23
Tue, Apr
0 New Articles

ስቅያት ሃና ንኽብሪ ኣምላኽ (Part 1)

Message 1
Typography
ብዛዕባ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ደቀንስትዮ ምስ እንርኢ፡ ዕውታትን ብርቱዓትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ምዃነን ምስጢር፡ ዓቢ ክእለተን ወይ ፍልጠተን፡ ትምህርተን ወይ ከኣ ዝነበረን ስልጣን ከምዘይኰነ ኢና እንመሃር። ኣዝየን ተራ ሰባት፡ ንጹህ ዝልበን፡ ብምሉእ ልበን ንኣምላኽ ዝኣምና ዝነበራ ኰይነን ከኣ ንረኽበን። ንሎሚ ሓንቲ ካብዘን ደቀንስትዮ እዚአን ኣብ 1ይ ሳሙኤል ኣብ ምዕራፋት ሓደን ክልተን ታሪኻ ዝንበብ ሃና ክንርኢ ኢና።

እዋን ሃና ዘመን መሳፍንቲ ኣብ እስራኤል እዩ ኔሩ። ኣብቲ ጊዜ'ቲ፡ እስራኤል ብሓያላት ሰራዊት ፍልስጤማውያን ኣዝያ ዝተሸገረትሉ እዋን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንፈሳዊ ውድቀትን ምንቁልቋልን ዝኣተወትሉ፡ ኣብ ታሪኻ ቅድሚኡ ኣጋጢሙ ብዘይፈልጥ ኩነታት መንፈሳዊ ባይታ ዝዘበጠትሉ እዋን እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ንዳርጋ ሓደ ሚእቲ (100) ዓመት በብቑሩብ ካብ ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ኣምልዀን ምርሓቓ እዩ።

1ይ ሳሙ. 3፡1 ‘’... በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን።’’ ኢሉ ይነግረና። እግዚኣብሄር ብቐጻሊ ይግለጸሎም ኣይነበረን። እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ብልሽዋት (ጥፉኣት) እዮም ኔሮም። ዅሉ ዓይነት ኣምልዀ ጣዖት፡ ርኽሰትን ባዕዳዊ ተግባራትን የዘውትሩ ኔሮም። ብተግባር ክርአ ከሎ'ውን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቶም ዓለማውያንን ዝነበረ ፍልልይ ኣዝዩ ሒደት እዩ ኔሩ። ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ከምኡዶ ኣይኰነን?

ነቲ ኩነታት ዘጋድድ ካልእ ከኣ ኣብ እዋን ሃና ነታ ሃገር ዝመርሑ ሓቀኛ/ቅኑዓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ዘይምንባሮም እዩ። እቲ እዋን ካብቶም ህዝቢ ኣምላኽ ደድሕሪ ኣምላኽ ንኽስዕብ ዝመርሑዎ ዓበይቲ ናይ ኣምላኽ ሰባትን መራሕቲን ዝዀኑ ዘመን ሙሴን እያሱን ኣዝዩ ዝረሓቐ እዋን እዩ ኔሩ። ኤሊ እቲ ካህን ኣሪጉ ነበረ። እቶም ካህናት ኸኣ ብልሽዋት እዮም ኔሮም ብፍላይ እኳ ደኣ ደቂ ኤሊ ሆፍንንን ፊንሃስን ኣዝዮም ስሱዓትን ርኹሳትን ኔሮም። ንሳቶም ኣብቲ ኣገልግሎት ክህነት እኳ እንተነበሩ ንኣምላኽ ኣይፈልጥዎን ነበሩ። ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት ናይቶም ክልተ መንእሰያት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓቢ ነበረ (2፡17)። ንሳቶም እቲ ስብሒ መስዋእቲ ቅድሚ ምሕራሩ ነቲ ብርንዶ ስጋ ብምሉኡ ይደልይዎ ነበሩ።

ኣብ 1ይ ሳሙ. 2፡22 ከምዚ ዝብል ቃል ነንብብ ‘’ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ። እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዝገበርዎ ኹሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዚድቅስወንን ሰምዔ።’’ ኤሊ ኸኣ ንደቁ ‘’ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ፡ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተበደሎ ግና መን የማልዶ?’’ በሎም። እቶም ደቁ ግና ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑን።

ኣብ ከባቢና ንልብና ዘኽብዱ ብዙሕ ነገራት ኣለዉ፡ ሰባት ብስስዐ ክብገሱን ዘይቅኑዕ ንምግባር ህርድግ ክብሉን ርኢና ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንታይ ክንገብር እዩ ዝግበኣና? ኣብ ከምዚ እዋንከ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ? ሓንሳብ ሓንሳብ በቲ ምድራዊ ዝዀነ ኣረኣእያና ኩሉ ነገር ተስፋ ዘቑርጽ ይመስል። ኣብ ገለ እዋን'ውን እቲ እኩይ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንናን፡ ኣብ ናይ ክርስትና ዓለምን ኣብ ሃገርናን ዝዕወት ዘሎ ኰይኑ ይስመዓና። ኣብ ጊዜ ዘመነ መሳፍንቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ጸዊዑን ፈልዩን ንካልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ክብሪ እግዚኣብሄር እተንጸባርቕ ብርሃን ክትከውን ይደሊ ኔሩ። ኣብ ዘመንና'ውን እግዚኣብሄር ቤተ ክርስትያን ክብሪ ኣምላኽ ንዓለም ከተንጸባርቕ ጸዊዑዋ'ሎ። ገለ እዋን ብርሃን ቤተ ክርስትያን ፈጺሙ ዝቐሃመ ኰይኑ ይረኣየካ። ልክዕ ከምዚ ‘’ናይ ኣህዛብ ሃይማኖታትን ክርስትያን ኢና በሃልቲ ተጀሃርቲ ስጋውያን ሰባት ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዙን ንማእከልነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዘእተውዎን ኰይኑ ይስመዓካ። ንሓይሊን ስልጣንን ዝስስዑ ሰባት ንቤተ ክርስትያን ከም ድልየቶም ጌሮም ክመርሕዋ ዝተበገሱን በዚ'ውን ዝተዓወቱሉ ኰይኑ ይረኣየካ። እዚ ኩነታት እዚ ናይታ ኣብ እዋን 1ይ ሳሙኤል ዝነበረት እስራኤል ሓቀኛ ኩነታት ዘንጸባርቕ ይመስል!

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ እዋናት እግዚኣብሄር ተራ ዝዀኑ፡ ምርኡያት ዘይኰኑ ግን ከኣ ንእኡ ዝኣመኑን ኣብ ህይወቶምን ብህይወቶምን ዕላም እግዚኣብሄር ንኽፍጸም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ንዕዮኡ ክመርጽን ክጥቀመሎምን ንርኢ። መብዛሕትኡ እዋን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣምላኽ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ኣይርድኦምን እዩ። ንሳቶም ኣብ ፍጹም ተስፋ ምቑራጽን ቅብጸትን ኰይኖም ‘’ኣምላኽ! በጃኻ ገለ ግበር!’’ ይብሉዎ። እዞም ሰባት ንኹሉ ከኣልነት እግዚኣብሄርን ንዕላማ እግዚኣብሄርን ኣብ ዝምብርከኹሉ እዋን ኣምላኽ ብእኦም ጌሩ ፍቓዱን ዕላምኡን ኣብ ቤተክርስትያኑን ኣብ ዓለምን ዝፍጽመሎም መሳርሒታት ኰይኖም ይርከቡ። እግዚኣብሄር ካብቲ ንሕና ክንርእዮ እንኽእል ንላዕሊ ዝዓበየ እዩ ዝርኢ። ንሱ ዕላማ ኣለዎ፡ ንእኡውን ክፍጽሞ እዩ። ብሓቂ ኸኣ ንሱ ዕላምኡ ኣብ ምትግባር እዩ ዘሎ። ንሱ ነዛ ጥፍእቲን ኣብ ውድቀት ዘላን ዓለም ይብጀዋን ብምንጋፍን ሓዳሽ ይገብራን ኩሉ ንኽብሩ ኸም ዝኸውን ይገብርን ኣሎ። ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ኣሎ።

እግዚኣብሄር ንሃና ክጥቀመላ መሪጹ

እግዚኣብሄር ብዙሕ እዋን ነቶም ዓያሹን ድኹማትን ንዑቓትን፡ ዋጋ የብሎምን ዝበልናዮም ነገራትን፡ ድኹም እምነት ዘለዎም ሰባትን ናይ ሃይማኖትñ ትምህርቲ ንዘይብሎም ሰባትን ይጥቀመሎም። ኣብ 1ይ ሳሙ. እግዚኣብሄር ንሃና ክሓርያ ከሎ ንርኢ። ‘’ሃና’’ ዝብል ቃል ትርጉሙ ‘’ጸጋ’’ ማለት እዩ። እዛ ሰብ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ጸጋ-ኣምላኽ መሳርሒት ኰይና። ክትጅምር ከላ ግና ዓባይ ናይ እምነት ሰብ ኰይና ኣይጀመረትን። ናብኡ ንክትበጽሕ ብኣዝዩ ጽንኩርን ነዊሕን ኩነታት ክትሓልፍ ኔርዋ። በዚ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትና ህይወትና ምስ ናይ ሃና ከነመሳስሎ ንኽእል።

ኣብ 1ይ ሳሙ. 1፡1-2 ‘’ኣብ ራማታይም-ጸፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ነበረ። ንሱ ክልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን’’ ይብለና። እታ ስድራ ኣብ ራማ ትነብር ነበረት። ራማ ካብቲ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝነበሮ ‘’ሽሎ’’ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ቦታ'ያ። ሰብኣይ ሃና ሌዋዊ እዩ ኔሩ። ኣብቲ ሒደት ሰባትን ሒደት ካህናትን ጥራይ እሙናት ዝነበሩሉ ዘበን ንሱ ዉፉይን ንእግዚኣብሄር እሙንን ነበረ። ዓመት መጸ ኤልቃና ከምቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝእዝዞ ክሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ክስውእን ካብ ከተማኡ ናብ ሽሎ ይድይብ ነበረ። ንስድርኡ'ውን ምስኡ ይወስዶም ነበረ። እታ ስድራ ኣብ መንጎ እቲ ብልሽውን ክፉእን ወለዶ እትነብር ንኣምላኽ እትሰግድን እተገልግልን ስድራ እያ ኔራ።

እታ ስድራ ዋላ'ኳ ብዙሕ ጽቡቕ ጐድንታት እንተነበራ ገለ ጸገማትሲ ኔርዋ እዩ። ቅድሚ ኹሉ ኤልቃና ክልተ ኣንስቲ እየን ኔረንኦ። ካልኣይቲ ሰበይቲ መመርዓዊኡ ምናልባት ካብታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ሃና ስለዘይወለደ ይኸውን። ኣብቲ እዋን፡ ሰብኣይ ሰበይቱ ዘይትወልድ እንተዀይና ምእንቲ ክትወልደሉ ካልኣይቲ ሰበይቲ ምምርዓው ልሙድ እዩ ኔሩ። እዚ ግና ኣብ ኣምላኽ ፍቑድ ኣይነበረን። ኣምላኽ ዘይፈቐዶ ነገር ክንገብር ከሎና መወዳእታና ከምዛ ናይ ኤልቃና ስድራ ባእሲ፡ ውጥረት፡ ምትህልላኽ፡ ቅንኢን ጽልኢን ይኸውን። ሃና ቀዳመይቲ ሰበይቲን ብኤልቃና ፍትውትን እያ ኔራ። ብመጻርርታ ጵኒና ግና ዝተናዕቀት ነበረት።

ኣብዚ፡ ናይ ሃና መኻን ምዃንን እቲ ዘይተፈጸመ ባህጊ ልባን ንርኢ። ኣብቲ እዋን'ቲ መኻን ምዃን ከም መርገም ናይ ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወትና ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ነገር ከምዘሎና ምልክት ተጌሩ ይውሰድ ኔሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሃና ስለምንታይ ከምዘይወለደት ዋላ ሓደ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበናን። እግዚኣብሄር መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ቃንዛ ናይ ልብና ዋላ ሓደ መግለጺ ኣይህበናን። ሓንሳብ ሓንሳብ እግዚኣብሄር ካብ ልዕልናኡን ዕቤቱን ተበጊሱ ዝገብሮ ነገራት ምስቲ ቓሉን መገድታቱን ዝገራጮ ኰይኑ ዝስመዓና እዋናት ውሑድ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ንህዝቡ እንተደኣ ተኣዚዞም ብውሉድ ከም ዝባርዀም ቃል ኣትዩሎም እዩ። ኣብ ዘዳ. 28፡11 ‘’...ኣብ ፍረ ከርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርኻን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ፡’’ ኣብዚ ፍሉይ ኩነታት ናይ ሃና ግና ከምቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ኩነታት እግዚኣብሄር ካብቲ ክቱር ድሌትን ንውሉድ ዝነበራ ጽምኣትን ዝዓበየ ሓሳብን ዕላማን ኣብ ህይወት ሃና ኔርዎ። ኣብቲ ፍሉይ ህሞት ናይ ህይወታ ሃና ክትሓስቦን ክትሓልሞን ካብ እትኽእሎ ንላዕሊ እግዚኣብሄር ዝበለጸ በረኸት ኣዳልዩላ ኔሩ።

እቲ ዘይተፈጸመ ሃረርታኻ

እቲ እትደልዮን ሃረር እትብሎ ዘሎኻን ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዘይተቐበልካዮ ነገር እንታይ እዩ? ብዛዕባ ገለ ነገር ጸሊኻሉ፡ ናብ እግዚኣብሄር ነቢዕካ ለሚንካዮ ኢኻ፡ ግን ከኣ ኣይተፈጸመን። ዋላ ሓደ መግለጺ ኸኣ ኣይረኸብካሉን። ንስኻ ግና ትግረም፡ ገለ ጌጋ ጌረዶ? ወዲቐዶ? ሓጢአዶ እኸውን? ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሪብካ ‘’ኣብ ህይወተይ ገለ ስለዝረኸብካለይ ዲኻ ትቐጽዓኒ ዘሎኻ?’’ ኢልካ ምሕታት ኣይጎድእን እዩ። ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ እትረኽቦ መልሲ ‘’ እዚ መቕጻዕቲ ኣይኰነን፡ እዚ ንኽብረይ ኢለ ዝገበርኩዎ እዩ፡ ኣነ ዕላማ፡ እወ! ሓደ ዕላማ ኣሎኒ፡ ናትካ ሃረርታ ዘይምፍጻሙ ድማ ኣካል ናይቲ ሓሳበይን ዕላማይን እዩ፡ ክትቅበሎ ኸ ትኽእልዶ? ስለምንታይ ንዝብል ሕቶኻ መልሲ ከይረኸብካሉ እቲ ዝዓበየ መደበይን ዕላማይን ይረኣየካዶሎ? ክትቅበሎ ኸ ትኽእልዶ?’’ ዝብል ይኸውን።

ኣስተውዕል! ህይወትካ ኣካል ናይቲ ዓቢ ታሪኽን ካባኻ ንላዕሊን እዩ። እዚ ዛንታ ብዛዕባና ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ መደብ ምብጃው ናይ እግዚኣብሄር፡ ነታ ንኡኡን ናቱን ዝዀነት ምድሪ ንምብጃው ዘለዎ መደብ'ዩ። መዝ 24፡1 ‘’...ምድሪን ምልኣታን፡ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም፡’’ ይብለና። ምድሪ እታ ጥፍእቲ ፕላኔት እያ፡ መደብ ኣምላኽ ድማ ነዛ ጥፍእቲ ምድሪ ናብኡ ክመልሳ ኣብ ልዕሊኣ ኸኣ ክነግስን ከም ንጉስ ክገዝኣን'ዩ። ምስቲ ንብዘላ ምድሪ ዝጠመተ ውጥን እግዚኣብሄር ከነረኣእዮ ከሎና፡ እቶም ዓበይቲ ኰይኖም ዝረኣዩና ዘይተፈጸሙ ሃረርታ ልብና ከምቲ እንሓስቦም ዓበይቲ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄር ነዞም ዘይተፈጸሙ ሃረርታ ልብና ወሲዱ ኣካል ናይቲ ንብዘላ ምድርና ክስዕርን ክገዝእን ከፍቅርን ዝመደቦ መደብ ክገብሮም ይደሊ። ዛንታ ናይ ሃና ማዕረ'ቲ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ትርግታ ልቢ እግዚኣብሄር ንምእማን ዝተገብረ ጻውዒት እዩ። ዋላ'ኳ እንተዝይተረደኣካን ንልብኻ ዘቑስል እንተመሰለን ንፍቓድ ኣምላኽ ንክትማረኽን ኣብ መደብ እግዚኣብሄር ናትካ ግደን ቦታን ንምፍላጥን ዝተገብረ ጻውዒት እዩ።

ሽግር ሃና በርቲዑ

መኻን ምዃና ከይኣክል ሃና ምስታ ፈራይት ዝዀነት መጻርርታ ጵኒና ክትጋደል ኔሩዋ። 1ይ ሳሙ. 1፡4 ጵኒና ኣወዳትን ኣዋልድን ከምዝነበሩዋ ይዛረብ። እዚ ኸኣ እንተወሓደ 4 ደቂ ኔሮማ ማለት እዩ። ነዚ ነገር እዚ ሃና ክትቅይሮ እትኽእል ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን፡ ግን ከኣ መዓልታዊ የሳቕያ ኔሩ። ቁ. 4-5 ከምዚ ይብለና ‘’እታ ኤልቃና ዝስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንኹሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሃቦም። ንሃና ግና እግዚኣብሄር ማህጸና ዓጽዩ ክነሱስ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሀባ።’’ በቲ ዘመን ንኣምላኽ ዝሰግዱ ሰባት መስዋእቲ ከቕርቡ ናብ ሺሎ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ይኸዱን ናይ ሰላም መስዋእቲን ናይ ምስጋና መስዋእቲን የቕርቡ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ካብቲ መስዋእቲ ግዲኦም ብሕብረት ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ከምዚ እዋን እዩ እምበኣር ኤልቃና ኣብ ልዕሊ ሃና ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ዝህባ ዝነበረ። ሃና ግና እዚ እኹል ኰይኑ ኣይረኸበቶን። ምኽንያቱ እቲ ካብ ኩሉ ኣብሊጻ ሃረር እትብሎ ዝነበረት ውላድ ስለዘይረኸበት።

ቁ. 5 ‘’እግዚኣብሄር ማህጸና ዓጽዩ ነበረ’’ ይብለና። ኣብ ገለ እዋናት እቲ ኣብ ውሽጥና ዝስመዓና ዝዓበየ ተስፋ ምቑራጽ ኣምላኽ ባዕሉ ብኸምኡ ክንሓልፍ ምፍቃዱ'ዩ። ኩነታትና ልዕሊ ቁጽጽርናን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ዘሎ ነገርን እዩ። ሰይጣን ከኣ እምበርዶ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ? ዝብል ጽላሎት ምጥርጣር ኣብ ኣእምሮና ይዘርእ። ብርግጽ የፍቅረኒ ድዩ? ብሓቂ እግዚኣብሄር ዝሓሊ እንተዀይኑ ብዛዕባ ኩነታተይ ገለ ነገርዶ ኣይምገበረን? እዚ ሓሳብ ኣብ ቁ. 6 ተደጊሙሎ ‘’እግዚኣብሄር ማህጸና ስለጽዓጸወ’’፡ እዚ መደብ እግዚኣብሄር የመልክት፡ ንሕና ንመደባት እግዚኣብሄር ምምብርካኽን ምፍቃርን፡ ሰናይን ቅዱስን ለባምነት ምዃኑ ክንፈልጥን፡ ኣምላኽ ዝሓስቦ እንታይ ምዃኑ እንተንፈልጥ ኔርና፡ ብርግጽ ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ከምእንሰማማዕ ክንሓስብ ይግባእ።{mospagebreak}

ሃረርታ ክህልወና ጌጋ ኣይኰነን። ግን ከኣ ብምርጫናን መገድታትናን ከይንኸይድን ንልዕልናን ንምርጫ ኣምላኽን ክንሰግ ፈቓደኛታት ክንከውን ይግበኣና። እቲ መፍትሒ ብብርክና ሰጊድና ‘’ኣምላኸይ እዚ ናትካ ምርጫ እዩ፡ ንስኻ መደባትን ዕላማን ኣሎካ። ኣነ ክርእዮምን ክርድኦምን ኣይከኣልኩን፡ ግን ከኣ ይቕበሎም ኣሎኹ። መደባትካ ብሓጎስ እቕበሎ፡ ንልዕልናኻ'ውን እማረኽ ኣሎኹ’’ ክንብል ጥራይ'ዩ።

ናብ ሃና ክንምለስ ከሎና፡ ጵኒና ፈራይት፡ ሃና ድማ መኻን ምዃነን ጥራይ ኣይነበረን ሽግረን። ጵኒና ጨካን መጻርርታ ኰይና ደኣ ነበረት። ኣብ ቁ.6 መጻርርቲ ሃና ተዀርያ ነበረት ይብለና እዚ ‘’ተጻራሪ’’ ዝብል ቃል ‘’ሽግር’’ ተባሂሉውን ክትርጎም ይከኣል። ኣብ ህይወትካ ዘቖጥዓካን ዘዀርየካን ‘’መሸገሪ’’ ሰብ ኣሎዶ? ናይ ሃና ኩነታት ናይ ሓደ መዓልቲ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ቁ. 7 እቲ ኩነታት ዓመት ንዓመት ይቕጽል ከምዝነበረ ይነግረና። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዝድይቡሉ እዋናት ጵኒና ንሃና ከተዀርያ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት።

ኣምላኽ ነዊሕ ንዝቐጸለ ስቅያትና ተጠቂሙ ነቲ ብኻልእ መገዲ ከነውጽኦ ዘይንኽእሎ ኣብ ልብና ዝተደጐለ ነገር ቀሊዑ የውጽኦ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ናይ ስቅያት ዘበንና ዝተዓቑረ ነገራትና ይገሃድ። ሃቐናና፡ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ምባልና፡ እዝዩ ጸቢብን ድሩትን ዝዀነ ራኢና፡ ኣነ ኣብዛ ዓለም ምንባረይ ንርእሰይን ንሓሳባተይን መደባተይን እዩ ዝብሉ ድጉላት ነገራት፡ እዘን ነገራት ሓንሳብ ሓንሳብ ንነዊሕ ዝቐጸለ ስቅያትን ተስፋ ምቑራጽን ክሳብ ዘጋጥመና ኣይንርእየንን ኢና። እግዚኣብሄር ንኸምዚ ዓይነት ስቓይ ልብና ንምጽራይን ንምንጻህን ይጥቀመሉ። ንሱ ሃና ንልዕልናኡ ንኽትግዛእን ህይወታ ኣብ እግዚኣብሄር ንኸተማእክል ይሰርሓ ኔሩ። እግዚኣብሄር እዚ ናይ ህይወት ለውጢ ኣብ ሃና ንኽመጽእ ብነዊሕ ስቅያት ክትሓልፍን ኣዝያ ክትጸሪን ከምዝግብኣ ይፈልጥ ኔሩ።

ኣምላኽ መደባቱ ኣብ ህይወትናን ኣብ ልብናን ብህይወትናን ብልብናን ከተግብርን ክፍጽምን ካብ ዝጥቀመሎም ባእታታት ሓደ ‘’ጊዜ’’ እዩ። በተን ዓመታት እቲአን ልክዕ ኣነን ንስኻን ዋላኳ ኣበርቲዕና እንተጸለና ዘይቅየሩን ንህይወትና ኣዝየን ዝሃሰያናን ዘሳቐያናን ነገራት ኣግሊሱ ይልዉጠና ከምዘሎ ንሃና ኸኣ ከምኡ ይልዉጣ ኔሩ። እግዚኣብሄር ነዘን ስቅያት ዝመልኣ ነዋሕቲ ዓመታት ንልብና ክመርሓለንን ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ናይ መጻኢ መደባቱን ዕላምኡን ከዳልወና ይጥቀመሎም'ዩ።

ዓመት መጸት ሃና ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ እትድይበሉ ዝነበረት እዋን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ርኽሰትን ዕልወትን ክትፈልጥን ክትመሃርን ክኢላ እያ። ኣነ ይኣምን! ሃና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ካብ ብውልቃዊ ሽግራትን፡ ውልቃዊ መደባታን ፍቓድ ርእሳን ምሕሳብ ወጺኣ ካብ ኩነታታ ንላዕሊ ብኻልእ ነገር ልባ ክጉሂ ጀሚሩ። ራእያ ካብ ውልቃውነት ወጺኡ ክገፍሕን ክዓቢን፡ እግዚኣብሄር  ኣብ ልቢ እዛ ሰበይቲ ራእይ መንግስቲ ኣምላኽ ከስፍር እዩ ጀሚሩ። ካብ ውልቃዊ ሓሳባታን መደባታን ወጻኢ ምእንቲ'ቲ ዝሰፍሐን ዝዓበየ ነገራትን ንሱ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽ ክትጸምእን ሃረር ክትብልን ኣኽኢልዋ። እግዚኣብሄር ንሃና ነታ ሃገር ካብ መገዲ ሓጢñኣት ኣውጺኡ ዝመርሕን ክብሪ ኣምላኽ ኣብታ ሃገር ንክሕደስ ዝገብርን መራሒ ንዝዀነ ውሉድ ብቕዕቲ ኣደ ንኽትከውን የዳልዋን፡ ይሰርሓን ነበረ።{mosimage}

ይቅጽል


Hannah – A Passion for The Glory Of God  ብዝብል ኣርእስቲ  ብ Nancy Leigh DeMoss  ተዳልዩ ኣብ Herald Of His Coming, July 2005  2005 ካብ ዝወጸ ጽሑፍ ተወሲዱ ዝተተርጎመ