ይሓድር ነበረ። ሓደ ንግሆ ድማ ኣብቲ በዓቲ እንከሎ ሓደ ነብሪ ተቐልቀሎ እሞ ኣብ እዋን ጸበባኡ ከምዚ በለ፡ ﷽ዎ የሱስ እንተድኣ ካብዚ ነብሪ እዚ ኣድሒንካኒ ኣነ ድማ ምሉእ ዕድመይ ከገልግለካ እየ﻾። ኣምላኽ ድማ ጸሎቱ ሰምዖ እሞ እቲ ነብሪ ገለ እኳ ከይጐድኦ ኸደ።

 ብድሕሪኡ ተወልደመድህን ነታ ዝፈትዋ ዓዱን ቤተሰቡን ሓዲጉ ንገለብ ናብ ቀሺ ሄደንስትሮም ኣምርሐ። (ገለብ ናይቶም ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ዝነበሮ ቦታ እዩ) ኣብቲ ዘፍርህ ጒዕዞኡ ድማ ናብ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ተማህለለ፡ ብሰላም ድማ ንገለብ ኣተወ።

 ኣብ ገለብ ድማ ካብ ከበሳ ሃዲሞም ምስ ቀሺ ሄደንስትሮም ዝተዓቚቡ ብዙሓት ረኸበ። እቲ ኲሉ ዘሕለፎ ጸገምን፡ ሞት ኣቦኡን ሓወቡኡን ካልኦትን፡ ምንዳድ ዓዱ ጸዓዘጋን ድማ ሕልሚ ኰይኑ ተሰምዖ። ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ብመልኣኹ ገይሩ ከም ዝሓለዎ ኣጸቢቑ በርሃሉ፡ ንኣምላኽ ከገልግል
ድማ ድሌት ሓደሮ። ምስ ሓደ ዳዊት ኣማኑኤል ዝተባህለ መንእሰይ ድማ ናብ ዕዮ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ትግረ ተጸምዱ። እዚ ከምዚ ኢሉ  እንከሎ፡ ብላታ ገብሩ እተባህለ ነ
ቶም ሚስዮናውያን የገብሮምን የበሳብሶምን ነበረ። ሓደ እዋን ተወልደመድህንን ዳዊትን ዕዮ ምትርጓሞም እናገበሩ ኸለዉ ተዅሲ ሰምዑ እሞ ወጺኦም እንተ ረኣዩ፡ ሓደ ወልደኣብ እተባህለ ብጥይት  ናይቶም ዓቀይቲ ብላታ ገብሩ ተወቂዑ ከም ዝሞተ ረኣዩ። ተወልደመድህንን ዳዊትን ድማ ብመስኮት ወጺኦም ንበረኻ ሃደሙ። ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። ብላታ ገብሩ ንዓቀይቱ፡ ንኣመንቲ ብህይወቶም ወይ ብምውታቶም እንተድኣ ሒዞሞም ስልማት ከም ዝስልሞም ቃል ኣትዩሎም ነበረ።


 ተወልደ መድህንን ዳዊትን ንኽልተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ድሕሪ ምሕባእ ንባጽዕ ገጾም ኣምርሑ። እቲ መገዶም ብጽምእን ብጸሓይን ብኣራዊትን ኣዝዩ ዘፍርህ ነበረ። መገዲ ጠፊእዎም ምስ ተሸገሩ፡ ብሃንደበት ክልተ ሰብኡት ተጓነፍዎም እሞ ዝብላዕ ድማ ሃብዎም። ክሳዕ እቲ ቅኑዕ መገዲ ዝረኽቡ ድማ፡ መርሕዎም። ብድሕሪኡ እቶም ክልተ ሰብኡት ተሰወሩ። ተወልደመድህንን ብጻዩን ድማ እግዚኣብሄር መላእኽቱ ልኢኹ ከም ዝመርሖም በርሃሎም። ናብ እምኩሉ እተባህለ ቦታ ድማ ብሰላም ኣተዉ። እምኩሉ እታ ቀዳመይቲ መደበር ሚስዮን እያ። ኣብኡ ድማ ተወልደመድህንን ዳዊትን ምስ ቀሺ ሩደን፡ ዕዮ ምትርጓም ቀጸሉ፡ ሓድሽ ኪዳን ድማ ናብ ቋንቋ ትግረ ተተርጒሙ ተወድኤ።

ጒዕዞ ንሽወደን 1883

 ሚስዮናውያን ቤተሰብ ካልሶን፡ ንዕረፍቲ ንሽወደን ክምለሱ ኸለዉ ንተወልደመድህን ምስኦም
ተማሊኦሞ ኸዱ። እዚ ድማ ተወልደመድህን በቲ ናይ ቋንቋ ውህበቱ፡ ንዕዮ ምትርጓም ክጠቕም ይኽእል እዩ ብምባል እዩ። ተወልደመድህን ድማ ኣብ ሖhሽቦቦቅባችቦቃ ሩhቅተባተዋቕቀሽባ ሕቦዘtቕtችtቅ ክምሃር ዕድል ረኸበ። ኣብዚ እዋንዚ ተወልደመድህን ወዲ ዕስራ ዓመት እዩ ነይሩ።

 ኣብ ሽወደን ምስ ኣተወ ድማ፡ በቲ ፍሉይነት ኣነባብራን ባህልን ሽወደን ብዙሕ ኣገረሞ እሞ ደቂሱ ነይሩ ከም እተበራበረ ኰይኑ ተሰምዖ፡ ክሳዕ ዝለምዶ'ውን ቁሩብ ጊዜ ወሰደሉ። ብድሕሪኡ ግን ብቕልጡፍ ንቋንቋ ሽወደን መለኾ፡ ትምህርቱ'ውን ባህ ኢልዎ ተኸታተለ። ተወልደመድህን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሽወደን ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ እቲ ግሩህን ሕጒስን ባህርያቱ ብዙሕ ከም ዝፍቶ ገይርዎ እዩ። ገለ ካብቲ ተመኲሮታቱ ኣብ ሽወደን ንምጥቃስ፡-

 ሓደ እዋን ድሕሪ ኣገልግሎት ተወልደመድህን ገለ ቑሩብ ቃላት ብዛዕባ ሃገሩ ክዛረብ ተሓተተ። ንሽወደን ገና ሓድሽዩ ነይሩ ቋንቋ'ውን ብመጠኑዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ተንሲኡ ድማ ተዛረበ። እቲ ኣገልግሎቱ ምስ ተወድኤ ድማ ሓንቲ ወይዘሮ ናብኡ መጺኣ ብኢዱ ሒዛ ሓደ መዓልቲዶ ክትበጽሓኒ ምመጻኻ? በለቶ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ የግዳስ ገዛኺ ደኣ ኣይፈልጦንየ እምበር በላሞ፡ እቲñ ብድሕሪኡ ደው ኢሉ ዝነበረ ብጻዩ ብጁባኡ ስሕብ ኣበሎ፡ እታ ወይዘሮ ድማ ፍሽኽ በለት። ድሓር እታ ወይዘሮ፡ ንግስቲ ሶፍያ ምዃና ተነግሮሞ፡ ንግስቲ ምዃና ከይፈለጠ ምስኣ ምዝራቡ ቅር ኣበሎ። ሓደ እዋን ድማ ደብዳቤ ካብ ዓዱ መጾ፡ ኣብታ ደብዳቤ ድማ ሞት ናይ ሓዉ ኣንበበ። ኣብ ሽወደን ምንባሩ ረሲዑ ድማ ጸጉሩ እናነጸየ፡ ዓዉ ኢሉ ኣልቀሰ፡ ኲሎም እቶም ተመሃሮን መምህራንን ስድራ ቤቶምን ክሳብ ዝሰምዑ። ኣእምሮኡ ዝሰሓተ መሲልዎም ድማ ኩሎም እናጐየዩ ናብኡ መጹ። ሓደ እዋን ድማ ብባቡር እናተጓዕዘ ከሎ ክልተ ሰባት ካብቶም ገያሾ፡ ብዛዕብኡ ገለ ባህ ዘየብል ከም ዝተዛረቡ ሰምዐሞ ከምዚ በሎም፡ ﷽ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባይ ድሌትኩም ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ሓንትስ ብቋንቋታት ዓረብ እብራይስጢ ጀርመን እንግሊዝኛ ሽወደን ግሪኽ ጥራይ ኣይትዛረቡ﻾። እወ ቀሺ ተወልደመድህን ፍሉይ ናይ ቋንቋü ውህበት እዩ ነይርዎም። እዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቋንቋታት፡ ትግረን ትግርኛን ኣምሓርኛን ሓዊስካ፡ ኲሉ ይዛረብዎ ነይሮም እዮም። ቀሺ ተወልደመድህን ሃገራውን ህዝቦምን ዝፈትዉን ስለ ዝነበሩ፡ ስለ ህዝቦምን ሃገሮምን ብቀጻሊ ይጽልዩ ነበሩ። እተመደበሎም ትምህርቲ ወዲኦም ድማ ብ1886 ናብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ተመልሱ።

ቀሺ ተወልደመድህን ኣብታ ዝተወልዱላን ዝዓበዩላን ዓዶም ጸዓዘጋ ተመሊሶም ንኣምላኽ ከገልግሉ ብዙሕ ጽምኣት ሓደሮም። ሽወደናዊ ቀሺ ሩደን ግና ኣብ ዕዮ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ጸመድዎም። ብ1888 ምስ ኣመቱ ቀሺ ዘራጽየን እተባህለት ወይዘሪት ቃል ኪዳን ኣሰሩ። ሒዞምዋ ድማ ንገለብ ከዱ። ኣመቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚስዮን ኣብ እምኩሉ እያ ተማሂራ። ነቲ ቀሺ ተወልደመድህን ኣብ ሽወደን ለሚዶሞ ዝመጹ ፍልይ ዝበለ ኣነባብራ፡ ክትለምዶ ኣጸገማ። ንኣብነት ንቤተክርስትያን ክኸዱ ከለዉ፡ ንሱ ማዕረ ማዕረኡ ክትከይድ ይደልያ፡ ንሳ ድማ ደድሕሪኡ ክትከይድ ትደሊ፡ መኣዲ ክበልዑ ከለዉ ድማ፡ ኣብ መንበር (ሰድያ) ማዕሪኡ ኮፍ ኢላ ፋርኬታ ሒዛ ክትበልዕ ይደልያ፡ ንሳ ግና ኣብ ድኳ ኮፍ ኢላ ክትበልዕ ትፈቱ። ኣብ በይኑ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ቅድሚ ሰብ ብፍጹም ኣይትዛረቦን እያ ነይራ። ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ግና ተወሃሂዶም ግሩም ዝዀነ ናብራ ክነብሩ ጀመሩ። ካብ ሽወደን ብዝመጸት ሰፋይት መኪና ክዳውንቲ ደቃ ብምስፋይ፡ በሰራርሓ መግብን ጽርየት ገዛን፡ እትነኣድ ኰነት።

 ቀሺ ተወልደመድህን፡ ይስሓቕ፡ ርግቡ፡ ኤልሳቤጥ፡ ኤፍሬም እተባህሉ ኣርባዕተ ቈልዑ ወለዱ። ካብቲ ካብ ሃገር ሽወደን ዝለኣኸሉ ዝነበረ መንፈሳዊ መጋዚን ቈልዑ ድማ ንደቁ የንብበሎምን ይገልጸሎምን ይምህሮምን ነበረ። ሓደ እዋን ካብ ገለብ ደቁ ሒዙ ንጸዓዘጋ ከደሞ፡ እቶም ኣዝማድ ድማ ነቶም ቈልዑ ከመይ ኣለኹም እዞም ደቀይ ኮፍ በሉ በልዎም። ኣብ ምንታይ ኮፍ ክንብል ኢሎም ተጠማሚቶም ሰሓቑ። ኣብ መንበር (ሰድያ) ምስ ሰደቓ ኮፍ ምባል ለሚዶም ስለ ዝጸንሑ እዩ። ሓድሽ ኪዳን ብቋንቋ ትግረ ተተርጒሙ ክሕተም ምስ ተቓረበ ድማ ቀሺ ሩደንን ቀሺ ተወልደመድህንን መምስ ቤተሰቦም ንኸበሳ ደየቡ ኣብ ኣስመራ ድማ  ተቐመጡ። ቀሺ ተወልደመድህን ዓብዪ ውራይ ገይሮም ድማ ንደቆም ርግቡን ኤልሳቤጥን ኣመርዓውወን። ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ብ1909 ብጻዕሪ ናይ ቀሺ ተወልደመድህንን ሽወደናዊ ዶ/ር ቪንክቪስትን መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ኪዳን ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጒሙ ተወድኤ።

 ቀሺ ተወልደመድህን ፈታውñ ደቆምን ሓዳሮምን እዮም ነይሮም። ቈልዑ ክምህሩ ከለዉ ድማ ብጥበብን ብፍቕርን ስለ ዝነበረ ብተመስጦ እዮም ዝሰምዕዎም ነይሮም። ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝጸንሑሉ እዋን ብዓበይትን ብንኣሽቱን ብዙሕ ኣድናቖትን ተፈታውነትን ኣትሪፎም እዮም። ደቆም መምህር ይስሓቕን ብላቴን ጌታን ኤፍሬምን ብደገፍ ፈተውቲ ሽወደናውያን ካብ ሽወደን ኣብ በይሩት ክመሃሩ ክኢሎም እዮም። ቀሺ ተወልደመድህን ናብታ መበቈል ትውልዲ ዓዶም ዝዀነት ሽማንጉስ ከዱ እሞ ኣብኣ ኰይኖም ድማ ናብ ዕዮ ምትርጓም ብሉይ ኪዳን ተጸምዱ። ጐድኒ ንጐድኒ ድማ ክፋል ናይ በለዛ ሰበኻ ሓላፊ ብምዃንን ንወንጌላውያን ሓጸርቲ ትምህርቲ ብምሃብን ኣገልገሉ። ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ድማ ናይ ዓዲ ወግሪ ካህን ኰይኖም ኣገልገሉ። ብ1930 ድማ በቲ ዝሓደሮም ሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልዮም ናብቲ ዝፈትውዎ የሱሶም ከዱ።

(ካብዞም ሽወደናውያንን ቀሺ ተወልደመድህንን ሎሚ እንታይ ንመሃር?)