ኣብ ከተማ ከረን 34 ኣምነቲ ክርስትያናት ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም። ፖሊስ መንግስቲ ኤርትራ ብግንቦት 28 እዩ ነዞም ሰባት ኣሲርዎም።
እቶም 24 ኣወዳትን 10 ኣዋልድን ዝርከብዎም ምእመናና ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ኣለዉ። ክብል ካምፓስ ዳይረክት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብ2002 ንቤተክርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ ብዙሓት ኣሕዋት ተኣሲሮምን ይእሰሩን ኣለዉ። ገለ ከኣ ብሰማእትነት ዝሓለፉ ኣለዉ። ስለዚ ኩላትና ብዛዕባ እዞም ብመከራን ስቓይን ዝሓልፉ ዘለዉ ኣሕዋት ንጸልየሎም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኣስሩ 25 ምእምነና እውን ናብ ወተሓደራዊ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱ ተረጋጊጹ ኣሎ። ስለዞም ኣብዚ ቕንያት ዝተኣስሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ኣበርቲዕና ንጸሊ።
መንግስቲ ኤርትራ 34 ዝኣኽሉ ክርስትያናት ኣሲሩ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode