19
Fri, Apr
0 New Articles

ኣስላም ክርስቶስ እንክረኽቡ ከለዉ

Imapct of Gospel
Typography

አብ ማእከላይ ምብራቕ ሕቡእ ዝኾነ ሰውራ ጀሚሩ ይርከብ: ንብዙሓት ሙስሊም ድማ ብሕልምታትን ራእያትን ተደሪኾም ናብ ክርስቶስ ክመጹ ይገብሮም ኣሎ::

ወረ ውግእ ኣዝዩ ኣብ ዝበዝሓሉ ግዜ: ናይ እምነት ማዕበል አብ ናይ ሙስሊም ዓለም አዝዩ እንዳሰፍሐ ይኸይድ አሎ:: ሰዓብቲ እስልምና ናብ ክርስትና ምስ ተለወጡ ዝጽበዮም ተነጽሎ: ስደት ከምኡ ውን መስዋእቲ ዕሽሽ ብምባል አብ መሓመድ ዝነበሮም እምንቶ ሓዲጎም ንክርስቶስ ንምስዓብ ኣብ ምውሳን ይርከቡ:: ብሕልሚ: ራእይን ብዝግበር ተአምራትን: እዚ ማዕበል ናይ ምንቕቓሕ ንኣዝዮም ብዙሓት ሙስሊም ብሚልዮናት ዝቁጽሩ- ናብ መንግስቲ አምላኽ የምጽኦም ኣሎ::


ናይ ማእከላይ ምብራቕ ክኢላ: ጆኤል ሮዘንበርግ: ቁጽሪ አብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናብ ክርስቶስ ናይ ዝመጹ ሙስሊም አብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሙኻኑ ይገልጽ:: "እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ናይ ዝተለወጡ ድሕሪ መስከረም 9/11 አጋጢሙ" ይዕዘብ ጆኤል:: ገለ ካብቲ ዘጋጠመ ታሪኽ አብታ አብ መጋቢት 10 እትሕተም "ኢንሳይድ ዘ ረቮሉሽን" እትብል መጽሓፉ የሕቲሙዎ አሎ::

ገለ ኣብነታት ካብቶም ዝተለወጡ ብዙሓት ንምውካስ:

 ዝሓለፈ ፋሲካ አብ ቫቲካን ሲቲ: አብ ኢታሊ ቀንዲ ናይ ሙስሊም ጸሓፊ ዝኾነ ማግዲ አላም ዝተባህለ: ምስ ካልኦት 6 ሰባት ብጳጳስ በነዲክት XVI ተጠሚቖም::

ዝሓለፈ ነሓሰ: ቀደም ካብ ሱኒ ሙስሊም ዝነበረ: ኤሚር ካነር ዝተባህለ: ፕረሲደንት ናይታ ምስ Giorgia Baptist College ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ Truet McConnell ዝተባህለት ኮለጅ ክኸውን ተመሪጹ:: ካነር አብ ንኡስ ዕድሚኡ አብ 1982 ዝተለወጠ እዩ::

ኣብታ ካነር ዝተመርጸላ ሰሙን ድማ: ሞሳብ ሓሳን ዩሱፍ ዝተባህለ: ወዱ ነቲ አብ West Bank ዝተባህለ ክፋል ናይ ፍልስጤም ጸላዊ ናይ ሓማስ መራሒ ዝኾነ: 4 ዓመት ድሕሪ ምድሓኑ ብ ግህዶ ን ክርስትና ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ:: ንሱ ሕጂ አብ ሳን ዲየጎ ኣብ ትርከብ ኢቫንጀሊካል ቸርች እትበሃል ይመላለስ አሎ::

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ልኡኽ ናይ ኢራን ከም ዝበሎ: አዝዩ ብዙሕ ዝቑጽሮም ሙስሊም: ምስልምና ኣብ ብሕታዊ: ቁጠባዊ: መንፈሳውን ሓባራውን ሂወቶም ውድቀት ዘሳዓበሎም ሃይማኖት ምዃኑ ክስወጦም ጀሚሩ አሎ::

ቶም ዶይል ዝተባህለ: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዳይረክተር ናይ አብ ዳላስ ዝመደበረን 3 ፓርትነርስ (e3 Partners) ዝተባህለ ናይ ነጻ ሚስዮናት ወኪል: ናቱ ግሩፕ አስታት 127 በተክርስትያናት አብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ከም ዝተኸሉ ይዛረብ:: አዝዩ ዓቢ ፍጻሜ ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመት:: ኣስዒቡ: እዚ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ዜና ነቶም አብ ምዕራብ ዝርከቡ ክርስትያናት የተስኦምን ከምኡ ውን ማእከላይ ምብራቕ አርእስቲ ዜና ብሒቶሞ ናይ ዘለዉ ግብረ-ሽበራውያን ቦታ ጥራሕ ከም ዘይኮነ የርእዮም አሎ::

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሙስሊም: ካብ ሶርያ ጥራይ: ናብ ክርስቶስ መጽዮም ኣለው:" ዶይል ይገልጽ:: "ኩለን ምሳና ብ ሓባር ዘገልግላ ሚኒስትርታት እዚ ሓድሽ ምንቕቓሕ ምዃኑ ይዛረባ::"

ይኹንምበር: ሖርሞዝ ሻሪዓት ዝተባህለ ፓስተር ኣብ ካሊፎርኒያ ከምኡ ውን ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮፓን ናይ ዝመሓላለፍ ኢንተርናሽናል ኣንትዮች ሚኒስትሪስ (International Antioch Ministries) ዝተባህለ ናይ ተለቪዥን ኣገልግሎት ኣካያዲ: ቁጽሪ ናይ ዝደሓኑ ሰባት ብትኽክል ምግላጽ ኣጸጋሚ ሙኻኑ የጠንቅቕ:: ምኽንያቱ ይብል ንሱ: ኣብ ኢራን ዝርከባ ቤተክርስትያናት ቁጽሪ ናይቶም ዝተለወጡ ሙስሊም ካብ ምሕታም ስለ ዝቑጠባ:: "ቁጽሪ ዝተለወጡ ምጥቃስ ንመንግስቲ ኢራን ነታ አብ ኢራን እትርከብ ቤተክርስትያን ን ምስዳድ ስለ ዘተባብዖ:" ሻሪዓት ይምዕድ:: "ግናኸ: መርበብና ብ ቕልጡፍ ናህሪ ይዓቢ አሎ:: ኣብ ጸጽባሕ ናይ ዝካየድ ሓድሽ ሕልምታትን ራእያትን ከምኡ ውን ተአምራት ጸብጻብ አሎና::"

ብተውሳኺ: ኤል ያንሰን ዝተባህለ: አብ Open Doors International ዳይረክተር ናይ ርኽክብ: ከም ዝተዓዘቦ: ካብ ክርስቶስ ዝኾነ ሕልምታትን ራእያትን መጀመርታ መንፈሳዊ ጉዕዞ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ካብ ድሕረባይታ ምስልምና ዝተለወጡ መንቲ ምዃኑ ነቲ አብ ሰክረት ቢሊቨርስ (Secret Believers) እትብል ናይ 2007 መጽሓፉ ምስኦም ዝተገብረ ቃለመሕተት ብምውካስ ይዛረብ:: ቀጺሉ ያንሰን: ብድሕሪ ናብ ክርስቶስ ምምጾም ድማ ንጡፋት ወንጌላውያን ከም ዝኾኑ ይገልጽ::

ዝበዝሕ ግዜ ናይ ምስክርነት አገልግሎቶም ዝፍጽምሉ አገባብ ሓደ ን ሓደ እዩ:: እቲ ኣማኒ ነቲ ዝምስክረሉ ሰብ ወንጌል ዝቕበል እንተኾይኑ ንምፍላጥ ሕቶታት ይሓቶ:: "ተኸታታሊ ሕቶታት ይሓትዎ እሞ: እንተደኣ እቲ ሰብ ተጻራሪ ኮይኑ ረኺብሞ የቃርጹ:" ያንሰን ይገልጽ:: "ሓደ ኢማም ነበር ናይ ዘገልግሎም ዝነበረ አስታት 62 ሰባት መዝገብ ኔርዎ:: ሓደ ምስ ሓንቲ ናይ ግብረሽበራ ግሩፕ ኮይኑ ዝዓይ ዝነበረ ድማ ሕጂ ብኩርዓት ብዛዕባ እምነቱ ክምስክር ከሎ ረኺበዮ::"

ዋላ እካ እዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና አዝዩ ዘተስፍው ጸብጻብ እንተኾነ: ጹዑቕ ጸሎት ዘድልዮ መንፈሳዊ ውግእ ግና ተላዒሉ ይርከብ:: ዶይል ከም ዝብሎ "እቲ ዕዮ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ: እቲ ጸቕጢ ድማ ኣዝዩ ሓያል እዩ::"

ሮዘንበርግ: ሓደ ግዜ : ሓደ ካብቶም ቀንዲ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ እቶም 6 ሚልዮን ሙስሊም አብ ዓመት ናብ ክርስትና ዝልወጡ ሰባት አብ መደበር ቴለቪዥኝ ኣልጀዚራ ብ ሂ ከገልጽ ከሎ ተዓዚቡ:: "ኣብዚ ዞባ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ናይ ዝልወጡ ቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ: እዚ ነቶም መራሕቲ ሙስሊም ሕማም ርእሲ ኮይኑዎም ይርከብ:" ሮዘንበርግ ይገልጽ::

ተውፋይነት ናይዞም ሓደሽቲ ዝተለወጡ ሙስሊም አዝዩ ዘገርም እዩ:: ብፍላይ እኳ ነቲ ካብ ስድራቤቶምን ሕብረተሰቦምን ዝገጥሞም ተነጽሎ አብ ግምት ከትእትዎ ከለኻ:: ዮናታን ኦሎየደ ዝተባህለ: ኣብ ሎንዶን ናይ አትርከብ ግሎሪ ሃውስ (Glory House) ናይ ዝተባህለት ቤተክርስትያን ላዕለዋይ ተሓጋጋዚ ሳ: ኣብ ናይ ናይጀሪያ አብ ዝርከብ ናይ ሕክምና ቤት ትምህርቲ እናተማህረ ከሎ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ዝተለወጠ እዩ:: ንሱ ተነጽሎ ካብ ሕብረተሰብ እቲ ንሙስሊም ዝገጥሞም አዝዩ በዳሂ ጸገም ምዃኑ ይጠቅስ::

"ክብድህዎ አለዎም ... ነቲ የዕሩኽቶምን ስድራቤቶምን አብ ልዕሊኦም ዘንብርዎ ናይ ገበንን ሕፍረትን ስምዒታት:" ዮናታን ቀጺሉ ይብል:: "ሓደሓደ ግዜ እዚ ጸገም አዝዩ ልዕሊ ዓቕሞም ክኸውን ስለ ዝኸእል: ገሊኦም ክጻወሩዎ አይክእሉን: ንድሕሪት ድማ ይምለሱ::"

ብዙሓት ካልኦት ግና ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ ስደት እንዳገጠሞም ይዕገሱ:: ፑያ ብዝበሃል ስም ዝፍለጥ ሚስዮናዊ ከም ዝገልጾ ኣብ ኢራን ዝበዝሐ ተቓውሞ ካብ መንግስትን ካብተን መሳጊድን እዩ:: ንሱ ኣስዒቡ: እቲ ህዝቢ ብፍላይ ነቶም ናይ ሃይማኖት ፖሊስ ዝበሃሉ ከም ዝፈርሕ ይዛረብ::

"እዞም [ባሲጅ: ሙጃህዲን ከምኡ ውን ሰውራዊ ሓለዋ] ዝበሃሉ ብ ቁርኣን እዮም ዘመሓድሩ:: ንሳቶም ድማ እዮም ንስርዓት ሕጊ ብምጥሓስ አብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ናይ ማህረምትን ቅትለትን ዓመጽ ዝፍጽሙ:: ... እዚኦም ፈራዶ: ሓገግትን ፈጸምቲ ሕግን ክኾኑ ዝኽልክሎም አብ ርእሲ ዘይምህላዉ ብዛዕባ ዝፍጽምዎ ግፍዕታት ድማ ተሓታትነት የብሎምን::

ጸሎት አዝዩ አገዳሲ እዩ:: እንተኾነ ግና: ኣብ ኣመሪካ ዘለው ኣመንቲ ምእንትኦም ዘይኮነ ምስኦም ኮይኖም ክጽልዩ ከም ዝደልዩ ሰለስተ ሓደሽቲ ዝተለወጡ ግብጻውያን አብዚ ቀረባ ግዜ ን ያንሰን ገሊጾምሉ::

"ምእንታና እንተ ደኣ ጸሊኹም: ምእንቲ ድሕነትና ክትጽልዩ ኢኹም: እቲ ስደት ድማ ጠጠው ክብል እዩ::" ነገርዎ:: "ምሳና ኮይንኩም እንተ ደኣ ጸሊኹም: እቲ ስደት ከም ዝውስኽ ክንተኣማመን ክንክእል ኢና:: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናብ ክርስቶስ መታን ክመጹ ጸልዩ:: ተቓውሞ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና: ግናኸ ክሳዕ ሞት እሙናት ኮይና ክንርከብ ጸልዩልና::

ካብዚ ቀጺልና ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ምስክርነታት ናይቶም ካብ ምስልምና ናብ እምነት ክርስቶስ ዝተለወጡ አዝዮም ብዙሓት ሰባት ክንርኢ ኢና::

ማርያም ኣሳል

ወንጌላዊት ናይ ምስልምና ኮይና ንኣስታት 7 ዓመታት ዘገልገለት ማራያም ኣሳል: ን ብዙሓት ሰባት አብ ናይ እስልምና ሂወቶም እዙዝ ዝኾነ ሂወት ንምምራሕ ዘኸሎም አዝዩ ብዝሕ ጥቕስታት ናይ ቁርኣን ጸሎትን ምሂራ:: ለንስተይቲ ኣያቶላህ [ናይ ሸዓ ፖለቲካውን ሃይማኖታዊን መራሒት] ንምዃን ዝቐረበት እያ ኔራ:: ግናኸ ኣዲኣ ማልቲፕል ስክለሮሲስ (Multiple sclerosis) ዝበሃል ዓይነት ሕማም ምስ ሓመመት: "ን ነዊሕ ዘመን ሂወተይ አገልጊለካ:: አፈይ ሂበካ: ንስኻ ግና ኣደይ ከምዚ ክትከውን ሱቕ ኢልካ ትርኢ ኣለኻ?" ኢላ nab amlak ጸለየት::

ኩነታት ጥዕና ናይ ኣዲኣ ኣዝዩ እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን: ኣሳል ምስ እግዚአብሄር ጉህያ ነብሳ ክትቀትል መደበት:: ንሳን ኣዲኣን መደቀሲ ከኒናን ጋዝን ብምጥቃም ብሓባር ነብሰን ክቐትላ ድማ መደባ::

ቅድም ግና ቴለቪዥና ወልዕት እሞ: ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ (God is love) እትብል መደብ ከፈተት:: ኣሳል ቅድሚ ናብ ጋዝ ምብጽሓ ሓደ ፓስተር ኣብቲ መደብ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ ነበረ:: "ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንምንታይ ሎሚ ነብስኹም ንምቕታል ትውስኑ?...እቲ እንኣምኖ ኣምላኽ ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ ኣብታ ዘለኹማ ቦታ ህይወትኩም ክልውጥ እዩ: ምኽንያቱ ንሱ ህያው ኣምላኽን ኣምላኽ ፍቕርን ስለ ዝኾነ!"

ኣዝያ ዝተደነቐት ኣሳል: ንኽትሰምዕ ናብ ኮፍ መበሊኣ ተመልሰት:: ኣዲኣ ብወገና ሓሲኹም ኢኹም ንምባል ናብቲ መደበር ቴለቪዥን ክትድውል ደለየት:: ምስ ደወለት: ምስ ሓደ ፓስተር ንኣስታት 10 ደቓይቕ ድሕሪ ምዝራብ ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኣ ክትቅበሎ ወሰነት:: ብድሕርዚ: ኣሳል እንዳተወላወለት ነታ ቴሌፎን ኣልዒላ ተዛረበት:: ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ ንሳ ውን ክርስቶስ አብ ሂወታ ክኣቱ ተሰማምዐት:: ይኹንምበር: አብ ውሽጢ ሰሙን ዝኾነ ለውጢ እንተዘይሪኣ ነብሳ ክትቀትል መደበት:: ንጽባሒቱ ንግሆ ምስ ተንስአት ክሳዕ ምእማን ዝጨንቃ ኣብ ኣእምሮኣ ፍጹም ዝኾነ ሰላም ተሰምዓ:: ናብ ሕክምና ከይደን ቸክ ድሕሪ ምግባር ናይ ኣዲኣ MRI ወልሓደ ምልክት ናይቲ ዝነበራ ሕማም [ማልቲፕል ስክለሮሲስ] ከም ዘየርኣየ ምስ ተዓዘባ: ክርስቶስ ናይ ብሓቂ ሙኻኑ ፈለጠት::

"ድሕሪ ሰሙን: 10 ሰባት ናብ ገዛይ ዓዲመ ምስ መስከርኩሎም ናብ ክርስቶስ መጽዮም:" ኣሳል ትገልጽ:: "ብድሕሪኡ ናይ መጀመርታ ቸርች አብ ገዛይ ጀሚረ:: ኣምላኽ ይመስገን: ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን::"

 

 

ጀረማያ ካሚንግስ

ናይ ኢስላም ኔሽን (Nation of Islam) ኣዝዩ ዝተወፈየ ደራፋይ: ሕሉፍ ሓሊፉዎ ናይቲ ውድብ ኣርማ ኣብ መሸፈኒ ናይ ሃሮልድ መልቪን ከምኡ ውን ዘ ብሉ ኖትስ ዝተባህላ ኣልቡማት ዝገበረ: ሕጂ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንዳተንቀሳቐሰ ዘገልግል ን ኣስታት 280 ሽሕ ሙስሊም ናብ ክርስቶስ ዘምጽአ እዩ::

ጀረማያ ካሚንግስ ን 9 ዓመት ኣባል ናይ ሓንቲ ፖፕ ዝበሃል ዓይነት ሙዚቃ እትጻወት ጉጅለ ሙዚቃ እዩ ኔሩ:: ብድሕርዚ: ኣብ 1981 ምስ ጀነራል ሞቶርስ (General Motors) ዝተባህል ትካል ናይ መካይን ንምስራሕ ናብ ዳላስ ግዒዙ::

ንጡፍ ኣባል ናይ ኢስላም ኔሽን ብምንባሩ ምስ መራሒ ናይቲ ውድብ: ሉዊስ ፋራኻን: ንኽራኸብ ዕድል ረኺቡ እዩ:: ላዕለዋይ ካፕተይን ናይ ፋራኻን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ድማ: ካሚንግስ: ሚኒስተር ጀረማያ ፋርድ መሓመድ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኔሩ::

"ኣብ መጀመርታ ምስ ፋራኻን ምርኻብን ተማሃራይ ናቱ ሙኻንን ኣዝዩ ደስ ዝብል እዩ ኔሩ:" ካሚንግስ ይብል:: "ግናኸ ገለ ዝጎደለ ነገር ኔሩ: ከምቲ ዝጽበዮ ነበርኩ ኮይኑ አይረኸብኩዎን::"

ሓለቓ ናይ ኣዝዮም ብዙሓት ሓለውትን ሰራሕተኛታትን እካ እንተ ነበረ: ምስ ነብሱ ኣብ ምስትንታን ዘሕልፎ ብዙሕ ግዜ ግና ኔሩዎ:: ኣብ 1996 ድማ: ካሚንግስ: ናብቲ መሰረታዊ ትምርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክምለስ ብምውሳን ን 13 ወርሒ ዝኣክል ትምህርቲ መጽናዕቲ ክርስቶስ ወሲዱ::

አብ መወዳእታ ንመዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 23 ሓሙሽተ ግዜ አብ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ይገብር:: ድሕሪ 43 መዓልታት ድማ: ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ብምቕባል መንፈስ ቅዱስ ተመልአ::

ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ድማ ካብ ኢስላም ኔሽን ንምስንባት ደብዳበ ጸሓፈ::

"የሱስ ውሉድ ኣምላኽ ሙኻኑ ኣብ ስሙ ድማ ሓይሊ ከም ዘሎ ፈሊጠ:" ካሚንግስ ይጠቅስ::

ብድሕርዚ ኣመይዚንግ ላይፍ ዎርልድ ኣውትሪች (Amazing Life World Outreach) ዝተባህለ ናይ ወንጌል ወፍሪ አብ ኦርላንዶ, ፍሎሪዳ መስሪቱ ይርከብ:: ብዙሓት መጽሓፍቲ ውን ጽሒፉ ኣሎ:: ገለ ካብ ዝጸሓፈን መጽሓፍቲ: ን ዓለም ምብጻሕ (Reaching for the world) ከምኡ ውን ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቁርኣን ከም መሲሕ ምግላጽ (Reaviling Jesus Christ as the Messiah in the Koran) ይብላ::

"ካብ ቁርኣን የሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ከም ዝተወልደን ከምኡ ውን ኣብ ቁርኣን ዝርከቡ ታሪኽ ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዎም ርክብ ምሂረ አለኹ:" ይብል ካሚንግስ::

"እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ኣሎ: ግናኸ ወልሓደ ተቓውሞ አይረኸብኩን::"

ማርክ ጋብርየል

ቀደም ኢማም ከምኡ ውን ፕሮፌሰር ናይ ታሪኽ ዝነበረ ማርክ ጋብሪየል: ንብዙሓት ኣንበብቲ መጽሔት ካሪዝማ ሓድሽ አይኮነን:: ካብተን ሓሙሽተ ንሱ ዝጸሓፈን መጽሓፍ ናይ ሓንቲ ጽማቕ ኣቕሪብና ኔርና:: ቅድሚ ናብ ክርስቶስ ምምጽኡ: ስለምንታይ እዩ ታሪኽ ናይ ኢስላም ናዕባውን ደማውን ኣመጻጽኣ ዘለዎ: ኢሉ ብምዝራቡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተሰጊጉን ተኣሲሩን እዩ::

ጋብሪየል ዝብል ስም አሜሪካ ድሕሪ ምኻዱ ዝቐየሮ ስም እዩ:: ጋብርየል: ሓደ ንሕክምና ክብል ብዙሕ ግዜ ዝኸዶ ዝነበረ ፋርማሲስት ንከንብባ መብጽዓ ብምእታው ብዝሃቦ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ናብ ክርስቶስ መጽዩ:: ምሉእ ለይቲ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብባ ድሕሪ ምሕዳር ድማ ብፍላይ በቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ዘሎ መልእኽቲ ናይ የሱስ ተተንኪፉ ንክርስቶስ ክቕበሎ ወሰነ::

"ንሱ አዝዩ ፈቃር እዩ ኔሩ:" ጋብርየል የስተንትን:: "እዚ ድማ ኣንጻር ኢስላም እዩ::"

ጋብርየል አብ ህይወቱ ካብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ቅትለት ድሕሪ ምምላጡ ናብቲ ብነጻን ዘምልኸሉን ዝዛረበሉን ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ መጽዩ:: ምስቶም አብ ዓዱ ዝርከቡ አብ ሕቡኣት ቤተክርስትያናት ዝእከቡ ኣመንቲ ድማ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ይገልጽ::

እተን ንሱ ዝጸሓፈን መጽሓፍቲ ን ተኸላኸልቲ ኢስላም አዝየን ዘቖጠዓ እካ እንተ ኾና: ብፍላይ ግና እታ አብዚ ቀረባ እዋን ዘሕተማ: ኮፊ ዊዝ ዘ ፕሮፌት (Coffee With the Prophet): እትብል መጽሓፉ መሊሳ ከየነደረቶም አይክትተርፍን እያ:: ሽፋን ናይዛ መጽሓፍ ነቲ ንዘመናት ንመሓመድ ብስእሊ መልክዕ ምቕራጽ ዝውግድ ባህሊ ይጥሕስ::

ጋብርየል ናቱ ቤት ማሕተም መጽሓፍቲ ብምቛም ነታ መጽሓፍ ዝሓለፈ መስከረም ዘርጊሑዋ:: ናይ ዘመን ዝርርብ ምስ መሓመድ (Century Conversations With Muhammad) ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብምሃብ: ተኸታተልቲ መሓመድ ክሳዕ ክንደይ ንመሰረታዊ ሓሳብ ናይቲ ቅድሚ 1400 ዓመታት ዝተመስረተ ኢስላም ከም ዝሰሓትዎ ይገልጽ::

"ብዙሕ ምድንጋራት ተዓዚበ:" ጋብርየል ይዛረብ:: "ብዛዕባ ናይ ኢስላም ሓቅታት ዝፈልጥ ወልሓደ የለን:: ብዛዕባ እቶም ነዚ ሓቂ እዚ ዝነግሮም ሰብ ዝደልዩ ብዙሓት ኢስላም ይግደስ እየ:: ናይዚ ሃይማኖት መጻወድያ ጎይታ ዝብንጥሰሉ ግዜ ሕጂ እዩ::"

ሶፊያ ሓሲና

ሶፊያ ሓሲና ንክርስቶስ ክትስዕብ ካብ ትውስን ብዙሕ በዳሂ ፈተናታት ዝገጠማ እያ:: ህይወታ ብድኽነት: ብ ገዛ ምስኣን ከምኡ ውን ብ ርጉጽነት ብምስኣን አዝያ ዝተፈተነት እያ::

ወለዲ ሓሲና ብ ቆልዓኣ ከላ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም:: ኣኮኣ: ናይ መርከብ ካፒታኖ: ንከዕብያ ድማ ቃል አተወ:: እንተኾነ ግና ጻሊ አብ ስራሕ ብምንባሩ ንመምሃሪኣ ዝኸውን ገንዘብ ከፊሉ ምስ ሓትንኣ ንኽትቅመት ወሰዳ::

ኣዝያ ንፍዕቲ ተማሃሪት: ሓሲና ብዙሓት አመንቲ ዝኾኑ ተማሃሮ የዕሩኽ ገበረት:: ምስኣቶም ብዙሕ ግዜ ድሕሪ ምውሳድ ድማ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ክነግሩዋ ሓተተቶም::

ብድሕርዚ ንጎይታ ተቕበለት:: ግናኸ እቶም ተመሃሮ የዕሩኽታ ብመንፈስ ከዕብይዋን ክከታተሉዋን ዓቕሚ አይነበሮምን:: ምስ ብሕቡእ ዘገልግሉ ኣመንቲ (Underground Ministry) ርክብ ብምግባር ግና ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ኣርኣየት:: እቶም ሓለፍቲ ናይቲ ሕቡእ አገልግሎት (Underground Ministry) ድማ ኣብ ዘይእዋኡ ምእንቲ ከይትቃላዕ ውሳኔኣ ሕቡእ ክትገብሮ መዓድዋ::

ግናኸ ወላኳ ነቲ ዝነገሩዋ ማዕዳ እንተተኸተለት ነቲ ውሽጣዊ ለውጢ ግና ክትሓብኦ ኣይከአለትን:: ስድራቤታ ድማ ብተደጋጋሚ ን መስጊድ ምኻድ ከም ዘቃረጸቶ ምስ ረአዩ አብ ልዕሊኣ ጥርጣረ ከሕድሩ ጀመሩ:: ብተወሳኺ ውን ስለምንታይ ብዙሕ ግዜ ምስ ክርስትያናት የዕሩኽታ ግዜ ትወስድ ምንባራ ክፈልጡ ደለዩ::

ሓደ መዓልቲ: ሓሲና ምስ የዕሩኽታ ናይ ሕብረት ግዜ ኔርዋ አብ ዝኸደትሉ ግዜ: ስድራኣ አብ ቦርሳ ናታ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸቡ እሞ ብሕርቃን ኣብ ገዛ ክጽበዩዋ ጸንሑ:: ኣቦ ናይቲ ገዛ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ ከም ዝረኸበቶ ክፈልጥ ሓተታ:: ካብ መሓዛኣ ከም ዝረኸበቶ ምስ ነገርቶ ድማ ኣብ ልዕሊ ምስልምና ዘለዋ አሙንነት ንምርግጋጽ ክትመባጻዕ ገደዳ:: ክርስትያን ከም ዝኾነት ኣግህሂዳ ምስ ነገረቶ ግና ብሕርቃን ዝኣክል ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፊሎታት ብሓይሊ ቀደደ:: ንሂወታ ስለ ዝፈርሐት ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደመት:: ዋላኳ እንተ ዘይሰዓባ ናብቲ ገዛ ኢንተተመሊሳ ግና ከም ዝቀትሉዋ አፈራርሓ::

ሓሲና ሕጂ አብ ካፌ ኢንዳሰርሐት ምስ መሓዝኣ ትቕመጥ አላ:: ናይ ፋይናንስ ሓገዝ ካብ ኣኩኣ እንተ ረኺባ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ክትቅጽል ድማ ትሓስብ::እንተኾነ ግና ብዛዕባ እቲ ምስቶም ዘዕበዩዋ ስድራ ዘጋጠመ ኩነታት እንተ ነጊራቶ እንታይ ከም ዝብላ ትፈርህ::

ፈይሰል ማሊክ

ኣብ ፓኪስታን ዝተወልደ ሱኒ ካብ ዝተባህሉ ክፋል ሙስሊም እዩ:: ፋይሳል ማሊክ ብ 1994 አብ ዝተኻየደ ናይ ኣምወይ ኮንፈረንስ (Amway Convention) ክሳተፍ ከሎ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘርኢ ዝነበረ ሸቃጣይ እዩ ዝነበረ::

ካብቲ መጉልሒ ድምጺ "የሱስ ውሉድ ኣምላኽ እዩ" ዝብል ቃል ምስ መጸ: ብኡ ንብኡ "ጽዩፍ" ኢሉ ብልቡ ጨደረ:: ብልቡ ከመይ ጌሩ ነቶም ሰባት ናብ ኣላህ ከም ዘምጽኦም እንዳሓሰበ ከሎ ከኣ ሓይሊ ኣምላኽ አብ ውሽጡ ጥሒሱ ክኣቱ ተፈለጦ:: ንእግዚአብሄር እቶም ክስርትያናት ክፉኣት ሰባት ሙኻኖም ከም ዝሓሰበ ምስ ነገሮ ድማ "ኣይፋል: እዚኣቶም ደቀይ እዮም" ዝብል ንጹር ድምጺ ሰምዔ::

"ከምኡ እንዳበለኒ ከሎ እቲ ድምጺ ብኩልንተናይ ሓለፈ እሞ: ብምሉኡ ቅድሚኡ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ጠፍአ::" ማሊክ ብዛዕባ እዚ ህይወት ዝልውጥ ተመኩሮ ይዛረብ::

ኣብ ካናዳ አብ ሓደ ብሓንቲ ስድራ ዝውነን ገዛ ብዙሕ ድሕሪ ምቕማጡ ከኣ ናብ ፓኪስታን ተመሊሱ ምስ ስድራኡ ተዓረቐ:: ንቑሩብ ግዜ አብ ሸቐጥ ድሕሪ ምንጣፉ ግና: ወላኳ እኹል ትምህርቲ እንተ ዘይነበሮ: እቲ ምስ ክርስቶስ ዝነበሮ ፍቕሪ ናብ አገልግሎት ንኽጽመድ ደረኾ::

"እግዚኣብሄር ናብቲ ዕዮ ናቱ ከም ዝጽመድ ብምግባር አሚኑኒ:" ማሊክ ይብል:: ማሊክ: ኮቨናንት ኦፍ ላይፍ ሚኒስትሪስ ዝበሃል ማሕበር አብ ለዝብሪጅ: ኣልበርታ: ካናዳ ዝበሃል ቦታ መስሪቱ ይርከብ:: እቲ ዝገርም: አብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮለጃት ብዛዕባ ምስ ሙስሊም ርክብ ምግባር ውን ይምህር እየ::

ብተወሳኺ ማሊክ ኣርባዕት መጽሓፍቲ ሓቲሙ ይርከብ:: ሓንቲ ካብኣተን: ዕጫ ኢስላም አብ መወዳእታ ዘመን (The Destiny of Islam in the End Times) ትብል:: ገለ ካብ ዕላማታትቱ: ን ሰባት ሙስሊም ካብ ኣምላኽ ዝኾነ መብጽዓ: ንእሽማዒል ዝተአትወሉ: ከም ዘለዎም ንምርዳእ እዩ (ዘፍጥረት ምዕራፍ 21: 18 ትወከስ):: እታ መጽሓፍ ድሕሪ ምዝርግሓ: ካብ ብዙሓት ማሕበራት መጽሓፉ ድሕሪ ናይ 9/11 ፍጻመ ንመጀመርታ ግዜ ተስፋ ከም ዝሃበቶም ዝገልጽ መልእኽቲ ተቐቢሉ::

"እቲ ሰባት ዝነግሩኒ ካልእ ነገር ድማ: አብ ልዕሊ ሙስሊም እታ ካብ አምላኽ ዝኾነት ሰማያዊት ፍቕሪ ክትህልወና ብንስሓን ብጸሎትን ናብ ኣምላኽ ንቐርብ ኣለና ዝብል እዩ:" ማሊክ ይብል::

ራጊብ እስማዒል

ራጊብ እስማዒል በታ "ሮኬት" እትብል ደገፍቲ ኩዑሶ እግሪ ዝጽውዕዎ ሳጓ እዩ ብብዝሒ ዝፍለጥ:: ናይ ኖትረ ደይም (Notre Dame) እትበሃል አብ ፍትቦል ናሽናል ዝበሃል ሊግ ትነጥፍ ጋንታ ን 11 ዓመት ዝተጻወተ ኮኾብ ተጻዋታይ ድማ እዩ::

ብሰንኪ ዘጋጠሞ መስበርቲ ምጽዋት ኩዑሶ እግሪ ድሕሪ ምቁራጹ ድማ: ኣብ ናይ ካው ቦይስ ድሕሪ ጸወታ ዝግበር ምርኢት ይሰርሕ: አብ ናይ ሪያሊቲ ቲቪ መደብ ይሳተፍ ከምኡ ውን ንሰበይቱ አብቲ ክሪስትያን ረኮርዲንግ ካምፓኒ ዝበሃል ትካላ ይሕግዛ::

ኢስማዒል ምስ ተወልደ እዩ ኣስላም ዝኾነ:: ኣብኡ ድሕሪ እቲ አብ ጆርጅያ ዝተዓዘቦ ዓሌታውነት: እቲ አብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ዝኽተሉዎ ዝነበሩ ክርስትና ሓሶት ሙኻኑ ብምግምጋም ናብ ሙስሊም ዝተለወጠ እዩ::

እስማዒል ድማ ካብ ብህጻንነቱ ኣትሒዙ እምነቱ ብስርዓት ተተሓሓዞ::አብ መበል ታሽዓይ ዕድሚኡ: ንሱን ኣሕዋቱን ኣስታት 40 ሱራሕ (ምዕራፋት) ካብ ቁርኣን ኣጽኒዖም:: "ንእምነትና ኣጸቢቕና ተወፊናሉ ኔርና:" ይብል እስማዒል:;

እንተኾነ ግና: እቶም ብመንፈስ ተነቅፍቲ ቆልዑት ብራዕዲ ክሳቐዩ ጀመሩ:: ኣብኦም ነቶም አጋንንቲ ንምርሓቕ ኢሉ ዝገበሮ ኩሉ ፈተነታት ድማ ፈሸለ::

አቡኡ ድሕሪ ሙማቱ ግና ናብታ ኣባል ኣሰምብሊስ ኦፍ ጎድ ቸርች (Assemblies of God Church) ዝኾነት ዓባዩ ከደ እሞ ነገራት ክቕየሩ ጀመሩ:: ዓባዩ: ንሱን አሕዋቱን መግቢ ክበልዑ እንተኾይኖም: አብ ቤተክርስትያን ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ ከም ዘለዎም ገደደቶም::

ድሕሪ ናብ ክርስትና ምቅልዑ ድማ: እስማዒል: አብ መበል 13 ዕድሚኡ ንክርስቶስ ንኽቅበል ኣብቲ ብ ልዮን ፓቲሎ ዝተባህለ አገልጋሊ ዝተኻየደ ኮንሰርት ውሰነ:: ሽሕኳ ብድሕሪኡ ናብቲ ዝነበሮ ህይወት እንተተመልሰ አብ መበል 24 ዕድሚኡ ገንዘብ: ዝና: "ጽቡቕ ነገራት" ምድላይ ነቲ ብንእሽቶኡ ከሎ ዝሓለፎ ናይ ራዕዲ ናብራ ምድጋም ከም ምዃኑ በርሃሉ::

"ከምዚ በልኩ: ንህይወተይ ብሓንሳብ ክመልሳ ኣለኒ: ክርስቶስ ኣበይ አሎ?" እስማዒል ይዝክር:: "ከምዚ ምባለይ ነታ ቀጣን ነዋሕ መንገዲ ንክስዕብ መልሰትኒ::"

ሰባት ክሳዕ ሕጂ ሙስሊም ምህላው ወይ ከኣ ሃይማኖቱ ስለ ዝኾነ ናብ ሙስሊም ትቐይሩ ኢሎም ክዛረቡ ይሰምዕ:: ሰባት ናይ ምስልምና ጉዕዞኡ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ እንተሓቲቶሞ: ን ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣስላም ከም ዘይነበረ ይምልሰሎም:: "ምሒር ብምድናቕ ድማ ናባይ ይጥምቱ:" ኢስማዒል ይብል:: "ሓደሓደ ግዜ ምስክርነተይ ክሰምዑ ይደልዩ: ሓንሳእ ድማ ምእማኑ ጸጊሙዎም ይኸዱ::"

ዳቪድ ናስር

ወዱ ንላዕለዋይ ናይ ውትህድርና ሓላፊ: ዳቪድ ናስር: ድሕርቲ ኣብ 1979 ኣብ ኢራን ዘጋጠመ መንግስታዊ ዕልዋ ዘስዓበ ሲቪላዊ ሰውራ: ካብታ ሃገር ምስ ስድራኡ ሃደመ:: እቲ ዘገርም: ወላኳ እምነቶም ካብ ባህሊ ዝተላዕለ ይንበር: ንነብሶም ንጡፋት ሙስሊም ጌሮም ካብ ምቑጻር ኣየቋረጹን::

ድሕሪ ብዙሕ ምንቅስቓስ: አብ ኣላባማ ኣብ እትርከብ ወተሃደራዊት ከተማ ሰፈሩ:: አብኡ: ናስር: ምስቲ ሓድሽ ከባቢኡ ምቅዳው ጸገሞ::

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምውድኡ ድሕሪ ወርሒ: የዕሩኽቱ ኣብ ዝካፈሉላ ዝነበሩ ናይ ባፕቲስት ቤተክርስትያን ከደ:: በቲ ካብቲ ቅድም ዘናሽዎ ዝነበረ ወዲክላሱ ዝረኸቦ ሕውነታዊ ኣቀባብላ ተደሪኹ ድማ ተመሊሱ:: ወላኳ ካብ መንፈስ ቅዱስ ን ክርስቶስ ንክቕበል ዝመጾ ዝነበረ ጻውዒት አብ መጀመርታ ዕሽሽ እንተብሎ: ድሕሪ ክልተ ወርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ብምልዓል አብ ማቴዎስ ምዕራፍ 14 ብዛዕባ የሱስ ን ጴጥሮስ ብ ማየ ማያት ኪድ ክብሎ ከሎ አንበበ::

"እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ: ካብታ ጃልባ ንብዙሕ ካልእ ነገራት ኢልካ ትወጽእ ኣለኻ: ንዓይ ኢልካ ክትወጽእ ይሓተካ አለኹ:" ናስር ይብል:: "እግዚአብሄር በታ ምሸት ንርእሱ ብቓሉ ገሊጹለይ::"

ሰሙን ድሕርቲ ምስ ኣምላኽ ዝገበሮ ዝርርብ: ናስር አብ ናይ ፓስተራት ኮንፈረንስ ተዛረበ:: ምስ ከም በዓል ሪክ ስታንለይ (ሓዉ ን ኤልቪስ ፕረስለይ) ከምኡውን ምስ ጄይ ስትራክ እንዳገሸ ከገልግል ድማ ጀመረ:: ካብ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምምራቑ ድማ ዶክተር ናስር ምብጻሕ ወንጌል ትበሃል መስረተ:: ሎሚ አብ ዓመት ንአስታት 700 ሽሕ ህዝቢ ይዛረብ:: ብተወሳኺ ብዝሓት ባዕሉ ዘሕተመን መጽሓፍቲ ዘርጊሑ እዩ::

ካብ ስድራኡን ካልኦት ሙስሊምን ዝገጥሞ ዝነበረ ተቓውሞ ድሕሪ ምስጋሩ: ናስር አብዚ እዋን ብዙሕ ዝገጥሞ ተቓውሞ የብሉን:: ግናኸ: ገና ንብዙሓት ኢራናውያን ሙስሊም ናብ ክርስቶስ ከምጽእ ተስፋ ይገብር::

"ናይ ህዝበይ ቅንኣት ኣለኒ:" ይብል ናስር:: "ብዙሓት ኢራናውያን ኣብ ኣላባማ ዝቕመጡ አለው:: ኩሉ ግዜ ውን ካብ "ንክርስቶስ ክቕበል ይደሊ እየ: ግናኸ ብዛዕባ ካብ ስድራይ ክረኽቦ ዝኸእል ፈተና ይሰግእ እየ: ዝኾነ ምኽሪ ይህልወካ ዶ?" ዝብሉ ኢራናውያን ደብዳበ ይመጻኒ እዩ::

ናይ ናስር ኣብነት እንተደኣ ተኸቲሎም: ካብታ መርከብ ክወጹ እዮም::

ጆናታን ኦሎየደ

መራሒ ናይቲ አዝዩ ዝስጉም ዘሎ ናይ ጸሎት ምንቅስቓስ: አብ 2010 ነቲ አብ ለንደን ዝርከብ ስታድዩም ወምብሊ ብ አስታት 90 ሽሕ ኣመንቲ ክመልኣ ተስፋ ዝገብር: ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ አብ ናይጀርያ ዝተቕመጠ እንግሊዛዊ እዩ:: ጆናታን ኦሎየደ ናይ ግሎሪ ሃውስ (Glory House) ዝተባህለ: አብ ምብራቕ ለንደን ዝርከብ ብዝሕ ጨናፍር ዘለዎ አዝዩ ዓቢ ቸርች: ላዕለዋይ ተሓጋጋዚ ፓስተር እዩ:: ኣስታት 300 ሕብረታት ኣብዚ ሰሙን ምሉእ ብዘይ ምቁራጽ ዝካየድ ናይ ጸሎት ተበግሶ ይሳተፋ::

ኦሎየደ ኣብ ናይጀርያ አብ ዝርከብ ናይ ሕክምና ቤት ትምህርቲ ናይ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቱ እንዳተኸታተለ ከሎ ንክርስቶስ ዝተቐበለ እዩ:: ነቶም ንክርስቶስ ንክቕበል ብጸሎት ዝደገፉዎ ክርስትያናት ድማ የድንቕ:: መንፈስ ቅዱስ አብታ ጎይታ ዝተቐበለላ ምሸት እዩ ተቐቢሉ::

"መንፈስን ነፍስን ናይ ሓደ ሰብ: ምስ ኣምላኽ ክራኸብ ከሎ ይፍለጦ እዩ:" ይብል ኦሎየደ:: "ሓደ ክፍለጠኒ ዝኽእል ሙቐት ናይ ህላወ አምላኽ እዩ:: ውሽጣዊ ሰበይ ተቓጺሉ: ገለ ዝኾነ ነገር ድማ አብ ነብሰይ ህያው ኮይኑ መጺኡኒ::"

አብ 1991 ዲግሪ ድሕሪ ምቕባሉ ናብ ኢንግላንድ ናይ ክረምቲ ዙረት ንምግባር ከደ:: ዕላማኡ ናይ ሕክምና ክኢላ ኮይኑ ናብ ቻይና ከም ልኡኽ ንክኸይድ እዩ ኔሩ:: አብ ክንድኡ ግና: ኣምላኽ አብ ኢንግላንድ ዝነበረሉ ምኽንያት ንምጽኣት ክርስቶስ መገዲ ንኽጸርግ ምዃኑ ተዛረቦ::

ሓደ ካብቶም መስረትቲ ግሎሪ ሃውስ: ኦሎየደ: ኣባል ናይታ ቀዋሚት ናይ መሪሕነት ጉጅለ ኮይኑ: ካብ 1993 አትሒዙ አብ ዝተፈላለየ ፍሕታት መሪሕነት ኣገልጊሉ ኣሎ:: ብዛዕባ ሞያኡ ምቕያሩ ክዛረብ ከሎ: "ትምህርቲ መድሃኒት አብ ገልግሎተይ ከም መሰረት ሞዴል ናይ ስርዓት: ተወፋይነት ከምኡ ውን ፍልጠት ኮይኑ የገልግል ኣሎ:" ይብል::

ከም ኩሎም ብሕልምን ራእይን ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ሙስሊም: ኦሎየደ ብዙሕ ራእያት ርእዩ እዩ:: ንሱ ከም ዝብሎ: ቀንዲ ካብቲ ራእያት ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጽልዋ ዘለዎ ምንቕቓሕ እዩ::

"ኣምላኽ: ወልሓደ ሓድሽ ነገር ከይጅምር: ግናኸ ንሃገራውን ሓባራውን ጸሎት ከም ኣቀላጣፊ ኮይነ ክዓዪ ነጊሩኒ::" ይበል ንሱ::

ረዛ ሳፋ

ካብ ሽዓ ዝተባህሉ ክፋል ናይ ሙስሊም ዝኾነት ኢራናዊት: ረዛ ሳፋ: ድሕሪ ምስ ክልተ ናይ ካሪዝማውያን ሉተራን ሚስዮናውያን አብ ሽወደን ዘካየደቶ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እያ ናብ ክርስቶስ መጺኣ:: እቲ ምስኦም ዝገበሮ ዝርርብ "መሓመድ ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይኮነኸ" ኢሉ ክሓስብ ደረኾ::

"ንሽዱሽተ ርሒ ዝኣክል ክድቅስ ኣይከኣልኩን:" ይዝክር ረዛ:: "ሓደ ምሸት ከምዚ ኢለ ጸለኹ: "የሱስ: ንስኻ ውሉድ ኣምላኽ ዲኻ? ንርእስኻ ግለጸለይ እሞ ካብዚ ጭንቀት ኣውጽኣኒ::" ንጽባሒቱ: ንመጀምርታ ግዜ ድምጺ ኣምላኽ ሰማዕኩ....ከምዚ ዝብል: "ድሕሪ ሕጂ ምፍራሕ ኣየድልን እዩ:: ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ::"

ሳፋ ናብ ክርስቶስ ድሕሪ ምምጽኡ: ስድራኡ ነጸጉዎ:: ኩሎም ሙስሊም የዕሩኽቱ ድማ አባጨውሉ:: ሎሚ ድማ ናይ ሞት መጠንቀቕታ ይቕጽል::

እንተኾነ ግና በቲ ዝገጠሞ ፈተና ከይተሰናበደ ኣብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ብምምሃር ድማ ተንቀሳቓሲ ወንጌላዊ ኮነ:: ኣብ 1990 ድማ አብ ቱልሳ: ኦክላሃማ: ክቕመጥ ወሰነ:: ኣብኡ ድማ አብ ሬማ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማህረ:: አብ 1998 ድማ: ጎይታ አብ ዝመጽእ ኣዝዩ ዓቢ ምንቕቓሕ ዓቢ ተራ ከም ዝጻወት ነገሮ::

ድሕሪ 5 ዓመት ድማ ካብ ሓደ ሸቃጣይ 90 ሽሕ ዶላር ከም ዝቕበል: ንዕኡ ምስ ተቐበለ ድማ ካብቲ ገንዘብ እቲ 40 ሽሕ ዶላር አብ ናይ ቴለቪዥን መደም ከውዕሎ ነገሮ:: ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ድማ ኮነ:: ሳፋ: ብቋንቋ ፋርሲ ብዙሕ መደባት ከዳሉ ጀመረ:: ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ኢራናውያን ወነንቲ ናይ ሳተላይት ስቴሽናት ረኸበ:: ሓደ ካብኣቶም ድማ ካብኡ ናይ ፈነወ ግዜ (airtime) ክዕድግ አፍቀደሉ::

ናይ ሳፋ አብ ሰሙን ሓንሳእ እትመሓላለፍ ናይ 3 ሰዓት መደብ ምስ ትሪኒቲ ናይ ፈነወ መርበብ (Trinity Broadcasting Network) ብምሕባር ቲቢኤን ነጃት ኔትዎርክ (TBN Nejat Networks) ተባህለት:: እዚ ፈነወ ክሳዕ ኣውሮፓን ማእከላይ ምብራቕን ይዝርጋሕ:: ካብ መስከረም 1, 2006 ንንየው ጥራሕ እዛ መርበብ አስታት 300 ናይ ተለፎን ጻውዒትን ኢመይላትን አብ ሰሙን ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት እንዳተቐበለ ን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ንለውጢ ምኽንያት ኮይና ኣላ::

"ኣብ ኣሜሪካ: ናይ ወንጌል ኣፍደገ ንናይ ሙስሊም ዓለም ክኽፈተሎም ክንጽሊ ከም ዘለና ይኣምን:" ይብል ሳፋ:: " ኣምላኽ እዚ ሃይማኖት እዚ ብልክዕ እንታይ ሙኻኑ ክገልጾ ክንጽሊ የድልየና::"

                                                       THE - END