18
Thu, Apr
0 New Articles

እግዚኣብሄር ይርኢዩ!

Message 2
Typography

ብህይወት ኣብ እንነብረሉ ግዜ ብዝተፈላለየ ኩነታት ንሓልፍ ኢና። ከምኡውን ብዙሕ ግዜ ብዝተፈላለየ ምክንያት ንጭነቕ ኢና። ኣብ ገለ እዋናትውን እዚ ምጭናቕ እዚ ዓቐን ይሓልፍሞ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ህይወትና ብዙሕ ዘይተደለየ ሳዕቤን ከስዕብ ይክ እል እዩ። በዚ መስርሕ ናይ ህይወት እዚ ክንሓልፍ ዝከኣል እኳ እንተዀነ ነንመዓልቱ ነቲ ንሓልፎ ኩነታት ብተስፋን ብዓወትን ኪንዋጻእ ምእንቲ ክንክእል ግን እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ዀይኑ ይርእየናን ብድንጋጸ ይድግፈናን እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ዝሃለና ዓይነት ህይወት ንሃሉ ብዘየገድስ ይርእየናዩ ንሎሚ ገለ ካብኡ ክንርኢ ኢና፡፡


ኣብ ግዜ መከራ

 

ንሳ ድማ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ ኢላ ስም እቲ ንእኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር ኣታ ዚርኢ ኣምላክ ኢላ ኣውጽኣትሉ። (ዘፍ 1613) ካብዚ ጥቕሲ ከምንርድኦ እግዚኣብሄር ንኣጋር ኣብቲ ኣዝያ ተስፋ ደገፍ እትደልየሉ እዋንን ብብዙሕ ዝዓይነቱ ናይ ስጋ ድካ ምን ናይ ኣእምሮ ምንዋጽን እንከላ እያ መልኣክ እግዚኣብሄር እቲ ሕያዋይ ኣምላክ ይርእያን ይድንግጸላን ከምዘሎ በቲ ዚርድኣ ቛንቃ ገይሩ ዝተዛረባ። ብርግጽ ድማ እዚ ቃል እዚ ንኣጋር ብዙሕ ትርጉም ሓይልን ተስፋን ዘለዎ ቃል እዩ ነይሩ። ምክ ንያቱ ኣጋር ኣብቲ ግዜቲ በቲ ዝበደለቶ በደል (ንሳራይ ምቅላል) ካብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ቤትን ምድርን ካብቶም ትፈልጦም ጐይቶታን ሃዲማ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ እያ ትከይድ ነይራ። ብዘይካቲ ካብ ሳራይ ምህዳም ባዕላ ዘምጽኣቶ ሽግር ምንባሩውን ተወሳኺ ዕረፍቲ ዚኸልእ ኣጋጣሚ ምንባሩ ምግማቱ ዘጸግም ኣይዀነን። ምክንያቱ ደቂ ሰባት ናይ እንሓስቦን እንገብሮን ነገራት መ-መርታ ጫፍ ደኣምበር እንታይ ሳዕቤን ከምዘምጽኣልና ዳርጋ ዝበዝሕ ግዜ ምስ ዀነ ኢና ንፈልጦ። ኣጋርውን እቲ ኣብ ሳራይ ዝበደለቶ በደል እዚ የምጽእ ኢላ ዝሓሰበት ኣይትመስልን ነይራ።

 

ካብዚ ቃል እንረክቦ ዝዓበየ መልእኽቲ እንተልዩ እግዚኣብሄር ምስ ኣጋር ከምዝነበረን ከምቲ ሰብ ዚርእዮ ዘይዀነስ ብፍሉይ ትዕዝብትን ድንጋጸን ይርእያ ከምዝነበረን እዩ። እግዚኣብሄር ኣብቲ ዝበደለትሉን ክትኩብልል ዚ-መረትሉ ኩነታትን ሰዓትን ጥራይ ዘይዀነስ ኣብ ቤታ እንከላውን ድካ ማ ዝርዳእ መከርኣ ዝፈልጥ ድርኺት ልባ ዘስተውዕል ዀታስ ብምልኣት ንኣጋር ዚፈልጥ ኣምላክ ስለዝዀ ነ በቲ ሽዑኣ ንሳራይ ዝበደለታ በደል ኣብቲ በረካ ሸለል ኣይበላን። እዚ ድማ እዩ እቲ ዝዓበየ ንኣጋር ንምጽንናዕ ምክ ንያት ዝዀ ና እግዚኣብሄር ብበደላን ሓጢኣታን ከይነዓቐ ነቲ ሰብ ክርእዮ ዘይክእል ውሽጣዊ ጓሂኣን ቃንዛኣን ርእይዎ። ንሳ ድማ ነቲ ዚረኣያ ኣምላክ ርእያቶ በዚ ድማ ተጸናኒዓ ዕረፍቲ ረኺባ።

 

ብተመሳሳሊውን እቶም ናብ ግብጺ ዝተሰዱ ደቂ እስራኤል ኣዝዮም ምስበዝሑን ኣብ ግብጺ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ንጉስ ምስ መጸን ግብጻውያን ብብርቱዕ ዕዮ ከጽብቡሎም -መሩ፡፡ ..ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ካኣ ናብ ኣምላክ ደየበ። ኣምላክ ድማ ቁዝማኦም ሰምዔ... ኣምላክ ከኣ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ ኣምላክ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።(ዘጸ223-25) እግዚኣብሄር እቲ ንህዝቡ ኣብ ጸበባኦም ዝጸቦ ኣምላክ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኩ። እምበኣር ሕጂ ንዓ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ከ ተውጽኦም ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ(ዘጻ39-10) ብምባል ብሙሴ ጌሩ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ትእምንርትን ታኣምራትን ካብ ግብጺ ከውጽኦም ከሎ ንርኢ። ኣብዚ ህዝቢ እስራኤል ፍጹም ዀይኖም ንእግዚኣብሄር ይጽበዩ ነይሮም ክንብል ኣይንክ እልን ኢና ብዙሕ ጊዜ ኣዀ ርዮሞ እዮም እንተዀ ነ ኣብ መዝሙር ዳዊት 10644-46 ከምንረክ ቦ ብዙሕ ጊዜ ኣናገፎም ንሳቶም ግና ብምክ ሮም ዐለዉ ብኣበሳኦምውን ተዋረዱ። ኣውያቶም ምስ ሰምዔ ከ ኣ ጸበባኦም ረኣየ። ንኪዳኑ ድማ ዘከረሎም ብመጠን ብዝሒ ሳህሉውን ራሕርሓሎም። ኣብ ቅድሚ ኩሎም ማረክ ቶም ከኣ ሞገስ ሀቦም።ይብለና፡፡

ኣብ ግዜ ተስፋ ምቑራጽ

 

ብዘመን ንጉስ ኣከኣብ ብዙሓት ነብያት ምስተቐትሉ ነቢይ ኤልያስ ... ሞት ተመንዩ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ ሕጂ ይኣክ ለኒ ንነፍሰይ ውሰዳ በለ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ መልኣክ ነቕኒቑ ተንስእ እሞ ብላዕ በሎ። ..ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ክ ሳዕ ሆሬብ እቲ ከ ረን ኣምላክ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን

ከደ።(1ነገ194-8) ኤልያስ እቲ ብእምነትን ብትብዓትን ነቶም ነብያት በዓላት ስዒሩ ብሴፍ ዝሓረዶም ብናይ ኢዛቤል ምፍርራሕ ተስፋ ቆሪጹ ሞት ክምነ ከ ሎ ንርእይ ንሕናውን ብዙሕ ናይ እምነት ጉዕተቅ ዘሕለፍና ክንከውን ንክ እል ኢና ኣብ ገለ እዋን ግን ብዘጋጥመና ኩነታት ተስፋ ቆሪጽና ጉዕተቅ ክርስትና ከነቛርጽ ክንደናደን ንኽእል ኢና እግዚኣብሄር ግን ንኩነታትና ብድንጋጸ ተዓዚቡ ኩሉ ግዜ ሓይልና የሐድሶ እዩ።

 

ኣብ ግዜ ፍርሒ

 

ሚድያናውያን ንህዝቢ እስራኤል ምስ ወረርዎምን ምስ ዘመትዎምን ጊዴዎን ካብ ፍርሒ እተላዕለ ካብ ሚዲያናውያን ተሓቢኡ ስርሑ ይሰርሕ ነይሩ ሽዑመልኣክ እግዚኣብሄር ተራእዮ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳካ እዩ ከኣ በሎ።... እግዚኣብሄር ናብኡ ግልጽ ኢሉ ልአïከ ካዶ ኣይዀንኩን በዚ ሓይልካ ዚ ኬድካ ንእስራኤል ካብ ሚድያን ኣድሕኖም በሎ። ..(መሳ612-16) ጊዴዎን ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ንእግዚኣብሄር ክኣምኖ ብዙሕ ተሸጊሩ ብዙሕ ምልክታት ከኣ ሓቲትዎ እግዚኣብሄር ድማ ከይሰልከየ ንኩሉ ሕቶታቱ ብምምላስ ንጊደዎን የእሚኑ ካብ ፍርሒ ኣውጺኡ ንዓቢ በረከ ት ገይርዎ። ንሕናውን ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፍርሒ ሃዋሁ ንህሉ ንከ ውን እግዚኣብሄር ግን በዚ ዘለናዮ ኩነታት ክጥቀመልና ይክ እል እዩ።

 

ኣብ ግዜ ስእነት

 

ኣብ እስራኤል ብርቱዕ ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እግዚኣብሄር ንደቁ ብዘይ ናይ ዕለት እንጌራ ስለዘይገድፍ ንነቢይ ኤልያስ ሓንሳእ ብኳካ ት ሓንሳእ ድማ ብሓንቲ ኣዝያ ድካ መበለት ገይሩ ንነዊሒ ግዜ ክቕልቦ ከሎ ንርእይ (1ነገ172-16)። እግዚኣብሄር ኣምላክ ና ብዘመን ጥሜት ብጽጋብ ዘንብር ስለዝዀነ ንስጋዊ ድሌትና ዘድልየናን ዝጐደለናን ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ ብዝተፈላለየ መገዲ ገይሩ ናይ ዕለት እንጌራና ይህበና እዩ። እግዚኣብሄር ንድሌት ልብና ይርእዮን ይፍጽሞን እዩ። ብተወሳኺ ሃና ውሉድ ስኢና ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ውርደት ባርያካ ኣጸቢቕካ ርኢካ እንተ ዘከርካኒ ንባርያካ ውን እንተ ዘይረሳዕካኒ ንባርያካ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ ኣነ ድማ ኩሉ ዘመን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር የወፍዮ ናብ ርእሱ ከ ኣ መላጸ ኣየሕልፎን ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።(1ሳሙ111) ሽዑእግዚኣብሄር ንጸሎታ ሰሚዑ ሳሙኤል ክቡር ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክህባ ከ ሎ ንርእይ።

 

ኣብ ግዜ ሓጢኣትን ውድቀትን

 

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓደ እኳ ፍጹም ሰብ ስለዘየለ እግዚኣብሄር ኣብ ግዜ ሓጢኣትናን ውድቐትናንውን ይድንግጸልና ከምቲ ጻድቕሲ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ ዝተጻሕፈ ከኣ የተንስኣናን እዩ። ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ ብኩሉ ከ ምዚ ከ ማና እተፈተነ እዩ እምበር ብድካ ምና ኺድንግጸልና ዘይክ እል ሊቀ ካ ህናት የብልናን..(እብ414) ዝብል ቃል ክንደይ ኣዝዩ ንልብና ዘየጸናንዖ። ምክ ንያቱ ጐይታ ባዕሉ ብኩሉ ከምዚከ ማና ስለዝተፈተነ እንሓልፎ ኩሉ ዝርእን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ድማ ክንፍተን ከምዘይሓድገና በቲ ሓለፋ ስሙ ዘክ ብር ቃሉ ቃል ኣትዩልና ኣሎ። እምበርከስ ከምናይ ጐይታ ሰዓብቲ ክንፈልጦ ዘሎና ሓቂ እንተደኣ ሃልዩ እዚ እዩ። ካብቲ ዝከ ብደና ነገራት ክብ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ኣሎ።

 

ንጐይታ ንከ ፍሎ ዋጋ

 

ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ ትጽቢትካ ከ ኣ ከንቱ ኣይኪከ ውንን እዩ እሞ ልብካ ኩሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃልዎ እምበር ብሓጢኣተታት ኣይቕናእ።(ምሳ2317-18) ከምኡውን እግዚኣብሄር ብመልኣኩ ገይሩ ንማሕበር ፊላደልፍያ ንግብርካ እፈልጦ ኣሎኩ። ዓቕምካ ሒደት እዩ ንቓለይ ሐሊካ ዮ ንስመይውን ኣከሐድካዮን እሞ እንሆ ሓደ እኳኺዐጽዎ ዘይክእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኩ።(ራእይ38) ብምባል ነቲ ብድኹም ዓቕሞም ንስሙ ዝተኣመንዎ ኣዝዩ ዓቢ ዝህ ዓስቢ ክህቦም ከሎ ንርእይ። ስለዚ ንጐይታ ምስዓብ ምስ ጀመርና እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብምጥርጣር(ተስፋ ብምቑራጽ) ምእንቲ መንግስቲ ኣምላክ ን ጽድቕን አïልና ግዝያዊ ዕጋበት ክህቡና ዝክ እሉ ነገራት እንሓድጎ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ንስከሞ ጸርፊ ውርደት ስእነትን ካልእ መከራን ንዕዮ ጐይታ አïልና ንከ ፍሎ ዋጋ እግዚኣብሄር ይርእዮን ብመስፈር ውህበቱ ገይሩ ድማ ንኩሉ ዓስቢ ይህበናዩ (ሉቃስ1829-30, እብ69, 1ቆረ1558, መዝ8411)። ነቲ ሰባት ክርእይዎን ክርድእዎን ዘይክእሉ ውሽጣዊ ቃንዛና ጓሂና ፍርሕናን ካልእ ኩሉ ኩነታትናን ኣብ ዝፋኑ ዀይኑ ዚርእየናን በቲ ንሓልፎ ኩነታት ኩሉ ዝድንግጸልና ዝጾረናን ዘሳግረናን እግዚኣብሄር ክንርእዮን ክንኣምኖን እግዚኣብሄር ጸጋ የብዝሓልና። እግዚኣብሄር ይርኢዩ!