25
Thu, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ዕዉት ታሪኽ ዊልያም ኬሪ (William Carey)

Ministry
Typography

1.  ኬሪ ወዲ 12 ዓመት ከሎ፣ ኣብኡ ንኽላመድ ኢሉ ናብ ከባቢኦም ኣብ ዘላቑሸት ሃክልተን፣ ኖርዛምፕተንሻየር ናብ ሓደ ሰራሒ ጫማ ሰደዶ። ሓለቕኡክላርክ ኒኮላስ ከምኡ ልክዕ ናይ ቤተክርስትያን ሰብ ነበረ፣ ግናኸ ካልእ ተልሜደንጆን ዋር ዝተባህለ ምስታ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ዘይሳማማዕሰብ ነበሮም። ኬሪ ብናይዚ ሰብ እዚ ጽልዋ ንቤተ ክርስትያን ለንደን ራሕሪሑ፣ምስ ካልኦት ምስኣ ዘይተሰማምዑ ሰባት ብሓባር ኣብ ሃክልተን ንእሽቶ ቤተክርስትያን መስረቱ።

2. ብታሕሳስ 28,1800 ዊልያም ኬሪ ንናይ መጀመርያ ናይ ቤንጋል ልዉጥ ዝኾነክሪሽና ፖል ኣጥመቆ፣ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ እዚ ሰብ ንሓድሽ ኪዳን ናብ ቋንቋቤንጋል ተርጊሙ ዛዘማ።


 

3.  ንወንጌል ናብ መምለኽቲ ጣኦት ንምዝርጋሕ ኣብ ጥቅምቲ 1792 ፍልይቲናይ መጥመቓውያን ማሕበር ቆመት (ኣብዚ እዋን ብናይ መጥመቓውያንሚስዮናዊት ማሕበር ትፍለጥ ኣላ) እዛ ማሕበር ንኬሪ፣ ኣንድሪው ፉለር፣ ጆንራይላንድ ከምኡ ውን ጆን ሳትክሊፍ ከም ዋና ተዋሳእቲ ኣባላት ተጠቃልል።

ብዓይኒ ንግዲ ክርአ ከሎ ሰራሕተኛ ጫማ፣ ግናኸ ብዓይኒ ናይ እግዚእብሄር ስልጠና፣ ሊቅ፣ ስነ ቋንቋዊን ሚስዮናውንዩ፣ዊልያም ኬሪ። ኣብ ታሪኽ ወንጌላውነት ሓደ ካብቶም ጎባልል ናይ እግዚኣብሄር እዩ ነይሩ። ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ታሪኽ ህይወቱኤፍ.ዲያልቫይል ዎከር ብዛዕባ ኬሪ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፣ "ንሱን ሒደት መዘናታቱን ነቲ ዘስፋሕፍሕ ዝነበረ ዘይተገዳስነትንጽልእን ኣብ ልዕሊ ሚስዮናዊ ተበግሶታት ዳርጋ ብዘይደገፍ እዮም ሲዒሮሞ፣ ኬሪ ንምሲዮናውነት ገለ ውጥን ኣማዕቢሉዩ፣ ነታኣደናቂት ኢንኳይሪ (Enquiry) እትብል ጽሕፉ  ድማ የሕተማ፣ ኣብዛ ዓለም ንዝወላወሉን ምዩቅ ንዝብሉን ሰባት ኣብምዝርጋሕ ወንጌል ስጉምቲ ክወስዱ ጸልይዎም እዩ" ካልእ ጸሓፊ ውን ብዛዕባኡ ከምዚ ይብል፣ "መላእ ህይወቱ ርኢና፣ እቲኣብ ዘመናዊ መዋእል ዝዓበየን ወሓለን ተዓጻጻፍን ሚስዮናዊ ክርስትያን እንተበልናዮ ዘይግብኦ ኣይኮነን"

ለውጢ

ኬሪ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ሓሰር  ጎጆ 17 ነሓሰ 1761 ካብ ኣለምቲ ስድራ ኣብ ፓውለርስፓርይ (Paulerspury) ተወሊዱ፣እዛ ቁሸት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፍልጥቲ ናይ ኖርዛምፕተንሻየር (Northamptonshire) ቁሸት እያ። ወዲ 17 ዓመት ምስተገማገመ፣ እቲ እዋን እቲ ንግዲ ተመራጺ ዝነበረሉ እዋን ስለ ዝነበረ፣ ኬሪ ናብ ምስራሕ ጫማዩ ተዋፊሩ። ኣብኡ ከምቲልሙድ ናይ ሸውዓተ ዓመት ናይ መላመዲ ስራሕ ክፍሊት ክኸፍል ዓቕሚ የብሉን። ስለዚ ድማ ወዱ እናተማህረሉ ንሱ ድማናይ ስራሕ ደገፍ ዝህቦ ሰብ ክደሊ ነይርዎ። በዚ ድማ ንክላርክ ኒኮላስ ናይ ፒዲንግተን (Piddington) መረጾ። እዚ ሰብ እዚ ኣብርእሲ ሕያዋይ ምዃኑ ካልእ ተወሳኺ ብቅዓት ውን ነይርዎ፣ ንኡድን ጥንቁቅን ናይ ቤተ ክርስትያን ሰብዩ ዝነበረ፣ ኣብ ዓይኒወላዲ ኬሪ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቋሒዩ ዝነበረ። ብርግጽ መንእሰይ ኬሪ ብዛዕባ ንግዲ ምስራሕ ጫማ ብዙሕ እኳ እንተተማህረ፣ናይ ሓድሽ ኣስራሒኡ ጽልዋ ግና ኪኖ መሸጣ ጫማዩ ዝነበረ። ግደ ሓቂ ዝምድና ናይዚ ንኡስ ተልመዴን ምስ ክላርክ ኒኮላስካብ ክርስቶስን ካብታ ቤተ ክርስትያንን ከም ዝርሕቕ ጌርዎዩ፣ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ቁጡዕ ባህርያቱን፣ ዘይቅዱስኣንደበቱን ከምኡ ውን እቲ ናይ ቀዳም ምሸት ናይ መስተ ፈንጠዝያኡን እዩ ዝነበረ።

ንኬሪ መሳርሕቱ ከምኡ ተልመዴን ጆን ዋር ዝበሃል ነበረ። እዚ ውፉይ መንእሰይ እዚ ስቅ ኢሉ ነገራት ዘይቅበልን ዘይክተልንኮይኑ፣ ምስ ልምዲ እታ ሃገራዊት ቤተ ክርስትያን እንግሊዝ ዘይሰማማዕ እዩ ዝነበረ። እዞም ነቲ ልምዳን ኣገባባን ዝነጸጉብቀጻሊ ኣደዳ መቅጻዕትን ምስዳድን ኮይኖም እዮም፣ ምኽንያቱ ንዓኣ ገዲፎም ንዕኦም ብዝተረደኦም ከም ቃል ኣምላኽንፍቓዱን ዘምልኹላ ናቶም ቤተ ክርስትያን ኣብ ምምስራት ስለ ዝጸቀጡዩ። ነፍሲ ጆን ዋር ነቲ ምስኡ ዘሎ ተልመዴንተመሃራይ ንምድሓን እያ ትነጥፍ ነይራ፣ ኬሪ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፣ "ዝተፈላለዩ መጽሓፍቲ እናሃበ ኣብ ዝተኻእሎ እዋንምሳይ ዝርርብ ኣናገበረን ላሕ ኣቢሉኒዩ" ልቢ ኬሪ ግና ተሪርን ትዕቢተኛን ነበረ። ደሓር ከምዝበሎ፣ "ክንዲ ሽሕ ዕጽፊፍልጠተይ ዝኸውን ትዕቢትዩ ነይሩኒ። ኣብ ዝርርብና ኩሉ እዋን ምስ ኣስተናዓቅኩ እየ፣ ግናኽ ኩሉ መዓልቲ ድሒረ እዚተልመዴን ብጻይ እዚ ዝበለጸ ምጉት ኣለዎ ብምባል ውሽጠይ ይርታዕ ነበረ፣ ቀጻሊ ድማ ሻቅሎተይ እናዓበየ ክኸይድ ክስመዓኒጀመረ፣ ግናኸ ብጀካ ፍጹም ምልዋጥ ናይ ልቢ ምንም ካልእ ጽቡቅ ክበኒ ዝኽእል ነገር ከም ዘይነበረ ይርደኣኒ ኣይነበረን"

ተገዳስነት ዋር ኣብ ልዕሊኡ ጥራይ ኣይኮነን ንኬሪ ዝመሰጦ፣ እንተላይ መንፈሳዊ ጽባቐ ናይ ህይወቱ እዩ። በዚ ድማ ኬሪ ኣብገለ ጉባኤታት ናይቶም ካብታ ዓባይ ቤተ ክርስትያን ዝተፈንጨሉ ክሳተፍ ተሰማምዐ። ኣብኡ ቃል እግዚኣብሄር ብሙቐትንብምርዳእ መንፈስን እዩ ዝስበኽ። ቅሩብ ጸኒሑ ኬሪ ብዓሚቅ እዩ ተረቲዑ፣ ኣብ 17 ዓመቱ፣ እቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽድቂዝብል ዝነበረ ፈሪሳውነቱ፣ ብጣዕሳን ተኣዛዝነትን ክልውጦ ድሉው ኮነ። ጆን ዋር ነዚ መንእሰይ ናብ ክርስቶስ ከምጽኦ ከሎ፣ናብታ ደቂሳ ዘላ ቤተ ክርስትያን ደወል እግዚኣብሄር ዘቃልሕን፣ ነቲ ክቡር ሰብ ህንዲ ናብ ኣኽሊል ክርስቶስ ዝጽንብርን፣ ሓደኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ይማርኽ ከም ዘሎ ዝፈልጦ ኣይነበሮን።

ሚስዮናውነት

ኣብ መውልተን (Moulton) ከሎዩ ኬሪ ናይ ሚስዮንነት ጻውዒት ዝሰምዐ። ብቓላቱ ክገልጾ ከሎ፣ "ግንዛበይ ኣብ ሚስዮንነትንፈለማ ግዜ ኣብ መውልተን ድሕሪናይ መወዳእታ ጉዕዞ ካፕተይን ኩክ' ትብል ጽሕፍቲ ምንባበይ እዩ ክበራበር ዝጀመረ።ንብዙሓት ናይ ኩክ ጽሕፍቲ መሳጢት ዛንታ ናይ ዕንደራ እያ ነይራ፣ ንኬሪ ግና ምግላጽ ምስጢራት ናይ ድሌታት ደቂ ሰብእያ ዝነበረት! ድሕሪ እዚ ዝኾነ ይኹን ምስዚ ዛዕባዚ ምትእስሳር ዘሎዎ ጽሑፍ ከንብብ ጀመረ። (ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ቋንቋመጽናዕቱ፣ ኣብ 21 ዓመቱ ኬሪ ቋንቋታት ላቲን፣ ግሪኽ፣ እብራይስጥን ጣልያንን መሊኹስ ኣንፈቱ ናብ ዳችን ፍረንችን ጌሩኣሎ። ነታ ኬሪ ጫማ ዝሰርሓላ ጎጆ ሓደ "ኮለጅ ኬሪ" ክብል ሰይምዋ እዩ፣ ጎኒ ጎኒ ስብከቱ፣ ጫማ እናረቀዐ ኣብ ወንበሩ ብዘይመጽሓፍ ፍጹም ኮፍ ኣይብልን ነበረ)

ዝያዳ ብዘንበበን ብዘጽንዐን መጠን "ህዝቢ ዓለም ክርስቶስ ከም ዘድልዮም" እናተረትዐ ከደ። ኣንበበ፣ ኖት ሓዘ፣ ዓቢ ግሎብናይ ዓለም ብቆርበት ጌሩ ሰርሐ፣ ሓደ መዓልቲ ድማ ናይ ጫማ ድዃኑ ኣብ ዝጸመወትላ እዋንዩ - ኣብ ሓደ ውዕዉዕ ኣኼባናይ ሚስዮን ኣይኮነን- ኬሪ ንጻዊዒቱ ዝሰምዖ። "ንወንጌል ምቕባል ሓላፍነት ኩሉ ሰብ እንተደኣ ኮይኑ ..... ንወንጌል ኣብኩሎም ኣህዛብ ክበጽሕ ምጽዓር ድማ፣ ሓላፍነት ናይቶም ሕድሪ ወንጌል እተዋህቦም እዩ" ኬሪ በዚ ተነኽነኸ፣ በለ ድማ"እነኹልካ፣ ለኣኸኒ!"

ምውፋይ ሓደ ነገርዩ፣ ኣብ በረኻ ምውጻእ ድማ ካልእ ዝተፈልየ ጸገም። ናይ ሚስዮን ማሕበራት ኣይነበራን፣ ሓቀኛ ናይሚስዮን ተገዳስነት ውን ኣይነበረን፣ ኣብዚ ህሞት እዚ ኬሪ ሓሳባቱ ናብ ናይ ኣገልገልቲ ኣኼባ ምስ ኣቕረቦ፣ / ራይላንድከምዚ ክብል ጨደረ፣ "ወይ እቲ ንሃዋርያት ንኹሎም ኣህዛብ ወንጌል ክምህሩ ኣተዋህቦም ትእዛዝ ንዝሰዓቡ ኣገልገልቲ ግዴታኣይኮነን፣ ወይ ከኣ እቲ ጎኒ ጎኑ እተዋህበ ተስፋታት ተግባራዊ ክኸውን ነይርዎ" "ኣታ መንእሰይ ኮፍ በል፣ እግዚኣብሄርንኣረማውያን ክልውጦም እንተደኣ ፈትዩ፣ ብዘይ ናትካ ይኹን ብዘይ ናተይ ደገፍ ክገብሮ እኽእልዩ" ኣንድሪው ፉለር ወሲኹሓሳባቱ ገለጸ። ልክዕ ከምቲ እቲ ዘይኣማኒ ሓለቓ ሰራዊት እስራኤል፣ "እግዚኣብሄር መሳኹቲ ሰማይ እኳ እንተዝኸፍት እዚነገር እዝስ ኣይሙኾነን" ዝበሎ።

ግናኸ ኬሪ ኣይተጻዕደን። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ደሓር ክዛረብ ከሎ፣ "ክሳለ እኽእል እየ" ይብል። ኩሉ ግዜ ጸኒዑ ነቕ ከይበለ፣ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ፣ ኣብ ዝኾነ ደቂቅ ነገር ውን እንተኾነ ፍጹም ከይተሓለለ ዝቅጽልን፣ ነቲ ኣእምርኡ ዕላማ ዝገበሮ ኣብንጹር ፍልጠትን ምርዳእን ከየብጽሐ ዘይዓርፍን ሰብኣይ እዩ ዝነበረ።

ብኸምዚ ከኣ ኬሪ እታ ፍልጥቲ ኢንኳይሪ እትብል ሓተትኡ፣ ብዛዕባ ግዴታ ክርስትያናት ኣብ ኣጠቃቕማ ሜላ ንምልዋጥኣረማውያን ጸሓፋ። ኣብዛ ናይ ሚስዮን ጽሕፍቲ፣ ኬሪ መልሲ ናይ ክትዓት ሂቡ፣ ናይ ሚስዮን ታሪኽ ካብ ግዜ ሃዋርያትጀሚሩ ዳህሲሱ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይታ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ናይ ዝነበራ ሃገራት ህዝበንን ሃይማኖተንን ውን ዳህሲሱ፣ዓለም ብኸመይ ብወንጌል ክርስቶስ ትብጻሕ ኣብ ዝብል ዛዕባ ድማ ክውንነታውያን ትግባረታት ሂቡዩ።

ጸለየ፣ ጠርዐ፣ ተሳለየ፣ ጸንዐ። ብፍላይ ድማ ነተን ሓድሽ ነገር ዝፈጥራ መልእኽትታቱ "ካብ እግዚኣብሄር ዓቢ ነገር ተጸበ""ንእግዚእብሄር ዓቢ ነገር ፈትን" ዝብላ ዝነበራ ብፍሉይ እዩ ሰቢኽወን። ውጽኢት ናይዘን ኣብ ግንቦት 30,1792 ኣብ ኖቲንግሃምእተሰብካ መልእኽትታት ብፍላይ፣ ኩሉ ናይ ሚስዮን ኣገልግሎታት ኬሪ ድማ ብሓፈሻ፣ ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ናይመጥመቓውያን ናይ ሚስዮን ሕብረተሰብ ፈጢሩዩ፣ እዚ ኣብ ከተሪንግ ብጥቅምቲ 2,1792 ተመስረተ። ምውጻእ ገንዘብ ድማተጀመረ። (ድሕሪዚ ሓደ ብዋዛ ከምዚ በለ፣ ሕጂ ደኣ ኬሪ ብጀካታ ትሕጃ መኽሰብ ናይታ መጽሓፉ፣ ናብዚ ኣገልግሎትዘበርክቶ ገንዘብ ኣይክህሉን እዩ)

ኣብ 1793 እዩ ኬሪ ናብ ህንዲ ዝተጓዕዘ። ኣብ ፈለማ ሰበይቱ ንምኻድ ነግፈረግ በለት- ዝኾነ ኮይኑ ግና ኬሪ ተበጊሱዩ - ግናኸካብቲ መዐሸጊ መርከብ ክልተ ግዜ ተመላሊሱ ምስ ለመናስ / ዶሮዝይ ምስ ደቃ ከተሰንዮ ወሰነት። ኣብ ሕዳር 1793 ምስዶ/ ቶማስ ህንዲ በጽሑ። ናይ ምሕላልን ተስፋ ምቁራጽን ዓመታት ሓለፋ (ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ዝተለወጠ ህንዳዊኣይነበረን) ዕዳ ሕማም፣ ምንቁልቃል ሓሳባት ናይ ሰበይቱ፣ ሞት... ግናኸ ብጸጋ ኣምላኽን ብሓይሊ እቲ ቃልን ኬሪ ቀጸለ-ካብ ንክርስቶስ ምዕያይ ዓዲ ኣይወዓለን።

1834 ኬሪ ኣብ 73 ዓመቱ ክመውት ከሎ፣ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ 40 ቋንቋታት ተተርጊሙን ተሓቲሙን ረኣየ፣ ናይ ኮለጅፕሮፈሰር ኮነ፣ ኣብ ሰራምፓር __ ድማ ኮለጅ መስረተ። ህንዲ ማዕጾኣ ንሚስዮናውያን ከፊታ ረኣየ፣ ንሳቲ (ንሰበይቲ ኣብ ግዜቀብሪ ምስ ዝሞተ ሰብኣያ ብሓዊ ምቅጻል) ዝእግድ ኣዋጅ ተኣዊጁ ውን ረኣየ፣ ንክርስቶስ እተለወጡ ውን ረኣየ። ኣብ ዓራትሞቱ ኮይኑ ኬሪ ንሚስዮናዊ ዓርኩ / ዳፍ ጸዊዑ፣ "ምስ ሞትኩ ብዛዕባ / ኬሪ ክትዛረብ ኢኻ፣ ብዛዕባ / ኬሪ ምንምኣይትበል፣ ብዛዕባ ናይ / ኬሪ ኣምላኽ ደኣ ተዛረብ" በሎ። እዛ ዝሃባ መምርሒ ምልኽት ኬሪ ኮነት፣ ብቡዙሓት ድማ ከም"ብርቂ ሰብ" ይውሰድ ኣሎ። ኣብ ኣገልግሎት ሚስዮን ካብ መዘናታቱን መሳትኡን ካብቶም ድሒሮም ዝሰዓቡ ኩሎምን ጸብለልኢሉ ይርአ ኣሎ።