19
Fri, Apr
0 New Articles

ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይትእትወና

Message 1
Typography

ኣብ ማቴ 6=13 ጎይታና የሱስ ከምዚ ኢልና ክንጽሊ ምሂሩና " ካብ ክፉእ ኣድሕነናን እምበር ናብ ፈተና ኣይትእትዎና" ሓቀኛ ቅድስና ውጺኢት ናይ ቃልሲ እዩ ፥ናብ ኣብ ኩርሲ ኢዱ ኣጣሚሩ ኮፍ ዝብልን፣ ኣብ ዓራት ኮይኑ ብናይ ሓሳባት ዕንባባ ናብ ሰማያት ዝኸይድ ክርስትያን ኣይመጽእን እዩ ቁዱሳት እንኸውን ምስ ፍትወታት ስጋናን ሰይጣን ምስ እንቃለስ ጥራይ እዩ ።

ከምዚ ኢሉና ምናልባት ንሓትት ንኸውን "ስይጣን ንቅድስናን ክሳብ ክንድዚ ከልካሊ ካብ ኮነ ኣምላኽ ስለ ምንታይ ዘይጥፋኦ? እቲ መልሲ ሰይጣን ኣብ መንፈሳዊ ዕቤትና ከም ኣገድሲ ክግለጽ ይክኣል ከም ሓዊ ወርቂ ንምኹላዕ ኣድላዪ ዝኾነ ፥ጭዋዳታትና ተረርቲ ዝኾኑ ንዕኦም ዝብድሆም ነገር ክረኽቡ ከለው እዩ፥ እንተ ዘይክይኑ ሮጎድትን ስሩዕ ዘይኮነ ኣካላት ሒዝና ኢና እንተርፍ ፥ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ክኣ ከምኡ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዝብድሃና ክንረክብ የድሌና ፥ስለዚ እዩ ክኣ ኣምላኽ ሰይጣን ክፍትነና ዘፍቅደሉ።

 ኣዳም የዋህን ዘይጓዳእን እዩ ነይሩ ኮይኑ ግን የዋህን ዘይጓዳእን ሙዃን ቅድስና ኣይኮነን ኣዳም የዋህ ኮይኑ ሙሉእ ዘመኑ ቁዱስ ከይኮነ ምጸንሔ እንተ ዘይፍተን ነይሩ ፣የዋህ ዘይጓዳእ ሙዃን ኩነት ጸጊዒ ዘይምህላው እዩ፥ ካብዚ ኩነት ጸግዒ ዘይብሉ ኣውንታዊ ቁዱስ ንክኸውን ኣዳም ምርጩኡ ክለማመድ ነይርዎ ፥ከምዚ ክብል ነይርዎ "እምቢ" ንፈተና፥ "ሕራይ" ንኣምላኽ በዚ ጥራይ እዩ ቁዱስ ክኸውን ዝኽእል በዚ ውን ክፍተን ነይርዎ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ "እምቢ " ንኣምላኽ ኢሉ።

ጎይታና የሱስ ውን ከምዚ ከማና ብኹሉ ነገር ተፈቲኑ እዩ (እብ 4=15) ግናኸ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጉኡን ኣዳምን ዝነበረ ጎይታ ኩሉ ግዜ "እሺ" ንኣምላኽ ይብል ብምንባሩ እዩ እቲ ዓይነት ሰብኣይ ክኾኖ ዘሎዎ ኩሉ ሰብ ኣምላኽ ዝደልዮ የሱስ ምእዛዝ ብስቅያቱ ክምሃር ነይርዎ ፈተና ገጢምዎ ሲዒሩ ኽኣ በዚ ኽኣ ፍጹም ኮይኑ "ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም" ስለዚ እዩ ኽኣ የሱስ ንደቀመዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ "ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ (ዮው 17=15) ደቂ መዝሙሩ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸቕጥን ፥መከራን፥ፈተና እንተ ዝውሰዱ ነይሮም ቅዱሳት ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ጎይታ ፍጹም ይፈልጥ ነይሩ እዩ ፥ ኣብ ሞንጎ ፈተናን ሓጥያትን ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጥ ይግባእ እዩ፥እንተ ድኣ ብዝርኣናዮ ኣጋጣሚ ብሓደ ነገር እንተ ተፈቲና እዚ ሓጥያት ኣይኮነን።

ብሓጥያት ስለ ዝተፈተና ኣምላኽ ከም ገበነኛታታ ኣይቆጽረናን እዩ፥ ግናኸ ብርግጽ ንፈተና ክንቋወም የድሌና እዩ ፥ ከምቲ ሓደ ሰብ ዝበሎ "ንይዕዋፍ ብልዕሊ ርእሰይ ከይበራ ክኽልክለን ኣይክእልን እየ ግናኸ ኣብ ጸግረይ ሰፈር ከይሰርሓ ክኽልክለን ይኽእል እየ " ፈተና ናባኻ ከየመጽእ ክትክልክሎ ኣይትኽእልን ኢኻ ኮይኑ ግን ኣብ ኣእሙሮኻ ከይቅመጥ ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ።

ቃል ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ብርቱዓት ሙኳናንኽንፈልጥ ብዙሕ ፈተናታት ከጋጡሙና እዮም ኢሉ ኣይምህርን እዩ ፥ኣይኮነን፣ ካብ ፈተና ክንሃድም ኣሎና፥ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካብቲ ዝፍትኖ ነገራት ክሃድም ነጊርዎ እዩ "ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ(2 ጢሞ 2=22) ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ክንሃድም ኣሎ፥ናብ ብእትገብሮ እቲዛሮቦ ንጾታዊ ርክብ እትዕድመካ ሰበይቲ ህደም፥ካብ ዝኾነ ነገር ካብ ኣምላኽ ንክርሕቐካ ዝመርሓካ ዘበለ ህደም።

ኣረኣእያና ኣብ ልዕሊ ፈተና ናይ ሓጥያት ከምዚ ክኸውን ኣሎዎ " ካብዚ ፈተና ኣዚየ ርሒቐ ክኸደሉ ክሳብ ዝኽእል ርእሰይ ክሕሉ ኣሎኒ" ከም ንእሽተይ ቆልዑት ኣብ ገምገም ጸድፊ ከይወደቑ ምእንቲ ክኸዱ ክሳብ ክንደይ ክስጉሙ ከም ዝኽእሉ ዝፍትኑ፥ ወይ ባቡር እናተጓዓዘት ከላ ከይሃረመቶም ክሳብ ክንደይ ደው ክብሉ ይኽእሉ ፥ እዚ ነገር ዝኾነ ወላዲ ንውሉዱ ዝመኽሮ ኣይኮነን ፥ንደቅና ካብ ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ክርሕቑ ኢና እንነግሮም እንምዕዶምን ፥ ኣምላኽ ዝነግረና ውን እዚ እዩ።

እዚ ሕቶ ብሓቂ ማለት " ኣቦ ኣዚዩ ዝኸብደኒ ፈተና ንኽገጥመኒ ኣይትፍቀድ" እዚ ኣውያት ናይ ሓደ ስጋኡ ዱኹም ሙኳኑ ዝፍልጥ እዩ፥ ከም እውን በቐሊሉ ክወድቕ ከም ዝኽእል ዝተረድኤ እዩ ካብዚ ጸሎት ተመሪሕና " ኣብ ፈተና ኣይትእትወና እዚ ማለት ኣዚዩ ከቢድ ካብ ዝኾነ ንዓና" እዚ ሕቶ እዩ ፥"ካብ ክፉእ ኣድሕነና " " ናባኻ ኣቕርበና " ስለዚ እዚ ጸሎት "ካብ ክፉእ ናባኻ ኣቕርበና " ማለት እዩ ኣምላኽን ክፉኡን ብክልተ ዝተፈላለዩ ማዕዝን እዮም ዝስሕቡና፥ ከምዚ ንብል ኣሎና ማለት እዩ " ኣቦ ኣብ ስጋይ ናብ ክፉእ ይስሓብ ከም ዘለኹ ይስምዓኒ ኣሎ ግናኸ ብኸምዚ ክከይድ ኣይትሕደገኒ ፥ናብዚ ክፉእ ኢደይ ክህብ ኣይደልን እየ ፥በጃኻ ናብ ናትካ መንገዲ ስሓበኒ" እምብኣር እዚ ሃረርታን ጽምኣትን ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ምድላይ ኣዚዩ ጠቓሚ ረቛሒ እዩ ፣ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ዘሎዎ ህይወት ንምንባር።

ሓደ ምኽንያት ስለ ምንታይ ኣብ ሮሜ 6=13 ዘሎ ተስፋ "ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ " ዝብል ኣብ ብዙሓት ክርስትያናት ተፈጻምነት ዘይረክብ ኣብ ሙዓሙቕ ልቦም ካብ ሓጥያት ሓራ ክኾኑ እኹል ጽምኣት ስለ ዘይብሎም እዩ፥ከምዚ ኢሎም ኣይእውዩን እዮም " ዎ፡እግዚኣብሄር ብዝኾነ ዋጋ ካብ ሓጥያት ኣናግፈኒ" ነዚ ነገር ጽምኣት የብሎምን ፥በዚ ነገር ኣዚዮም ሓሚሞም እንተ ዝኹኑ ናብ ኣምላኽ ከናግፎም ምስ የእወዩ ነይሮም ግናኸ ሓጥያት ልክዕ ከም ሕማም ሙኳኑ ኣይስምዖምን እዩ ፥ስለዚ ኣይገርምን እዩ ብሓጥያት ተሳዒሮም እንተ ተረፉ።

ኣብ ዘጽኣት 2=23-25 ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል " ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ" ብዛዕባና ግዲ ዝገብር ከምዚ ናይ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ምስ እንገብር እዩ ፥ ብልዑል ሃረርታ ኣብ ሓጥያት ክንናገፍ ክንእዊ ምስ ጀመርና እዩ ኣምላኽ ከምዚ ዝብል "ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም" (ኤር 29=13) ።

ከም መምርሒ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ዝኾነ ክቡር ነገር ነዚ ክንጸምኦን ክደልዮን ኣሎና ቀዳምነት በዚ እዩ ክኣ ነቲ ዝተዋሃበና ብግቡእ ከነድንቖ እንምሃር ፥ስለዚ ኣምላኽ ክሳብ እንጸምኦን ሃረር እንብሎን ይጽበየና ኣሎ ፥ሽዑ እዩ ኽኣ ኣምላኽ ነቲ ሃረር እንብሎ ዝህበና። ህይወት ክርስትና ቃልሲ ኣንጻር ሰይጣን እዩ ኣብዚ ቃልሲ ክኣ ሰይጣን ናቱ ሰለይቲ ኣብ ውሽጥና ኣሎዎ እዚ ኽኣ ስጋ እዩ ፥ስጋና ኣብ ጎኒ ጸላኢና ዝስለፍ ካብ ኮነ ኣብቲ ምስ ሰይጣን እንቃሎሶ ዘይንድምዕ ምእንቲ ክንከውን ኩሉ ዝተኻኣሎ ይሰርሕ እዩ፣ እዚ ነገር ፍጹም ኣይትረስዕ ፥በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ሰይጣን ክንስዕሮ እንተድኣ ኮይና ፥ ካብ ስጋ ክንናገፍ ሃረር ክንብል ዘድሌና ።

ብዙሓት ክርስትያናት ኣሎዎ ከምዚ ኢሎም ዝጽልዩ "ዎ ኣምላኽ ካብ ሰይጣንን ሰባት ክጎደኡኒ ዝፍትኑ ካብ ክፉእ ሰውረኒ" ግናኸ ኩሎም እዞም ሰባት ነቲ ትምኒታት ስጎኦም ምምጋብ እናቐጸሉ ንቶም ናይ ጸላኢ ሰለይቲ ድሌታት ስጋና ማለት እዩ ኩሉ ዝደልዮ ስለ ዝህብዎ ፥ በዚ ኽኣ ኣምላኽ ካብ ክፉእ ከናግፎም ኣይክእልን እዩ ፥ስለዚ መጀመርያ ካብ ፍትወታት ስጋ ክንናገፍ ሃረር ንበል፤ ሽዑ ንሰይጣን ክንስዕር ዝቐለል ነገር ይኸውን ፥ በዚ ክኣ ሰይጣን ይኹን ኣጋንንቲ ብሓንቲ ነገር ከም ዘይትንኩፉና ክንርዳእ ኢና።