ናብ ዝኸበርኩም ፍትዋት ተኻታተልቲ መርበብ ሓብሬታ ኤሪዎንጌል ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ሰላምን ጸጋን ንዓኻትኩም ይኹን። ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ መንፈሳዊ ፖሎቲካውን ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ዝተፈላለየ ዓዲ ይስደዱ ኣለዉ። ሓንቲ ካብታ ብብዝሒ ዝስደዱላ ዘለዉ ሃገር ከኣ ግብጺ እያ።
መንግስቲ ግብጺ ኸኣ ብጭካነ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግፍዒ ብምፍጻም እንሆ እኳ ንኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ መሊሳቶም ኣላ። ዕጫ እዞም ሰባት ኣብ ኤርትራ እንታይ ከም ዝኸውን ንኹላትን ርዱኡ እዩ መስለኒ።
ስለዚ ኩላትና ብዛዕባ እዞም ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዘለዉ ኣሕዋትና ኣምላኽ ሓለውኡን ረድእየቱን ከብዝሓሎም ንጸልየሎም። ኣምላኽ ብጽላሉ ከጽልሎምን ጸጋን ምጽንናዕን ከብዝሓሎም ንጸሊ። ንመንግስቲ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ክንዲ ብግፍዕን ብጭካነን ዝቕበሎም ብሰለማዊ መንገዲ ክቕበሎም ንጸሊ። ብሕጂ እውን መንግስቲ ግብጺ ንኣሽሓት ዝኣኽሉ ኤርትራውያን ካብ ግብጺ ክጥርዞም ምኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ስለዞም ኣሕዋት ብጸሎት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንቕረብ። መጽሓፍ ቁዱስና ንስደተኛታት ኣይትግፋዕ እዩ ዝብል እሞ መንግስቲ ግብጺ ብሰንኪ ኣብ ስደተኛታት ትገብሮ ዘላ ግፍዒ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዘሎ ክትፈልጥ ይግባእ። ብሓፈሻ ግና ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ዘለዉ ብእንኽእሎ ኩሉ ስሌኦም ደው ክንብል መርበብ ሓበሬታ ኤሪወንጌል ንኹሎም ተኸታተልታ ጻዊዒት ተቕርብ። ኣምላኽ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ይሓልዎም።
መጸዋዕታ ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode