25
Thu, Apr
0 New Articles

ዘደነቕ ምስ ክርነት ቦሪስ ሶሮኮቭስክይ

Imapct of Gospel
Typography

መንፈስ ቁዱስ ንገለ ሰባት ካብ ኣደራዕን ቁጠዓን ኮምኒስትያውያን ንምድሓን መሪሑ ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር መሪሒዎም፣ ብከመይ ቀጺልና ንከታተል፣ ሚያዚያ 1, 1994 / ጻዊዒት ንናይ ኣሜሪካ ኣብያተ ክርስትያን፣ 


ቦሪስ ሶሮኮቭስክይ

ብመጀመርያ ብቓላት ናይ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ክብለኩም ይደሊ፣ <<ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን>> ሎሚ ምሸት ኣነ ኣብ መንጎኹም ክርከብ ዘይሕሰብ እዩ ኔሩ፣ እንተኾነ ከም ባርያ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣባና ዘርኣዮ ጸግኡን ምሕረቱን ክዛረብ ከምኡ ድማ ንህዝቡ ካብ ራሻ ናብ ቻይና ካብ ቻይና ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ኣወስትራሊያ ናብ ከናዳ ብኸመይ ከም ዝመርሓና ክዛረብን ክምስክርን ንዓይ ዓቢ ዕድል እዩ፣


ንእግረ መገደይ ካበይ ከም ዝመጻና ኣሕጽር ኣቢለ ክሕብረኩም፣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዕደት ኣብ ንገብረሉ ዘሎና ጊዜያትን ብዛዕባ መልእኽቲ መወዳእታ ዘመን ንምንጋር ከኣ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ነገልግለሉ እዋናት ብዙሓት ሰባት ካበየናይ ዜጋ ኢኻ? እናበሉ ይሓቱኒ፣ ኣነ ድማ << ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ርግጸኛ ኣይኮንኩን>> ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ቻይና ካብ ዩኩሬናውያን ቤተሰብ ዝተወለድኩ እየ፣ ኣብ ገዛና ቋንቋ ዩክሬን ኢና እንዛረብ፣ ቆልዑት ከለና ድማ ምስ ደቂ ቱርኪ ንጻወት ስለ ዝነበርና ኣብ መንገዲ ቋንቋ ትሩኪ ንዛረብ ኢና፣ ኣብ ቤትምህርቲ ቋንቋ ሩሲያ ቻይና ዩክሬን ንዛረብ ምኽንያቱ እቲ እንመሃረሉ ዝነበርና ቤት ምህርቲ ከምኡ ዓይነት ስለ ዝነበረ፣ ሕጂ ኸኣ ንዕስራን ሰለስተን ወይ ከኣ ንሰላሳ ዓመት እንሆ ብቛንቛ ኢንግሊዝ ይቃለስ ኣለኹ፣ ስለዚ ድማ እየ ናይ ኣየነይቲ ዓዲ ዜጋ ምኻነይ ንባዕለይ ርግጸኛ ዘይኮንኩ፣ ግና ብቕንዕና ክንግረኩም እንተ ደሊኹም ኣነ ኣይሁዳዊ እየ፣ ንስኻ ኣይሁዳዊ ብኸመይ? ኢልኩም ትግረሙ ትኾነ፣


ምኽንያቱ ኣነ ብእምነት ወዲ ኣብርሃም እየ፣ ሃገረይ ኣብ መንግስተ ሰማያት እዩ፣ ስለዚ ንናይ ማንም ዜግነት ኣይቃለስን እየ፣ ኣነ ነቲ ዝድግፍ ወይ ንኻልእ ዝቃወም ዓሌተኛ ኣይኮንኩን፣ ኣብ ክርስቶስ ዓሌትነት የልቦን፣ ኣብኡ ብደሙ ዝተሓጽቡ ዳግም ብክርስቶስ የሱስ ዝተወልዱ ናይ ኣምላኽ ሰባት ግና ኣለዉ፣ ካልእ ድማ ከነገልግል እንከሎና ዝገጥመና ከቢድ ሕቶ ካበየኖት ማሕበር ኢኹም? ቤተ ክርስትያንኩም ኣበይ እዩ? ዝብል እዩ፣ ኣምላኽ ንዓይ ዝመሃረኒ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ክዛረብ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ነዚ ቃል እዚ የፍቅሮ እየ፣ እንትርፎ ካብዚ ቓል እዚ ካልእ ምነም ክዛረብ ኣይደልን እየ፣ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ጥራይ እየ ነዚ ሕቶ እዚ ክምልሶ ዝደሊ፣ ስለዚ ኣነ ኣባል እታ ብዘመን ሃዋርያት ዝነበረት ማሕበር እየ፣ ኣነ ኣባል እታ ኣህዛብ ብጎይታ የሱስ ስለ ዝኣመኑ ክርስትያን ኢሎም ዝተጸዉዑላ ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበረት ማሕበር እየ፣ ስለዚ ኣነ ክርስትያን እየ፣ ተመሊሶም ድማ ኩሉ ሰብ እኳ ክርስትያን እዩ? ይብሉኒ እንታይ በልኩም ኣይተረዳኣንን? ደሓን ሕራይ እስከ ንመጽሓፍ ቁዱስና ንመርምርን ንፈትሽን እንተ ደኣ ኩሉ ሰብ ክርስትያን ድዩ ኣይኮነን ዝብለና ኾይኑ፣ ኣነ ከም ዘንበብክዎ እታ እንኮ ማሕበር እታ ሓቀኛ እምነት ኣብ ዘመን ሃዋርያት ድማ ዝነበረት ብትኣምራትን ትእምርትን ትስነ ዝነበረት ናይ ሃዋርያት ማሕበር እያ፣

  ኣታ ሓቀኛ ቤተክርስታያን ሓንቲ እምነት እያ ዘላታ፣ ኣብ ሰማያት ተኾነ ድማ ሓንቲ እምነት ከም ዘላ ጥራይ እየ ዝፈልጥ፣ ዝኮነ ኣብ መንጎ እዛ ናይ ሃዋርያት እምነትን ናይ ሰማይ እምነትን ዝኣቱ ዘበለ ኩሉ ሓጹርን ቀጽርን ምፍልላይን ምክፍፋልን ጥራይ እዩ ዝፈጥር፣ እዚ ኩሉ ከኣ ወዲ ሰብ ዝፈጠሮ እዩ፣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ዝብል የለን፣ ስለዚ ኣባል ማንም ማሕበር ኣይኮንኩን ተበልኩኹም ኣይትቀየሙለይ፣ ኣነ ኣብታ ቐዳመይቲ ናይ ሃዋርያት ማሕበር ክርስትያናት ዝበሃሉ እየ ዝጥርነፍ፣ ስለዚ በዚ እንተ ዓጊብኩም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብዚ ይኣኽለና፣ ኣብዚ ከምዚ ኢለ ንሰባት ዘፋልጠሉ እዋን ኩሎም ሰባት ንበይነይ ሓዲጎምኒ ይኸዱ፣ ምኽንያት ኣበየነይቲ ማሕበር ዝጥርነፍ ምኻነይ ክፈልጡ ስለ ዝደልዩ፣ እዚ ግና ምስ ማሕበር ዘተኣሳስር ነገር የቡሉን፣ ኣምላኽ ብዙሓት ማሕበራት ኣይፈጠረን ሰባት ዝገበርዎ እዩ፣

ሰባት ኣብ ቅንዲ ንሓቂ። ብዛዕባ ማሕበሮም ክዛረቡን ክካትዑን ሓይሎምን ጊዜኦም ኩሉ የጥፍኡ ኣለዉ፣ ቅድሚ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብምሕረቱ ኣብ ቻይናን ራሻን ዝገበረልና ምስክርነትን ድሕረ ባይታናን ምንጋርና ካብ ቃል ኣምላኽ ገለ ጥቅሲ ከንንብበልኩም እዚ ጥቅሲ እዚ ኣብ መሳፍንቲ 2 ምዕራፍ ዘሎ እዩ፣ ካብ ናይ ራሻ መጽሓፍ ቁዱሰይ ድማ ቃል ብቓል ከንብበልኩም እየ፣ ካብ ጥቅሲ 6 ክንጅምር

<<እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከኣ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ንዊሕ ዝጸንሑ እሞ ነቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓቢ ግብሪ ዝረኣዩ ዓበይትን ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ፣ እያሱ ወዲ ነዌ ባርያ እግዚኣብሄር ከኣ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ፣ኣብታ ዶብ ርስቱ ኣብ ሰሜን ከረን ጋኣሽ ኣብ ቲምናት ሔርስ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ፣ እቲ ወለዶ እቲ ኹሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተኣከቡ ድሕሪኦም ከኣ ንእግዚኣብሄር ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጡ ካልእ ወለዶ ተንስኡ፣ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ ንበዓልውን ኣገልገሉ፣ ነቲ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጾኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርእዮም ዝነበሩ ህዝብታት ደድሕር ካልኦት ኣማልኽቲ ከዱ ንኣታቶምውን ሰገድሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቖጥዕዎ፣ ንእጊዜኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓልን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ>>

ካልኣይ ክፋል ንባብና ድማ ካብ ሉቃስ 18 ከነንብብ ኢና ካብ ጥቕሲ ሓደ ክንጅምር << ከይቀበጹ ኩሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዝግብኦም ድማ ብምስላ ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፣ ኣብ ሓንት ኸተማ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር ፈራዲ ነበረ፣ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት ናብኡ እናመጸት ከኣ ምስ እዚ መበእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ ትብሎ ነበረት፣ እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጎያ፣ ድሕርቲ ግና ብልቡ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየኒ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ በለ፣ ጐይታ በለ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ ኣምላኽ ዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጻኣሎምን እዩ? ይጽመሞምዶ ኸ? ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጻኣሎም እብለኩም ኣለኹ፣ ወዲ ሰብ ምስ ዝመጽእ ግና እንድዒ እምነት ድኾን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ? እወ ብርግጽ ብዝሓት ክርስትያናት ክረክብ እዩ ግና ኣብ ኣምላኽን ቃሉን ከሙኡ ድማ ኣብቲ ንማሕበር ኣምላኽ ዘለዎ ዓላማ ህያው ዝኾነት እምነት ዘሎዎም ሰባት ከ ይረክብ ዶ ይኸውን?

ስለዚ እምበኣር ድኻመይ እናተኣመንኩ ኣምላኽ ንራሻ ከመይ ዝበለ ምሕረት ከም ዘርኣያ ክምስክረልኩም ወይ ከካፍለኩም፣ ኣብ ራሻ እቲ ሶውራዊ ምልዕዓል ወይ ለውጢ ብ1917 እዩ ጀሚሩ፣ ራሻ ንሰብዓ ዓመታት ኣብ ጸልማትን ኣምላኽ የለን ኣብ ዝብልን ኩነታት ተሸሚማ ኒይራ፣ ሰበ ስልጣናት ብሙሉኣቶም ኣንጻር ኣምላኽ ይቃለሱ ነበሩ፣ ስለዚ ኣምላኽ ካብ ብዝሒ ምሕረቱ ዝተላዕለ ንራሻ ክሕግዛን ክድግፋን ብርሃን ወንጌል ከብርሃላ ሓጋዚ ሰደደላ፣ ሓደ መንፈስ ኣምላኽ ዝተመልኣ ሰብኣይ ካብ ኒውዮርክ ተላእከ፣ ናብ ሃገረ ራሻ ከኣ ለኣኾ፣ ንሱ ራሻዊ ሰብኣይ እዩ ኔሩ፣ ናብ ራሻ መጺኡ ነቲ ናይ ሃዋርያት ወንጌል ክሰብኽ ጀመረ፣ መልእክቲ ድሕነት። መልእክቲ ቅድስና። መልእክቲ ጽድቂ። መልእክቲ ንሓጥያት ምማት። መልእክቲ ንስሓ። መልእክቲ ምልኣት ዘለዎ በረኸት ኣምላኽ። ምንቓሕን ምውራድ መንፈስ ቁዱስን። ሓይሊ ኣምላኽን። ነቶም ገጹ ምስ ደለዩ ዝርከብ ተኣምራታትን  ስበኸ፣

ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ተቐማጦ ሩስያ ተራ ሰባት ሓረስቶት ከምኡ ድማ ዘይተማህሩ እዮም ኔሮም፣ ነቲ መልእኽቲ ግና ተቐቢሎሞ ኣሚነዎ ኣብ ራሻ ድማ ዓቢ ምንቕቓሕ ኮነ፣ ከም ዝባላዕ ሓዊ ናብ ብዘሎ ከተማታትን ገጠራትን ራሻ ተላብዐ፣ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ናብ ራሻ ምስ ለኣኾ ድሕሪ ሸውዓተ ሸሞንተ ዓመት እቲ ምንቕቓሕ ናብ ዩክሬንን ናብ ብዘሎ ሩሲያ ክሳብ ኣኽራናት ናይ ኡራል እቲ ንሰሜንን ደቡብን ንራሻ ማይነል ሰርቤና ዝኸፋፍል በጽሓ፣ ኣምላኽ ድማ ዓቢ ግሩም ስራሕ ገበረ፣ ኣብኡ ሓንቲ ማህበር መስረተ፣ ህያው ማሕበር ካብታ ጣኦታትን ኣማልኽትን እተምልእክ ኣብ ራሻ ዝነበረት ቤተክርስትያን ዝተፈልየት፣ ከምቲ ብዘመን ሃዋርያት ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ብቐሊል መልእክቲ መንፈስ ቁዱስ ናብ ምድሓን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መጹ፣ ኣምላኽ ነቶም ተራ ሰባትን ሓረስቶትን ተጠቀመሎም፣ ብዓረብያትትን በፍራስን ጌሮም ኣብ ዘሎ ራሻ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ፣

ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ዘሎ ዓበይቲ ናይ ትራንስፖርት መካይንን ነፈርትን ኣዋርሕ ዝወስድ ናይ መዋዓውዒ ሜላታት ብፍጹም ኣይተጠቕመን፣ ኣነ ነቲ ኣብ ሩስያ ኣምላኽ ዝገበሮ እየ ዘወዳድር ዘለኹ ኣደይ ወላዲተይ ናይዚ ምንቕቕሕ ህያው ምስክር እያ ንሳ ባዕላ ኣብኡ ተሳታፊት ኔራ እያ፣ ንሳ ክሳብ ሕጂ ብህይወት ኣላ ኣብ ካናዳ ድማ ምስና ትቕመጥ ኣላ፣ ኣምላክ እቲ ንክብሩ ኢሉ ዝገብሮ ኣብዝ ነበር ተኣምራታት ተጠቂሙላ እዩ፣ ኣብ ራሻ ንኣማኢትን ንኣሽሓትን ንምኽንያት ምድሓን ኮይና እያ፣

ስለዚ ኣምላኽ ከምዚ እዩ ጌሩ፣ ሰባት ብምሕራይ ብመንፈስ ቁዱስ ኣቢሉ ክጽልዩን ክጸሙን ብድሕሪ እዚ ከኣ ኣምላኽ ስማ ናይታ ዓዲ ስም ናይቲ መንገዲ ስም ናይቲ ክምስክርሉ ዝግብኦም ሰብ እናነገር ይልእኮም ኔሩ፣ ኣምላኽ ኣብቲ ዓዲ ንዝተዳለዉ ሰባት ይፈልጦም ነበረ፣ እዞም ኣሕዋት ድማ ከም ዝተባህሎም ምስ ከዱ ነቲ ሰብን ነት ገዛን ይረኽብዎ ነበሩ፣ ንመልእክቲ ኣምላኽ ክቕበሉ ድልዋት ስለ ዝነበረ ይቕበሉ ኔሮም፣ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ፣ እታ ዓዲ ግልብጥ ኢላ ወንጌል ንምስማዕ ትእከብ ነበረት፣ እዚ ስራሕ መንፈስ ቁዱስ እዩ፣ እዞም ሰባት ክእለት ናይ ዘረባ የብሎምን ወይ ሓያላት ተዛረብቲ ወይ መደርቲ እውን ኣይነበሩን፣ እዞም ሰባት ተራ ሰባትን ሓረስቶትን እዮም፣ እንተ ዀነ ከምቲ ኣብ ዘመን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ብሓይሊ መንፈስ ቁዱስ መሊኦም ይሰብኩ ኔሮም፣ ብዘላ እታ ዓዲ ተኣኪባ ወንጌል ምስ ሰምዓት ከኣ ኩሎም ናብ ጎይታ ይመጹ ነበሩ፣ ኩሉም ከኣ ይንሳሑ ነበሩ፣ እዞም ሰባት ሰኽራማት መምለኽቲ ጣኦታት እዮም ዝነበሩ ደሓራይ ግና ብሓይሊ መንፈስ ቁዱስ ዝተመልኡ ሰባት ኮኑ፣ ኣብቲ ቦታ ማእለያ ዘይብሉ ተኣምራታት ይግበር ነበረ፣ እቲ ኣብ ዘመን ሃዋርያትን ቡሉይ ኪዳንን ዝተገብረ ትኣምራታት ብሙሉኡ ኣብ ራሻ ከም ተገብረ ኣደይ ወላዲተይ ምስክር እያ፣ ሰባት ዓቢ ተኣምራታት ኣምላኽ ርእዮም ኣዮም፣ ሙውታት ክትስኡ  ተዓዚቦም እዮም፣ ስለዚ ኣምላኽ ንገዛእር ርእሱ ህያው ዓቢ ኣምላኽ ምኻኑ ኣረጋጊጹ፣ ኣብዚ ናይ መጨረሻ ወለዶ ኣብዚ ሓጥእን ዘይኣምንን ወለዶ ከይተረፈ ገዛእ ርእሱ ህያው ምኻኑ ይምስክር ኣሎ፣ እዚ እምበኣር እዩ እቲ ቐጥታዊ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ራሻ፣

ኣደይ ከም ዘዘንተወትለይ ኣብ ራሻ ዝነበረ ምንቕቓሕ ኣዚዩ ሰፊሕን ዓብን እዩ ዝነበረ ክምኡ ድማ እቲ ህዝብን ምድርን ተባሪኹ ነበረ፣ ኣብ ራሻ መጽሓፍ ቁዱስ ኣይነበረን፣ ኣብ ራሻ ተገዲሱ ንመጽሓፍ ቁዱስ ክሓትም ዝኽእል ቤት ማሕተም ኣይነበረን፣ ገለ ቁሩብ ካብ ሃገረ ፈረንሳን ኢንግሊዝን ዝመጸ ኣብ 18 ክፍለ ዝመን ዝተሓትመ መጽሓፍ ቁዱስ ኔሩና፣ እዞም መጽሓፍ ቁዱስ እዚእቶም ግና ኣዚዮም እምብዛ ዉሑዳት እዮም ኔሮም፣ ግና ኣምላኽ ብመንፈስ ቁዱስ ጌሩ ብቕጥታዊ ምግላጻትን ራእያትን መልኣክትን ብቓል ትንቢትን እናገበረ ይምህሮም ነበረ፣

ኣምላኽ ብዘይ ዝንበብ መጽሓፍ ቁዱስ ከመይ ጌሮም ብቕድስና ህይወት ክነብሩ ከም ዝግብኦም ይምህሮም ነበረ፣ ካብ ዓለም ከምይ ጌሮም ክፍለዩ ከም ዝግብኦም መምሪሒታት ይህቦም ኔሩ፣ ኣምላኽ ከመይ ጌሮም ኣእጋር ቁዱሳን ክሓጽቡ ከም ዘለዎም ሚሂርዎም፣ እቲ ኣብ ምንቕቓሕ ዝነበረት ናይ ሩስያ ማሕበር ኣእጋር ቁዱሳን ምሕጻብ ልማዳ እዩ ኔሩ፣ ኣምላኽ ብምሳሌታት ጌሩ ርእሲ ቤት መን ምዃኑ ሚህርዎም እዩ፣ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ሩሲያ መጽሓፍ ቁዱስ ብፍጹም ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ብመንፈስ ቁዱስ ጌሩ ዝተፈላለየ ምህሮታት ሚሂርዎም እዩ፣

እቶም ኣሕዋት መጽሓፍ ቁዱስ ከንብቡ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ እዋን ነቲ ጎይታ ዝመሃሮም ምስ ኣነጻጸርዎ ሓደ ኾይኑ ይረኽብዎ፣ ስራሕ መንፈስ ቁዱስ ምስቲ ቓል ሓደ እዩ፣ እቲ ቓልን መንፈስን ሓደ ስለ ዝኾኑ፣ እንተ ዘይኮይኑ ብፍጹም ኣይሰርሕን እዩ፣ ዝኾነ ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልክዎ ምግላጽ ኣሎኒ ዝብል እንተ ኮይኑ ግና ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ቃል ዘይሳነ እንተ ኾይኑ ኣንጻር ድማ እንተ ኾይኑ ክንፍትሾን ክንጥንቀቕን ኣሎና፣ ኣብ ራሻ እምበኣር ኣዚዩ ዓቢ ዝኾነ ምንቕቓሕ እዩ ዝነበረ፣ እዚ ዝነበርና በረኸት ኣምላኽ ንህዝቡ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ኣዚዩ ጸልማትን ናይ ስደትን ናይ ኣምላኽ የሎን ዝብል እዋናት ንምድላው ዘምጾ ምንቕቓሕ እዩ፣

እቲ እዋን እናኸደ ኣብ 1928 ኣቢሉ መንፈስ ቁዱስ ብብዙሓት ሰባትን ቤተ ክርስትያናት ናይ ራሻን ኣቢሉ ክዛረብ ጀመረ፣ ኣብ ራሻ ጊዜ ስለ ዘይነበሮም ናይ ቤተክርስትያን ህንጻታት ኣይሰርሑን፣ ዋላ እንተ ዝሰርሑ እውን ብኣሽሓት ዝኾነ ሰባት ናብ ጎይታ ይመጹ ስለ ዝነበሩ ኣይምከኣሉን፣ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት እዮም ናብ ማሕበር ኣምላኽ ዝጽንበሩ ዝነበሩ፣ እዚ ድማ ዕዮ መንፈስ ቁዱስ እዩ፣ ኣብ ኣባይቲ እዮም ዝእከቡ ዝነበሩ፣ ነደይ ከምዚ ኢለ ሓቲተያ < እቲ ቀጻልነት ህላውነትን ተኣምራት ኣምላክ ኣብ ራሻን ሚስጥሩ እንታይ እዩ? ኣደይ ድማ ልክዕ ከምቲ ብዘመን ሃዋርያት ዝነበረ እዩ፣ ኣዚዩ ብርቱዕ ጸሎት ስለ ዘሎ እዩ፣ ራሻ መዓልታዊ ብርቱዕ ጸሎት ዝተለማመደት እያ፣

ኣብ ኩሉ ዓድታት ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ምሸት ምሸት ናይ ግድን ጸሎት ኣሎ፣ ን2 ን3 ን4 ሰዓት ምጽላይ ምንም ኣይኮነን፣ እዚ ዘገርም ነገር ኣይነበረን፣ እቲ ብርቱዕ ምስ ኣምላኽ ብምዝዝርራብ ዝግበር ዝነበረ ጸሎት ኣምላኽ ንዝግናሕ ይገንሖ ንዝተሓብኣ ሓጥያት የቃልሖ፣ ሰባት ናብቲ ናይ ኣባይቲ ጉባኤ ዝግበረሉ ዝነበረ ስፍራ ክኸዱ ከለዉ ኣዚዮም እዮም ዝንቅጥቀጡ፣ ብፍርሓት ኣምላኽ ተመሊኦም እዮም ናብቲ ጉባኤ ዝኣትዉ፣ ኣምላኽ ህያው ምኻኑ ይፈልጡ እዮም፣ ብህድኣት ብቕድስና ብትሕትና ክኸዱ ኣለዎም እንተ ዘይኮይኑ ኣምላኽ ሓጥያቶም ከም ዝቐልዖ ይፈልጡ እዮም፣ ኣብቲ ጉባኤ ምስ ኣተዉ ኣምላኽ ጉዱለቶምን ሓጥያቶምን ከም ዝገልጸሎም ርግጸኛታ እዮም፣ እዚ ቐጥታዊ ናይ መንፈስ ቁዱስ ስራሕ እዩ፣

ኣብ 1928 ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ኣባይቲ ዝግበር ዝነበረ ጉባኤታት ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ጊዜያትን መዓልታትን ክዛረብ ጀመረ፣ ኣምላኽ ብመንፈስ ቁዱስ ጌሩ ከምዚ በለ << ደቀይ ኣብዛ ሃገር ዓቢ ጥሜት ይመጽእ ኣሎ ድሕሪ እዚ ዓቢ ደም ምፍሳስ ክስዕብ እዩ ኣብዛ ሃገር ብዙሕ ስቓይ ክኸውን እዩ፣ ናብ ካልእ ሃገራት ክወስደኩም እየ ካብዚ ኣብዛ ሃገር ዝመጽእ ዓቢ ስቓይን መከራን ከኣ ከድሕነኩም እየ>>፣

እዚ ድምጺ ኣምላኽ እዚ ኣብ ዘላ ሩሲያ መጸን ተሰምዐን፣ ብዙሓት ሰባት ከኣ ሓደ ዝዓይነት መልእክቲ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ መከራን ስቓይ ሰምዑ፣ ምንም እኳ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ኮሚኒስቲ ምንቅስቓስ እንተ ነበር ኣብቲ እዋን ግና ሰባት ብናጽነት እዮም ዝመላለሱ ኔሮም፣ ምኽንያቱ ኮምኒስት ናብ ስልጣን ክመጽእን ሓይሉ ከደልድልን ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት እዩ ወሲዱሉ፣ ካብ 1917 ክሳብ 1933 ብተዛማዲ ናጽነት ኔሩ እዩ፣ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት። ወንጌል ብናጽነት ናይ ምስባኽ ናጽነት ኔሩ እዩ፣ ኣብቲ ጊዜ እቲ ብዙሕ ስደት ኣይነበረን፣ እቲ ስደት ካብ 1933 ዓመተ ምህረት ንኘው ዝነበረ እዩ ኔሩ፣ እቲ እዋን እቲ ንሩሳውያን እቲ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ስቓይን ስደትን እዩ ኔሩ፣ ክሳብ ሹዑ ግና ብተዛማዲ ብናጽነት ወንጌል ይስበኽ ንበረ፣ ሰባት ብናጽነት ይነብሩ ኔሮም፣ ናቶም ገዛ። ከብቲ ኔርዎም፣ መብዛሕቶም ሓረስቶት እዮም ኔሮም፣ ናቶም ናይ ሕርሻ ቦታት ድማ ኔርዎም፣ እዚዮም ጹቡቕ እዮም ኔርሞ፣ ዋጋ ክኸፍሉ ግና ክዳለዉ ኔርዎም ፣

ኣምላኽ ካብቲ ዝመጽእ መከራ ከድሕኖም ምኻኑ ተዛሪቡ እዩ፣ ቅድመ ኩነት ግና ኣቐዲሙ እዩ <<ንሱ ኸኣ ንድምጸይ ዝኣመነን ዝተኣዘዘንን ኣነ ክመርሖ እየ>> ዝብል እዩ

ስለዚ ምድሓን ጥራይ እኹል ኣይኮነን፣ ሓይሊ መንፈስ ቁዱስ ክህልወካ ጥራይ እኹል ኣይኮነን፣ ተኣምራት ምህላው ጥራይ እኹል ኣይኮነን፣ እዚ ኹሉ ጉሩም ጹቡቕን እዩ፣ ቃል ኣምላኻዊ ድማ እዩ፣ ኣካልን ናብራን ናይ ማሕበር ኣምላኽ ድማ እዩ፣ ብርግጽ እዚ ታሪኽ ናይታ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ እዩ፣ ግና ብዙሕ ጊዜ ኣሎ ሰባት ዋጋ ንኽኽፋሉ ክእዘዙ ዝግደድሉ ጊዜ፣ ንኹሉ ዓዲግካ ንፍቓድ ኣምላኽ ምግዛእን ናብቲሱ ዝመረሓካ ምጉዓዝን መስዋእትነት ይሓተካ እዩ፣ ብድሕርዚ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣምላኽ ኣብ ራሻ ወንጌል ንምስፋሕን ነቲ ህያው ቃል ብሓይሊ ክዝረግሑ ዝተጠቕመሎም ክርስትያናት ገለ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥራይ እዮም ነቲ ናይ ኣምላኽ ድምጺ ኣሚነዎ፣ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢልዎም << ደቐይ ገጸይ ድለዩ ጸልዩ ኣነ ክመርሓኩም እየ>> ኣብ መወዳእታ 1931 እቲ መልእክቲ ካብ ኣምላኽ መጸ << ህዝበይ ሕጂ ትንቀሳቐስሉ እዋን እዩ>> ኣምላኽ ነገራት ኮይኮን እዩ ዝዛርብ እዚ ብመጀመርያ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ቀጺሉ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተርጋጊጹ እዩ፣

 ኣምላኽ ኣቀዲሙ እዩ ንህዝቡ ዘጠንቅቕ፣ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ንህዝቡ የጠንቅቕ እዩ ከምይሲ ክርስቶስ ከምዚ ክብል ቃል ኣትዩልና እዩ << ኣነ ምስ ከድኩ ካልእ መጸናኒዒ ክልእከልኩም እየ መንፈስ ቁዱስ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ከፍልጠኩም ብዛዕባ እቲ ዝመሃርኩኹም ድማ ከዘክረኩም እዩ>> እወ እዚ እዩ ስራህ መንፈስ ቁዱስ፣ ንሱ ዝምህረና ናብ ሓቒ ዝመርሓና ጥራይ ኣይኮነን ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ድማ ዘፍልጠና እዩ፣

ኣምላኽ ኣብቲ ቐደም እዋናት ከምዚ እዩ ዝገብር ዝነበረ፣ ትንቢታት ኩሎም ኣንብብዎም ክንደይ ጊዜ እዩ ኣምላኽ ንህዝቢ ኣምላኽ ንነገስታት ንሃገራት ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ነገር ዘጠንቀቖም? መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እሞ ኣንብብዎ፣ ሓደ ጊዜ ኣጋቦስ ዝበሃል ነቢይ መጺኡ ብሓይሊ መንፈስ ቁዱስ ተደሪኺ ኣብታ ሃገር ጥሜት ከም ዝኸውን ተነበዩ፣ ማንም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ዝነበሮ ኣይነበረን፣ ኩሉ ጹቡቅ ኣዩ ኔሩ፣ እኹል ዘይጉዱል ምግቢ ኔሩ እዩ፣ ኣምላኽ ግና እንታይ ከም ዝመጽእ ይፈልጥ ኔሩ፣ እቶም በቲ ነቢይ ብዛዕባ ጥሜት መጠንቐቕታ ዝሰሙዑ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝነበሩ ሰባት ነዚ ኣሚኖምዎ ነቲ ዘድልዮም ኣድላዪ ነገር ኩሉ ኣዳለዉ እዚ ኣብ ግብር ሃዋርያት ኣንብብዎ፣

እዚ መንፈስ እዚ ድማ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዮርሳሌም ማእሰርቲ ይጽበየካ ኣሎ ኢሉ ዘጠንቆቖ፣ ነዚ መን ፈሊጥዎ ኔሩ፣ ማንም! በጀካ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ፣ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝዛረብ ዝምህር ዝገንሕ ንንስሓ ዝጸውዓ ኣምላኽ ሕጂ እውን ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ይዛረብ እዩ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ነገር የጠንቅቕ እዩ፣ ኩሉ ጊዜ ከድሕን ክመርሕ ንህዝቢ ኣምላኽ ድማ ክሕሉ እዩ ዝደሊ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ድማ እምበኣር እዩ ኣብ ራሻ ዝተፈጸመ፣

ኣብ ራሻ ሓረስታይ ምዃን እንትርፎ ዓረብያን ኣፍራስን ኣንተ ዘይኮይኑ መኪና ክትውንን ኣይከኣለን እዩ፣ ኣብቲ እዋንቲ ዓበይቲ መካይን ኣይነበርኦምን፣ ዋላ ኣብዚ እዋን እንተ ኾነ እውን ራሻ ብናይ ሕርሻ ማሽኔሪታት ብዝምልከት ድሕሪት እያ ዘላ፣ ዝኾነ ኾይኑ ኣብቲ ጊዜ እንትርፎ ዓረብያን ኣፍራስን ካልእ ኣይነበረን፣ ናብ ሩስያ ዝወስድ ሓደ ማእኸላይ መንገዲ ጥራይ እዩ ኔሩ፣ ስለዚ ኣምላኽ ነቶም ካብ ሚኢቲ ኪሎ ሚተር ዘይበዝሕ ተጋዒዞም ዘይፈልጡን እንትርፎ ብዓረብያን በፍራስን ናብ ጥቖኦም ዘላ ዓዲ ጥራይ እንተ ዘይኮይኖም ናብ ካልእ ተንቀሳቒሶም ዘይፈልጡ ሓረስቶት ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዞም ምዃኑ ይዛረቦም ኣሎ፣

 ኣብ ማእከል ከተማ ይኩሬን ዝነበረት ከተማ ኬቭን ብደቡብ ሸንከን ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰባት እናጸለዩን እናጾሙን ከለዉ ኣምላኽ ናብታ ኣብ ደቡብ ዘላ ኸተማ ክግዕዙ ተዛረቦም፣ ኣብታ ኸተማ ምስ መጹ ኣምላኽ ናብ ካልእ ኸተማ ክግዕዙ ተዛረቦም፣ ናይታ ኽኸዱላ ዘለዎም ስም ድማ ነገሮም፣ ልኽዕ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ነቶም ሰባት ስምን ኣድራሻ ናይ መገድን እናንሓበረ ኣምላኽ ይመርሖም ነበረ፣ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ኣብ ቡሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ነንብብ ኢና፣ ንኣብነት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ንጴጥሮስ ክወስድዎም ዝለኣኾም ሰለስተ ሰባት ንነብብ፣ ናበይ ከምዝኸዱ ብኸመይ ፈሊጦም? እቲ ቦታ ተነጊርዎም፣ ስም እቲ ሰብ መን ምኻኑ ሓቢርዎም፣ ብቐጥታ ድማ ናብታ ዝተባህልዎ ቦታ መጽዮም ከምይ ጌሮም ፈሊጦም? ብቐጥታዊ ምትእትታው ኣምላኽን ብመልኮታዊ ምግላጽን፣ እዚ ዓይነት ኣምላኽ እዚ ድማ ኢና ንሕና ነምልኽ፣ እዚ ኣምላኽ እዚ ከኣ እዩ ኣብ ራሻን ቻይናን ሰሪሑ፣

እንተ ደኣ ተኣዚዝናዮን ኣብ ቃሉ ድማ ህያው ዝኰነት እምነት ሃልያትን ሕጂ እውን ንሱ ህያው ስለ ዝኾነ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ከ ከምዚ ክገብር ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ክርስቶስ << ብኣምላኽ እመኑ>> ስለ ዝበለ ብዛዕባ መወዳእታ ጊዜ እናሓሰበ ክርስቶስ ብሓዘን << ወዲ ሰብ ምስ መጸስ እምበር ከ ኣብ ምድሪ እምነት ክረክብ እዩ ኢሉ>> እዚ እዩ እቲ ሕቶ እዚ ነገር እዚ እምበር ህጂ ኣብ ኣእምሮና ክስቆረና ኣለዉ፣

ኣምላኽ ኩነትት ናይ ኣብያተ ክርስትይናት ብፍላይ ኣብቲ መወዳእታ ዘመን እንታይ ከም ዝመስል ይፈልጥ እዩ፣ ብዙሓት ኣብያተክርስትያናት ክህልዋ እየን፣ ብዙሃት ኣመንቲ ክህልዉ እዮም ግና ኣብዛ ምድርስ ህያው ዝኮነት እምነት ትርከብ ዶ ትኸውን? እዚ እዩ እቲ ሕቶ፣ ክርስቶስ ማሕበሩ ደቂሳን ባዕዝዛን ከላ በቲ መልኮታዊ ጥበቡ ጌሩ ክመጽእን ክግለጽን እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ዝምለክት ድማ ናይተን ዕእሰርተ ደናግል ምስላ ብምሃብ ተዛሪቡና ኣሎ፣ እታ ደቂሳን ባዕዚዛን ዘላ ቤተክርስትያን ንምጻት መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ንምኽንያት ምድንጋይ ኮይና ኣላ፣ እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ እዩ፣ ሕጂ ናብቲ ምስክርነትና ክንከይድ፣

እቶም ህዝቢ ከምቲ ናይ ቀደም ጊዝያት ብመሪሕነቱ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይጓዓዙ ነበሩ፣ እቲ ክኸድዎ ዘለዎም ቦታ ይፈልጥዎ ነበሩ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዶብ ቻይና በጽሑ፣ ኣብኡ ድማ ኣዚዮም ተፈተኑ፣ ንዝክር እንተ ኾይና ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ክመርሖም ከሎ መዓስ ከም ዝብገሱን ኣብይ ደው ክብሉ ከም ዝግብኦምን ይሕብሮም ነበረ፣ ክሳብ ኣምላኽ ንቐሉ ዝብሎም ድማ ይጸንሑ ነበሩ፣ ኣስታት ክልተ ሰለሰተ ሚኢቲ ስድራ ቤታት ናብ ደቡብ ገጾም ተጓዕዙ፣ ኣብ ዶብ ሩሲያን ቻይናን ከኣ በጽሑ፣ ኣብኡ ከኣ መፈተሺ ነቑጣ ረኸቡ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ መንገዶም ኩሉ ጸለዩ፣ ኣምላክ ሕጂ ኸ ናበይ? ኣምላኽ ሕጂ ኸ እንታይ ክንገብር?  ኣምላኽ ከምዚ በለ << ደቀይ ህድእ በሉ ተጽበዩ መዓስ ከም ትነቕሳቐሱ ክንግረኩም እየ>> ኣብዚ እዋን እዚ ንደቆም ክቕልቡ ኔርዎም፣ ንኹሉ ከምብተዉን ኣፍራሶምን ምድሮምን ሓዲጎም እዮም መጺኦም፣

እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ብዘላ ሩሲያ ብምእዛዞም መስዋእትንት ብምውሳድ ዘሎ ንብረቶም ንድሕሪት ሓዲጎም ንድምጺ ኣምላኽ ክእዘዙ ዝወሰኑ ኣዝዮም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሂደት ሰባት እዮም፣ እዚ መስዋእትነት ዘይኮነን ሃዋርያት ዝተሓቱ? <<ኩሉ ሓዲግኩም ሰዓቡኒ>>  እዚ ዋጋ ዘይኮነን ሎሚ እውን ክርስቶስ ዝሓተና ዘሎ? << ኩሉ ቐቢጹ ዘይስዕበኒ ወዲ መዝሙረይ ክኸውን ኣይበቅዕን እዩ>> ነዞም ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዘሎና ኣመንቲ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣይምልከተናን ድዩ? ስለዚ እዞም ሰባት ዘለዎም ኩሉ ሓዲጎም ንደቆም ድማ ክቕልብዎም ኣለዎም፣ ሩስያውያን ድማ ብዙሓት ቆልዑ እዮም ዘለውዎም እሞ ድኣ ህጂ እንታይ ይግበሩ?
እቶም ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕም ንኹል ነገራቶም ንድሕሪት ገዲፎም ኣብ ዶብ ሩስያን ቻይና ዝበጽሕ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ እዋን እቲ ናብትን ናብትን ብምባል ስራሕ ክረኽቡ ኣለዎም፣ ዝረኸብዎ ኣህላኺ ስራሕ ድማ ይሰርሑ ነበሩ ከምይሲ ተዋሓደ ቁራስ እንጌራ ተራኸቡ፣ ናይ ገዛ ወይ መዕቖቢ ጸገም እውን ኔርዎም እዩ፣ ኣብ ራሻ ጸገም ናይ ኣባይቲ ኔሩ እዩ ክሳብ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ፣ ስለዚ ኣብ ገለ ቦታ ክቕመጡ ኔርዎም ካብታ ዓዲ ውጽእ ኢሎም ኣብቲ ጎቦታት ብምፍሓር ባዓቲ ሰሪሖም ኣብኡ ንንውህ ዝበለ ጊዚያት ተቐመጡ፣