26
Fri, Apr
0 New Articles

‎ቦኽሪ ልእኽቲ ሰማርያ: እታ ሳምራዊት‎

Message 2
Typography

ዛንታ ናይዛ ሰበይቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 4፣3-34 ዚንበብ ኮይኑ ኣገራሚ መንፈሳዊ ሓቅታትን፣ ምግላጽን ዝሓዘ ብምዃኑ ብዝርዝር ክንርእዮ ጽቡቕ እዩ።

 

ንኣብነት፣-

  1. ሰማርያ እታ ዓዲ
  2. እታ ሳምራዊት ሰበይቲ
  3. ዒላ ያቆብ

የሱስ ክርስቶስ ንሰማርያ ምስ ከደ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ከም ዝመለሰን ዝተሓተተንውን ንርኢ።


1.  ሰማርያ፣ የሮብዓም ወዲ ንጉስ ሰለሙን ኣብ ንግስነት ኣብ ዝደየበሉ እዋን እግዚኣቢሄር ንንግስነት ሰለሙን ምስ ቀደዳ፣ ይሁዳን እስራኤልን ተባሂለን ተፈላለያ። ሰማርያ ከኣ ርእሰ ከተማ እስራኤል ከም ዝነበረት፣ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸኣ ሳምራውያን ተባሂሎም ይስመዩ ከም ዝነብሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና (1 ነገ 11፣30-33፣ 1 ነገ 16፣29)።

2.  ካብቲ ዘመን እቲ ጀሚሮም እምብኣር ኣይሁድን ሳምራውያንን ኣይተሓባበሩን ኔሮም ክንብል ንኽእል (ዮሃ 4፣9)።

 

ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ብሰሪ ዕልወት የሮብዓምን ሰለሙንን ብዓቢ መጋረጃ ተጋሪዶምን ተፈልዮምን ድሕሪ ምጽናሕ፣ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ ጽልኢ መጋረጃ ባዕሉ ክትርትሮ ስለ ዚነበሮ ንደቂ መዛሙርቱ “ናብ ከተማታት ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ...” ብምባል ናብኡ ከይከዱ ኣጊድዎም (ማቴ 10፣16)።

 

የሱስ፣ ደቂ መዛሙርቱ መግቢ ክዕድጉ ንከተማ ምስ ከዱ ጭው ዝበለ ቀትሪ ንገሊላ ሓዲጉ ንሰማርያ ኣበለ። “ብሰማርያ ክሓልፍ ክኣ ናይ ግድን ኾኖ” (ዮሃ 4፣4)።

 

3.  ዒላ ያቆብ፣- “የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማርያ ምስ ኣተወ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ ነበረ  እሞ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ተቐመጠ” (ዮሃ 4፣ 6)። ዒላ ያቆብ፣  ያቆብ ንወዱ ዩሴፍ ዝዃዓቶ ዒላ እዩ። ምስጢር ናይዚ የሱስ ኣብቲ ጥቓ ዒላ ምቕማጡ ከኣ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሙሴ እተጻሕፈ ክፍጸም ኮነ። ከምዚ ዝብል፣

 

“እስራኤል ብህድኣት ይነብር እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያቆብ ኣብ ምድሪ ሰርናይን ወይንን እዩ። ሰማዩ ድማ ኣውሊ ይንጠብጠብ” (ዘዳ 33:38);

የሱስ ክርስቶስ ወይንን ስርናይን ኣውልን ኮይኑ ኣብ ሰማርያ ኣተወ። እወ ከም ስርናይ ሞይቱ፣ ተንሲኡ ድማ እዩ። ንብዙሓት ምእንቲ ከጥልል ካብ ሰማይ ካብ ኣቦ ዝወረደ ኣውሊ’ውን እዩ። (ዮሃ 6፣35, 6፣32-33፣ ዮሃ 15፣1)።

 

4.  እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፣- እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣብ ሰማርያ እትነብር ሳምራዊት እያ። ንሳ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰብኣይ ዘእተወት ከም ዝነበረት ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 4 ንርእዮ። በዚ ክኸውን ይኽእል ኣብቲ ሰብ ንሩባ ዘይወርደሉ ሰዓት ንበይና ቀትሪ ምድሪ ንሩባ ዝወረደት። እዛ ሰብይቲ እዚኣ ኣብቲ ታሪኻ ኣጸቢቕና እንተ ኣሰተብሂልና ንሓቂ ኣዝያ እትደሊ ኮይና፣ ሓቂ ግን ካብ ህዝባ ይኹን ካብ ስብኡታ ዋላውን ካብ ኣይሁድ ፈጺማ ሰለ ዝሰኣነት ነቲ ሓቂ ካብቲ ነብዪ ማለት ክመጽእ እትጽበዮ መሲህ ጥራይ ከምትረክብ ኣሚና፣ ንዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ይኹን ባህሊ ከይተቐበለት ተነጺላ ትነበር ከም ዝነበረት ካብቲ ብዛዕባኣ እተጻሕፈ ክንርዳእ ንኽእል።

 

ዒላ ያእቆብ እምበኣር እታ ሓቂ ትደሊ ሰበይትን እቲ ሓቂ ባዕሉን ኣብታ ናይ ሓቂ ሰዓት ልባቶም ካብቲ ናይ ሓቂ ቦታ መልሲ እዩ።

 

የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ሓደ ልማኖ ለሚንዋ፣ “ማይ ግዳ ኣስትይኒ”  እታ ሳምራዊት “ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻ ካባይ ሳምራዊት ሰብይቲ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን?” ክትብል መሊሳ (ዮሃ 4፣9)። ሓቃ’ያ ዘገርም ነገር እዩ። ነቲ ክንዲ እምባ ዝኸውን ንዘበናት ዝተዝርግሐ ናይ ክልቲኦም ወገን ጸሊም መጋረጃ ከይዓጀቦ ምስኣ ክዛረብ ምኽኣሉ እዝስ መን ኮን እዩ ዘየብል ኣይኮነን።

 

የሱስ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎን መን ምዃኑ እንተትፈልጥስ” (ዮሃ 4፣9)። የሱስ ንምንታይ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥስ ከም ዝበላ ንጹር’ዩ። ምኽንያቱ ንሳ ዘበና ኩሉ ነቲ ሓቂ ዝነግር መሲህ ትጽበ ምንባራ የሱስ ኣርጊጹ ስለ ዝፈለጠ። ንሳ ህያብ ኣምላኽን ሓቅን ትናፍቕ ኔራ (ዮሃ 4፣25)። “እታ ሰበይቲ ድማ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲህ ከምዝመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፣ ንሱ ምስ መጸ ኽኣ ኩሉ ኺነግረና እዩ” በለቶ።

 

እታ ሰበይቲ ድማ “ጎይታይ መቕድሒ የብልካን እዚ ዒላ ኽኣ ዓሚቑ እዩ፣ እቲ ማይ ህይወት ድኣ ኣበይ ትረኽቦ? ንስኻ’ዶ ካብቲ ነዚ ዒላ’ዚ ዝሃበና ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያቆብ ትዓቢ ኢኻ?” በለቶ (ዩሃ 4፣11) ።

 

ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ወንጌል የሱስ ክርስቶስ ንዝዛረቦ ምሳልያዊ ኣዘራርባ፣ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ናይ ኣቃጫጭ ወይ ናይ ቁጥዐ ወይ ከኣ ኣንጻር ዝኾነ መልሲ ክምልሱ ኢና ንርኢ። እታ ሰበይቲ እዚኣ ግን እዚ ካብ ያቆብ ይዓቢዶ ይኸውን ኢላ ነቲ ሓቂ ክትፈልጥ ንጹር ሕቶ እያ ሓቲታቶ።

 

የሱስ ፣ “ካብዚ ማይዚ ዝሰቲ ምሊሱ ይጸምእ እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግን እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ካብኡ ንዘልኣለም ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ክኸውን እዩ” (ዩሃ 4፣13-14) ኢሉ ምስ መለሰላ፣ ሓደ ናይ እምነት መልሲ መሊሳ።

 

“እታ ሰበይቲ ከኣ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ከይወርድሲ ካብቲ ማይ ሃበኒ” በለቶ (ዮሃ 4፣15)። በቃ ኣሚና። እታ ሰበይቲ ኣብ ኢድ የሱስ መገለሊ ኣይረኣየትን፣ ኣብ ኢዱውን ብራሾ ኣይነበረን ብቐሊሉ ዝቕዳሕ ካልእ ዒላ ከም ዘይነበር ፍሉጥ እዩ፣ ግን ካብቲ ዘይረኣየቶ ማይ ክትሰቲ እሞ ዘልኣለም ከይጸምአት ክትነብር ኣሚና በቃ። ብሳላ እመነታ ድማ ዓቢ ምስጢር ተገሊጹላ። ንሱ ከኣ፣ የሱስ ቅድሚ ሽዑ ንማንም ዘይገለጾ ሚስጢር መንፈስ ቅዱስ እቲ ንየሱስ ዝተቐበለ ካብ ልቡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝውሕዝ ንብዙሓት ከኣ ከምዘጥልል ኣብሪሁላ።

 

‘’እታ ሰበይቲ መሊሳ ሰብኣይ የብለይን በለቶ’’ እወ እቲ ሓቂ ነቲ ሓቂ ምንጋር ምእማንን ኣይኣበየትን። ናይ ብዙሕ ሰብ ጸገም፣ ኣብዚ ህይወትካ ዚፈጸምካዮ ሓጢኣት ምእማን እዩ። ንሳ ሓጢኣታ ተኣሚና እቲ ማንም ዘይፈልጦ ሚስጢራ ነቲ ሓላፊ መገዲ ናዝራዊ ሰብእይ ተኣሚናትሉ፣ መሲህ ምዃኑ ከኣ ተገሊጹላ። ሓጢኣታ ብምእማና ኣዒንታ በሪሁ።

 

‘’ጎይታ ንስኻ ነቢዪ ምኻንካ እርኢ ኣለኹ’’ (ዮሃ 4፣19) ኢላቶ። ብድሕሪ ሽዑ እታ ሰበይቲ ንሱ ነቢዪ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸት እቲ ንዘበናት ኣብ ሞንጎ ዘርኣን ጎረቤታን ማለት ኣይሁድ ዝነበረ ጋግ ምስጢሩ ንምፍላጥ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኾን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሓቲታ ከተረገግጽ ደልያ። ምኽንያቱ እዛ ሰበይቲ ኩሎም ወገናት ናተይ ሓቂ ናተይ እባ እናተባሃሃሉ ክሰሓሓቡ ክነዓዓቑ፣ ንሳ ግን እቲ ክርስቶስ መሲህ መጺኡ ስጋብ  ዝነግራ ካብ ክልቲኡ ሓራ ኮይና’ያ ጸኒሓ። ንክልቲኦም ወገናት ሓቂ ኣይረኸበትሎምን እያ’ሞ።

 

እታ ሰበይቲ በለቶ ’’ኣቦታትና ኣብዚ ኽረን እዚ ሰገዱ፣ ንስኻትኩም ግን እቲ ክስገደሉ ዝግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም’ዩ ትብሉ ኣለኹም’’ (ዮሃ 4፣20) ሓቲታቶ ነቲ ናይ ዘበናት መልሲ ናይ ሕቶኣ ከማልኣላ ዚተጸበየቶ መሲህ።

 

የሱስ በላ፣ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግድሉ ይግበኦም ዓቢ ምስጢር ኣምላኽ እታ ሓቂ ዝናፈቐት ሰበይቲ ቅድሚ ኹሎም ኣገልገልቲ ሓዲሽ ኪዳን ተበሲራ።

እስኪ ነስትውዕል ብዙሓት ፈላጣት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣበይ ከም ዝሰግዱን ጊዜኡን ዘይፈለጥዎ፣ የሱስ ግን ነታ ንዘመናት ናፋቒት ሓቂ ጊዜኡን ቦታኡን ኣፍሊጥዋ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግዜ ብንጹር እዩ ኣብሪሁላ፣ “እቲ ብመንፈስን ብሓቅን ዝስገደሉ ግዜ ሕጂ’ያ ኢልዋ;” እቶም ፈላጣት ዘመኖም ኣየስተውዓሉዎን። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርቱ “ንዘመንኩም ኣይተለልይዎንዶ ኢኹም?” ብምባል ክዘልፎም እንከሎ ንርኢ ኢና።

 

‘’ንስኻትኩም’ዶ ቀውዒ ክሳዕ ዝመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ ትብሉ ኣይኮንኩምን፣ ኣዕንትኹም ቛሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከምዝጻዕደወት ርኣዩ’’ (ዩሃ 4፣34)።

 

‘የሱስ ከኣ፣ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ ንሱ’ዩ በላ።” ንየሱስ ብዙሓት ሰባት የውሃንስ መጥምቅ ከይተረፈ ንስኻ እቲ ነብዪ ዲኻ ኢሉ ክሓቶ ከሎ፣ ሓንካሳት ይኸዱ፣ ዕውራት ይርእዩ….. ወዘተ ኢሉ እዩ መሊስሉ። ደቂ ዓዱን ጸሓፋትን ፈሪሳውያንን ውን ንስኻ ክርስቶስ እንተኼንካ ንገረና ላሕ ኣይተብለና እናበሉ ክጭቅጭቅዎ፣ ኣሕዋቱ ርእስኻ ግለጽ ኢሎም ክደፍእዎ ኣነ ንሱ እየ ኣይበሎምን (ዮሃ 4፣26)። ነታ ብውሽጢ ልባ ንሓቂ እተናዲ ናብ ዝኾነ ፍልስፍና ከይትጓዕዘት ነቲ መሲህ ትጽበ ዝነበረት ግን ምንጋር ኣይኣበያን። ልቢ የሱስ ዝረኸበት ተጸባዪት(ዮሃ 4፣26)።

 

እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣብ ዝነበረት ትንበር ከም ሃናን ስሞኦንን ነቲ መሲህ ረኺባቶ (ሉቃስ 2፣25-39)። ናይ ሓቂ ህያው ኣምላኽ ኮይኑላ። ኣብቲ ልብኻ ዘለዎ ኣብኡ ማሕፉዳኻ ኣሎ” ልቢ እዛ ሰበይቲ ኣብ ምንዳይ ሓቂ ስለ ዚነበረ ንየሱስ ረኺባቶ።

 

‘’እታ ሰበይቲ ኽኣ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት ነቶም ሰብ ከኣ ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነግረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ’’ (ዮሃ 4፣29)። ኣሕዋተየ፣ ብዙሓት ንሓቂ፣ ንየሱስ ምስ ረኸብና ነቲ ዝተገልጸልና ብርሃን ሓቂ ክንነግር ድሉዋት ኣይኮንናን። እዛ ሰበይቲ ግን ንዚፈለጠቶ ከተፍልጥ ተንሲኣ።

 

‘’ነታ ሰበይቲ’ውን ደጊምሲ ባዕላትና ንሱ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕና ፈሊጥና’’ (ዮሃ 4፣42) ብምባል እቶም ሳምራውያን፣ ንየሱስ ክርእዩ ወጺኦም። የሱስ ከኣ ኣብ ሰማርያ ቀንዩ፣ መልሲ ምልኣኻ ከኣ ብኡንብኡ ብደቂ ዓዳ ረኺባቶ (ዮሃ 4፣40)። 

 

ካብዚ ትምህርቲ ንመሃሮ ዓቢ ነገር እንተሎ፣

 

v  ሓቂ ንምፍላጥ ካብ ኣምላኽ ምስጢር ምግላጽ ሃረር ምባል

v  ነቲ ሓቂ ምግላጽ ካብ ኣምላኽ ምርካብ

v  ነቲ ዝፈልጥናዩ ሓቂ ምምስካር

 

እንበኣርሲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ናይ ፈለማ ሳምራዊት ልእኽቲ ሓድሽ ኪዳን ንምዃን ዝበቕዔት ኣገራሚ ምስጢር ሓድሽ ኪዳን ካብ ኣፍ የሱስ ዝረኸበትን፣ ማይ ህይወት ሰትያ ንብዙሓት ዘስተየት፣ ኣብ ሞንጎ ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ዝነበረ ዓቢ ጋግ ንምግጣሙ መንገዲ ዝኸፈተት ናይ እምነት ጅግና፣ ናይ ዕርቂ ኣብነትውን እያ።

 

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን የሱስ ንሱ መድሓኒ ዓለም ድኣ እንበር ንጉስ ኣይሁድ ጥራይ ከም ዘይኮነ እውን ሳምራውያን ሓዲሽ ምግላጽ ረኺቦም። እዚ ምግላጽ እዚ ኣይሁዳውያን ስለ ዘይተገልጸሎም ንየሱስ ኣብኣቶም ሽዑ ክነግስ ግዲ ይብልዎ ነይሮም።

 

ኣሕዋተይ፣ እቲ ኣምላኽ ዝሓረዮ ሰብ ኣበይ ከም ዝርከብ ኣይፍለጥን’ዩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ኩሉ ኩነታታ ምምጻእ ናይቲ መሲህ ትጽበ ኔራ ክትብል ፈጺሙ ኣጸጋሚ’ዩ ግን ኮይኑ። ስለዚ ሰብ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፣ ካብ ዝኾነ ዓሌትን ዘርእን ይኹን ወንጌል ንስበኸሉ። መን ይፈልጥ? ንሱ ንምብጻሕ ሰማርያ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።