ናብ ዝኸበርኩም -----------------------------------------------------------------------------
ኣቐዲምና ሰላም ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን ንብል፡፡
ቀጺልና ከኣ ናይ ሕብረት ክርስትያናት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮፓ
ዝነበረ ኰንፈረንስ ኣብ ሮማ ካብ 23 - 29 August 2008 ጽቡቕ ሐሊፉ
ንኣምላኽ ነመስግን፡፡
ከምቲ ኩልግዜ ንገብሮ ናይ ፓስተራትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ኰንፈረንስ
( PASTORS CONFERENCE ) ኣብ ኢታሊ ከተማ ሮማ ካብ ዕለት 18 ዓ 22 NOV 2008 ፕሮግራም ክህልወና እዩ፡፡ ማለት ካብ ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስተያን ከክልተ ሰብ ጥራይ ብምምጻእ ዝካየድ ኣኼባ እዩ፡፡ ሰሉስ ዕለት 18 ኢታሊ ንኣትወሉ መዓልቲ ኰይኑ ቀዳም ዕለት 22 ከኣ ንምለሰሉ መዓልቲ እዩ፡፡
ናብዚ ኰንፈረንስ ንምምጻእ መደብ ክትገብሩ እሞ ቦታ መደቀሲ ክንሕዘልኩም ኣቐዲምኩም ካብ ሕጂ ሐብሩና፡፡ ናይ መወዳእታ ምዝገባ ክሳብ ዕለት 8 NOV 2008 ክንጽበየኩም ኢና፡፡
ሞ.ህ. ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዓልትታት ዝህልወና መደብ
1. ስልጠና ( ትምህርቲ ) ንመራሕቲ ቤተክርስትያን
2. ዓመታዊ ጸብጻብ ( ሪፖርት )
3. ሕቶን መልስን ( ርእይቶን ሐሳብን ) ለቕዘቀችዘዘቕተቦ
4. ምርጫ መራሕቲ
***** ከምቲ ናይ ዓሚ ኣብ ናይ ሻሂ ክፍለ ግዜ ብዙሕ ሰሐቕን ጸወታን
ዝነበረና ከምኡ ሒዝኩም ክትመጹ ከኣ ኣይትረስዑ *****
***** ክሳብ ሽዑ ኩላትና ብጸሎት እናተዘኻኸርና ብፍቕርን ብሐድነትን
ብናፍቖትን የራኽበና፡፡ *****
ሐፈሻዊ ሐበሬታ ምስ እትደልዩ ንፓስተር ኣብርሃለይ ( ለንደን) ተወከሱ፡፡
ጐይታ ይባርኸኩም፡፡
ዋና ፀሐፊ ሕ.ክ.ኤ.ኤ
ፓስተር ኣብርሃለይ ስዩም-------------------------
ደብዳቤ ሕ.ክ.ኤ.ኤ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode