19
Fri, Apr
0 New Articles

ሓርነት ዘውጽእ ሓቂ

Message 1
Typography

ኣብ ያዕቆብ 1=12-15 ሃዋርያ ያዕቆብ ብዛዕባ ሓጥያትን ፈተናን ይዛረብ ፥ከምዚ ይብል ንሓጥያት ምስዓር እንተ ቐጺልካ ሓደ ምዓልቲ ካብ ኣምላኽ ኣኽሊል ህይወት ክትቅበል ኢኻ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ክኣ ተስፋ ሂብዎም እዩ፥እዚ ክኣ እንታይ ይምህረና ነፍቅሮ እንተ ኾይና ንኹሉ ፈተናታት ሓጥያት ንቃላሶ ኢና።

"ዕፉ ብልዕሊ ርእስኻ ከይትበርር ክትክልክላ ኣይትኽእልን ኢኻ ፥ግናኸ ኣብ ጸግሩኻ ሰፈር ከይትሰርሕ ክትክልክላ ትክእል ኢኻ" ፈተና ናባኻ ክመጽእ ከሎ ከምዚ ኢሊካ ኣይትሕተቶ፥ኣምላኽ ስለ ምንታይ እዚ ፈተና ሰዲድካለይ ? ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ኣይፍትንን እዩ "ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል" (ያዕቆብ 1=13)

እሞኸ ድኣ መን እዩ ዝፍትነካ ዘሎ ? ሰይጣን እዩ ብድሌታት ናይ ስጋኻ ገይሩ፥ ምኽንያቱ ክኣ ካብ ግዜ ቆልዕነትና ጀሚርና ቡዙሕ ዓመታት ኩሉና ብድሌታት ስጋና ኢና ንመላለስ ነይርና፥እምብኣር ሰይጣን በዞም ድሌታት ናይ ስጋና ጌይሩ ክፍትነና ይኽእል እዩ።ሃገር ኣብ ኩናት እንተላ ጸላኢ ብምስጢር ሰለይቶም ናብታ ሃገር ይሰዱ እዮም ካብ ውሽጢ ዕንወት ንኸብጽሑ ስለዚ ምስ ሰይጣን ውን ከምኡ እዩ ፥ኣብ ውሽጥና ዘሎዉ ሰለይቲ ሰይጣን ከነለልዮም ኣሎና፥ ዘይኣምላኻዎ ድሌታት ኣብ ስጋ ዘሎዉ ምስ ሰይጣን ዝተሰለፉ፥ቅተሎም ክሳብ ሞት። እቶም ኣብ ውሽጢ ዘሎዎ ሰለይቲ ሰይጣን ማለት ድሌታት ስጋ እንድሕር ቀቲልካዮም ፥ኣብቲ ምስ ሰይጣን እትገብሮ ዓውደ ኩናት ብርቱዕ ክትከውን ኢኻ።

ሓጥያት እትሰርሕ ኣእምሮኻ ምስ ጌጋ ድሌታት ዝሓጠኻዮ ምስ እትሰማማዕ ጥራይ እዩ፥ ክሳብ ሽዑ ግን ኩሉ ናብ ሓሳብካ ዝመጽእ ፈተና ጥራይ እዩ፥ንኣብነት ኣብ ጎደና እናኸድካ ከሎኻ ሓደ ክፍትነካ ዝክእል ትርኢ እዚ ሓጥያት ኣይኮነን እዚ ፈተና እዩ፥ግናኸ ደጊምካ ትሪኦ እንተ ኾንካ እዚ ሓጥያት እዩ፥ እቲ ናይ መጀመሪያ ቆላሕታ ፈተና እዩ ፥እቲ ካልኣይ ቆላሕታ ግን ሓጥያት ይኸውን።እቲ ቀዳማይ ከነርሕቖ ኣይንኽእልን ኢና እቲ ምክንያት ክኣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣዚዩ ክፉእ እዩ ፣ኮይኑ ግን ምስቲ ክፉእ ክንሰማማዕ ወይ ከይንሰማማዕ ንኽእል ኢና።

እዚ ነገር ከምቲ ቆልዓ ክጥነስ ከሎ ተመሳሳሊ እዩ ነዚ መንፈስ ቅዱስ ከም ኣብነት ዝተጠቀመሉ እዩ፣ኣእምሮኻ ምስ ጌጋ ዝኾነ ድሌታት ስጋ ክሰማማዕ ከሎ እዚ ልክዕ ሰበይቲ ንጾታዊ ርክብ ንሰብኣይ ኣካል ክትህብ ክትሰማማዕ ከሎ እዩ ሽዑ ኽኣ ጥንሲ ይፍጠር፥ግናኸ ሰበይቲ ንሰብኣይ ኣካላ ክትህቦ እንተ ዘይፈቒዳ ዝፍጠር ጥንሲ የልቦን፥ከምኡ ኽኣ እንተድኣ ንፈተና ነጺግካዮ ኣኣምሮኻ ውን ምስቲ ጌጋ ድሌት ክሰማማዕ ኣንተ ዘይፈቒዱ ፥ሽዑ ሓጥያት ዝብሃል የለን።

ሓደ ሰብ ከዚ ኢሉ ኣሎ " ይዕዋፍ ብልዒሊ ርእስኻ ከይበራ ክትክልክለን ኣይትኽእልን ኢኻ ፥ግናኸ ኣብ ጸጉርኻ ሰፈር ከይሰርሓ ደው ከተብለን ትኽእል ኢኻ" እተን ይዕዋፍ ብልዕሊ ርእስኻ ዝበራ እቲ ናይ ሓጥያት ፈተና እዩ ፥ብዙሓት ሕማቕ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ዝመጹ ፤እዚኦም ብቕጽበት እንተ ነጺግካዮም ሓጥያት ኣይኮኑን እዚኦም ፈተናታት እዮም።ኮይኑ ግን በዞም ናብ ኣእምሮኻ ዝመጹ ክፉእ ሓሳባት ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ትኹን ክትሕጎስ እንተ መሪጽካ ሽዑ ነተን ይዕዋፍ ኣብ ኣእምሮኻ ሰፈረን ክሰርሓ ኣፍቂድካ ኣሎኻ ማለት እዩ ፥በዚ ኽኣ ሓጥይታ ሰሪሕኻ ኣለኻ።

ሰይጣን ውን ንጎይታ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኡ ብምቕማጥ ኣብ በረኻ ፈቲንዎ እዩ ግናኸ የሱስ ኣብ ኩሉ ነቲ ፈተና ነጺግዎ በዚኽኣ ሓጥያት ኣይሰርሔን ፥ስለዚ በዚ ተስፋ ኣይትቑረጽ ምኽንያቱ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ምምጻእ ክቕጽሉ እዮም ፈተናታት ጥራይ እዮም፥ነዞም ሓሳባት ተቐቢልካ ብእዉን እንተ ተሓጊስካ ጥራይ እዩ ሓጥያት ዝኾኑ ጥንሲ ምስ ተፈጠረ ጥራይ እዩ ሓጥያት ዝውለድ ስለዚ ነዚ ምፍላጥ ኣዚዩ እዩ ሓራ ዘውጻና ፥ጥንሲ ዘይልቦ እንተ ኾይኑ ቆልዓ ውን የለን ፥ናይ መወዳእታ ውጽኢት ሓጥያት መንፈሳዊ ሞት እዩ "ደሓር ትምኒት ምስጠነሰት ንሓጢኣት ትወልዶ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ ንሞት ይወልዶ" (ያዕቆብ 1=15) ስለዚ ብዛዕባ እዚ ነገር ክንታለል የብልናን "ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ ኣይትስሐቱ (ያዕቆብ 1=16)።

ትርጉም ዮሴፍ ደስታ

Translated by Yosief Desta