26
Fri, Apr
0 New Articles

‎እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧‎

Message 2
Typography

ሉቃ 18:41 “የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ የሱስ ፤ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧ ኢሉ ሓተቶ ። ንሱ ኸኣ ፤ ጐይታይ : ክርኢ : በሎ ።”ሓደ ነገር ደልየ ኣለኹ ንሱኸኣ : ስኢነዮ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከይደ: ሕጂውን ኣይረኸብኩን ብገንዘብ ይርከብ እዩ ኢሎምኒ : ገንዘበይ ሂበ : ኣምጺአዮ : እዚውን ኣይጠቐመን ። ብሰበሰብ ይርከብ እዩ ሰሚዐ ሰብ ስለ ዝነበረኒ ብሰበሰብ ገይረ ረኺበዮ ግና እዚውን ኣይጠቐመን : ኩሉ ነገር ፈቲነ ኣይረኸብኩን : ኣብዚ ተስፋ ምቑራጽ እዚ ማለት ተስፋ ትገብረሉ ዝነበርካ ሰብካ : ገንዘብካ : ጊዜኻ : ናብራኻ : ድኻምካ : ኩሉ ነገር ምዃን ምስ ኣበየካን ምስ ከሰርካን ተስፋ ቆሪጽካ ነብስኻ ምእላይ ስኣንካ ዘርጋሕካሕ ኢልካ ከሎኻ ሓደ ርኢኻዮ ዘይትፈልጥ ማለት ሓሲብካዮ ዘይትፈልጥ ብሃንደበት መጺኡ እንታይ ትደሊ ኣሎኻ እንተዝብለካ እንታይ ምበልካ ኾን ፧


ኣብዚ ብዙሕ ነገር ክንብል ንኽእል ኢና : ማለት ዘይምድላው እውን ክኸውን ይኽእል : እዚኸ እንታይ እዩ ዝብለኒ ዘሎ : ግደፈና እስከ እዚ ኸኣ ኣርኪቡ ኢልና ናብ ካልእ ስራሕና መኸድና ኔርና ንኸውን ። እዚ ዓይነስዉር ናብ የሱስ ዝቐረበ ግና እዚ ስም እዚ ኣይሓደሶን : ኣብ ውሽጡ ሓደ ነገር ነይሩ : ማለት ነዚ ሰብ (የሱስ) እንተረኺበዮ ድምጹ ዋላ እንተ ሰሚዐ ኢሉ ተዳልዩ ዝነበረ ይመስል ምናልባት ካልእ ጊዜ ሰብ ተኣኪቦም ከለዉ የሱስ ክሓልፍ ኣጋጢምዎም ነይሩ ይኸውን : ናይዚ ዓይነስዉር ግና ንበይኑ እዩ : ንሱ እዚ እንታይ እዩ ኢሉ ሓተተ ።

 ኣሕዋተይ ነስተብህል : እስከ ሓሓንሳብ ስኣን ምስማዕናን ሰኣን ምስትብሃልናን ብዙሕ ነገራት ይሓልፈና እዩ : እዚ ግና ምስ ሓለፈና ኣዚና ኢና ክንጥዓስ ንርከብ ። ሓደ ጊዜ ከምዚ ኣጋጣሚ ንሓንቲ ባርያ ኣጋጠማ ። ሳራ ሰበይቲ ኣብራሃም ሓደ ነገር ገበረት : ሳራ ኦሮማይ ኣይኮነለይ እዩ  ደጊም ኣሪገ እየ እቲ እግዚኣብሄር ዝበለና በረኸት ከይሓልፈና ኢላ ሓደ ነገር መሃዘት ። ኣብራሃም ናብ ባርያኣ ኣጋር ክኣቱ ፣ እዚ ነገር ኣጋር ረኺባቶ ዘላ ዕድል ኣዝዩ ዓቢ እዩ ። ካብ ባርነት ናብ ክብሪ እዩ ። ኣጋር ግና ክትሕልዎ ኣይከኣለትን : እስማኤል ኣብ ልዕሊ ይስሃቅ ከላግጽ ምስ ጀመረ ሓደ ዘይተጸበይቶ ኩነታት  ተፈጥረ ። ኣጋር ተሰጎት : ኣብ ጸምጸም በረኻ ኮይና ኩሉ ነገር ጸቢብዋ የማነ ጸጋም ክትብል ከላ ወዳ ሰንድያ ንሞት ወዳ ከይትርኢ ኢላ ገዲፋቶ ኣዝያ ረሓቐት ። (ዘፍ21:16) ። ማዕረ ክንደይ ሞት ወድኻ ከቢድ ምዃኑ እቶም ወለዲ እዮም ዝፈልጥዎ ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከላ እዩ እምበኣር ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቆልዓ ዝሰምዐ ። ኣሕዋተይ ኣዲኡ እኮ ሞቱ ከይትርኢ ኢላ እያ ምውርዋር ቀስቲ ዘኣክል ዝረሓቐት ። ኣብኡ እምበኣር ካብ ዓቕሊ ምጽባብ ዝኣክል ዓው ኢላ በኸየት ይብል ። ኣሕዋተይ : ነገራት ከቢቡና መውጽእን መእተውን ጠፊኡና ረሸሽ ኢልና ተስፋ ዝህበና ስኢንናዶ ኣሎና : እስከ ከምቲ ኣጋር ዓው ኢላ በኸየት ዝብለና ዘሎ ኩሉ ነገርና ገዲፍና ናብቲ ኩሉ ዝኽእል ዓው ኢልና ንጥራዕ : ዓው ኢሉ ወዲ ዳዊት መሓረኒ ክብል እንከሎ ጐይታ ድማ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ኢልዎ ። ኣጋር ድማ ዓው ኢላ ምስበኸየት ኣምላኽ ድማ ድምጺ እቲ ቆልዓ ሰምዐ ይብለና ። ኣብቲ ረዲኤት ካብኡ ዝደለየትሉ : ጐይታ ምስ ረኣያ : ኣዒንቲ ኣጋር ከፈትላ እሞ : ብኡብኡ ነቲ ቆልዓ ማይ ከተስትዮ ከላ ንርኢ ። ኣሕዋተይ : ጐይታ ናባይ ንዑ እዩ ዝብለና : ዳዊት ከምዚ በለ : ኣዒንተይ ናብ ኣኽራናት ኤልዕል ኣለኹ :መዝ 121:1-2 : ረዲኤት ካብኡ እንተዘይኮይኑ ካልእ የለን ። ሰብ ንሓንሳእን ክልተሳብን ክረድኣካ ይኽእል ይኸውን : ግናኸ ካብኡ ንላዕሊ ክሓልፍ ኣይንርእን ኢና ። ስለዚ ረዲኤት ኣምላኽ ይሕሸና ። ኣሕዋተይ ናብኡ እንተ ጠመትና ኣምላኽ ድማ ዝርኢ ኣዒንቲ ክህበና እዩ ። ኣዳምን ሄዋንን ክልተ ነገር ኮይኖም ዘፍ3:7 ። 1. ኣብቲ ገጽ እግዚኣብሄር ዝደልዩሉ ጊዜ ባህ ኢልዎም ተሓጉሶም ይነብሩ ነይሮም ። 2. ኣብቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓስሉ ጊዜ ግና እቲ ጽቡቕን ክፉእን ዘርኢ ዓይኖም ክርኢ ከሎ ንርኢ ። ኣስተውዕሉ : ኣብቲ ብግርህና እንመላለሰሉ : እቲ ኣምላኽ ዝብለና ኣጽኒዕና ብፍቓድና ብመገዱ ክንመላለስ ከሎና ድምጽና ናብ እግዚኣብሄር ይስማዕ እዩ ። ብፍቓዱ እንተዘይከድና ግና ናብኡ ክንጥምት ይሽግረና እዩ ። ካብዚ ሓደ ነገር ክንርኢ ንኽእል ኢና : እቲ ጊልያ ናይ ኤልሳእ ዝነበረ ኣብቲ ብስጋዊ ኣዒንቱ ክጥምት ከሎ እልፊ ሰራዊት ኣብዙርያኡ ከምዘለዉ ረኣየ : በዚ ኸኣ ክሽበር ከሎ ንርኢ ። (2ነገ6:17-18) ። ኤልሳእ ግና ሓደ ቓል በለ : ኣዒንቲ እዚ ባርያ ክፈት ምስ በለ ግና ኩሉ ፍርሂ ጠፊኡ ኣእላፋት ሰራዊት ሰማይ (መላእኽቲ) ተኸቢቡ ምስ ረኣየ ትብዓት ተሰምዖ። እምበኣርሲ እንታይ ንርኢ ኣሎና ፧ ክሳብ ሕጂ በየናይ ዓይኒ ኢና ኾን እንርኢ ዘሎና ፧ በዚ ምድራዊ ኣዒንትና ስለ እንርኢ ዘሎና ኢና እኮ ከም በዓል ካሌብን እያሱን ዘይኮነና ። ከምቶም ብዝረኣይዎ ነገር ፈሪሖምን ተዳሂሎምን ዝተመልሱ ዓሰርተ ሰባት ዝመጹ ኢና ኮይንና ዘሎና ። ካሌብን እያሱን ግና በቲ መንፈሳዊ ኣዒንቶም ስለ ዝረኣዩ : ኣብ ቅድሜና ከም እንጀራና እዮም :ዝበሉ ። ኣምላኽ ይመስገን ።(ዘሁ14.9 ,ዘሁ 13.32-33)። ንሕና’ኸ እንታይ ንብል ከም  ኣንበጣዶ ንብል ወይስ ከም እንጀራና እዮም ንብል ፧ ሕጂ እምበኣር እቲ ሕቶ ናባና እዩ እስከ ንርኣዮ : እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ፧ ሕቶና በዓልና ንመልሶ ።

   ኩሉ ነገር ገዲፍና ናብ ኣምላኽ ንጠምት : 2ዜና7.14 ከምዚ ይብል : “እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተበለ : እንተለመነ : ገጸይ እውን እንተደለየ : ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ : ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ : ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም : ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ ።” ሽዕኡ እዩ ኣብቲ ገጽ ምድላይ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ ምስተበሃልካ ትምልስ ። ክርኢ ድማ ትብል ። እቲ ዓይነ-ስዉር ወዲ ዳዊት መሓረኒ ምስ በለ እዩ እቲ ሕቶ ዝቐረበሉ : ኣብዚ ግና ብምሉእ ልቡ : እምነቱ : ተስፋኡ : ኣብ ኣምላኽ ስለዝገበረ እዩ ። ንሕና ድማ ብምሉእ ልብና እስከ ነዚ ክንገብር ጐይታ ይርድኣና ።