20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ ኣምላኽ ፍትሒ

Message 2
Typography
ሰብኣያ ካብ ዘመዉት ነውሕእዩ ጌሩ። ድሕር ሰብኣያ ኸኣ ምንም ኣይጠዓማን። ናብራ እምብዛ እዩ ከቢድዋ። በቲ ከይኑ በቲ ግና በቲ ሰብኣያ ዝሓደገላ ናይ ሕርሻበታ ናብራኣ ትመርሕ ነበረት። ብስንኪ ሕሱም ናብራ ገጻ ተደዊኑ እዩ። ምስቲ ቅድሚ ሰብኣያ ዝነበራ ናብራ ክትዝክር ከላ ዝርንዛሕእያ ትነብዕ። ኣብቲ ዘላቶ ተወሰኸታ ግና ሓደ ዓቢ ጸገም ንናብራን ንህይወትን ዝፈታተን ጸገም ኣጋጠማ። ቀረባ ዘመድ ሰብኣያ ነቲሰብኣያ ዝሓደገላ ናይ ሕርሻ ቦታ ብሓይሊ መንዘዐ። ብኹሉ ነገር ካብኣ ዝበልጽ ስለ ዝነበረ ኸኣ መን ኢካ ዝብሎ ኣይነበረን።
እዛ ሰበይቲ እቲ መሬት ናታ ምኻኑ እኳ መርትዖ እንተ ለዋ እዚ መብኣሳታ ሰብኣይ ግና ብዘቕረበትሉ መርትዖ ክጸዓድ ኣይከኣልን። ዓገብ ክብልዎ ዝኽእሉ ሽማግሌታት እኳ እንተ ለኣኸትሉ ንሱ ግና ወይ ምንቕ። ናብራ ነዛ ሰበይቲ ካብቲ ቀደም ብዘተዓጻጸፈ በድሃን ከበዳን። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከኣ ክትጠርዕ ናብቲ ናይቲ ዓዲ ናይ መጨረሻ ቤት ፍርዲ ንምኻድ ወሰነት። ብኸንደይ ጋዶ ኸኣ ነቲ ጉዳያ ነቲ ቐንዲ ኣካል ነገረቶ። እቲ ፈራዲ ግና እዚ ትብልዮ ዘሎኺ ኣይከውንን እዩ መርቶዖኽውን ርጉጽነት የብሉን።

 

 ሕጂ ኸኣ ጻዕቒ ስራሕ ስለ ዘሎና ንጉዳይኪ ከንጽንዕ ግዜ የብልናን ኢሉ ኣፋነዋ። ሰበይቲ ትሕዞን ትጭብጦን ጠፍኣ ዝርንዛሕ እናነበዓት ከኣ ካብቲ ቤት ፍርዲ ወጸት። ኣብ መንጐ እናበኸይት ከኣ ሓደ ወዲ ዓዳ ሰብኣያ ረኸበት። ደሓን ዲኺ ኢሉ ቅርብ ኢሉ ሓተታ። ዝኸነ ኩሉ ኸኣ ነገረቶ። እቲ ሰብኣይ ክሰልጠኺ እንተ ዀይኑ ደኣ ደርሆ ክትጸሩሉ ኣለኪ እምበር ኣይክውንን እዩ ኢሉ ጭካነን ዘይፍታሕውነት እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘሎ ሓላፊ ነገራ። ከምኡ ክትግብር ከምዘይትኽእል ከኣ ነገረቶ። እዛ ሰብኣይቲ ንጽባሕቲ ንግሆ ሰብ ከይተሳ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዳ ኣብ ኣፍደገ ኮፍ ኢላ ጸንሓቶ ነቲ ፈራዲ። ኣንቲ ሰበይቲ ትማሊ እኮ ነጊረኪ እየ ኣይከውንን እዩ ኣይከወንን እዩ። እንታይ ጌርናኪ ኢና ዘይተስርሕና በላ። ወይ ሰበይቲ እናበኸየት በጃካ ደቀይ ዝብላዕ የብሎም ብዘይቲ ዘመደይ ዝወሰዶ መሬት ካልእ እቶት የብለይን ኢላ ብምረት ተዛረበቶ። ጸማም እዝኒ ሂቡ ናብ ኦፊሱ ኣትወ። ሰብይቲ ዝርንዛሕ እናነበዐት ሕጂ እውን ናብ ገዝኣ ተመልሰት። እዛ ሰበይቲ ግና ህጂ እውን ተሳፋ ከይቆረጸት ናብቲ ቦታ እቲ ፈራዲ ኸደት። ሰብ ሪጋ ተሰሪዑ ማእለያ ዘይብሉ ጸንሓ ጸሓይ ብርትዕቲ ስለ ዝነበረት ከኣ መርዘና ተላዕለታ ዝግበር የለን ክሳብ ሰብ ዝጸረላ ጸንሓት ነቲ ፈራዲ ኸኣ ረኸበቶ ኣንቲ ሰብይቲ እንታይ ገረኪ እየ በቃ ሕጂ ቆጸራ ኣሎኒ ጽባሕ ምጽኒ በላ። እታ ጽባሕ ምጽኒ ትብል ተስፋ ስለ ዝረኸበት ከኣ ድኻማ ከይጽጸብጸበት ንገዝእ ተመልሰት።ንጽባሒቱ ኸኣ ከምቲ ዝተባህላ ናብቲ ቦታ ኸደት ዋርድያ ግና ኣጋጣሚ ስራሕ ረኺቡ ከይዱ ጽባሕ ግና ተቐለቀሊ ኢልኪ እዩ በላ።
ሰበይቲ ከምቲ ዝተባህላ ብዘይምቁራጽ ተመላለሰት። እቲ ፍትሒ ዘይብሉ ፈራዲ ኸኣ እዛ ሰበይቲ እዚ ላሕ ካብ ተብልኒ ኣዋርሕ ሓሊፉ እንሆ ሕጂ ኸኣ ጉዳያ ኣብ ሓደ መዕለቢ ከየብጻሕክዎ ኣይተዕርፈንን እያ ስለዚ ገለ ክገብር ኣሎኒ ብምባል ካብ ፍታው ልቡ ዘይኮነ ነታ ፍትሒ ዝሰኣነት ሰበይቲ ፍትሒ ኣውጻላ መሬታ ኸኣ መለሰላ። እዚ ዝርኣናዮ ዛናታ ካብቲ ጎይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍትሕን ጸሎትን ዝሃቦ ምስላ ዝወሰድክዎ እሞ ኸኣ ከም ዛንታ ጌረ ዘቕረብክዎ እዩ። ጎይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ነዚ ምስላ እዚ ኣብ ሉቃስ 18 ካብ 1 ክሳብ 8 ዝሃቦ ምስላ እዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ጹሑፍ እዚ ብዛዕባ ምምላስ ጸሎትን ፍትሕን እዩ ኣተኪሩ ዝተዛረበ። ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ምስቲ ፍትሒ ኣልቦ ዝኸነ ፈራዲ ብምውድዳር ይዛረብ። እቲ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ብዛዕባ ሰብ ከኣ ዘይግደስ ፈራዲ ነታ ዝተዓመጸት ሰብይቲ ድሕሪ ክንደይ ግዚያት ፍትሒ ኣውጺእላ ይብል የሱስ። ናብኡ ተመሊሲ ኸኣ እዚ ንኣምላኽ ዘይፈርሕ ፍትሒ ኸኣ ዘይፈልጥ ሰብ ከምዚ ዝኣመስለ ፍትሒ ካብ ገበረ ኣነ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ህይወተይ ክኣ በጃኹም ከሕልፍ ተዳልየ ዘለኹ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ይብል እሞ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸኣ ይዛረቦም “ጐይታ በለ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽ ዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሑሩያቱ ፍትሒ ኣየውጻኣሎምን እዩ። ይጽመሞም ዶ ኸ? ቐልጢፉ ፍትሒ ከም ዘውጻሎም እብለኩም ኣለኹ። ኣዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዚያት ፍትሒ ዘይርከበሉ ኣእዊኻ ኸኣ ዘይትስምዓሉ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና።
እቲ ንሕና ኣንሓልፎ ዘሎና ሰዓት እውን ከምዚ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝጠቐሶም ፈረድቲ ዝበዝሕሉ ዘመን እዩ። ወረገ እቲ ጎይታና መድሓኒና የሱስ ዝጠቐሶ ሰብኣይሲ ድሕሪ ኽንደይ ዘመን ነታ ሰብይቲ ፍትሒ ኣውጽኢላ። ኣብዚ እዋና እዚ ግና እዚ ነገር ኣንጻሩ ኮይኑ ኣሎ። ሰብ ፍትሒ ስኢኑ ዓንገረር ዝበለሉ ሰዓት እዩ። ካብ ሰብ እሞ መዓስ ፍትሒ ይርከብ። ኣምላኽ ግና ፍትሒ ንጩንቓት ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ይገብር እዩ። ነዚ ምስፈለጥና ኸኣ ናይ ዓለም ዘይፍትሓውነት ኣይክገርመናን እዩ። ኩላትና በዚ ናይ ዓለም ዘይፍታሓውነት ዝተለብለብና ኢና። ካብ ዓለም ከኣ ምልኣት ዘለዎ ፍትሂ ምጽባይ ዕሽነት እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ክትረኽብዎ ዝግብኣካም ፍትሒ ዘየረኸብኩም ክንደይ ኢኹም? ፍርድን ሓቅን እናተጽበኹም ክአ ኣንጻር እዚ ትሓልፉ ዘለኹም ከ? ንዓኹም ዝኸውን ብስራት ኣሎኒ ኩብራት ሰማዕቲ። ዝፋኑ ኣብ ሰማያት ዝተኸለ ፍትሒ ዘወጽእ ኣምላኽ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ኢና ካብ ናብ ሰብ ምጥራዕ ናብቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ምእዋይ ክንመርጽ ዘሎና። ናብ ኣምላኽ መጺኡ ፍትሒ ዝተደፍኖ ኣካል ትማሊ ዀነ ሎሚ ፈጺሙ የሎን። ስም ኣምላኽ ጸዊዑ ኸኣ ገጹ ብሕፍረት ትኸዲኑ ዝተመልሰ የሎን። ኣምላኽ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ ብኸምይን ኣበይን ፍትሒ ከም ዘውጽእ ኸኣ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዓማጺ ግፍዔኛ ስቕ ኢሉ እይርእዮን እዩ። ነቲ ተዓማጺ ኸኣ ብዝተዓመኦ ክኸይድ ስቕ ኣይብልን እዩ። ሎሚ ምጽባይ ፍትሕና ካበይ እዩ? ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ ኣለዋ” መዝሙር 89።14 እወ እዚ ኣብዚ ጽድቕኻ ተባሂሉ ዘሎ ፍትሒ ኣምላኽ ማለት እዩ። ወሲኹ ዳዊት ብዛዕባ ፍትሒ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “መሰለይን ነገረይን ወዳእካ ጻድቕ ፈራዲ ኮንካ ኸኣ ኣብ ዝፋንካ ተቐመጥካ ይብል” እቲ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ጥራይ እዩ መሰልካን ነገርካን ክውድእ ዝኽእል ስለዚ ሓለፋ እቶም ፍትሒ ከውጽልና እዮም ኢልና ዝተኣመናዮም ንላዕሊ ምስ ኣምላኽ ምጽጋዕ እዩ እቲ ዝበለጸ ከምኡ ምግባርና ጥራይ ከኣ እዩ ንፍትሕና ዘቀላጥፎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኩላትና ሓደ ዓይነት ሕቶ ኣሎና ኣምላኽ ደኣ ኣምላኽ ፍትሒ እንተ ዝኽወን በየናይ መንገዲ ንሓልፍ ከምዘሎና ይፈልጥ ኣሎ እንድዩ ፍትሒ ደኣ ዘየውጻልና? ኩቡራት ሰማዕቲ ሓደ ታሪኽ ክንግረኩም። ሓደ ግዜ ሓዳ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ናብ እንዳ ቀምቃማይ ርእሱ ክቕምቀም ከደ እንዳ ተቐምቀመ ከሎ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ዕላል ጀመሩ። እቲ ቐምቃማይ ከኣ እናሰሓቐ ኣንታ ሰብ ኣምላኽ ዝብሃል የሎን ኣምላኽ እንተ ዝህሉ ደኣ እዚ ኹሉ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ደው ዘይብል ክብል ብሕቶ ኣዋጠሮ። መቸም ቡዙሕ ተኻቲዕም ተቐምቂሙ እንዳኸደ ከሎ ኣብ መንገዲ ሓደ ጨጋር ርእሱ ጎታን ዝተበላሸወ ድኻ ሰብ ርኣየ ብቕጽበት ከኣ ናብቲ እንዳቐምቃማይ ተመልሰ። ኣንታ ሰብ ኣብዛ ዓለም ቀምቃማይ ዝብሃል ሰብ የለን። ቀምቃማይ ዝብሃል የለን እንዳበለ ደጋገመሉ። እቲ ቐምቃማይ ከኣ ኣንታ ሰብ እንታይ ኢኻ ትብል ዘሎኻ ኣነ እኳ እንህሉኹ በሎ። ቀማቃማይ እንተ ዝህሉ ደኣ ኣብቲ ጥቓ ገዛኻ ሓደ ድኻ ርእሱ ጎታን ዘይተቐምቀመ ምሃለወ በሎ። እቲ ቐምቃማይ ከኣ እናሰሓቐ እዋእ ናባይ ከይመጸ ደኣ እሞ ከመይ ጌረ ክቕምቅሞ በሎ። እቲ ሰብ ከኣ በል ንስኻ ድማ ናብ ኣምላኽ ከይመጻኻ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይትፈልጦን ኢኻ እዚ ዘይፍታሓውነት ከኣ ፍትሒ ክረክብ እቲ ፍትሒ ዝሰኣነ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ኣለዎ በሎ ።
ብርግጽ ሓቁ ብማዕዶ ኮይንካ ካብ ኣምላኽ ፍትሒ ምጽባይ የዋህነት እዩ። እቲ ፍትሕን ጽድቅን ዝደለየስ ናብ ኣምላኽ ደኣ ክመጽእ ኣለዎ። ኣምላክ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ብምኻነይ ብምስትውዓልን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን። ስበ እዚ ሰብ እኳ ጸዊዕካዮ ብዛ ድሩቱ ዓቕሙ ኣለኹ ዝብልካስ እቲ ኣነ ናይ ፍትሕን ጽድቅን ኣምላኽ እየ ዝበለ ደኣ መዓረ ኽንደይ? እሞ እንታይ ገዲስና ደኣ ፍትሒ ተደፊናን ክነሱ ስቕ ኢልና ደኒና ንኸይድ? ንሱ ንፍትሕና መዕለቢ ክሳብ ዝገብርሉ ለይትን መዓልትን ናብኡ ካብ ምጥራዕን ምጽዋዕን ስቕ ኣይንበል። እቲ እንኮ ተስፋ ፍትሕና ንሱ ባዕሉ እቲ ሰማያዊ ኣምላኽ እዩ። ስለምናትይ እዚ? ኣምላኽ ብሓቒ ኣሎ እንደባለና ካብ ምምጋት ናብኡ ንምጻእን ንቕረብን ንሱሙ ኸኣ ነድሂ። ንሱ ኣቦ ዘኽታማትን መብለታትን እሱራትን እዩ። ፍትሒ ዝገብር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ከኣ እዩ። ካብ መጽሓፍ ቁዱና ኸኣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ማእለያ ዘይብሉ ኣብነታት ክነምጽእ ንኽእል ኢና።
ብፍላይ ሓደ ታሪኽ እንትወሰደና ሰናይ እዩ። እሱ ኸኣ ታሪኽ ደቂ እስራኤል እዩ። እዞም ህዝቢ እዚኦም ድሕሪ ሞት ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ዝወረዶም ኣደራዕን ሕሰምን ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል ዓቢ እዩ። ኣዚዮም ተወጺዖም እዮም። ካብ ብዝሒ ምረቶምን ስቓዮምን ዝተላዕለ እኳ ኣምላኽ ዝረሰዕም መስሊዎምሲ ኣምላኽ ንሙሴ ክግለጸሉ ኸሎ ሙሴ ንባዕሉ ኣብ ድንግርግር ኣትዩ መን እዩ ተበሉኒ መን ክብሎም ክብል ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ብምጥርጣር ዝሓተቶ። እህህቶኦም ግና ሰማይ በጺሑ እቲ ጹሑፍ ከም ዝብለና ኣምላኽ ሰማይ ፍትሒ ከውጻሎም ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብቲ ፍትሒ ዝነፈጎም ዓማጺ ፈርኦን ከኣ ሓራ ጌርዎም። ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ብፍትሒ ተገሊጽሎም እታ ሓያል ናይ ትኣምራት ኢዱ ኸኣ ረዲኣቶም።እስከ ንገዛእ ህይወትና ኣብ ናብራ ደቂ እስራኤል ንእትዋ። እንተ ብዉሑዱ ብቡዙሑ ከምዚ ናቶም ዝመስል ነግራት ንሓልፍ ኣሎና። ሕጂ ሓቂ ክንግረኩም ናትና ጉዳይ ብሓልፈትን ብዓለምን ብኽኢልታትን ካልኦትን ፈጺሙ ኣይፍታሕን እዩ። ተተጸበና እውን ክንጽበ ክንበር እምበር ለውጢ እኳ ኣይክንርእንን ኢና። ከምዚ ኢልና ኸኣ ክንቅጽል ከም ዘይንደሊ ፉሉጡ እዩ። ስለዚ ከምቲ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ካብ ዓቢና ክሳብ ንእሽቶና ለይትን መዓልትን ከይተሓለልና ንፍትሒ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ንጣራዕ። እሱ ኸኣ ንኣውያትና ፈጺሙ ኣይጽመሞን እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘዳግም 32።4 “ኩሉ መንገዱ ፍርዲ እዩ እሞ እቲ ከውሒ ግብሩ ፉጹም እዩ። ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ ንሱ ጻድቕን ቁኑዑን እዩ” ብርግጽ ንሱ ፍትሒ ዘይጠዊ ብጽድቂ ዝዳኒ ንጥርዓንን ኣውያትናን ጸማም እዚኒ ዘይህብ ጎይታ እዩ።
እዘን ጥቕስታት ብዛዕባ ፍትሓውነት እቲ ጉሩም ጎይታ እየን ዝዛረባ። ነዚ ኣምላኽ እዚ ዘይምእማን ካብ ፍትሒ ምርካብ ምህዳም ምኻኑ ዶ ንፈልጥ? ሓንቲ ሰበይቲ ኣላ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጠቅሰት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ከንኣናዊት ኮይና ካብ ወሰን ምድሪ ናብ ጐይታና መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ንተኣምራት ዝመጸትሰበይቲ እያ። ጓላ ብናይ ኣጋንንቲ ማእስርት ተኣሲራ ኣብ ስቓይ ንዘነበረት ጓላ መድሃኒት ክኸና እያ ናብ የሱሱ መጽእያ። እናጨርሓት ከኣ የሱሱ ወዲ ዳዊት ንጓለይ ማሓረለይ እናበለት ክትጣራዕ ጀመረት። የሱስ ዝገብሮ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ። ንግዚኡ ግና ስቕ በለ። ሰበይቲ ኣይተሓለለትን ጨሪሓ መመሊሳ። ደቂ መዛሙርቱ ካብ ሓልዮት ዘይኮነስ ገዓራ ስለ ዘጨነቖምን ዘጽመሞምን ገለ ግበረ ኢሎሞ። የሱስ ከኣ ገለ ነገር ተዛሪብዎ እንጊራ ዉሉድ ንኣኽላባት ምሃብ ጉቡኣ ኣይኰነን። እዚ ኣይዓንቀጻን ከምይሲ ንፍትሒ ናብቲ ኣቦ ፍትሒ ከምዝመጸት ትኣምንንን ትፈልጥን እያ። ደሓን ካብ ፍትሕካ ርፍራፍ ጥራይ ኢላቶ። ከም እምነታን ፍትሒ ምድላያን ከኣ ጥራዓና ተሰሚዑ ፍትሒ ረኺባ ኸኣ ከይዳ። ናትና ጥርዓንን ከኣ ንኸንቱ ከምዘይኮነን መንደቕ ሃሪሙ ኸኣ ከም ዘይምለስ ርግጸኛታት ምኻን ከድልየና እዩ። ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑ ፍትሒ የውጻሎም ዩ። ይጽመሞምዶኸ እዩ። ገጹ ይመልሰሎም እዩ። ስለዚ ስለ ገዛእ ርእስናን ሃገርናን ኣሕዋትናን ንፍትሒ ናብ ኣምላኽ ፍትሒ ንጣራዕ ንሱ ኸኣ ቀልጢፉ ከይደንጎየ ፍትሒ ከውጻልና እዩ።እዛ ሰበይቲ እቲ መሬት ናታ ምኻኑ እኳ መርትዖ እንተ ለዋ እዚ መብኣሳታ ሰብኣይ ግና ብዘቕረበትሉ መርትዖ ክጸዓድ ኣይከኣልን። ዓገብ ክብልዎ ዝኽእሉ ሽማግሌታት እኳ እንተ ለኣኸትሉ ንሱ ግና ወይ ምንቕ። ናብራ ነዛ ሰበይቲ ካብቲ ቀደም ብዘተዓጻጸፈ በድሃን ከበዳን። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከኣ ክትጠርዕ ናብቲ ናይቲ ዓዲ ናይ መጨረሻ ቤት ፍርዲ ንምኻድ ወሰነት። ብኸንደይ ጋዶ ኸኣ ነቲ ጉዳያ ነቲ ቐንዲ ኣካል ነገረቶ።
እቲ ፈራዲ ግና እዚ ትብልዮ ዘሎኺ ኣይከውንን እዩ መርቶዖኽውን ርጉጽነት የብሉን። ሕጂ ኸኣ ጻዕቒ ስራሕ ስለ ዘሎና ንጉዳይኪ ከንጽንዕ ግዜ የብልናን ኢሉ ኣፋነዋ። ሰበይቲ ትሕዞን ትጭብጦን ጠፍኣ ዝርንዛሕ እናነበዓት ከኣ ካብቲ ቤት ፍርዲ ወጸት። ኣብ መንጐ እናበኸይት ከኣ ሓደ ወዲ ዓዳ ሰብኣያ ረኸበት። ደሓን ዲኺ ኢሉ ቅርብ ኢሉ ሓተታ። ዝኸነ ኩሉ ኸኣ ነገረቶ። እቲ ሰብኣይ ክሰልጠኺ እንተ ዀይኑ ደኣ ደርሆ ክትጸሩሉ ኣለኪ እምበር ኣይክውንን እዩ ኢሉ ጭካነን ዘይፍታሕውነት እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘሎ ሓላፊ ነገራ። ከምኡ ክትግብር ከምዘይትኽእል ከኣ ነገረቶ። እዛ ሰብኣይቲ ንጽባሕቲ ንግሆ ሰብ ከይተሳ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዳ ኣብ ኣፍደገ ኮፍ ኢላ ጸንሓቶ ነቲ ፈራዲ። ኣንቲ ሰበይቲ ትማሊ እኮ ነጊረኪ እየ ኣይከውንን እዩ ኣይከወንን እዩ። እንታይ ጌርናኪ ኢና ዘይተስርሕና በላ። ወይ ሰበይቲ እናበኸየት በጃካ ደቀይ ዝብላዕ የብሎም ብዘይቲ ዘመደይ ዝወሰዶ መሬት ካልእ እቶት የብለይን ኢላ ብምረት ተዛረበቶ። ጸማም እዝኒ ሂቡ ናብ ኦፊሱ ኣትወ። ሰብይቲ ዝርንዛሕ እናነበዐት ሕጂ እውን ናብ ገዝኣ ተመልሰት። እዛ ሰበይቲ ግና ህጂ እውን ተሳፋ ከይቆረጸት ናብቲ ቦታ እቲ ፈራዲ ኸደት። ሰብ ሪጋ ተሰሪዑ ማእለያ ዘይብሉ ጸንሓ ጸሓይ ብርትዕቲ ስለ ዝነበረት ከኣ መርዘና ተላዕለታ ዝግበር የለን ክሳብ ሰብ ዝጸረላ ጸንሓት ነቲ ፈራዲ ኸኣ ረኸበቶ ኣንቲ ሰብይቲ እንታይ ገረኪ እየ በቃ ሕጂ ቆጸራ ኣሎኒ ጽባሕ ምጽኒ በላ። እታ ጽባሕ ምጽኒ ትብል ተስፋ ስለ ዝረኸበት ከኣ ድኻማ ከይጽጸብጸበት ንገዝእ ተመልሰት።ንጽባሒቱ ኸኣ ከምቲ ዝተባህላ ናብቲ ቦታ ኸደት ዋርድያ ግና ኣጋጣሚ ስራሕ ረኺቡ ከይዱ ጽባሕ ግና ተቐለቀሊ ኢልኪ እዩ በላ። ሰበይቲ ከምቲ ዝተባህላ ብዘይምቁራጽ ተመላለሰት። እቲ ፍትሒ ዘይብሉ ፈራዲ ኸኣ እዛ ሰበይቲ እዚ ላሕ ካብ ተብልኒ ኣዋርሕ ሓሊፉ እንሆ ሕጂ ኸኣ ጉዳያ ኣብ ሓደ መዕለቢ ከየብጻሕክዎ ኣይተዕርፈንን እያ ስለዚ ገለ ክገብር ኣሎኒ ብምባል ካብ ፍታው ልቡ ዘይኮነ ነታ ፍትሒ ዝሰኣነት ሰበይቲ ፍትሒ ኣውጻላ መሬታ ኸኣ መለሰላ።
እዚ ዝርኣናዮ ዛናታ ካብቲ ጎይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍትሕን ጸሎትን ዝሃቦ ምስላ ዝወሰድክዎ እሞ ኸኣ ከም ዛንታ ጌረ ዘቕረብክዎ እዩ። ጎይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ነዚ ምስላ እዚ ኣብ ሉቃስ 18 ካብ 1 ክሳብ 8 ዝሃቦ ምስላ እዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ጹሑፍ እዚ ብዛዕባ ምምላስ ጸሎትን ፍትሕን እዩ ኣተኪሩ ዝተዛረበ። ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ምስቲ ፍትሒ ኣልቦ ዝኸነ ፈራዲ ብምውድዳር ይዛረብ። እቲ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ብዛዕባ ሰብ ከኣ ዘይግደስ ፈራዲ ነታ ዝተዓመጸት ሰብይቲ ድሕሪ ክንደይ ግዚያት ፍትሒ ኣውጺእላ ይብል የሱስ። ናብኡ ተመሊሲ ኸኣ እዚ ንኣምላኽ ዘይፈርሕ ፍትሒ ኸኣ ዘይፈልጥ ሰብ ከምዚ ዝኣመስለ ፍትሒ ካብ ገበረ ኣነ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ህይወተይ ክኣ በጃኹም ከሕልፍ ተዳልየ ዘለኹ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ይብል እሞ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸኣ ይዛረቦም “ጐይታ በለ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽ ዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሑሩያቱ ፍትሒ ኣየውጻኣሎምን እዩ። ይጽመሞም ዶ ኸ? ቐልጢፉ ፍትሒ ከም ዘውጻሎም እብለኩም ኣለኹ። ኣዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዚያት ፍትሒ ዘይርከበሉ ኣእዊኻ ኸኣ ዘይትስምዓሉ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና። እቲ ንሕና ኣንሓልፎ ዘሎና ሰዓት እውን ከምዚ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝጠቐሶም ፈረድቲ ዝበዝሕሉ ዘመን እዩ። ወረገ እቲ ጎይታና መድሓኒና የሱስ ዝጠቐሶ ሰብኣይሲ ድሕሪ ኽንደይ ዘመን ነታ ሰብይቲ ፍትሒ ኣውጽኢላ። ኣብዚ እዋና እዚ ግና እዚ ነገር ኣንጻሩ ኮይኑ ኣሎ። ሰብ ፍትሒ ስኢኑ ዓንገረር ዝበለሉ ሰዓት እዩ። ካብ ሰብ እሞ መዓስ ፍትሒ ይርከብ። ኣምላኽ ግና ፍትሒ ንጩንቓት ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ይገብር እዩ። ነዚ ምስፈለጥና ኸኣ ናይ ዓለም ዘይፍትሓውነት ኣይክገርመናን እዩ። ኩላትና በዚ ናይ ዓለም ዘይፍታሓውነት ዝተለብለብና ኢና።
ካብ ዓለም ከኣ ምልኣት ዘለዎ ፍትሂ ምጽባይ ዕሽነት እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ክትረኽብዎ ዝግብኣካም ፍትሒ ዘየረኸብኩም ክንደይ ኢኹም? ፍርድን ሓቅን እናተጽበኹም ክአ ኣንጻር እዚ ትሓልፉ ዘለኹም ከ? ንዓኹም ዝኸውን ብስራት ኣሎኒ ኩብራት ሰማዕቲ። ዝፋኑ ኣብ ሰማያት ዝተኸለ ፍትሒ ዘወጽእ ኣምላኽ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ኢና ካብ ናብ ሰብ ምጥራዕ ናብቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ምእዋይ ክንመርጽ ዘሎና። ናብ ኣምላኽ መጺኡ ፍትሒ ዝተደፍኖ ኣካል ትማሊ ዀነ ሎሚ ፈጺሙ የሎን። ስም ኣምላኽ ጸዊዑ ኸኣ ገጹ ብሕፍረት ትኸዲኑ ዝተመልሰ የሎን። ኣምላኽ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ ብኸምይን ኣበይን ፍትሒ ከም ዘውጽእ ኸኣ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዓማጺ ግፍዔኛ ስቕ ኢሉ እይርእዮን እዩ። ነቲ ተዓማጺ ኸኣ ብዝተዓመኦ ክኸይድ ስቕ ኣይብልን እዩ። ሎሚ ምጽባይ ፍትሕና ካበይ እዩ? ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ ኣለዋ” መዝሙር 89።14 እወ እዚ ኣብዚ ጽድቕኻ ተባሂሉ ዘሎ ፍትሒ ኣምላኽ ማለት እዩ። ወሲኹ ዳዊት ብዛዕባ ፍትሒ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “መሰለይን ነገረይን ወዳእካ ጻድቕ ፈራዲ ኮንካ ኸኣ ኣብ ዝፋንካ ተቐመጥካ ይብል” እቲ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ጥራይ እዩ መሰልካን ነገርካን ክውድእ ዝኽእል ስለዚ ሓለፋ እቶም ፍትሒ ከውጽልና እዮም ኢልና ዝተኣመናዮም ንላዕሊ ምስ ኣምላኽ ምጽጋዕ እዩ እቲ ዝበለጸ ከምኡ ምግባርና ጥራይ ከኣ እዩ ንፍትሕና ዘቀላጥፎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኩላትና ሓደ ዓይነት ሕቶ ኣሎና ኣምላኽ ደኣ ኣምላኽ ፍትሒ እንተ ዝኽወን በየናይ መንገዲ ንሓልፍ ከምዘሎና ይፈልጥ ኣሎ እንድዩ ፍትሒ ደኣ ዘየውጻልና? ኩቡራት ሰማዕቲ ሓደ ታሪኽ ክንግረኩም። ሓደ ግዜ ሓዳ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ናብ እንዳ ቀምቃማይ ርእሱ ክቕምቀም ከደ እንዳ ተቐምቀመ ከሎ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ዕላል ጀመሩ። እቲ ቐምቃማይ ከኣ እናሰሓቐ ኣንታ ሰብ ኣምላኽ ዝብሃል የሎን ኣምላኽ እንተ ዝህሉ ደኣ እዚ ኹሉ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ደው ዘይብል ክብል ብሕቶ ኣዋጠሮ። መቸም ቡዙሕ ተኻቲዕም ተቐምቂሙ እንዳኸደ ከሎ ኣብ መንገዲ ሓደ ጨጋር ርእሱ ጎታን ዝተበላሸወ ድኻ ሰብ ርኣየ ብቕጽበት ከኣ ናብቲ እንዳቐምቃማይ ተመልሰ። ኣንታ ሰብ ኣብዛ ዓለም ቀምቃማይ ዝብሃል ሰብ የለን። ቀምቃማይ ዝብሃል የለን እንዳበለ ደጋገመሉ። እቲ ቐምቃማይ ከኣ ኣንታ ሰብ እንታይ ኢኻ ትብል ዘሎኻ ኣነ እኳ እንህሉኹ በሎ። ቀማቃማይ እንተ ዝህሉ ደኣ ኣብቲ ጥቓ ገዛኻ ሓደ ድኻ ርእሱ ጎታን ዘይተቐምቀመ ምሃለወ በሎ። እቲ ቐምቃማይ ከኣ እናሰሓቐ እዋእ ናባይ ከይመጸ ደኣ እሞ ከመይ ጌረ ክቕምቅሞ በሎ። እቲ ሰብ ከኣ በል ንስኻ ድማ ናብ ኣምላኽ ከይመጻኻ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይትፈልጦን ኢኻ እዚ ዘይፍታሓውነት ከኣ ፍትሒ ክረክብ እቲ ፍትሒ ዝሰኣነ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ኣለዎ በሎ ።
ብርግጽ ሓቁ ብማዕዶ ኮይንካ ካብ ኣምላኽ ፍትሒ ምጽባይ የዋህነት እዩ። እቲ ፍትሕን ጽድቅን ዝደለየስ ናብ ኣምላኽ ደኣ ክመጽእ ኣለዎ። ኣምላክ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ብምኻነይ ብምስትውዓልን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን። ስበ እዚ ሰብ እኳ ጸዊዕካዮ ብዛ ድሩቱ ዓቕሙ ኣለኹ ዝብልካስ እቲ ኣነ ናይ ፍትሕን ጽድቅን ኣምላኽ እየ ዝበለ ደኣ መዓረ ኽንደይ? እሞ እንታይ ገዲስና ደኣ ፍትሒ ተደፊናን ክነሱ ስቕ ኢልና ደኒና ንኸይድ? ንሱ ንፍትሕና መዕለቢ ክሳብ ዝገብርሉ ለይትን መዓልትን ናብኡ ካብ ምጥራዕን ምጽዋዕን ስቕ ኣይንበል። እቲ እንኮ ተስፋ ፍትሕና ንሱ ባዕሉ እቲ ሰማያዊ ኣምላኽ እዩ። ስለምናትይ እዚ? ኣምላኽ ብሓቒ ኣሎ እንደባለና ካብ ምምጋት ናብኡ ንምጻእን ንቕረብን ንሱሙ ኸኣ ነድሂ። ንሱ ኣቦ ዘኽታማትን መብለታትን እሱራትን እዩ። ፍትሒ ዝገብር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ከኣ እዩ። ካብ መጽሓፍ ቁዱና ኸኣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ማእለያ ዘይብሉ ኣብነታት ክነምጽእ ንኽእል ኢና። ብፍላይ ሓደ ታሪኽ እንትወሰደና ሰናይ እዩ። እሱ ኸኣ ታሪኽ ደቂ እስራኤል እዩ። እዞም ህዝቢ እዚኦም ድሕሪ ሞት ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ዝወረዶም ኣደራዕን ሕሰምን ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል ዓቢ እዩ። ኣዚዮም ተወጺዖም እዮም። ካብ ብዝሒ ምረቶምን ስቓዮምን ዝተላዕለ እኳ ኣምላኽ ዝረሰዕም መስሊዎምሲ ኣምላኽ ንሙሴ ክግለጸሉ ኸሎ ሙሴ ንባዕሉ ኣብ ድንግርግር ኣትዩ መን እዩ ተበሉኒ መን ክብሎም ክብል ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ብምጥርጣር ዝሓተቶ። እህህቶኦም ግና ሰማይ በጺሑ እቲ ጹሑፍ ከም ዝብለና ኣምላኽ ሰማይ ፍትሒ ከውጻሎም ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብቲ ፍትሒ ዝነፈጎም ዓማጺ ፈርኦን ከኣ ሓራ ጌርዎም። ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ብፍትሒ ተገሊጽሎም እታ ሓያል ናይ ትኣምራት ኢዱ ኸኣ ረዲኣቶም።እስከ ንገዛእ ህይወትና ኣብ ናብራ ደቂ እስራኤል ንእትዋ። እንተ ብዉሑዱ ብቡዙሑ ከምዚ ናቶም ዝመስል ነግራት ንሓልፍ ኣሎና። ሕጂ ሓቂ ክንግረኩም ናትና ጉዳይ ብሓልፈትን ብዓለምን ብኽኢልታትን ካልኦትን ፈጺሙ ኣይፍታሕን እዩ። ተተጸበና እውን ክንጽበ ክንበር እምበር ለውጢ እኳ ኣይክንርእንን ኢና። ከምዚ ኢልና ኸኣ ክንቅጽል ከም ዘይንደሊ ፉሉጡ እዩ። ስለዚ ከምቲ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ካብ ዓቢና ክሳብ ንእሽቶና ለይትን መዓልትን ከይተሓለልና ንፍትሒ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ንጣራዕ። እሱ ኸኣ ንኣውያትና ፈጺሙ ኣይጽመሞን እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘዳግም 32።4 “ኩሉ መንገዱ ፍርዲ እዩ እሞ እቲ ከውሒ ግብሩ ፉጹም እዩ። ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ ንሱ ጻድቕን ቁኑዑን እዩ” ብርግጽ ንሱ ፍትሒ ዘይጠዊ ብጽድቂ ዝዳኒ ንጥርዓንን ኣውያትናን ጸማም እዚኒ ዘይህብ ጎይታ እዩ።
እዘን ጥቕስታት ብዛዕባ ፍትሓውነት እቲ ጉሩም ጎይታ እየን ዝዛረባ። ነዚ ኣምላኽ እዚ ዘይምእማን ካብ ፍትሒ ምርካብ ምህዳም ምኻኑ ዶ ንፈልጥ? ሓንቲ ሰበይቲ ኣላ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጠቅሰት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ከንኣናዊት ኮይና ካብ ወሰን ምድሪ ናብ ጐይታና መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ንተኣምራት ዝመጸትሰበይቲ እያ። ጓላ ብናይ ኣጋንንቲ ማእስርት ተኣሲራ ኣብ ስቓይ ንዘነበረት ጓላ መድሃኒት ክኸና እያ ናብ የሱሱ መጽእያ። እናጨርሓት ከኣ የሱሱ ወዲ ዳዊት ንጓለይ ማሓረለይ እናበለት ክትጣራዕ ጀመረት። የሱስ ዝገብሮ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ። ንግዚኡ ግና ስቕ በለ። ሰበይቲ ኣይተሓለለትን ጨሪሓ መመሊሳ። ደቂ መዛሙርቱ ካብ ሓልዮት ዘይኮነስ ገዓራ ስለ ዘጨነቖምን ዘጽመሞምን ገለ ግበረ ኢሎሞ። የሱስ ከኣ ገለ ነገር ተዛሪብዎ እንጊራ ዉሉድ ንኣኽላባት ምሃብ ጉቡኣ ኣይኰነን። እዚ ኣይዓንቀጻን ከምይሲ ንፍትሒ ናብቲ ኣቦ ፍትሒ ከምዝመጸት ትኣምንንን ትፈልጥን እያ። ደሓን ካብ ፍትሕካ ርፍራፍ ጥራይ ኢላቶ። ከም እምነታን ፍትሒ ምድላያን ከኣ ጥራዓና ተሰሚዑ ፍትሒ ረኺባ ኸኣ ከይዳ። ናትና ጥርዓንን ከኣ ንኸንቱ ከምዘይኮነን መንደቕ ሃሪሙ ኸኣ ከም ዘይምለስ ርግጸኛታት ምኻን ከድልየና እዩ። ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑ ፍትሒ የውጻሎም ዩ። ይጽመሞምዶኸ እዩ። ገጹ ይመልሰሎም እዩ። ስለዚ ስለ ገዛእ ርእስናን ሃገርናን ኣሕዋትናን ንፍትሒ ናብ ኣምላኽ ፍትሒ ንጣራዕ ንሱ ኸኣ ቀልጢፉ ከይደንጎየ ፍትሒ ከውጻልና እዩ።